Nharnet Articles/Opinions

     

   

ሓባራዊ ኣኼባ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራስን

መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ

29.04.2008

 

 

 

 

ብመሰረት’ቲ ኣብ መንጐ መሪሕነታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብርክት ዝበለ ቍጽሪ ዘለዎም ኣብ ውድባዊ ስርሓት ዝተዋፈሩ ካድራትን ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኣብ ካርቱም ተኻይዱ።

 

እዚ እሙናት ምንጪታት ናይ ክልቲኡ ውድባት ንመርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ     ዝሃብዎ ሓበሬታ ክኸውን እንከሎ፤ እቲ ምንጪ ብምቕጻል፡ ዕላማ ናይ’ቲ ኣኼባ፡ ከመይነት ኣብ ግብሪ ኣውዓዕላ ናይ’ቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብደረጃ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ዝዝቲ ኣኼባ ምንባሩ እቶም ምንጪታት ሓቢሮም። እዚ ንዳርጋ ክልተ ሰዓታት ዝቐጸለ ኣኼባ’ዚ፡ ግሉጽ ዝዀነ ምይይጥን ሕታታትን ዝቐርበሉ ኣኼባ ምንባሩ ውን ተገሊጹ።

 

ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ድማ፡ ብጻይ ጅምዕ ዓሊ በኺት፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶን፤ ብጻይ ዓሊ ዲናይ፡ ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኢዮም።

 

መሪሕነታት ክልቲኡ ውድባት፡፡ ሽሕ’ኳ ኣብ ገለገለ ፖሊሲታት ፍልልያት እንተሎ፡ ብደረጃ ስትራተጂካዊ ጕዳያትን መደብ ዕዮን ዝተቐራረቡ ምዃኖምን፤ ናብ ሓድነት ናይ ክልቲኡ ውድባት እተበጽሖም ሓባራዊት ናይ ምውህሃድ ኮሚቴ መዚዞም ምህላዎ ቅድም ክብሉ ከምዝሓበሩ ዝዝከር ኢዩ።


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com