እዚ ዘየደቅስ ስክፍታ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዘሕፍርን ዘሰንብድን ተርእዮ ውን ኢዩ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

25.04.2008

 

ኣብ ሕድሪ እተባህለ ዕላዊ ልሳን ህግዲፍ፡ ሕታም ቍጽሪ 36፡  ኣብ ትሕቲ “ዘየደቅስ ስክፍታ” ዝብል ኣርእስቲ ብኤፍረም ሃብተጽዮን ኣብ ዓምዲ ርእይቶ ዝሰፈረ ጽሑፍ፡ ኣብ ታሕሳስ 2007 ኣብ ሳዋ፡ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ሓደ ንውጽኢት 4 ዓመታት መዛዘሚ ፈተና ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርርቲ ኤርትራ (ማትሪክ) ዝግምግምን፤ ትምህርታዊ ሃዋህው ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝገልጽን መደብ ተሰሪዑ ምንባሩ ይሕብር።

 

ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ዶር ብስራት ገብሩ፡ ሓላፊት ማእከል ስልጠናን ፈተናን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ንጕዳይ ፈተና ተመሃሮ ኣመልኪታ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓመታት ቍጽሪ ኣብ ማትሪክ ዝተርፉ ተመሃሮ እናዛየደ ይኸይድ ከምዘሎ ሓቢራ። ጠንቂ እቲ ምትራፍ ኣለሊኻ፡ ንመንእሰያት ዝሓሸ ባይታ ክፍጠረሎም ሓያል ጻዕሪ ናይ ኵሉ ወገን ከምዘድሊ ከኣ ኣብሪሃ። ካብ 2003 ጀሚሩ፡ ብዝሒ ኣብ ማትሪክ ዝዕወቱ ተመሃሮ እናጐደለ መጺኡ ክንብል ከሎና ቀሊል ጕዳይ ከምዘይኰነ ንዅሉ ርዱእ ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ኢዩ፣ ብቕዓት ተመሃሮ እናጐደለ ክመጽእ ተራእዩ። ብመሰረት ጸብጻብ’ቲ ማእከል ስልጠናን ፈተናን፡ እንትርፎ’ቲ ኣብ 2004 ዝተራእየ ደሓን ዝዀነ ውጽኢት፡ ኣብ’ተን ካልኦት ዓመታት እቲ ተርእዮ ዘሰክፍ’ዩ ኰይኑ ጸኒሑ ኢላ።

 

እቲ ዝዓበየን ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ጸገም ዝተራእየሉ ዓመት 2007 ኢዩ ነይሩ። ካብ’ቶም ዝተፈተኑ 17,000 ተመሃሮ እቶም 10,000 ብዅሉ ዝተፈተንዎ ዓይነት ትምህርቲ ዜሮ ከምዘምጽኡ ውን ተገሊጹ።

 

እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ናይ ስርዓት ኢሳያስ ናይ ፕሮፕጋንዳ መሓውራት ብፍላይ ድማ ተለቪዥን ኤርትራ፡ ንዝደረቐ ለምለም፡ ንዝጠመየ ጽጉብ፡ ንዝፈሸለ ዕዉት፡ ንጻዕዳ ጸሊም ገይሩ ንዓይኒ ሓፋሽ ዝደፍን ሓሶታት ክዝርግሕ ከምዝጸንሐን ይዝርግሕ ከምዘሎን ካብ ማንም ስውር ኣይኰነን። በዚ ዝደናገር ሰብ ውን ውሑድ ኣይኰነን። ካብ 17,000 ተመሃሮ 10,000 ክወድቁ ከለዉ ዘሰክፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዘሕፍርን ዘሰንብድን ውን ኢዩ።

 

እቲ ኣብ’ዚ ዘገድሰና ጠንቂ ናይ’ዚ ውድቀት እዚ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን፤ ነቲ ጠንቂ ፈሊጥካ ምፍዋስን ኢዩ።

 

መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ዝተጋህደ ፍሽለታት ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንቤት ትምህርቲ ሳዋ ክኸፍት እንከሎ፡ እቲ ቦታ ንትምህርቲ ምቹእ’ዩ፡ ንትምህርቲ ዘድሊ ነገራት ተዋዲድሉ ኣሎ፡ ካብ ዝብል እምነት ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፡ መንእሰያት ተባላሽዮም፡ ኣያታቶም ዘሕለፍዎ ሓሳረ መከራን ታሪኽን ክፈልጥዎ ኣለዎም፡ ሓደ ሃገራዊ መንነት ዘለዎ ወለዶ ክንፈጥር ኣሎና ካብ ዝብል ኣረዳድኣ’ዩ ተበጊሱ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ዕላማኡ ኣካዳሚካዊ ፍልጠት ንምቕሳም ዘይኰነስ፡ ፖለቲካዊ ኢዩ ነይሩ። ንመንእሰያት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቍጽጽሩ ንምእታው ዝሕልን እኩይ መደብ’ዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ኢዩ ድማ፡ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ኣብ ጋንታታት፡ ሓይልታት፡ ቦጦሎኒታት፡ ብሪገዳት ተኸፋፊሎም ብወተሃደራዊ ዲሲፕልንን ብወተሃደራዊ ትእዛዛትን ክመሓደሩ ዝተራእዩ። እዚ ሃዋህው’ዚ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ሃዋህው ኣይኰነን፤ ንመንእሰያትን ንመምህራኖምን ዝስሕብ ሃዋህው ኣይኰነን። ወለዲ ንደቆም ክከታተሉ ዝኽእልሉ ዕድል የብሎምን። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት፡ ሕብረተ-ሰብ ውን ግዲኡ ክጻወት ኣይኽእልን ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ’ዮም ተመሃሮ ናብ ቤት ትምህርቲ ሳዋ ዝኸድሉ ግዜ ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን ክሕብኡ፡ ኰነ ኢሎም ትሕቱ ነጥቢ ከምጽኡ፡  ብመርዓን ጥንስን ካልእን ምኽንያታትን ኣመሳሚሶም ክተርፉ ወይ ድማ ካብ’ቲ ቤት ትምህርቲ ኣምሊጦም ንስደት ከምርሑ ዝርኣዩ ዝነበሩ።

 

ብተወሳኺ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብ2001 ዓ.ም ኢዩ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ክዕጾ ኢዩ ወሲኑ። በዚ ውሳኔ’ዚ መሰረት መጀመርያ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዩኒቨርስቲ ዝምሃሩ ዝነበሩ፤ ኣብ ዝስዕብ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይ ዓመት ዝምሃሩ ዝነበሩ፤ ብድሕሪኡ ዘሎ ዓመት ኣብ ሳልሳይ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ራብዓይ ዓመት ዝነበሩ ተመሃሮ ከምዘቛርጹ ብምግባር ብ2006 ዓ.ም እቲ ዩንቨርሲቲ ጠሪሱ ከምዝዕጾ ኰይኑ። ስለ’ዚ፡ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምቕሳም ዕድል ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ንፉዓት ወይ ህርኩታት ክዀኑ ኢልካ ምጽባይ ዘይከኣል ኢዩ።

 

መሰረታዊ መንቀሊ ናይ’ቲ ሽግር እዚ ኰይኑ፡ ካልእ ብኻልኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ጠንቅታት የለን ማለት ግን ኣይኰነን። ከም’ቲ ኤፍረም ሃብተጽዮን ንሕድሪ ቍ.36 ዝሃቦ ርእይቶ ብዘይ ዝዀነይኹን መጽናዕትን ምድላዋትን ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሉም) ምቕያር ሓደ ካብ’ቶም ጠንቅታት ፍሽለት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ኢዩ። ካብ 1991 ዓ.ም ክሳብ ናብ ማትሪክ ዝቐርቡ ተመሃሮ ኵሉ ዓይነት ትምህርቲ ይውሃቦም ነይሩ። ኣብ 2003 ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ሳዋ ምስ ተመስረተ፡ ናይ ባህርያዊ ስነ-ፍልጠት ትምህርትን ናይ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ናይ ሕርሻን ስነቍጠባን ዝብል ምፍፋላት ተኣታትዩ፡ ነፍስወከፍ ንማትሪክ ዝኣቱ ተመሃራይ ከምዝንባሌኡ ሓደ ካብ’ዚ ዓይነት ትምህርቲ ማለት ባህርያዊ ስነ-ፍልጠት ወይ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠን ወይ ሕርሻ ወይ ስነ-ቍጠባ ጥራሕ ከምዘጽንዕ ተገይሩ።

 

ኣብ ዝቐጸላ ክልተ ዓመታት (2006ን 2007ን) ድማ፡ ከም’ዚ ምዃን ተሪፉ፡ እንደገና ኵሉ ንማትሪክ ዝፍተን ተመሃራይ ኵሉ ዓይነት ትምህርቲ ክወስድ ኣለዎ ተባሂሉ። ከም ውጽኢቱ፡ ኵሉ ተመሃራይ ተሓዋዊሱ። ታሪኽ ጸኒሕካ ፊዝክስ፡ ጆግራፍ ጸኒሕካ ከሚስትሪ፡ ምውሳድ ተጀሚሩ። ሕጂ ድማ፡ ኣብ’ቲ ናይ 2003-04 ዝነበራ ኣገባብ ኣመሃህራ ክምለስ ኣለዎ ይብሃል ኣሎ። እዚ ምግልባጣት’ዚ ዘመልክቶ ነገር እንተደልዩ እቲ ውሳኔ ብመጽናዕቲ ዘይኰነስ ብቃሕታ ናይ’ቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ይውሰድ ምንባሩ ኢዩ። ን12 ዓመታት ዝተኸተልካዮ ስርዓተ-ትምህርቲ ክትቅይር ክትሓስብ ከሎኻ፡ እኹል ምድላዋት ብዅሉ መልክዓቱ ከምዘድልየካ ርዱእ ኢዩ።

 

ካልእ ጠንቂ ናይ ውድቀት ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ጕዳይ መምህራን ኢዩ። ቤት ትምህርቲ ሳዋ ክጅምር ከሎ፡ ብጀመርቲ መምህራን’ዩ ተበጊሱ። እቶም ተመኵሮ ነይርዎም ዝብሃሉ መምህራን ውን እንተዀኑ፡ ሓንቲ ዓመት ጥራሕ ኢዮም ሚሂሮም ነይሮም። እቶም ዝተረፉ ድማ ናይ ዩኒቨርሲቲ ሰርቪስ ዝገብሩ ዝነበሩ ኢዮም። እዚ ጸገም’ዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን። ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ እንተዀነ ውን ዝበዝሑ ካብ’ቶም መምህራን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዮም ብምባል ኣቶ ኤፍረም ሃብተጽየን ዝሃቦ ገምጋም ኣብ ቦታኡ ኢዩ።

 

ጕዳይ መጽሓፍትን መወከሲ መምህራንን ውን ከምኡ ኣብ’ቲ ፍሽለት ናቱ ተራ ከምዝነበሮ ኣሉ ክበሃል ኣይክእልን ኢዩ። ሓድሽ ካሪክልም ኣተኣታቲኻ ብናይ ቀደም መጽሓፍትን መወከሲ መምህራንን (Syllabus) ምምሃር ውጽኢት ክርከቦ ከምዘይኽእል ፍሉጥ ነገር ኢዩ።

 

ሚኒስትሪ ትምህርቲ እተኸተሎ ኣካይዳ’ውን፡ ሓደ ካብ ጠንቅታት ኢዩ። ብደግፎ ደግፎ ዝሓለፉ፡ መሕለፊ ነጥቢ ኣትሒትካ ናብ ዝቕጽል ከምዝሰግሩ እናገበርካን ጽቡቕ ውጽኢት ክትጽበ ዝከኣል ኣይኰነን። ኣቶ ሰመረ ርእሶም፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንጕዳይ ትምህርቲ ኣመልኪቱ፡ እዚ ጕዳይ’ዚ ውዓል ሕደር ዘየድልዮ ጕዳይ ምዃኑ ምግላጹ፡ በቲ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ፍሽለት ምእማኑ ኢዩ ዘረጋግጽ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com