ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን

 ተ.ሓ..ኤ ሰውራዊ ባይቶን ሓባራዊ ኣኼባ ኣካይዶም

27.04.2008

ብዕለት 26 ሚያዝያ 2008 ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ስርዒታውያን ሓለፍት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሓባራዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክበብ ኤርትራዊ ኣካይዶም። እዚ ፈላሚ ኣኼባዚ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታትት ዝመጹ መራሕቲ ጨናፍር ክልቲኡ ኣካላት ዝተሳተፍዎ ኰይኑ፡ ዕላምኡ ብላዕለዎት መሪሕነታት ንዝተበጽሑ ሓባራዊ ስምምዓት ብጥርኑፍ ንምብራህን፡ ነቲ ብኣዋሃሃዲት ኣካል ዝቐረበ ናይ ስራሕ መደባት ንትግባሪኡ ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ንምውህሃድን ሕድሕዳዊ ሌላ ሓለፍቲ ስራሓት ንምፍጣርን ዝዓለመዩ ነይሩ።

ኣኼባ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ቅድሚ ምክያዱ፡ ልክዕ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት እታ  ብላዕለዋይ ሓባራዊ ናይ ስራሓት ኣዋሃሃዲ ኣካል ዝተመዘተት ኣብ ጀርመን ንኽካየድ ዘለዎ ሓባራዊ ስራሓት እትምእክል ሽዱሽተ ዝኣባላታ ቦታዊት ሽማግለ ተራኺባ፡ ነብሳ ሰሪዓ፡ ንትሕዝቶን መንፈስን ውጽኢት ሰነድ ስምምዓት ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምርኣይ፡ ኣብ ትግባሪኡ ክሕግዙ ዝኽእሉ ክትክተሎም ዘለዋ መድረኻዊ ዕማማት መዲባ።

ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ስርዒታውያን ሓለፍቲ ክልቲኡ ኣካላት፡ ተጋዳላይ ንጉሰ ጸጋይ ኣባል ላዕለዋይ  ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ተረኺቡ፡

ኣብ መንጎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶን ካብ 2004 ጀሚሩ ክኸይድ ዝጸንሔ መሪሕነታዊ ዘተን ርኽክባትን፤ ኣብ ሕድሕድ ንዝጸንሔ ናይ ተመኩሮን ኣመጻጽኣን ፍልልያት ኣብ ምጽባብ ዝነበሮ እወንታዊ ተራን፡ ሓባርዊ ስራሓት ንምክያድ ኮነ ነብሰ ምትእምማን ንምፍጣር፡ ዘሊልካዮ ክሕለፍ ዝነበሮ መድረኽ ከምዘይነበረ ኣመልኪቱ፤ ነቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት 2008 ዝተበጽሔ ሓባራዊ ስምምዕ ኣብ ምርግጋጽ ዝነበሮ ኣገዳሲ ኣበርክቶን ድሕሪ ምሕባር፡ ንመንፈስን ትሕዝቶን ኣረዳዳኣን  መሪሕነታዊ ርኽክብ ብዘንጸባርቕ፡ ልክዕ ትሕዝቶ ተበጹሑ ዘሎ ሓባራውን ቀያድን ስምምዕ ክልቲኡ ውድባት ሓደ ብሓደ ብዝርዝር ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቡ። ቀጺሉ ሓባራዊ ስምምዕ ምብጻሕን ምኽታምን ማለት ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ሰነድ ምርግጋጽ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ምውጋን ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን ማለት ስለዘይኮነ፡ ንዝተበጽሑ ስምምዓት ብተግባር ኣብ ዓውደ ስራሓት ምስ እነመስክሮምን፡ ብኣዋሃሃዲት ሽማግለ ንዝቐርብ ሓባራዊ መደባት ኣብ ፍጻሜኦም ምስ እንነጥፍን ጥራሕ ኢና፡ ብሓዱሽ ናይ ቃልሲ ንያት ተመሪሕና፡ ባህግታት ህዝብና ክንመልስን መንገዲ ዓወትና ከነቀላጥፍን እንኽእል ክብል፡ ንነፍስ-ወከፍ ስርዒታዊ ሓላፊ ኮነ ኣባል ክልቲኡ ውድባት ዝጽበዮ ዘሎ ዕማምውን ሓቢሩ።

ድሕሪ መግለጺ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝቐረቡ ሕቶታትን ርእይቶታትን፡  ኣብ ምምላስን መብርሂታት ኣብ ምቕራብን ኣማኒኤል ሓጎስ፡ ብርሃነ ገብረዝግኣብሄር፡ ተስፋማርያም ክብራኣብ፡ ኣባላት ቦታዊት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ኣገዳሲ መግለጺታትን ተወሳኺ ሓበሬታትን ኣቕሪቦም።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ብሸነኾም፡ ንዝተበጽሔ ሓባራዊ ስምምዕ ኣብ ምርግጋጽ፡ መሪሕነታት ክልቲኡ ውድባት ዘካየዶ ጻዓታት ብምምጓስ፡፡ ነቲ ካብኣቶም ዝሕተት ተግባራዊ ዕማማት ኣብ ምፍጻም ዘይተቘጠበ ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖምን፡ ሓባርዊ ስራሓትና ብዝዀነ ይኹን ናይ ደገ ብሂላት ንድሕሪት ክምለስ ከምዘይግባኦን፡ ነቶም ንነብሶም ካብ ስራሕ በኲሮም ንዓናውን ከብኩሩና ዝደልዩ ኣካላት ብስራሕ ክንስሮም ከምዝግባእ፡ ብዝሕብር መንፈስ ናይ ቃልሲ ርእይቶታቶም ብምቕራብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክሰላሰሉ ዝግባኦም ሓባራዊ ዕማማት ብመደብ ክታሓዙን ክሕንጸጹን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ዝቐረበ ሕሳባት ምስቲ ቦታዊት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ኣቐዲማ ተሊማቶ ዝጸንሔት መደባት ዝሰማማዕ ኰይኑ ስለዝተረኽበ ድማ፡

1.       ኣብ ዕለት 7 ሰነ 2008 (07.06.2008) ሰሚናር ኣብ ጀርመን ዝርከብ መላእ ኣባል ክልቲኡ ውድባት ክካየድ፡ ድሕርዚ መደብዚ ምስልሳሉ፡ ስዒቡ ናይ ህዝቢ ሰሚናርን ባህላዊ ምስዮትን ክግበር፡

2.       ክሳብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዕለት ሓላፍቲ ጨናፍር ትሕዝቶ ሰነድ ሓባራዊ ስምምዕ ንመላእ ኣባላተን ክሕብራ፡

3.       ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከባቢ ወይ ከተማ ዝርከቡ ጨናፍር ክልቲኡ ውድባት ናይ ርኽክብ መስኖ ክስራዕ፡

4.       ንሓባራዊ ስምምዕ ብዝምልከት ነፍሲ-ወከብ ጨንፈር ዘካየዶም ሓባራዊ ኮነ በይንኣዊ ዕማማት ዝሕብር ጸብጻባት ንኸቅርብ፡ ዝብሉ እዋናዊ መደባት ኣኼባ ተሰማሚዑን ኣጽዲቑን።

ኣብ ታሪኽ ቃልስና ካብዝተኻየዱ ስምምዓት፡ ናይ ፍስለቶም ተሓታቲ ኮነ ተሓማዪ መሪሕነት እንዳተባህለ ዝኸይድ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ በጺሕናዮ ዘለና ሓባራዊ ስምምዕን ስራሕን ግን ድሮ ኣብ ኢድ ኩልና በጺሑን ተሳታፍነት ናይ ኩልና ዝሓትትን ምዃኑ ኣትሕበርዎ ዘለኹም ኢዩ፡ ብስራሕን ብተግባርን ዋናታት ናይዚ ስምምዕን ዓወትን ምዃና ድማ ነፍሲ-ወከፍና ከነመስክር ይግባእ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ሓደ መጸውዒ ገጽ ዘለዎ ኣካል ንምፍጣር ዝዓለመ ጉዕዞናውን ብውጽኢት ሓባራዊ ስራሓትናን ድልየታትናን ዝግዛእ ስለዝኾነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሓላፊ ስራሕ ይኹን ኣባል ከበርክቶ ዘለዎ ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ ኣብ ቅድሜኹም ኢዩ ዘሎ፡ ክብል ንጉሰ ጸጋይ፡ ንትግባረ ሓባራዊ መደባት ዝዓለመ መጸዋዕታ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቡ።

ኣብ መጠረስታ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ስሙን ዝመጸሉ ቦታን እንዳሓበረ ናይ ሌላ መደባት ተካይዱ፡ ኣኼባ ብዝኽሪ ናይ ስዉኣት ተደምዲሙ።             

         

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com