ሓጺር ታሪኽ ሂይወት ነፍሰ-ይምሃር ወይዘሮ ምሕረት ወልደገርግስ

 

ታሪኽ ሂይወት ነፍሰ-ይምሃር ክብርቲ ሓውትናን ናይ ቃልሲ ብጸይትናን ወይዘሮ ምሕረት ወልደገርግስ፡ ኣብዚ ሓጺር እዋን ብሃንደበት ተጻሒፉ ንሞሳኤንን እንታይነተንን ዝገልጽ ኰይኑ ክቐርብ ከምዘይኽእል ንኩልና ብሩህ ኣብርእሲ ምዃኑ፡ እቲ ኣብዚ ሕጂ እነቕርበልኩም ካብ ማይ ባሕርስ ብጭልፋ ኰይኑ፤ ነቶም ዘይትፈልጥወን ብዛዕባኣን ገለ ሓበሬታ ንኽህልወኩም  ካብዝብል ጠቒስካዮ ንምሕላፍ ኢዩ።

 

ነፍሰ-ይምሃር ክብርቲ ወይዘሮ ምሕረት፡ ካብ ወላዲኤን ባሻይ ወልደገርግስ ስባህቱ ዓዶም ዓዲ-ነኣምን ኣውራጃ ሓማሴን፤ ካብ ኣዲኤን ወይዘሮ ለተጼን ወልደገብሪኤልን ብ1933 ዓ. ም ኢየን፡ ኣብ ኣኽርያ ከተማ ኣስመራ ተወሊደን።

 

ነፍሰ-ይምሃር ምሕረት ወልደገርግስ፡ ንዓቕመ ኣዳም ምስ በጽሓ ተመርዕየን ብፍቕርን ሰላምን ምዉቕ ናብራን ሓዳርን ዝመርሓ ዝነበራ ፍትውቲ ኣደ ኢየን ነይረን። ኣብ ናብርኤንን ትሕዳረንን ዕውትን ምጉስትን ኰይነን ኣደ ትሽዓተ ኢየን። ክብርቲ ሓፍትናን ብጸይትናን ምሕረት ወልደገርግስ ብሕርዊ መነባብሮ ምኽንያት ኣብ 1967 ዓ.ም ካብ ኣስመራ ምስ በዓል ቤተን ኣቶ ኣሕመድ ያደታ ብ ኣውራጃ ባርካ ጐልጅ ኣብ ተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኣትየን ሕርዊ መነባብሮኤን ከካይዳ ጀመራ። ወይዘሮ ምሕረት ንዘጥረያኦ ናይ ሕርሻ መነባብሮ ከም ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ገዛ ከይታሓጽራ፡ ልክዕ ከም ሰብኣይ ናይ መሮር ስራሓት ከካይዳን፡ ካብተን ናይ መጀመርታ ናይ ሕርሻ መኪና (ትራኽተር) ኣጥርየን ባዕለን ተዓጢቐን ምሕራስ ዝጀመራ ዕዉታት ኣዴታት ኣየን ነይረን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኲነታት ከኣ ኢየን  ናይ ነጻነትን ሓርነትን ሃልሃልታን ኣብ ኣእምሮኤን ሰሪጹ፡ ብዕዙዝ ፍቕሪ ሃገር ተላዓዒለን ብኡ ንብኡ ኣብ 1967 ኣብ ናይ ከተማ ጐልጅ ውሽጣዊ ስርርዓት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢረን ሃገራዊ ግቡኤን ክፍጽማ ጀሚራ። ወይዘሮ ምሕረት ንዝነበረን ናይ ሕርሻ ወፍሪ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ናይ ቃልሲ ተጠቒመን ድማ፡ ብዘይዝኾነ ይኹን ፍርህን ስግኣትን ኩሉቲ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ናይ ሓርነት ተጋደልቲ ዘድሊ ነገራዊ ትሕዝቶ ካብ ከተማታት ብምውጻእ፡ ኣብ ምዕንጋሎም ዓቢ ተራ ኣበርኪተን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነውን፡ ተጋደልቲ ኣብ ከተማታ ክፍጸም ንዝደልይዎ ስርሒታት ኣብ ምትሕብባርን፡ ንብረት ተጋደልቲ ኣብ ምዕቃብን፡ ኣብ ከተማ ክሰርሕ ዝድለ መሳርያታት ከም ማንም ውልቃዊ ንብረት ኣብ ትራኽተረን ጽዒነን ንውሽጢ ኣብ ምእታውን ግዲኤን ልሉይን ፍሉጥን ነይሩ። ብዘይካዚ ንዝተወግኡ ተጋደልቲ ኤርትራ ኣብ ጣሻን በረኻን ዝነበረ ሕክምንኦም ዳህሲሰንብደም ዝጨቀወ  ክዳውንቶም ክሓጽን ክኣልን ዝዋዓሉ ግዝያት ካብ መነባብሮአን ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ሞያዚ ድማ ኣብ ጋሽ ዝነበረ ተጋዳላይ ንወይዘሮ ምሕረት “ኣደ ኩሉ” ብዝብል ስም ይፈልጠን ምንባሩ ኢዩ ዝትረኽ።

 

ኣብ 1974 መወዳእታ፡ መግዛእታዊ ሰራዊት ንከተማ ም-ሓጀር ዓጽዩ ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ከህልቕ ምስ ጀመረን፡ ነታ ከተማውን ሓዊ ምስ ኣቓጸላን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ህዝቢ ንሱዳን ክስደድ ስለዝተገደደ፡ መላእ ስድራ ወይዘሮ ምሕረትውን ካብ ጐልጅ ንብረቶም ጠንጢኖም ኣብ መጀመርታ 1975 ናብ ከሰላ ሱዳን ሰዱ። ግፍዕታት ጸላእን ከርፋሕ መነባብሮ ስደትን ግን፡ ንሃገራዊ ቃልሲ ወይዘሮ ምሕረት ኣይቀየሮን፡ ብዝያዳ እዃደኣ ኣሕነኖ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ጐኒ ብጾተን ተሰሪዓ ብቐረባን ርሒብ ናይ ቃልሲ ቦታ ረኺባን መዓልታዊ ዕማማተን ቀጸ። ክብርቲ ሓፍትና ብጻይትናን ወይዘሮ ምሕረት ፈቓርን ርህርህትን፡ ሕያወይትን ኰይነን፡ ምስ ኩሉ ዝዓበየን ዝናኣሰን ተዋዛይትን ሰሓቂትን ኣደ ኢየን ነይረን። ኣብ ቅዲኤን ዝኾነ ይኹን ፍጡር ወዲ ኣዳም ብዘይዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ሓደ/ማዕረ ኢዩ። በዚ ምኽንያት ስድራ ነፍሰ-ይምሃር ወይዘሮ ምሕረት ኣብነታዊት መግለጺ ሓድነትን ምክብባርን ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ኢየን ክትባሃል ትካኣል ኢያ።

 

ሰውራ ኤርትራ ክዕወት፡ ህዝቢ ክሓልፈሉን ክርህዎን፡ ብቐረባ ተመሊሱ ናብርኡ ከጣይስን  ዝነበረን ትጽቢት እንዳተናውሐ ምስ መጸ ከኣ፡ ከም ህዝበን ካብ ሱዳን ብ1985 ዓ . ናብ ሃገር ጀርመን ኣትየን። ኣብ ጀርመን ምስኣተዋውን እታ ኣብ ስሳታት ዝጀምርኣ ስርርዕ ቀጥ ኣቢለን ብምሓዝ፡ ኣብ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ጎድኒ ናይ ቃልሲ  ብጾተን ተሰሪዐን ዋላ ንሓንቲ ማዓልቲውን ትኹን ካብ ግቡኤን ከይበዀራ ተቃሊሰን። ናይ ወይዘሮ ምሕረት ሓያል ሃገራዊ ፍቅርን መትከላዊ እምነትን ብዝኾነ ይኹን ኽንያት ክሕከኽ ዘይኻኣል ኰይኑ፡ ኣብቲ ብጥዕና ምኽንያት ብኣካል ክሳተፋኦ ዘይካኣላ ሃገራዊ ጉዳይ ንብጾተን ከተባብዓን ከሐይላን፡ ንሓድነትን ስምምዕን ኤርትራውያን ኣሕዋት ንምርግጋጽ ኩሉ ክግበር ዘለዎ ጻዕርታት ብናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣቢለን ዝሳተፋን ኣደ ኢየን ነይረን።

 

ኩሉ ከም ዝደለኻዮን ከምዝሓሰብካዮን ስለዘይከውን ግን፡ ወይዘሮ ምሕረት ነታ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚረን ሓንቲ ርህውትን ፍትሓዊትን ህዝባ ትሓቑፍ ኤርትራ ንምርግጋጽ  ዝተቓለሳላን ነዊሕ ከርፋሕ ናብራ ስደት ዝኸፈላላን ሃገረን፡ ንኽሪኣ ብሃንቀውታ እንዳተጸበያ ከለዋ ኢየን፤  ብዕለት 26 ሚያዝያ 2008 ኣብ ከባቢ ሰዕት 12፡30 ናይ ቀትሪ ኣብ ሕቁፊ ደቀንን መንበሪ ቤተን፥ ናብ ሞት ከብጽሕ ብዘይትጽበዮ ናይ ሰዓታት ሕማም ዕሪፈን ዕለት 29 ሚያዝያ 2008 ድማ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ዝርከብ ፓርክ ፍሪድሆፍ ዝተባህለ መቓብር ሓመድ ኣዳም ለቢሰን።

 

ብዘጋጠመ ሞት ብጸይትና ክብርቲ ወይዘሮ ምሕረት ወልደገርግስ መሪር ሓዘን እንዳተሰመኣና፡ ንነፍሰ-ይምሃር ወይዘሮ ምሕረት ወልደገርጊስ መንግስተሰማያት የዋርሰን፡

ንመላእ ስድራ-ቤትን ናይ ቃልሲ ብጾተንን ድማ ጽንኣት ይሃቦም።

 

ቤት ጽሕፈት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ

ፍራንክፎርት- ጀርመን

29.04.2008

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com