ሓድነታዊ ጕባኤ

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

30.04.2008

 

13 ተቓወምቲ ውድባትን 25 ሲቪላዊ ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ገዳይም ተጋደልትን ዝካፈልዎ ሓድነታዊ ጕባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያው ኪዳን ኤርትራ ካብ 5-11 ግንቦት 2008 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጋባእ ኢዩ።

 

13 ውድባት ዝቘመት ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ካብ 15 ለካቲት 2008 ኣትሒዛ፡ ነዚ ጕባኤ’ዚ ዘድሊ ሰነዳትን ቦታን መዳቕሶን መግብን መስተን ከተሰናድእ ጸኒሓን ኣላን። ኵሉ ዘድሊ ምስንዳኣታ ድሕሪ ምዝዛም ድማ፡ ንተሳተፍቲ ጕባኤ ዕድመታት ሊኢኻ ኣላ።

 

ተኽፈልቲ ጕባኤ ካብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም፡ ማለት ካብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያ፡ ኣውሮጳ፡ ማአከላይ ምብራቕ፡ ካብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክመጹ ኢዮም።

 

ካብ ዕለት 28 ግንቦት 2008 ጀሚሩ ድማ፡ ኣባላት መሪሕነት 13 ውድባት ቻርተርን ቅዋምን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንምጽፋፍ ዝዓለመ ልዝባትን ርክባትን ምክያድ ጀሚሮም ኣለዉ።

 

ነፍስወከፍ ውድብ፡፡ ኣብ’ዚ`ጕባኤ’ዚ ብኣርባዕተ ኣባላት መሪሕነቱ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com