ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ማእሰርትን ምብራርን ተበይኑሎም

 

መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ

 

ትርጕም፡- ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

ቤት ፍርዲ ደቡባዊ ክፋል ካርቱም ትማሊ ብዓሰርተታት ንዝቝጸሩ ኤርትራውያን ናይ ምብራርን ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርትን ብይን ሂብዎም። ድሕሪ’ቲ ፍርዲ፡ እቶም እሱራት ናብ ቤት ማእሰርቲ ኮበርን ኣብ ኡምዱርማን ናብ ዝርከብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቤት ማእሰርትን ተመሓላሊፎም።

 

ሰላሕ ኣሕመዲን፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንመርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝርብኦም 23 ኤርትራውያን ንኽባረሩ ተበይኑሎም ከምዘሎ ሓቢሩ። ቀጺሉ፡ እታ 9 ደቂ ተባዕትዮን 3 ደቂ ኣንስትዮን ዘለውዋ ቀዳመይቲ ጕጅለ ናይ ሓደ ዓመት እስራትን ምብራርን ክብየነላ እንከሎ፤ እታ ብ11 መንእሰያት ዝቘመት ካልኣይቲ ጕጅለ ድማ፡ ናይ ሓደ ሰሙን ማእሰርትን ምብራርን ተበዩኑላ ኣሎ ኢሉ።

 

ኣስዒቡ፡ ኵሎም ናይ ስደተኛ ናይ መንነት ወረቐት ዘይብሎም ምዃኖምን፤ ንሰበስልጣን መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ከይሓበሩ ኣምሊጦም ናብ ካርቱም ከምዝኣተዉን፤ ነዚ ዘቕርብዎ ምኽንያታት ድማ፡ ኣብ መደበር ሸገራብ ዘሎ መነባብሮ ዘይጽወር ኢዩ ዝብል ምዃኑን ገሊጹ።

 

ነዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ካብ ማእሰርትን ምብራርን ንምድሓን ዝምልከቶም ሕጋውያን ኣካላት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ይግባይ ክብሉሎም ጠሊቡ ከምዘሎ ሓው ሰላሕ ኣሕመዲ ኣረዲኡ።

 

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሓው ሳልሕ ኣሕመዲን ኤርትራውያን መንእሰያት ግዳይ ናይ ደለልቲ ብምዃን ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከይወድቁን፣ ንሕግታት ናይ’ቲ ዘዕቁቦም ዘሎ ሃገር ከኽብሩን ጸዊዑ።

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com