ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ሆላንድ

መግለጺ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራ ተዋሂብዎም

 

ወኪል ንሓርነት (ኣውሮጳ)

25.04.2008

 

ብጻይ መሓሪ ተስፋማርያም፡ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ፡ ንሚስተር ኣለ ዶርሁት፡ ሓላፊ ክፍሊ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምዕራብ ኣፍሪቃን፤ ሚስተር ቩተር ቨሰልስ፡ ናይ ፖሊሲ ሓላፊ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ሆላንድ፤ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ሀግ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ተረኺቡ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን፤ ብዛዕባ ኵነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጐረባብቲ ሃገራትን መብርሂ ሂቡ።

 

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብጻይ መሓሪ ተስፋማርያም ብዛዕባ’ቲ ኣብ 5 ግንቦት ዝካየድ ዘሎ ጕባኤ ተቓወምትን፤ ብዛዕባ ብኣሰናዳኢት ኮሚሽን ምምስራት ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዘለዎ ሰልፊ ዘሰላሰለቶ ስርሓትን፤ ብዛዕባ ኣብ መንጐ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ኣብ መጋቢት 2008 ዝተበጽሐ ጥቡቕ ዝምድናታት ንምፍጣር ዝዓለመ ናይ ምርድዳእ ስምምዕን ኣብ ምቅልጣፍ ውድቀት ናይ’ቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ምስፋንን ዝህልዎ ተራን ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪብሎም።

 

ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ናይ’ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርዝር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ነዞም ኣብ ጸገም ዘለዉ ስደተኛታት ህጹጽ ረዲኤት ከበርክቱ ጸዊዑ። ከምኡ ውን፡ ሰበ-ስልጣን ሆላንድ፡ ብዛዕባ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋጥም ዘሎ ሓሳረ መከራ፡ ኣብ’ቲ ንጕዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምልከት ብሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ብሩሰልስ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባታት ከልዕልዎ ኣተሓሳሲቡ።

 

እቶም ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነበሩ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሆላንድ ድማ፡ ነቲ ቅድም ክብል ንምይይጥ ክኸውን ተባሂሉ ብሰነድ ዝቀረበሎም ጽሑፍን ብኣፍ ዝተዋህቦም መግለጽን ድሕሪ ምንባብን ምስማዕን፤ ነዚ በብእዋኑ ብስሩዕ ኣገባብ ብተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝውሃቦም መብርሂታት ድሕሪ ምምጓስ፤ ነቶም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክድግፉ ምዃኖም መብጽዓ ኣትዮም።

 

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com