መንግስቲ ህግዲፍ ንገለ ሃይማኖታውያን መራሕቲ
ወተሃደራዊ ታዕሊም ክፍጽሙ ይጠልብ ንገለ ከኣ ይምሕር
ቤት.ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ-ባይቶ
27.04.2008
መንግስቲ ህግዲፍ ንብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኦርቶዶክስያዊት ቤተ.ክርስትያን ኤርትራ ናብ መዓስከራት ወተሃደራዊ ስልጠና ክሰድድ ከም ዝጀመረ፡ ተሓላቒ ዓለም-ለኸ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝኾነ፡ ዘክርስትያን ፖስት ዝተባህለ ማዕከን ዜና ብ24 ሚያዝያ 2008 ኣብ ዘውጽኦ ዜና ኣቃሊዑ።
ብሓሙስ 24 ሚያዝያ ብኣጻብዕቲ ዝቁጸሩ ኣቅሽሽትን ድያቆናትን ሓዲሽ ካብ ወተሃደራዊ ስልጠና ናጻ ዝገብሮም መተካኣታ መንቀሳቐሲ ወረቐት ክወሃቦም እንከሎ፡ ዝገዘፈ ቁጽሪ ናይቶም ዓበይቲ ሃይማኖታውያን ሓለፍቲ ግን፡ ከም ዘይተዋህቦምን ናብ ማእከላት ወተሃደራዊ ስልጠና ከምርሑ ይጥለቡ ከም ዘለዉን ኣህጕራዊ ክርስትያናዊ ሓልዮት (
international Christian Concern)
ዝተባህለ ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ትካል ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ክርአ እንከሎ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ.ክርስትያን ብዕብየት ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝን 96 ሃይማኖታውያን ሚንስተራት ዝርከብዎን ክነሱ፡ ካብዚ ቁጽሪ’ዚ ግን 10 ጥራይ ካብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ነጻ ዝገብሮም ሓድሽ መተካእታ ወረቀት ክወሃቦም እንከሎ፡ እቶም ዝተረፉ 86 ከኣ፡ ከም ዘይተዋህቦም እቲ ምንጪ ብተወሳኺ ኣነጺሩ።
ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባሌ፡ ኣብቲ ኦርቶዶክሳውያን ቤተ-ክርስያናት ብብዝሒ ዝርከባሉ ገጠራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብኡ ዘገልግሉ ኣቕሽሽትን ድያቆናትን ካብ 10 ንኸይዛይድን፡ እቶም ዝተረፉ ትሕቲ 50 ዓመት ዕድመ ዝኾኑ ከኣ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንኽፍጽሙ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክቀርቡን ጻውዒት ከም ዝቐረበ፡ እቲ ዝተረኽበ ዜና ኣብሪሁ። እዚ ሓድሽን ሃንደበታውን ወፍሪ ንኣብያተ-ክርስትያናት ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ ገዳማት ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያን ዝርከቡ ባሕታውያን ውን እንተላይ ዝምሕር ከም ዘይኮነ፡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ 2006 መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ዘገልግሉ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ካብ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነጻ ዝገብሮም ውሳኔ ከም ዘሰሓቦ ንኹለን ኣብያተ-ክርስትያናት ብወግዒ ከም ዝሓበረ ይዝከር። ነዚ ሃንደበታዊ ውሳኔ ብትሪ ዝተቓወመት ከኣ፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ጥራይ ምንባራ ይፍለጥ። እቶም ብመንግስቲ ዝተመዙ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ከኣ፡ በንጻሩ ብዘይቅድመ-ኩነት ነዚ ውሳኔ ከም ዝተቕበልዎ ይግለጽ።
ኣቀዲሙ ከም ዝፍለጥ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ህግዲፍ ኣተኩሮኦም ኣንጻር እተን ዘይተመዝገባ ዝብልወን ንኣሽቱ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያናት ጥራይ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብዚ እዋን ኣንጻር ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብመንግስቲ ህግዲፍ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ከኣ ካብቲ ዝሓለፈ ፍሉይን ሓድሽን ይገብሮ። ይኹን’ምበር ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣትሒዙ መንግስቲ ንኣታሓሕዛ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ.ክርስትያን ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኽረሮ ክመጽእ ምጽንሑ ግን ይፍለጥ። ርእሰ-ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንተንዮስ፡ ንኢድ ኣታውነት መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብቅሉዕ ድሕሪ ምውቃሶም፡ ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ማሕዩር ከም ዝርከቡን፡ መንግስቲ ከኣ፡ ከም መተካእትኦም ሓደ ምእዙዝ መሳርሒ ከም ዝረቝሐን ውን ይፍለጥ። ኮሚሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንሰለስተ ዓመታት ብተኸታታሊ ንኤርትራ ኣብ መዝገብ ናይተን ብሕሱም ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝኽሰሳ ሃገራት ከም ዘእተዋ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብ ኤርትራ ኣስታት 2000 ዝኾኑ ምእመናን ክርስትና ኣብ ማሕዩር ተቐፊዶም መዓልታዊ ንኣሰቃቂ መዓልታዊ ዓዛብን መግረፍትን ይሳጥሑ ምህላዎም፡ እቲ ዜና ኣብ መወዳእታ ኣተሓሳሲቡ።
Contact Us at: webmaster@nharnet.com