ሕጽረትን ናህርን መግቢ፡ ህዝባዊ ናዕብታት የላዓዕል ኣሎ

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

21,04.2008

 

ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ባን ኪሙን፡ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረትን ናህሪ ዋጋን መግቢ ቅልጡፍ መፍትሒ እንተዘይተረኺብሉ ኣብ ብዙሕ ኵርንዓት ናይ ዓለም ዘይምርግጋኣት ክፍጠር ኢዩ ኢሉ።

 

ብስንኪ ሕጽረትን ናህሪ ዋጋን መግቢ፡ ድሮ ኣብ ሃይቲ፡ ግብጺ ፊሊፒንስ፡ ታይላንድ፡ ፓኪስታን፡ ሰነጋል፡ ኣይቮሪኮስት፡ ካመሩንን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ህዝባዊ ናዕብታት ተጋሂዱ ኣሎ። ኣብ ሰራልዮን ውን፡ እቲ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ብምርጫ ስልጣን ዝጨበጠ ብሳሊ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ኣብ ህዝቢ ዝነበሮ ተቐባልነት ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com