ናይ ሓዘን መግለጺ

ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ - ሽወደን

 

 ብሃንደበታዊ ሞት ኣዴናን ብጸይትናን ወይዘሮ ምሕረት ወልደገርጊስ፡ ዝተሰማዓና መሪርን ከቢድን ሓዘን እንዳገልጽና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ደቀንን ቤተ ሰበን ዝወረደ ሓዘን ከኣ ተኻፈልቱ ብምዃና፡ መላእ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ጨንፈር ሽወደን ናይ ጽንዓት መልእኽቱ የመሓላልፍ።

 

ነቲ ዓብይ ክብረንን፡ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዘለወን ዘይውዳእ ሓይልን ጽንዓትን፡ ካብ እግሪ ደቀን ሓንቲ መዓልቲ ከይተረፋ፡ ከተባብዓን ኣጀኹም ክብላ ዝሕልፈኦ ዓመታት ውሕዱ ብዘይምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ብዝተፈላየ እዋን ምኽንያት ክመጻሉ ዘይከኣላ ግዜያት ኣብ ኣኼባታትና፡ ኣብ ሰሚናራትና፡ ኣብ ጉባኤታትና፡ ኣብ ፈስቲቫላትና ናይ ጽቡቕን ሰናይ ድሌት ምኽሪ ኣደን ምኽሪ ብጸይትን ከይቦኸረና’ዩ ሓሊፉ ሎሚ ዘኺርናዮ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ፈስቲቫል ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣነ ጥዕና ብዘይምርካበይ ምሳኹም ክውዕል ኣይከኣልኩን ብማለት ንኩሉ ተኻፋሊ ፈስቲቫል ዝሰደደኦ ናይ ሰላምን ጽንዓትን መልእኽተን፡ ክንደይ ሰብ ኣደይ ምሕረት ኣይመጸትን ድያ ክብል ዝተዛረበሉ ግዜ’ዩ። እወ ኣደይ ምሕረት በቲ ዝሕለፈኦ ናብራን ዕድመን ኣመዛዚንካ ብኒሕን ሓቦን ከም ትሪ ሓጺን ዝተሃንጸ ሓይሊ ዝነበረን ክብርቲ ወላዲት’የን።

 

ሎሚ ሓንቲ ኣደ፡ ኣደ ኩልና፡ ኣደ ገድሊ ኣጥፊእና። ልዕሊ ኩሉ ድማ ውሉደን ቤተ ሰብንን ክብሪት ኣደ ብሞት ክፈለየኦም ማዕረ ክንደይ ከቢድ ሓዘን ከም ዝስምዖም ማንም ዝስሕቶ ኣይኮነን።

 

ንክብርቲ ኣደናን ብጸይትናን ነፍስሄር ምሕረት ወልደገርግስ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ይቐበልን መንግተ ሰማይ የዋርስን፡ ንሙሉእ ስድራ ቤት ከኣ ጽንዓት ይሃቦም።

  ካብ

ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ

 ሽወደን


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com