|
ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ሰ/ባይቶ
ዞባ ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ሰሚናር ብዓወት
ተዛዚሙ
ሪፖርታጅ
አብ
ደቡባዊ ካሊፎርኒያ ዝርከብ ናይ ተጋድሎ ሐርነት ኤርትራ ሰ/ባይቶ ጨናፍር፣ ብዕለት 25 ግንቦት አብ ከተማ ሳንድየጎ
ዕዉት ዝኾነ ሰሚናር አካዪዱ። ሰሚናር ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርና ብሐፈሻ፣ ብዛዕባ ህሉው ውሽጣዊ ውድባዊ ኩነታት
ከአ ብፍላይ ተመያዪጡ። ድሕሪ ናይ አዲስ አበባ ናይ ምሕዝነት አኼባ ተረኽቦ፣ አንጻር በላዒ ሰብ ዝኾነ ናይ ህግደፍ
ዲክታቶርያዊ ስርዓት፣ ክሰላሰል ዝነበሮ ቃልሳዊ ዕማማት ከምቲ ዝድለ ክንህር ከምዘይከአለ፣ ብአንጻሩ'ኳ ድአ አብ
ሕድሕድ ምምልላስን ምስሕሐብን ጥራሕ ከም ዝተሐጽረ መዚኑ። ውድብና ዝተፈላለየ አረአእያ ክጸውርን፣ በቲ ዝድለ
ደሞክራስያዊ አመሐዳድራ ክመሐደርን መትከላዊ እምንቶኡ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ንመንገዲ ደሞክራስያዊ ጥርናፌ ሐዲግካ
ዝምረሽ ጉዕዞን፣ ብዲሞክራስያዊ አገባብ ዝተወሰነ ውሳኔ ዘይምምእዛዝን፣ ሐደገኛ ዘየዕውት አቕጣጫ ከምዝኾነ አገንዚቡ።
ዝተፈላለየ አረአእያ ብዘይገደብ ክውሕዝን፣ ከምቲ ዝሐለፈ ባህልታትና፣ ብሰሚናራት ኮነ ብዝተፋላለየ አኼባታት፣ ብልዙብ
ናይ እንካን ሃባን ርእይቶታት እንዳተቐባበለ ክጉዓዝን፣ መተካእታ ዘይብሉ ምሩጽ አገባብ ምዃኑ ከአ አተሐሳሲቡ። አብቲ
ክግበር ተመዲቡ ዘሎ 3ይ ስሩዕ አኼባ ሰ/ባይቶ፣ መሪሕነት ተሐኤ ሰ/ባይቶ ብምልኡ፣ ንዝተሰከሞ ውድባውን ሃገራውን
ህዝባውን ሐላፍነት ተገንዚቡ፣ ንኹሉ ሸነኻት ቃልስታትና፣ ብህድአትን ሐላፍነታዊ ትዕግስትን ዝመልኦ ምይይጥ ሐባራዊ
መዚኑ አቐሚጡ፣ ንቓልስታትና ናብ ዓብይ ዝላ ዘሰጋግር ውሳኔታት ሒዙ ንኽወጽእ ዘለዎ እምነትን ተስፋን ገሊጹ።
አብ'ዚ
ሰሚናር'ዚ ዝተዋህበ ቃል ከአ ከም ዘለዎ እነሆ፡-
ዝኸበርኩም ክቡራት አጋይሽና
ዝኸበርኩም አባላት ናይ ተቓውሞ ውድባት
ዝኸበርኩም ብጾት አባላት ተሐኤ ሰ/ባይቶ
ጊዜኹም
ቆጢብኩም፣ ንዕድሜና አኽቢርኩም፣ ካብ ርሑቕን ቀረባን ብምምጻእኩም ዝለዓለ ምስጋና ነቕርበልኩም። እዚ ሰሚናር'ዚ ካብ
ካልእ እዋናት ፍልይ ዝበለ፣ አንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት አብ ዝግበር ናይ ቃልሲ መኸተ፣ አዝዩ ድንግርግር አብ ዝበለሉ
ኩነታት ይግበር ከምዘሎ፣ በዚ ናይ ድንግርግር ምኽንያት ከአ፣ አንጻር ዲክታተር ክቐንዕን፣ ብናህሪ ንቕድሚት ክሐንን
ዝግብኦ ቃልስታትና፣ ከምቲ እንጽበዮን ከምቲ ዝግብኦን ይስጉም ከምዘየሎ ንኹላና ብሩህ'ዩ። ነቲ ድንግርግር ዝፈጠረ
ኩነታት፣ አብ 5ይ ስሩዕ አኼባ ምሕዝነት ዝተረጋገጸ ምፍልላያትን፣ አብቲ ፍልልያት ዘለዎም አረዳድአን ሚዛንን ኮይኑ፣
አብ ውሽጢ ውድብና'ውን እንተኾነ ተሪር ክትዓት ከምዘልዓለ ኩሉ ዝፈልጦ ሐቂ ኢዩ። ነዚ ኩሉ ደማሚርካ ናይ ለውጢ
ሐይልታት፣ ነቲ ኹሉ ዘለዎ ሐይሊን ዓቕሚታቱን አወሃሂዱ አንጻር ዲክታተር ከቕንዖ አይከአለን። አብ ውድብና ዝተረኽበ
ናይ ርእይቶ ፍልልይ፣ ወላ'ኳ ካብ ውድብና ወጻኢ ንዘለዉ፣ ሐዲሽ መሲሉ ዝርአዮምን፣ ዘጨንቖምን ዘሰንብዶምን እንተኾነ፣
ንዓና ግና ዝሕደሰና አይኮነን። ምኽንያቱ አብ ተሐኤ ሰ/ባይቶ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ብነጻ ምውሐዝን፣ ተረርቲ ክትዓት
ምክያድን ወትሩ አካል ናይ ጉዕዞና ስለዝኾነ። ኩሉ አባልና ዝኾርዓሉ ጉዳይ እንተልዩ'ውን ባህርያት ውድብና ንርእይቶኻ
ብኹሉ መልክዓት ክትገልጽ ዘኽእለካ ምሉእ መሰል ስለዘለዎ ኢዩ። ነዚ ጸገማት'ዚ አብ መዓልቦኡ ንምብጻሕ'ውን እንተኾነ፣
አብ ምፍትሑ ዘገልግለና መትከላውን ሕጋውን መሳርሒታት ስለእንውንን አብ ምፍትሑ ጸሚድና ከምዘለና ከነብርህ ንፈቱ።
ብሕጽር ዝበለ ናይ ሰውራዊ ባይቶ ጠቕላላ አኼባ አብ ዝሐጸረ ንኽካየድ ተወሲኑ አሎ። ብሚዛንና አብ መንጎናን አብ መንጎ
ምሕዝነትን ዘሎ ፍልልይ፣ አብ አመዛዝና ናይ ኤርትራ ልዑላውነት'ዩ ንብል። ይኹን'ምበር ኩሉ ኤርትራዊ አብቲ ዝተረኽበ
ናይ ምሕዝነት ነጥበ ፍልልይ ነናቱ ርእይቶ ክህልዎ ምሉእ መሰል ከምዘለዎ ንአምን። ዝኾነ ኤርትራዊ ነቲ ብውድብና
ዝተወስደ መርገጽ ቅኑዕ'ዩ ቅኑዕ አይኮነን ኢሉ ክካታዓሉ መሰል ይሃልዎ'ምበር፣ ነቲ ዝወሰድናዮ መርገጽ ቅኑዕ ኮይኑ
አብ ዝረኸበሉ እዋን፣ ቅኑዕ ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ ንጹር መርገጽ ክሕዘሉ ሃገራዊ ግዴታኡ'ውን ኢዩ። ንሕና ብእምንቶና
ኩሉ ተቓዋሚ ሐይልታት ኤርትራ ይንአስ ይዕበ ተወሃሂዱን ተሐቛቝፉን፣ ንፍልልያቱ እንዳተጸዋወረ፣ ንቓልሲ ከቃላጥፍን
ከሕጽርን ከም ዝኽእል ፍጹም ዕግበትና ኢዩ። እንተኾነ ግን ነቲ ስትራተጂካዊ ዕላማ ናይ ቃልስና ዝሰሐተ ዝምድና፣
ንህዝብናን ቃልስታቱን ንድሕሪት'ምበር ንቕድሚት ከመርሾ ስለዘይክእል ደገፍቱ አይኮናን። ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት
ሰላማውን ቅሱንን ዝምድና ንኽህልወና ክንቃለስ ጸኒሕና ኢና። ጌና'ውን ክንቃለስ ኢና። እቲ ክፍጠር ዝግብኦ ዝምድና ግን
አብ ናይ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሰረተ፣ አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሕድሕድ ሃገራት ጣልቃ ዘይምትእትታው ዝተሞርኮሰ ንክኸውን
አትሪርና ንአምን። ንዘለና ድኽመታት ንምፍዋስን ንምፍዃስን ኢልና፣ ደጋዊ ሐገዛትን ደገፋትን ንምርካብ ብዝብል ምስምስ፣
ንኤርትራዊ ሃገራዊ ልዑላውነት አብ ውረድ ደይብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘይንአቱ ከአ ብግልጺ ከነቐምጦ ንደሊ። ብጉዳይ ናይ ዶብ
ብዝምልከት ናይ ውድብና መርገጽ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ዘይቕየር ንጹር ኮይኑ፣ አብዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ከአ፣ ነቲ
ብዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይንን ፍርዲን ብምድጋፍ፣ ክልቲኤን ሃገራት ብማዕረ ምእዙዛትን ቕዩዳትን ኰይነን፣
አብ ግብሪ ክትርጉምኦ ንጽውዕ። ጉዳይ ደርቅን ጥሜትን ብዝምልከት፣ ናይ ተፈጥሮ ሐደጋ ዘንጸላለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፣
ናይቲ አብ ሃገርና ሰፊኑ ዘሎ አረሜናዊ ስርዓት ዝኽተሎ ናይ ብርሰትን ህልቀትን ቅዋምን፣ ንኤርትራ ናብ ወተሃደራዊ
መደበር ቀዪሩ፣ አፍራዪን መልምዒን ሐይሊ ዝዕስከርን፣ ዝእሰርን ዝስደድን ጌሩ ሰለዝበታተኖ'ውን ኢዩ። ንህዝብና ካብዚ
ወሪድዎ ዘሎ አሰቃቒ ሐደጋን ጸገምን ንኽገላገል፣ ኩሉ ጻዕርታትና ክንገብር ምዃንና ከነብርህ ንፈቱ። ኩሉ ወዲ
ሃገር'ውን እንተኾነ ግዴኡን ሱታፌኡን ከርኢ፣ ናብ ኢድ እቲ ተጸባዪ ህዝቢ ብቐጥታ ዝበጽሐሉ አገባብ መንገዲን ሃሰስ
ብምባል ምስ አህጉራውያን ማሕበራት ብምትእስሳር ብልሃት ክፈጥርን ጸዋዕታና ነቕርብ።
ነጻ
ኤርትራ ንዘለአለም ብልዑላውነታ ከቢራ ትንበር
ዓወት
ንኩሉ ናይ ለውጢን ምዕብልናን ተቓላሳይ
ውድቀት
ንዲክታቶርያዊ ስርዓትን ዓጀብቱን
ክብርን
ዝኽርን ንኹሎም ጀጋኑ ስዉአትና
ብቓልስና
ክንዕወት ኢና!!
ቃል ዞባ
ድሕሪ ምስማዕ ናብ ካልአይ መደብ ምሸታዊ ባህሊ ተሰጋጊሩ። ነዚ ብዓል'ዚ ንምምዕራግ እቲ ህቡብ ድምጻውን ናይ ኪ ቦርድ
ኪኢላ መድሃኔ ሃብቱ ንዝቐረበሉ ዕድመ ብደስታ ብምቕባል፣ ምስ ቤዝ ጊታሪስት ዮናስ ብስራት ናብ ከተማ ሳን ድየጎ
ብምምጻእ፣ ሞያኦም ብዘደንቕ ንህዝቢ አበርኪቶም። ምስኦም ብምትሕብባር ከአ ድምጻውያን በርሀ ወልዳይን፣ ሃብተማርያን
ተኽለብርሃንን ንብዓል ዓቢ ድምቀት ሂቦሞ ሐዲሮም። ናይ አዳራሽ ቆጸራ ወላኳ ክሳብ ሰዓት 1፡00 ናይ ለይቲ
እንተነበረ፣ ብጠለብ ተሳታፋይ ህዝቢ ክሳብ ሰዓት 3 አጋ ወጋሕቲ ብምቕጻል ብዓብይ ወኒ ዝዓሰሎ ደስታን ዓወትን
ተዛዚሙ።

This
article is solely contributed by the author(s) and is (are) solely
responsible for its contents. |