|
ለካስ፡ ሃበኒ ጥራሕ ኣይኰነን
ህበይ ዝገብር
መልሲ ንቃለ-መሓትት ኣቶ
የማነ ገብርኣብ
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
03.04.2004
ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ዋና
ኣካያዲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ወግዓዊ ኣፈኛን ዝገበሮ ቃለ መሓትት ብዕለት 1 ሚያዝያ 2004
ዓ.ም ኣብ መርበብ ኢንተርነት ኤርትራውያን ሰፊሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። መልሲ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ
እተባህለ ሓሶታት ዝደግም፤ ትምሕክትን ትዕቢትን ጽበትን ናይ’ቲ ስርዓት ዘንጸባርቕ፤ ካብኡ ክቕሰም ዝኽእል ትምህርቲ ይኹን
ሓድሽ ሓሳብ ዘይብሉ፡ ኣፈኛ ዲክታቶር ምዃን ክንደይ ይሓስም ዘብል ኰይኑ ረኺብናዮ።
ኣቶ የማነ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ
ክልተ ዓመታት እንታይ ክትከውን’ያ ዝብል ራእይ ኣሎካ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፥ ኤርትራ ናይ ቱሪዝም፡
ሃብቲ ዓሳ፡ ሕርሻን ማዕድንን ሰብኣውን ዕቑር ዓቕምታት ኣለዋ፤ ፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ቅኑዕ ነይሩ፤ መንግስቲ ህዝባዊ
ደገፍ ኣለዎ፤ ዘሻቕለና ኤትኒካዊ ጐንጽታት ይኹን ሃይማኖታዊ ጐንጽታት የለን፤ ኣብ መንጐ’ቶም እተፈላለዩ ዞባታት
እተኸተልናዮ ማዕርነታዊ ፖሊሲታት፡ ቅኑዓት ነይሮም። ስለ’ዚ፡ ዝዀነ ይኹን ውሽጣዊ ሽግር የብልናን። ሽግርና፡ ጐረባብትና
ዝዀነ ሃገራት ኢየን። ጐረባብትና መሬትና ብከፊል ድዩ ወይ ብምልኡ ናይ ምጕባጥ ድሌታተን ደው እንተደኣ ኣቢለን፡ ኤርትራ
ጽቡቕ ናይ መጻኢ ዕድል’ዩ ዘለዋ በለ።
ከምኡ ውን፡ ብዛዕባ ዕድል
ናይ’ቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 11 ኣባላት መሪሕነት ህግዲፍ ነበርን ጋዜጠኛታትን ንዝቐረበሉ ሕቶታት ውን፡ እዚኦም ናይ
ፖለቲካ እሱራት ኣይኰኑን። እዚኦም ኣብ ግዜ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ፈጢሮም ንፕረሲደንት ክዓልዉ ዝመደቡ ገበኛታት
ኢዮም። ጕዳዮም ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ተዘሪብሉን ፓርላማ ኰኒንዎምን ኢዩ። ኣብ ፍርዲ ድዮም ክቐርቡ ካልእ ድማ ናትና
ልዑላዊ መሰል ኢዩ። ምስ’ቲ ዝገበርዎ ገበን ኣነጻጺርካ 2 ዓመት ብዙሕ ኣይኰነን። ካብ’ዚ ንላዕሊ ን13 ዓመታት እተኣሰሩ
ናይ ቀደም ናይ ደርጊ ሰበ-ስልጣን ኣለዉ እንዶ? ስለምንታይ’ዩ በዞም 11 ሰባት ብዙሕን ሒደትን ዝዝረብ። ብተወሳኺ፡
ንሕና ኣብ ሰላም ይኹን ውግእ ዘይብሉ ሃለዋት ኢና እንርከብ ዘሎና። ስለ’ዚ ንዘይተወሰነ ግዜ ክንኣስሮም ዘገድድ ኵነታት
እንተደኣጋጢሙና ክንፍጽሞ ዝኽልክለና ነገር የለን በለ።
ብዛዕባ’ቶም ብሃይማኖታዊ
እምነቶም መሰረት ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታት ክምልስ ከሎ ድማ፡ ብሃይማኖታዊ እምነቶም እተኣስሩ ዜጋታት የለዉን፤ ንመሰኻኽር
ጅሆቫ ዝምልከት እንተዀይኑ ግን፡ ኣብ ሪፈረንደም ኣይነድምጽን ኢና ስለዝበሉ፤ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይንፍጽምን ስለዝበሉ፤
ሕግና ኵሉ ዜጋ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ኣለዎ ዝብል ስለዝዀነ፡ ካልእ መተካእታ ኣገልግሎት ውን ስለዘይብልናን ኢዩ
ክብል ከምዝኣሰሮም ኣመነ።
ንምርጫታት ብዝምልከት
ንዝቐረበሉ ሕቶታት፡ ቦታዊ ምርጫታት ይካየድ ከምዘሎ፤ ሕጂ ውን ናይ ዞባታት ምርጫታት ክካየድ ምዃኑ፣ እቲ ሃገራዊ
ምርጫታት ግን፡ ናይ ምርጫ ሕጊ ክሳዕ ዝጸድቐሉ ክካየድ ከምዘይኰነ ሓቢሩ። ቀጺሉ፡ ናይ ምርጫ ሕግታት ንምጽዳቕ ድማ፡ እቲ
ሰፊኑ ዘሎ ናይ ዘይውግእን ዘይሰላምን ኵነታት ዓንቂጽዎ ከምዘሎ ኣሚቱ።
ናይ ወጻእተኛታት ምንቅስቓስ
ዝእግድ ሕግታት ክትገብሩ ዝገደደኩም ምኽንያት እንታይ’ዩ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ሕጂ መልሲ ክህበሉ ከምዘይክእል ድሕሪ
ምግላጽ፡፡ ጽባሕ ውግእ እንተጀሚሩ ግን፡ ወጻእተኛታት ካብ ሃገርና ክወጹ ግድን ኢዩ ክብል መሊስዎ።
ኣቶ የማነ፡ ናይ ውግእ ሓደጋ
ኣሎ እናበለ 65,000 ወተሃደራት ነጣይስ ኣሎና ምባሉ ብሓደ ሸነኽ፤ ናይ ፕረስ ሕጊ ንምውጻእ እቲ ናይ ዘይሰላም
ዘይውግእ ሃዋህው ዓንቂጹና ዝበሎ ምስምስ ድማ ብኻልኣይ ሸነኽ ርእዩ ግርጭት ዘለዎ ኣበሃህላ ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡
ስርዓት ህግዲፍ፡ ንናጻ ፕረስ ክሳዕ ክንደይ ከም ቍሪ ከምዝፈርሖ’ዩ ዘመልክት። እቶም ብኽድዓት ከሲሱ ኣሲርዎም ዘሎ
ንጹሃት ጋዜጠኛታት ውን፡ ነቲ ስርዓትን ፖሊሲታቱን ስለዘነቐፉ ደኣ’ምበር፥ ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ስለዝነበሮም ኣይኰነን።
ነዚ ሓቂ’ዚ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ድማ ዘሎ ኣይመስለናን። ኣቶ የማነ ውን እንተዀነ፡ ናይ ዲክታቶር ውሃብ ቃል ስለዝዀነ
ደኣ’ምበር፡ እቲ ሓቅስ ይጠፍኦ’ዩ ዝብል ግምት የብልናን። ሓቂ እንተተዛሪቡ ግን፡ ቦታኡ ምስ’ቶም 11 ናይ ቀደም ብጾቱ
ክትከውን ምዃና ስለዝፈልጥ፡ ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር’ዩ መሪጹ። ሓቂ ኣበይ ከምዘላ እናፈለጥካ፡ ነነብስኻ ኣታሊልካ፡
ንኻልኦት ከተታልል ምፍታን ግን፡ ካብኡ ዝኸፍእ ዘሕፍርን ዝሓስምን ነገር የለን።
መልሲ ኣቶ የማነ ነቶም
ካልኦት ሕቶታት ግን፡ ኤርትራ ከይትምዕብል፥ ህዝባዊ ምርጫታት ከይካየድ፥ እቶም 11 ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት
መሪሕነት ህግዲፍ ነበር ይኹኑ ጋዜጠኛታት ናብ ፍርዲ ንኸይቀርቡ ዓንቂጹ ዘሎ፡ እቲ ናይ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ
ኤርትራ ዘለወን ናይ ምጕባጥ ጥሙሓትን ናይ ዘይሰላም ዘይውግእ ሃለዋትን ኢዩ ኣብ ዝብል መልሲ’ዩ ዝጠቓለል።
ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኣህዛብን
መንግስታትን ዞናና ከምኡ ውን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ጠንቂ ናይ ዘይምርግጋእ ኣብ ዞናና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ
ምዃኑ’ዩ ዝፈልጥ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዶባዊ ምስሕሓባት ብውግእ ክፈትሕ እተበገሰ፤ ኣብ ሱዳን ስልጣን ሒዙ
ንዘሎ ግንባር እስላማዊ ድሕነት ክነልግሶ ኢና ዝብለን፥ ነዚ ሓቂ’ዚ ንዘቃልዐት ጋዜጠኛ ሩት ስምኦን ዝኣሰረን፤ ናይ ዶብ
ሕቶ ኣሳቢቡ ኣብ ልዕሊ የመንን ጅቡቲ ኵናት ዝኣወጀን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ ክሕከኽ ዘይኽእል ታሪኻዊ
ሓቂ’ዩ። ከምኡ ውን፡ ድሕሪ ወራር መንግስቲ ኤርትራ ንባድመ፡ ምስ ኢትዮጵያ እተፈጥረ ወጥሪ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ካብ
ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብ ዝቐረበሉ ዕድመ ዝነጸገ፡ ስርዓት ኢሳያስ እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይነበረን። ስለ’’ዚ፡ “ናታ
ገዲፋስ፡ ናይ ሓማታ” ከምዝበሃል፡ ብግጉይ ፖሊሲታቱ ባዕሉ ንዝፈጠሮ ሃዋህው ንጐረባብቲ ሃገራት ከላግብ፤ ነቶም ካብ
ሓልዮት ህዝቦም ተበጊሶም ውግእ ደው ይበል ኢሎም ዝጠለቡ ሃገራውያን ዜጋታት ብኽድዓት ከሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩ
ክገብርን፥ ጥዑይ ኣእሙሮ ዘለዎ ሰብ ዝቕበሎን ዝሓስቦን ኣይኰነን።
ባድመ፡ ናይ ኤርትራ እጀታ
ክትከውን ስለእተወሰነ፡ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዝደለኸዎ ነገር ከውሕጦ እኽእል ኢየ ካብ ዝብል ተንኰለ ተበጊሱ እንተደኣኰይኑ
ንዓይኒ ሓፋሽ ክዕምት ዝፍትን ዘሎ፤ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዘካየዶ ቅሉዕ ወራርን፤ ዝፈጸሞ ጥሕሰታት ኣህጕራዊ
ሕግታትን ዘስዓቦ ህልቂትን በዚ ከሕውዮ ወይ ከካሓሕሶ ፈጺሙ ከምዘይክእል ከነረጋግጸሉ ንፈቱ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ኤርትራ፡ ኣብ
ናይ ዘይሰላምን ዘይውግእን ሃለዋት ስለዘላ፥ ክትምዕብል፡ ንእሱራት ኣብ ፍርዲ ከተቕርቦም፡ ቅዋም ኣብ ግብሪ ከተውዕል፡
ሕግታት ናይ ፕረስን ምርጫን ከተውጽእ ኣይከኣለትን ካብ ተባህለ፤ ስለምንታይ ደኣሉ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ መንግስቲ
ኢትዮጵያ ንተቓወምታ ብዘይ ክሲ ትቐትልን ትኣስርን ኣላ፤ ቅዋሙ ኣብ ግብሪ ኣየውዓለቶን፡ እተካይዶ ዘላ ምርጫታት
ዲሞክራስያዊ ኣይኰኑን ...ወዘተ እናበለ ክኸስስ መሬት ዝዓርቦ ዘሎ?!! ኤርትራ፡ ኣብ ናይ ዘይሰላም ዘይውግእ ኵነታት
እንተደኣሃልያ ኢትዮጵያስ ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኵነታት ኣላ ማለት’ዶ ኣይኰነን? ወይስ ኢሳያስ ዝገብሮ ሓላል፡ መለስ
ዝገብሮ ሓራም’ዩ ማለት ድዩ?!!!!
ኤርትራ መዓት ጸጋታት ክህልዋ
ከምዝኽእል ዘካትዕ ኣይመስለናን። ግን፡ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ስርዓት ኣስመራ ብዙሕ ካብ’ዚ ጸጋታት’ዚ ክጽንቀቕ’ዩ
ዝርአ ዘሎ። እቲ ኣሎና እናተባህለ ንዓመታት እተዘርበሉ ሰብኣዊ ዓቕሚ ሎሚ ኣበይ ኣሎ። ዝሃልቕ ሃሊቁ፡ ዝሰነከለ
ሰንኪሉ፡ ምስ ርሑ ዝተረፈ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ይስደድን ካብኡ ዝበዝሐ መንእሰይ ብሕማም አይድስ ይሳቐን ይቕዘፍን
ኣሎ። ስለ’ዚ ኣቶ የማነ በየናይ ሰብኣዊ ዓቕሚ’ዩ ንኤርትራ ሕጂ ውን ኣብ 2 ዓመት ሲንጋፖር ክገብራ ዝሓስብ ዘሎ?!!
ከፋፊልካ ግዛእ ብዝብል ፖሊሲታቱ ንህዝቢ ኤርትራ ብትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታትን ብስልጣንን ብገንዘብን ከፋፊልዎ ከበቅዕ
ውሽጣዊ ሽግር የብልናን መንግስቲ ናይ ህዝቢ ደገፍ ኣለዎ ክብል ከሎስ እንታይ ማለቱ’ዩ። ንህዝቢ ምትላል’ዶ ኣይኰነን?
ኣብ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ እተተኰሱ ነታጒታትን፤ ስርዓት ኢሳያስ ዝኣወጆ ናይ ተሎ ተሎ እቶ ሰዓታትን
ውሽጣዊ ኵነታት ኤርትራ ደሓን ከምዘየሎ’ዩ ዘመልክት። ወይስ ከም’ቲ ስርዓት ኢሳያስ ዘቕረቦ ክስታት፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን
ኢዮም ገይሮሞ ኢልና ክንሓስብ’ዩ ደልዩና?
ውሃብ ቃል ዲክታቶርያዊ
ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ንኽንደይ ዓመታት፡ ዜጋታተይ ካብ ኢትዮጵያ ተባሪሮም፡ እዚ ናይ ዓሌት ምጽራይ ተግባር ኢሉ ይኸስስ
ከምዘይነበረ፡ ሎሚ ውግእ እንተደኣ ተጀሚሩ ወጻእተኛታት፡ ካብ ኤርትራ ክወጹ ግድነት ኢዩ ክብል ምስምዑ፤ ነቶም መንግስቲ
ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ካብ 1998-2000 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እተኻየደ ውግእ፡ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገሩ
ኣየባረረን ዝብል እምነት ዝጸንሖም ኤርትራውያን ሓደን ክልተን ዘይበሃለሉ ብሩህ መልሲ ዝሃቦም ኰይኑ’ዩ ተሰሚዑና።
ካብ ኵሉ ዘገርም ግን፡ ውግእ
እንተልዩ ወይ ከኣ ናይ ዘይውግእን ዘይሰላምን ሃዋህው እንተሰፊኑ ፍርዲ ክሰርሕ ኣይክእልን’ዩ ኢሉ ከዕግበና ምፍታኑ ኢዩ።
እዚ ኣበሃህላ’ዚ፡ ኣብ መንግስቲ ህግዲፍ ናጻ ዝዀነ ቤት ፍርዲ ከምዘየለ’ዩ ዘረጋግጽ። ነቲ ፈጻሚ ኣካል ዘሻቕል ጕዳያት
እንተተረኺቡ ፓርላማ ይኹን ቤት ፍርዲ ስርሑ ከቋርጽ ይግደድ ማለት’ዩ። መግለጺ ኣቶ የማነ፡ ፈጻምን ፈራድን ሓጋግን
ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፕረሲደንት ኢሳያስ ምህላዎምን፤ ኢሳያስ ዝበሎም ዝገብሩን ምዃኖም ዝሕብር ኣሉ ክበሃለሉ
ዘይከኣል ጭብጢ ኢዩ። ብግብሪ ውን፡ ፓርላማ ኤርትራ ፍርቂ ኣባላቱ ኣባላት ህግዲፍ ስለዝዀኑ፡ ኢሳያስ ዝበሎም ክገብሩ፡
ኢሳያስ እንተጸዊዕዎም ክእከቡ፡ እንተዘይጸዊዕዎም ክድቅሱ፡ ኢዮም ተራእዮም። ኣቶ የማነ፡ ነቶም መንግስቲ ኢሳያስ ዝኣሰሮም
11 ኣባላት መሪሕነት ህግዲፍ ነበርን ነቶም ጋዜጠኛታትን ፓርላማ’ዩ ኰኒንዎም ክብለና ከሎ ኣብ ኣእሙሮኡ እንታይ ከምዘሎ
ክርድኣና ኣይከኣለን። ፓርላማ ኣሎና ኢልና ክንዓግብ ድዩ ዝጽበየና ዘሎ? ወይስ እዚ ፓርላማ’ዚ ብዘይ ቅዋም ዝሰርሕ ዘሎ
ናይ ኢሳያስ ፓርላማ ምዃኑ ዘይንፈልጥ ድዩ መሲልዎ? ፈጺሙ ክርድኣና ኣይከኣለን።
እንተ’ቲ ናይ ፖለቲካ ይኹን
ናይ ሃይማኖት እሱራት የብልናን፤ ብኽድዓት እተኣስሩ ገበኛታት ኢዮም ዝብል ኣዘራርባኡ ብዝምልከት፡ ስርዓት ህግዲፍ፡ ካብኡ
ፍልይ ዝበለ ርእይቶ ንዘለዎ ወልቀ-ሰብ ይኹን ጕጅለ ወይ ውን ውድብ ንምጽላም ዝደጋግሞ ዳዊት ምዃኑ ስለእንፈልጥ፡ ህዝቢ
ኤርትራን ኣህዛብ ዓለምን ንዝፈልጥዎ ሓቂ መልሲ ኣብ ምሃብ ግዜና ከነጥፍእን ክንደክምን ኣይንደልን።
ኣብ መደምደምታ ግን፡ ለካስ
ሃበኒ (ምልማን) ጥራሕ ኣይኰነን ህበይ ዝገብር፤ ውሃብ ቃል ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምዃን ውን ህበይ ይገብር ኢዩ ብዝብል
ትዕዝብቲ ኣብ ልዕሊ ቃለ መሓትት ናይ ኣቶ የማነ ዘሎና ነቐፌታ ክንዛዝም ንፈቱ።
DISCLAIMER: The author/s
contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for
its contents.
Send your articles/opinions to: webmaster@nharnet.com |