EDITORIALS:                  FOLDERS:
 

ህዝባዊ ረብሓ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ባርነት ኢዩ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ

09.04.2004

ንሃገርካ ምግልጋል ቅዱስ ዕላማ ኢዩ። ሃገር ማለት ህዝቢ ማለት ስለዝዀነ፡ ንህዝቡ ከገልግል ዘይደሊ ሰብ ዘሎ ውን ኣይመስለናን። እቲ ንፍርቂ ዘመን ዝኸውን እተኻየደ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ውን እንተዀነ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ እተኻየደ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኢዩ ነይሩ። ስለዝዀነ፡ ብክለሳ-ሓሳባዊ ዓይኒ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቅቡልን ዝድገፍን ሓሳብ ኢዩ። ዳርጋ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ውን ዝዀነ ዜጋ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብር ግዱድ ኢዩ። ብጥዕና ይኹን ብሃይማኖታዊ እምነቶም ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክፍጽሙ ዘይክእሉ ዜጋታተን ድማ ካልእ ኣማራጺ ይውሃቦም ኢዩ። ኤረ፡ ደሓን ይእተው ኣብ ከም በዓል ሽወደን ዝኣመሰሉ ሃገራትሲ፡ ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ብረት ተሓንጊጡ ንእተቓለሰ ተጋዳላይ ዜግነት ክሓትት እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘሕለፎ ዓመታት ከም ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለዝቖጽርሉ፡ ንሽወደን ዝምልከት ካልእ ኣገልግሎት ክፍጽም ኣይጠልብዎን ኢዮም።

ሕቶ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ከም ክለሳ-ሓሳብ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ምስ’ቲ ኣብ’ታ ውስንቲ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ስርዓትን ኵሉ መዳያዊ ፖሊሲታቱን ተዛሚዱ ኢዩ ክርአ ዝግባእ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ስርዓት ዲሞክራስያዊ ድዩ ኣይኰነን? መንግስቲ ዝኽተሎም ፖሊሲታት ንረብሓ ናይ ህዝቢ ድዮም ዘገልግሉ ኣይኰኑን? ዝብል ሕቶታት ክለዓሉ ኣለዎም። በዚ መንጽር’ዚ፡ ካብ ክለሳ-ሓሳባዊ መዳይ ወጺእና ኣብ ግብራዊ መዳይ ክንዛረብ እንተደኣኰይና እምበኣር፡ ዝድገፉን ዝንጸጉን ዓይነታት ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክህልዉ ግድነት ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ኣብነት እንተደኣ ወሲድና፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኵነታት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ?

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፡ ሓደ ውልቀ-ሰብን ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ህግዲፍን ዝባሓትዎ ወይ ዘሕመቕዎ፥ ካልእ ተወዳዳሪ ሰልፊ ዘይብሉ ናይ ገባርን ሓዳግን ስርዓት ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ህዝብን መንግስትን ዝመሓደረሉ ቅዋም ወይ ሕገ-መንግስቲ ይኹን ንረብሓን መሰላትን ናይ ህዝቢ ዝሕልዉ ዲሞክራስያውያን ትካላትን የለውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ዝካየድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እምበኣር፡ ምስ’ቲ ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ዝካየድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ዝብል ስም ስለዝሓዘ ጥራሕ ክድገፍ ኣለዎ ከበሃል ውን ቅኑዕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ኤርትራ ይኹን ካልኦት ዲክታቶርያውያን ስርዓታት፡ ህዝቢ በዚ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ክህሰ ክሳቐ እምበር ክረብሕ ኣይርአን ኢዩ።

ኣብ መዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘውዳዊ ስርዓት ሃይለስላሴ ካብ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝሕሸሉ ኵነታት ነይሩ። ኣብ ዘመን ሃይለስላሴ፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ንሓደ ዓመት ከም መምህራን ወይ ድማ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ተዋፊሮም ከገልግሉ ይግደዱ ነይሮም። በዚ፡ ንህዝቦም ይምህሩን ካብኡ ይመሃሩን ነይሮም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ ዝተረፎም ናይ ትምህርቲ ዓመት ቀጺሎም ናብ ስርሖምን ናብ ናብርኦምን ክዋፈሩ ይፍቀደሎም ነይሩ። ዋላ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ መግዛእታዊ ውግእን ምስ ሶማል ዝካየድ ዝነበረ ናይ ዶብ ኵናትን እንከሎ፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝውሰድ ተመሃራይ ኣይነበረን።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ግን፡ ቀዳምነት ዝህቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሲቪላዊ ዘይኰነስ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኢዩ። እዚ ስቕ ኢሉ ካብ ባዶ ዝመጸ ጕዳይ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ፡ ምስ ባህርያትን ተመኵሮን ኢሳያስ ዝዛመድ ሓደገኛ ባህርያት ዝሓዘለ ጕዳይ ምዃኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባኦ ኢዩ። ኢሳያስ፡ ንመወዳደርቱ ዝዀኑ ሰልፍታትን ውልቀ-ሰባትን ብወተሃደራዊ ሓይሊ እናቐንጸለ’ዩ ኣብ ስልጣን በጺሑ። ስለ’ዚ፡ ሓይሊ ኵሉ ነገር’ዩ ዝብል ናይ በረኻ ኣተሓሳስባ ዝገዝኦን ዘሕመቖን ሰብ’ዩ። ከምኡ ውን፡ ኢሳያስ ናይ ዞናና ኣርሓ ንምዃን ዝነበሮን ዘለዎን ሕልሚ፡ ኵሉ ዝፈልጦ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ዝቕይዶ ቅዋምን ሕግታትን ዘይምህላዉ እንተደኣ ተወሲኽዎ ህዝብን ሃገርን ንዘይተጸበይዎ ሓደጋታት ክሳጥሑ ግድን ይኸውን። ስለ’ዚ ኢዩ ውን፡ ምስ ኵለን ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ዘባርዐን፤ ነቶም ብስም ክረምታዊ ወፍሪ ዝኣከቦም መንእሰያት፡ ንውግእ ዘገልግሉ ጽርግያታት ንምስራሕ ክጥቀመሎም ድሕሪ ምጽናሕ ንባድመ ኣብ ምውራር ዘሰለፎም። ቅዋም የለ፡ ሕጊ የለ ስለዝዀነ ከኣ፡ ስለምንታይ ኣብ ውግእ ኣእቲኻዮም ኢሉ ዝሓቶ የብሉን። ከምኡ ውን፡ ን6 ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ድሕሪኡ ንሓደ ዓመት ካልእ ኣገልግሎት ክትገብሩ ኢኹም ተባሂሎም እተወስዱ መንእሰያት ንዓመታት ኣብ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ይቕጽሉን፤ ኣብ ግንባራት ናይ ውግእ ይሃልቁን ይበልዩን ኣለዉ። ናይ ኣገልግሎት ግዜየይ ኣኺሉ ኢልካ ክትሓትት ይኹን ወይ ኣብ ፍርዲ ቀሪብካ ተበዲለ ክትብል ኣይትኽእልን። ብዘይ ሕግን ሕገ-መንግስትን እተመሓደር ሃገር ስለዝዀነት፡ ድሌት ስርዓት ኢሳያስ ልዕሊ ኵሉ ኢዩ።

እዚ ጥራሕ ውን ኣይኰነን፡ ካብ ኣገልግሎት ምግባር ሃዲሙ፡ ተሓቢኡ እናተባህለ ዝርሸን ኣሎ። ወተሃደራት’ቲ ስርዓት፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ቀጻሊ ግፋታት የካይዱ። ገዛ ገዛ እናኣተዉ ይፍትሹ፤ ንእግረ መንገዶም ንህዝቢ የጋፍዑን ንብረቱ ይሰርቁን ይዘምቱን፤ ወለዲ ድማ፡ ደቅኹም ኣምጽኡ ተባሂሎም ክእሰሩን ክቕጽዑን ይርኣዩ።

መንእሰያት፡ ካብ መኣዲ ናይ ፍልጠትን፥ ንነብሶምን ንስድራ ቤቶምን ካብ ዝኣልይሉ ዝነበሩ ኣብያተ-ስራሕን ሕርሻን ምርባሕን ምግፋፍን ዓሳን ተወሲዶም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ሰራዊት ስርዓት ህግዲፍ ብግዲ ይዕስከሩ። ቤተ-ሰቦም 400 ናቕፋ ጥራሕ ኢዩ ዝውሃቦም። ክራይ ገዛ 200 ናቕፋ፡ መሸላ 500 ናቕፋ ኣብ ዝዀነሉ ሃገር በ400 ናቕፋ ከመይ ኢሎም ይንበሩ? በዚ እተሳቐዩ መንእሰያት ወይ ክሃድሙ ወይ ድማ ነብሶም ከሕልፉ ይግደዱ ኣለዉ። እዚ ምስ’ቲ ውግእን ህልቂትን ብርሰትን ስቅያት ዘስዓቦ ጕድኣታት ተደማሚሩ፡ እቲ ከፍሪ ዝኽእል መንእሰያዊ ዓቕሚ ንስደት ከምርሕ ይደፋፍኦ ኣሎ። መንእሰያት፡ ኣብ ጥራሕ ከብዶም ናይ ሓለፍቶም ኣባይቲ ክህንጹን፥ ጀራዲኖም ክዅስኩሱን፡ ግራውቶም ክሓርሱን ይውዕሉ ኣለዉ። ነዚ ሓቕታት’ዚ ረጊጽካ፡ ዓይንኻ ዓሚትካ፡ ሃገር ወይ ህዝቢ ብሃገራዊ ኣገልግሎት ይጠቀም ወይ ይረብሕ ኣሎ ምባል፡ ሕልናኡ ዝሸጠ ሰብ እንተዘይኰይኑ ካልእ ፈጺሙ ክብሎ ዝከኣል ኣይኰነን። ንረብሓ ህዝቢ ዘይውዕል ሃገራዊ ኣገልግሎት ድማ ባርነት ምዃኑ ክልተ ሰባት ውን ክፈላለይሉ ኣይክእሉን ኢዮም።

ንደቂ ኣንስትዮ ዝወርደን ዘሎ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብረን ዝፍጸም ዘሎ ድፍረትን ዓለም ዘዛርብ ዘሎ ጕዳይ ኢዩ ኰይኑ። ውላደይ ኣይኰነን ዝብል ምክሕሓድ፡ ጥንስኺ ስደድዮ እንተዘየለ ለኪመኪ ክጠፍእ ኢየ ዝብል ምፍርራሕ፡ ካብ’ዚ ኵሉ ጸገማት’ዚ ንምግልጋል ዝፍጸም ዘሎ ነፍሰ-ቅትለትን ካልኦት ሽግራትን ኣብ ዝነገስሉ ሕማቕ ኵነታት፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ይረብሓ ኣለዋ፥ ማዕርነትን ይረጋገጽ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን’ዩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ዘሕፍር ውን ኢዩ። ብዘይካ’ቲ ስርዓትን መጋባርያታቱን ድማ ከም’ዚ ክብል ዝኽእል ንጹህ ዜጋ ዘሎ ኣይመስለናን።

ልክዕ’ዩ፡ ጽርግያታትን ህንጻታትን ይስራሕ ይህሉ ኢዩ። እዚ ግን፡ ክንደይ ዜጋታት ኣጥሚኻን፤ ክንደይ ዕድላት ናይ መንእሰያት ሰባቢርካን፤ ክንደይ ግህሰታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ህዝቢ ፈጺምካን ዝስራሕ ዘሎ ጽርግያታትን ህንጻታትን ስለዝዀነ፤ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ በደላትን ምዝመዛን ዘንጊዕካ ብጽርግያታትን ምዕብልና ይረጋገጽ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኰነን። ሂትለርን ሙሰሊንን ውን፡ ክንደይ ጽርግያታትን መገዲ ባቡራትን ፋብሪካታትን ኣብ ዓዶም ጥራሕ ዘይኰነስ፥ ኣብ’ተን ዝገዝእወን ሃገራት ውን ከይተረፈ ሃኒጾም ኢዮም። እዚ ግን ብዋጋ ክብርን መሰላትን ወዲ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ክንደይ መሰላቱ እተረግጸን እተጨፍጨፈን ኣህዛብ ኢዩ ነቲ ጽርግያታትን ህንጻታትን መገዲ ባቡራትን ሰሪሕዎ። ኣብ ግብጺ ዘሎ ፒራሚዳት ብጊሎት ከምእተሰርሐ ታሪኽ ዘንበበ ኵሉ ዝፈልጦ ኢዩ። ዓለም እተደነቐሎም ፒራሚዳት ስለእተሰርሑ ግን፡ ስርዓት ፈርዖናውያን ፍትሕን ማዕርነትን ዲሞክራስን ነይርዎ ማለት ኣይኰነን።

ልክዕ ከም’ቲ ኣብ ጀርመንን ኢጣልያን ዲሞክራስያውያን ስርዓታት ምስ መጹ ነቶም ፋሽስታውያን ስርዓት ዝሃነጽዎም ጽርግያታትን ህንጻታትን ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዘውዓልዎም፤ ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝመጹ ዲሞክራስያውያን ስርዓታት ውን፡ ነዞም ጕጅለ ኢሳያስ ዝሰርሖም ጽርግያታትን ህንጻታትን ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከምዘውዕልዎ፡ ንሓንቲ ደቒቕ ውን ትኹን ኣይንጠራጠርን። ስርዓት ኢሳያስ ክሳዕ ዘሎ ግን፡ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ክውዕሉ ከምዘይኰኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ።

ሓደ ሲሶ ካብ ህዝብና ኣብ ውትህድርና ኣብ እተዋፈረሉ፥ ካልእ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝብና ካብ ቦታኡ ተመዛቢሉ ኣብ ዝርከበሉ፡ መንእሰያት ሃገርና ንስደት ኣብ ዘምርሕሉ፡ ናይ ውትህድርና ሓንጐል ዝመርሖ ስርዓት ኣብ ዘለወሉ ኵነታት፡ ህዝብና ብሃገራዊ ኣገልግሎት ክረብሕ ኢዩ፤ ወይ ህዝብና ብዝህነጹ ዘለዉ ጽርጋያታትን ህንጻታትን ኣብያተ-ትምህርትን ክጥቀም ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ወይ ምጽባይ ናይ ሕልሚ እንጀራ ኢዩ። ብግብሪ ውን፡ ኣብ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ዝዓነዉ ህንጻታትን ትካላትን ንውግእ ተባሂሉ ዝባኸነ ሃብቲ ሃገርን ዝሃለቀን ዝሰንከለን ጕልበትን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ሓቂ ዘረጋግጽ ኣሉ ክበሃል ዘይከኣል ምስክርነት ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ዘይቅዱስ ዕላማታት ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርዓት ኢሳያስ ብእተፈላለየ ኣገባብ ተቓውሞታቱ ክገልጽ ይርአ ኣሎ። ውላደይ ኣይህብን ኢየ ኢሉ ክቃወምን፡ ውሉዱ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምልጥ ክተሓባበር፥ ንዝሃደሙ ክሓብን ከዕቁብን፡ ንተኸራኸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀና ማሕበራትን ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ብዛዕባ ዝፍጸም ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰታት ሓበሬታታት ከስንቕን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ተቓውሞታት’ዚ እናዓበየ ከምዝኸይድን ናብ ግሁድ ተቓውሞ ክሰጋገር ምዃኑን ድማ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብመትከል ዝድግፍ ውድብ ኰይኑ፥ ብቅዋም ዝጸደቐን ብሕግታት ዝቕየድን ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝውዕልን ክኸውን ከምዘለዎ ይርኢ። ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ናይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ መዳይ ምክልኻል ብዝምልከት ኣብ ገጽ 25 ከምዚ ዝስዕብ ይብል።

"ዕላማና ሰላምን ዲሞክራስን ዝሰፈና ሃገር ምህናጽን፤ ኣብ ዞናናን ኣብ ዓለምን ሰላምን ርግኣትን ንምርግጋጽ ኢዩ።

እዚ ማለት ከኣ፡ ምስ ጐረባብቲ ዝዀና ሃገራትን መንግስታትን ኣብ ጽቡቕ ጕርብትናን ሕውነታዊ ምሕዝነትን ዝተመርኰሰ ዝምድናታት ንምፍጣር ብዅሉ እንውንኖ ዓቕሚ ምስራሕ ኢዩ። ከምኡ ውን፡ ብውግእ ንዝዓነወ ሃገርና ንምህናጽ፡ ኵሉ ዓቕምታትና ኣብ’ቲ መሰረታዊ ዝዀነ ናይ ዳግመ-ህንጻ ዕማማት ክንጸምዶ ንጥለብ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ዕላማና ናይ ወጻኢ ሓይልታት ወረራታር ዝከላኸልን፥ ንሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ትካላትን ዝሕሉን፤ ኣብ ማእቶት ዝሳተፍን ሃገራዊ ሰራዊት ምህናጽ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ይረጋገጽ።

  • ንሃገር ምክልኻል ዝዓለመ ሰራዊት ይህነጽ፤
  • ኣብ ኤርትራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት መደበራት ክትከል ዘይምፍቃድ፤
  • ነቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝቘመ ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ትካላትን ምሓላው፤
  • ኣብ ትሕቲ ኣህጕራዊ ሕጋውነት እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ውሽጣዊ ጕዳያት ሰራዊት ዘይምልኣኽ፤
  • ከባቢና ካብ ምብካል ንምክልኻል፡ ባዮሎጂካውን ቅመማውን ኑክልያራውን ናይ ጥፍኣት መሳርያታት ኣብ ኤርትራ ከይፈርዩን ከይኽዘኑን ምክልኻል፤
  • ናይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሕግታት ምውጻእ፤
  • ወተሃደራዊ ትካል፡ ፖለቲካዊ ሻርነት ዘይብሉ ኰይኑ፥ ዕማሙ ንሃገር ምክልኻል ጥራሕ ይኸውን። ሰራዊት ከኣ፡ ነቲ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መንግስቲ ምእዙዝ ይኸውን፤
  • ሃገራዊ ሰራዊት ኣብ ማእቶት ይሳተፍ፤
  • ኣብ ሃገራዊ ሰራዊት ክቕጽሉ ዘይክእሉ ኣባላት ሰራዊት፡ ርእሶም ዝኽእልሉ ምልመላታት ይግበረሎም" ይብል።

  • Contact Us at:   webmaster@nharnet.com