|
ምኽንያት ምእሳር ኣቕሽሽቲ ተዋህዶ ሃይማኖት እንታይ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ዝነብር ኩሉ ወዲ ሃገር፡ ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ፡ ኣብ 1991- 1994 ሓደ ሰብ ክእሰርን፡ ክጭወን
ከሎ፡ ኩሉ ሰብ ዝብሎ ዝነበረ ሓደ ነገር ነይሩ። መንግስቲ ህዝባዊ ግንባር ብዘይገለ ነገር ኣይኣስርን እዩ። መርሚሩ
ብሕጊ ክፈትሖም እዩ። እንዳ ተባህለ፡ ብዋዛ ዋዛ ዝጠፍአ መንእሰይ፡ ሽማግለ፡ ኣዲኡ ትቑጸሮ።
እዚ ማእሰርትን ምቕንጻልን ናይ
ህግደፍ፡ ንኹሉ ብሓቅን ብፍልጠትን ቅልቅል ዝብል ዝኮነ ይኹን ሰብ እዩ ዘጠቓልል፡ ንዝተማህረ፡ ንዘይተማህረ፡
ንሃለቃ፡ ንቀሺ ንኣቡን፡ ንሓኪም፡ ንኣረጊት ንሽማገለ፡ ንቖልዓ ንሰበይቲ፡ ንዝሓተተ፡ ንዝተሓተ፡ ንመንግስቲ
ህግደፍ ዘየምለኸ፡ ብሽም ንኹሉ፡ ብጸረ ሃገርን ጸረ መንግስትን ጸረ ሃይማኖትን፡ ንኹሉ እዩ ዝቕንጽል።
ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ ብቐረባ ናይቲ
ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖት ዝፍጸም፡ ውሽጣዊ ስርዒታት ናይ ህግደፍ ንምግላጽ እየ።
ኣብ ሃይማኖት ተጸጊዕኻ ቆራብን ሰጋድን
ኮንካ፡ ምሕሳው፡ ዘይኮነ ምዝራብ ብኣምላኽን ብሰብን የኾንን ስለ ዝኾነ፡ ሓደ እግረይ ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወ ሰብ ስለ
ዝኾንኩ፡ ቃንዛ ቤት ክርስትያን ከኣ ስለ ዝሕምመኒ፡ ሓቂ ከጋልጽ እሞ፡ ህዝቢ ንሃይማኖቱ ዓጢቑ ክትስእ፡ ደርሆ
ጻሕቲራ መሕረዲኣ ኣውጽአት፡ ዝበሃል፡ ተማህሊልና፡ ዓጢቕናን ዘምጻእናዮ መዓት፡ ነዚ ጨካን፡ ስርዓት ህግደፍ፡
ተማህሊልናን፡ ዓጢቕናን ከነጥፍኦ፡ ግፍዕታቱ ኣብ ተዋህዶ ሃይማኖት እየ ከጋልጽ።
ብዙሓት ጳጳስ ኣቕሽሽቲ፡ ደብተራታት፡
ዛቑኖት፡ ተኣሲሮም ተሰጉጎም፡ ተቐንጺሎም እዮም። ካብኣቶም ኣብዚ ሕጅ ዝተሳቐዩን ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣመልኪተ ካብ ማይ
ባሕሪ ክጽሕፍ ተገዲደ ኣሎኹ። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ለይትን መዓልትን ዝፍጸም፡ ብእዝነይ ይሰምዕ ጥራይ
ዘይኮነስ ብኣካልውን ኣብኡ ስለ ዘለኹ፡ ንድሕነት ነብሰይን ንድሕነት ስድራ ቤተይን ስመይ ክዕቅብ ተገዲደ ኣሎኹ።
መንግስቲ ህግደፍ፡ ብፍላይ ነታ ብዝሒ
ስዓቢ ዘለዋ፡ ሃይማኖት ተዋህዶ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንምእታው፡ ኣብ 1995 ኣዋጅ ሃይማኖትን ሃይማኖታዊ ትካላትን
ዝብል፡ ኣብ ትሕቲ ስለያን ጸጥታን ዝመሓደር፡ ሓደ ናይ ቅንጸላ ጉጅለ፡ በቲ ብመስተን ስኽራንን ዝደንዘዘ፡ በትሪ
ኢሳያስ ናዝጊ ክፉሉ ሃይማኖት ተዋህዶ፡ ኮሎነል ጸጉ ፍስሃየ ከኒሻ፡ ሌ/ኮሎነል ፍጹም ገረዝግሀር ኮቶሊኽ፡ ጀላኒ
ኣስላማይ ዝምራሕ፡ ሓደ ጉጅለ ጥፍኣት ተመስረተ።
ኣብቲ እዋን፡ ናይ ኮቶሊኽ ሃይማኖት፡
ሰዓብቲ፡ ሃይማኖታት ናጻ ክኾና ኣለወን፡ መንግስቲ ክጋገ እንተ ረኣያ ክምዕዳን፡ ክወቕሳን ኣለወን፡ ሓበስቲ ንብዓት
ህዝበን ክኾና ኣለወን ቢሎም፡ ስለ ዝተቓወሙ፡ ስርዓት ህግደፍ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት መራሒ ወዲ 100 ዓመት ኣቡን
ዕድሚኦምን ስእነቶምን ተጠቒሞም፡ ነቲ ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ብግደታ ከም ዝትግበር ገበሩ።
መራሕቲ ተዋህዶ ሃይማኖት፡ ዓቕሚ
ትምህርትን ገንዘብ ስለ ዘይብሎም፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ተምበርከኹ። እቲ ተጽዕኖ እናበርትዐ
ምስ ከደ፡ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት መራሕቲ ኣቡናት፡ ንገንዘብ ኢልና፡ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ጨፍላቒ ስርዓት ሃይማኖት
ዘይኣምን ኣይንወድቕን ዝብሉ ተላዕሉ። እዚ ነገር እዚ በቶም ይኣምኖም እየ፡ ዝብሎም ሰባት ስለ ዝተላዕለ ዓብይ
ብድሆ ኮኖ።
ካብዚኣቶም ሒደት ክጠቅስ
1.
ናይ ወጻኢ ቤተ ክርስትያን ኣቡን ኣባ መንቀርዮስ፡ መንግስቲ ህግደፍ፡ ከጠንቅቖም፡ ከምበርክኾም ብዙሕ
ጽዒሩ፡ ንኢሳያስ፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ኢድካ ኣውጽእ፡ ኢሎም ኣብ ጉባኤ ስለ ዝደፈርዎ፡ ብህጹጽ ካብ ኤርትራ
ክወጹ፡ ብዝተረፈ ድማ፡ ክርሸኑ ከም ዝክእሉ፡ ብሕቡእ መጠንቀቕታ ለኣኸሎም። ካብ ኤርትራ ክወጽእ ይፈቐደኒ ኢልኩም
ብዝሓተትክምዎ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ወጽኢኩም ኣሎኹም፡ መኪና፡ ገዛ፡ ንብረት ኩሉ ነቶም ወዲ 100 ዓመት ጳጳስ
ኣረኪብኩም ውጹ ተባህሉ። ንሶም ህዝቦም ከገልግሉ ደኣ እምበር፡ ክወጽእ ኢሎም ዘመልከትዎ ጽሑፍ ስለ ዘይነበረ፡
ክካትዑ ጀመሩ፡ ብፈተውቶም ወይ ንኢሳያስ ከይዶም ይቕረ በለለይ ኢሎም ኣብ እግሩ ክምብርከኹ፡ ወይ ድማ ካብ ሃገሮም
ክወጹ ምርጫ ቀረበሎም፡ ኣብ ሰብ ካብ ምንብርካኽ ካብ ሃገር ምውጻእ ዝብል መረጹ፡ ካብ ሃገር ክወጹ ተገዲዶም ኣብ
ግብጺ ይርከቡ።
2.
መምህር ጌታ ይባረኽ በርሀ፡ እንኮ ናይ ቤተ ክርስትያን ብዘበናዊን መንፈሳዊን ኣብ ኤርትራ ክልቴኡ
ኣማሊኦም ዝተማህሩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዓለም ብታሪኽ ተዋህዶ ሃይማኖት ተሓታቲ፡ ብሕቶ ኣቡናት ንቤተ ክርስትያን
ከማሓድሩ፡ ካብ መንግስቲ ህግደፍ ናብ ምምሕዳር ቤተ ክርስትያን መጽኡ። መምርሒ ሓንጺጾም፡ ሕጊ ኣውጺኦም ምስ
ኣቡናት ተሰማሚዖም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ ብስርዓት ህግደፍ ተወኪስካ ስለ ዘይትሰርሕ፡ ነታ ሃይማኖት ካብ ተጸጋዕነት
ሃይማኖት ከተውጽኣ ትፍትን ኣሎኻ ተባሂሎም፡ ብስለያ ስርዓት ህግደፍ፡ ንክልተ ዓመት ምሉእ ኣብ ናይ ገበን መመርመሪ
ተዳጉኖም ብማህረምቲ ኣሳቕዮም ካብ ቤት ማእሰቲ ብዘይፍርዲ ኣፋነውዎም።
መእሰሪ መምህርጌታ ይባረኽ በርሀ፡
ንደራጎን ሃይለመለኮት ቅያር ናዝጊ ኩፉሉ፡ ዘይተኣዘዝካ፡ ንሃይማኖት ተዋህዶ ካብ መንግስቲ ክትፈሊ ፈቲንካ ብዝብል
ጸለመ ኮይኑ፡ ድሕሪ ማእሰርቶም ኣቦ ገነት ፍስሃየ ውሽማ፡ ድራጎን ሃይለመለኮት፡ መምህር ፍስሃየ ተስፋስላሴ፡ ሃለቃ
ኣይኮነ ቀሺ ኣይኮነ፡ ኣምጺኦም ናይ ሃይማኖት ተዋህዶ መራሒ ኮይኑ ክሰርሕ ኣዘዝዎ። ነቲ ስራሕ ክሰርሖን ክመርሖን
ዘይክእል ምዃኑ ስለ ዝተፈልጠ ከኣ፡ ናይ ኣቡን መንቀርዮስ ጽሓፊ ዝነበሩ፡ ቀሺ ገብረምካኤል ዮውሃንስ ሕጂ ኣብ
ኣመሪካ ዝርከቡ፡ ምክትል ናይ መምህር ፍስሃየ ኮይኖም ክሰርሑ፡ ብደራጎን ሃይለመለኮት ትእዛዝ ምስ መጠንቀቕታ
ተዋህቦም። ቀሺ ገብረምካኤል ብምስባኽ መጽሓፍ ቅዱስን፡ ህቡብን ፍሉጥን፡ ብዘበናዊ ትምህርቲ ኣብ ተግባረ እድ
ዝወድኡን፡ ኮይኖም፡ ንተዋህዶ ሃይማኖት ካብ መምህር ይባረኽ በርሀ ብዘይትሕት ክመርሑ ተስፋ ዝተገብረሎም፡ ነቲ
ከቢድ ጸቕጥታት ናይ ስርዓት ህግደፍ፡ ክጻወርዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ቅድሚ ምእሳሮም ምስ ኣቡን ተሰማሚዖም ናብ ወጻኢ
ሓውሲ ህድማ ገይሮም ብጸቢብ ካብ መቑሕ ህግደፍ ወጽኡ።
3. ድሕሪ ቀሺ ገብረምካኤል ዮውሃንስ
ናብ ወጻኢ ምኻድ፡ እቲ ስራሕ ናይ ሃይማኖት፡ ብመምህር ስፍሃየ ክምራሕን ክመሓደርን ስለ ዘይከኣል፡ ኣብ ትሕቲ
መምህር ፍስሃየ ኮይኖም ክሰርሑ፡ ንመምህር ደሴ ብርሃነ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ ናይ ልምዓት ተዋህዶ ሃይማኖት
ዝነበሩ፡ ብቋንቋ እንግሊዝኛ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ዘለዎም ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ መምህር፡ ብትእዛዝ ድራጎን
ተመደቡ።
እንተ ኾነ፡ መምህር ደሴ ብርሃነ፡ እቲ
ኣብ ትሕቲ ድራጎን ኮንካ፡ ምስራሕ ምስቲ ሕጊ ሃይማኖትን እቲ ተጽዕኖን ከይተረድኦም፡ ብቕንዕና መግስትን ሃይማኖትን
እንታይ ርክብ ኣለዎም፡ ኢሎም ክሰርሑ ብምፍታኖም እታ ንመምህርጌታ ይባረኽ በርሀ፡ ዝበጽሐት ጽዋእ በጽሓቶም፡
ኣርባዕተ ደቆም ኣብ ግምባር ከቲቶም ከለዉ ድማ፡ ዝተረፉ፡ ህጻናት ደቆምን ገዛኦምን ሓዲጎም ን ሾመንተ ኣዋርሕ ኣብ
ቤት ማእሰርቲ፡ ተዳጎኑ።
4. ሃለቃ ግደይ ገብረ፡ ምሁር ወዲ
ሃይማኖት ብምዃኖም፡ ኣቡናት ተሰማሚዖም፡ ድራጎን ከይፈለጠ፡ ድሕሪ መምህር ደሴ ተቖጽሩ። ነታ ቤተ ክርስትያን
ኣዝዮም ስለ ዝፈልጥዋ፡ ብዓቢኡ ድማ፡ ምስ መራሒ ህግደፍ፡ ኢሳያስ ናይ መውስቦ ዝምድና ስለ ዘለዎም፡ ንደራጎን
ራዕዲ ኣተዎ፡ ከመይሲ ድራጎን ምስ ካህናትን ኣቡናትን፡ ቀትሪ ቀትሪ ጽራይ የጻሪ፡ ለይቲ ለይቲ ድማ፡ ምስ
ሰይጣውንቲ ኣመናዝር ዝኣሪ ፍርሓት ኣምላኽ ዘይብሉ፡ ስሱዕ ከሓዲ ሰብ እዩ። ናይ ሃለቃ ግደይ ገብረ ምምጻእ ድማ፡
ኣስጋኢ ስለ ዝኾነ፡ ከይኣስሮ ንጎይትኡ ፈሪሑ፡ ናጻ ከይገድፎ ድማ ጉዱ ስለ ዝፈልጥ ከየጋልጾ ፈሪሑ እቶም ናይ
ተዋህዶ ሃይማኖት መራሒ ኣቡን ወዲ 100 ዓመት ስለ ዝኾኑ፡ ልቦምውን ብምኽንያት ዕድመ ኣብ ጽቡቕ ምስትውዓል ስለ
ዘይነበረ፡ ንሃለቃ ግደይ ደኣ ካብ ስራሕ ስጎግዎ እምበር፡ መንግስቲ ንወጻኢ ልኢኹ ዘድሊ ሕክምና ገይሩ፡ ናብ
መንእሰይ ክመልሰኩም እዩ ኢዩ፡ ሚልዮናት ገንዘብ ንኣኹምን ንሰራሕተኛታትኩምን ክምድበልኩም እዩ፡ ሃለቃ ግደይ እንተ
ሃልዩ ግና፡ ኩሉ ኣይትረኽቡን፡ ብምባል ምስ ኣቡን ከም ዝበኣሱ ገይሩ፡ ካብ ስራሕ ሰጎጎም። ከይኣስሮም ግና፡ ኣብ
መዓት ጎይታኡ ከይኣቱ።
5. ሃለቃ ተኽለማርያም ምርካጽዮን፡
ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ጀርመን ነባር ዝነበሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገረይን ቤተ ክርስትያነይን ከገልግል ኢሎም፡ ኣትዮም
ካብ መጀመርታ እግሮም ብልኡኻት ህግደፍ ከቢድ ፈተናታት ኣጋጢምዎም፡ ኣብ ምምሕዳር ተዋህዶ ሃይማኖት ከይኣትዉ፡
ተባሂሉ፡ ኣነ ገንዘብ ኣይደልን ጽድቅን ዕቤት ቤተ ክርስትያነይን ደኣ እምበር፡ ቢሎም ክሰርሑ ምስ ሓተቱ፡ ነዞም
ዓብን ክኢላን ወዲ ተዋህዶ ሃይማኖት፡ ጋዜጠኛ ፍኖተ ብርሃን ገበርዎም። በታ እንኮ ልሳን ቤተ ክርስትያን ሓቂ
ክዛረቡ ምስ ጀመሩ፡ መንግስቲ ኢዱ ካብ ሃይማኖት የልዕል፡ ኣረገውቲ ኣቦታት ኣቡናት የታልል ኣሎ፡ ቁጹራት ሃሱሳት
መንግስቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሃይማኖት ይውጽኡ፡ ከመይሲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ርክብ ስለ ዘይብሉ፡ ቢሎም ብዓውታ
ክዛረቡ ምስ ጀመሩ፡ ከም ኩሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንሸውዓተ ወርሒ ተሳቐዩ።
6. መምህር ኣባ ተወልደ ብርሃን
ዓንደመስቀል፡ ናይ ገዳም ኣቡነ መንቆሬዎስ ከባቢ ዓረዛ ዝርከብ፡ ሓላፊ ዝነበሩ፡ ምሁርን ናይ ሕግን ወለዶን
ተሓታቲ፡ ኣብ ዘበን ቃልሲ ኤርትራ ዓብይ ግደ ዝነበሮም፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጳጳስ ከይኮኑ፡ ብስርዓት ህግደፍ፡
ኣዝዮም ተፈራሒ ስለ ዝኾኑ፡ ስሞም እንዳ ኣጸለሙ፡ ሓማቕ ወረታት እንዳዘርግሑ፡ ሞራሎም ከም ዝወድቕ ገይሮም፡
ከሳቕይዎም ጸኒሖም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ተዋህዶ ሃይማኖት፡ ሰራሕተኛ ኮይኖም ምስ ተቖጽሩ፡ መንግስቲ ንቤተ
ክርስቲኣይን የሳቕያ ኣሎ፡ ኢዱ ጥራሕ ዘይኮነስ እግሩ ኣእትዩ ይረግጻ ኣሎ። ኢድኩም ከቢድና፡ ህዝብና ክንምህር፡
ሃይማኖትና ከነማዕብል ሕደጉና። ብምባሎም ጥራሕ ንሶምውን ከም ኩሎም ግዱሳትን ሓቀኛታትን ኣቕሽሽቲ፡ ኣብ ቤት
ማእሰርቲ ወንጀል ምርመራ ተደጎኑ፡ ከቢድ ስቓይ ስለ ዝበጽሖም፡ ወዲ 89 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብቑርን
ብመግረፍትን ከቢድ ስቓይ ኣጥርዮም ኣብ ሕማም ይርከቡ።
ከምቲ ዝበሃል ኣብ ቤት ማኣሰርቲ
ክኣትዉ እንከለዉ፡ ቁልፍኹም፡ ቆቢዕኩም መስቀልኩም ኣራግፉ ተባሂሎም፡ ቁልፈይን በርተፍልዮይን እነሆልኩም፡
መስቀለይን ቆቢዐይን ማዕተበይን ግና ኣይህብን ምስ በሉ፡ ብሓይሊ ቆቢዖም ካብ ርእሶም ኣውጺኦም፡ መስቀሎም ካብ
ኢዶም መንጢሎም፡ ብዘነውር ኣገባብ ኣሰርዎም፡ ንሞት ምስ ኣስግእዎም ከኣ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣውጺኦም ደርበይዎ።
ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽኡ እንከለዉ፡ ፈላሲ ብዘይቆቢዕ ክንቀሳቐስ ስለ ዘይክእል ቆቢዐይ ሃቡኒ እንተ በሉ፡ ሓደ
ፖሊስ እቲ ናይ ወታደር ቆቢዕ እንካ ምስ በሎም፡ በኽዮም ነጸላ ተጎልቢቦም ብጸልማት ገዛኦም ኣተዉ።
7. ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ፡
እዞም ሕጂ ብብርቱዕ ጸቕጢ ናይ ገዳማትን ካህናትን ኣብ ዝለዓለ መዓርግ ዝርከቡ ፓትርያርክ፡ ኣብ 2001 ንደራጎን
መንግስቲ ነዛ ቤተ ክርስትያን ካብ ዝባና ዘይወርደላ። ባዕላትና ንባዕላትና ክንመሓደር ግደፉና፡ ኣብ ውሽጢ ቤት
ጽሕፈትና ዘለዉ ልኡኻት ናይ ፖለቲካኹም ኣልዕሉልና፡ መሓርዋ እዛ ቤተ ክርትያን፡ ንብዓት ሓዊሶም ዓዉ ምስ በኸዩ
ምስ ተዛረቡ፡ ኣብ ህዝቢ ፍሉጥን ህቡብን ብምዃኖም፡ ከይኣስርዎምእውን ስለ ዝፈርህዎም፡ በቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ
ዕሱባቶም ኣቢሎም ምስቶም ወዲ 100 ዓመት ፓትርያርክ ኣቡነ ፍልፖስ ኣባኢሶም፡ ደሞዞም ኣጊዶም፡ ካብ ምምሕዳሮም
ኣውሪዶም፡ እታ ዝሃብዎም መኪና ኣሕዲጎም፡ ካብ ኣስመራ ከም ዘወጽኡ፡ በቶም ዕሱባቶም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝርከቡ
ገይሮም፡ ሽሞም ከም ዝንውር፡ ሃይማኖት ከም ዘጥፍኡ፡ ንስውኣት ከም ዘይጽልዩ፡ ዝተፈላለየ ጸለመታት ብምዝርጋሕ፡
ካብ ህዝቢ ክንጽልዎም ፈተኑ። ፈላሲ ብምዃኖም እዛ ዓለም ስለ ዘይትግድሶም፡ ኣብ ገዳሞም ከይዶም፡ ዓመት ምሉእ
ብጸሎትን ጾምን ተዓጽዉ። ተፈላጥነቶም ኣብ ህዝቢ እናዓበየ ስለ ዝኸደ፡ እዚ ዘስግኦም መራሕቲ ህግደፍ፡ ጌጋ ናይቶም
ሽማግለ ፓትርያርክ ስለ ዝነበረ፡ ህዝብን መንግስትን ይደልየኩም እዩ። ናብ ቦታኹም ተመለሱ ኢሉ፡ ብዘይመኪና፡
ብኣውቶቡስ ገዳምም ዘባረሮም፡ መኪና ልኢኹ ጸውዖም። ኣብ ቦታኦም ድማ፡ ብልመና ፈተውቲ ተመልሱ።
8. ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግስ፡
ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝዓበዩ፡ ብኣሽሓት መንእሰያት መንገዲ ሃይማኖት ዘፍለጡ፡ ብዙሓት፡
ብሱላትን ምሁራትን ኣቕሽሽቲ ዘፍረዩ፡ ኣብ ዘበን ደርጊ፡ ብሰንኪ ቋንቋ ትግርኛ ከቢድ መግረፍቲ፡ ማእሰርቲ፡ ክሳብ
ናይ ጥይት ማህረምቲ ዝበጽሖም ብሱልን ትሑትን ወዲ ሃይማኖት ተዋህዶ እዮም። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ፡ በቲ
ዘለዎም፡ ውህሉል ተመኩሮ ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ተመሪጾም፡ ናይ ቅዱሲ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ክሳዕ 1998
ከካይዱ ጸኒሖም፡ ናይ 4 ዓመት ናይ ቲዎሎጊ ትምህርቲ ኣብ ሃገር ግብጺ ተማሂሮም፡ ዓዶም ተመሊሶም። ካብ
መጀመርታኦም መንግስቲ ንድኽነት ቤተ ክርስቲያን ተጠቒሙ ንፖለቲካዊ መዓላ ክጥቀመላ የብሉን ዝብል ተሪር መትከል ስለ
ዝነበሮም፡ ድሕሪ ምምላሶምውን ቤተ ክርስትያን ኣፋ ከፊታ ክትዛረብ ግቡኣ ትግበር፡ ናጽነት ሃይማኖትና ይከበረልና፡
ብምባሎም፡ ካብ መደብ ስራሖም ከም ዝዘናበሉ ተገይሩ። ቀሺ ገብረመድህን፡ ብኣሽሓት መንእሰያት ኣብ መካነ ሂወት ቤተ
ክርስቲያን ስለ ዝምህሩ፡ ንመንግስቲ ዓብይ ስግኣት ኮንዎ፡ ስለዚ እታ እንኮ ፍታሕ ከም ኩሎም ንቑሓት ካህናት ኣብታ
መከረኛ ቤት ማእሰርቲ ተጓሒፎም ኣለዉ።
9. ቀሺ ዶር. ፍጹም ብርሃን
ገብረንጉስ፡ እዞም ቀሺ እዚኦም፡ ኣብ ኤርትራ እንኮ ናይ ኣእምሮ ሕማም ሓኪም እዮም ካልኣይ የብሎም ሳልሳይ
የብሎም፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ዘይተጸለለ ኣእምሮኡ ዘይተተንከፈ ሰብ ኣሎ ኢልካ
ምዝራብ ኣይከኣልን። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ብሰንኪ ብትዕቢት ኢሳያስ ዝተወለዐ ኩናት ኣራእሶም ተሃሪሞም፡
ዝተጸለልዩ መንእሰያት ኣዲኦም ትቑጸሮም፡ ከተማ ኣስመራ፡ ኣዕለቕሊቐምዋ ኣለዉ። መጀመርታ ክንርእዮም ከሎና፡ ንበኪ
ዝነበርና ሎሚ እሞ ኣርሚሙና ንሕናውን ብሰንኪ እዚ መሪር ጨካን ኣመራርሓ ኣብ ቦታኦም ኣይኣቶናን እምበር ከምኦም
በጺሓና ኣሎና።
እንተ ኾነ መንግስቲ ህግደፍ፡ ስልጣኑ
ደኣ እምበር ጉዳይ ህዝቢ ስለ ዘይዓዞ፡ ንቀሺ ዶክቶር ፍጹም መእሰያት፡ ብስነ ኣእምሮ ናይ ሃይማኖት ግዙኣት ትገብር
ኣሎኻ፡ ንመንግስቲ ከየምልኹ፡ ኣምላኽ ኣሎ እናበልካ ሰብ ተጋጊ ኣሎኻ ተባሂሎም፡ ብኣሽሓት መንእሰያት ኣብ ክንዲ
ናብ ኣኼባ ህግደፍ ዝውሕዙ ናብ ቤተ ክርስትያን ክውሕዙ ምግባርካ ከቢድ ገበን ትገብር ኣሎኻ ተባሂሎም መጠንቀቕታታት
ከምጽሖም ጸኒሑ። ብተወሳኺውን ምስቶም ሕጂ ዘለዉ ንመንግስቲ ዘየምልኹ፡ ፓትርያርክ ቀረባ ኣማኻሪ ኢኻ። ቤተ
ክርስትያን ካብ መንግስቲ ክትፍለ ጻዕርታት ትገብር ኣሎኻ ብዝብል ክስታት ኣብ ናይ ገበን መመርመሪ ማእከል ተኣሲሮም
ይርከቡ።
10. ቀሺ ዶክቶር ተኽለኣብ
መንግስትኣብ፡ ሓኪም ሕሙማት ሽኮርያ፡ ቀሺ ኣብ መድሃኔኣለም ቤተ ክርስቲያን፡ እዞም ቀሺ እዚኦምውን ካብቲ ናይ ቀሺ
ፍጹም ዝተፈልየ፡ ክሲ ኣይኮነን ብመንግስቲ ህግደፍ ቀሪቦሎም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ዘለዉ።
ቀሺ ዶክተር ተኽለኣብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ
ናይ ዘበናውን መንፈሳውን ትምህርቶም፡ ብምትርጓም፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ፡ ካብ እንግሊዝኛ ናብ
ትግርኛ፡ ኣዝዮም ፍሉጥ፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ ዝጸሓፉ፡ “ብፍላይ ልዑል ተቐባልነት ዘትረፈት፡ “ካልእ ናይ ስሕተት
ወንጌል” እትብል በዓል 400 ገጽ መጽሓፎም፡ ኣብ ሃገርና፡ ካልእ ዘይተደላዪ ንባህልናን ንምድና ዝጎድእ ከይኣቱ፡
ሓቀኛ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት እንታይ ምዃኑ ዘብርህ መጽሓፎም፡ ንመንግስቲ ህግደፍ ከቢድ ራዕዲ እዩ
ኣእትዩሉ።
ቀሺ ዶር. ተኽለኣብ ኩሎም ኣገልገልቲ
ቤተ ክርስቲያን ኣቕሽሽቲ፡ ካብ ወታደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ክኾኑ ከለዉ፡ ንሶም ግና፡ ኣስጋኢ ኢኾም ተባሂሎም ኣብ
ከቢድ ወታደራዊ ኣገልግሎት እዮም ዝርከቡ። መስቀልን ነጸላን ከይገብሩ ብመንግስቲ ክልኩል እዮም። ሰንበት ቤተ
ክርስትያን ክኸዱ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ቀሺ ዶር. ተክለኣብ፡ ኣብ ዝኸድዎ ንዝኾነ መንፈሳዊ ትምህርቲ ከይሃቡ
ኣይሓልፉን፡ ሓንቲ ቃል ዘዘውትርዋ ኣላቶም፡ እግዚኣብሄር ንብዓት ይደርዝ ይብሉ። ድሕሪ ነውሕ ምስቓይን ምግፋዕን
ድማ ኣብ ናይ ገበን መመርመሪ ተዳጊኖም ይርከቡ።
ክቡራት ኣንበብቲ፡ መን እዮም እቶም
እዚ ኩሉ ጸገም ዘስዕቡ ዘለዉ፡ በዓል መን እዮም እቶም ኣብ ውሽጢ ሃይማኖት ኣትዮም ንቤተ ክርስትያን ኣብ ከቢድ
ድነ ሞት ኣውዲቖምዋ ዘለዉ፡
ተዋህዶ ሃይማኖት፡ ብሓቂ መንግስቲ
ይድግፋ ድዩ? ብሓቂ ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ድያ? ስለምንታይ እዩ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ደማዊ ጽልኢ ከም እትምስርት
ዝገብራ ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ፡ ጸሓፉለይ ኢልካ፡ ለሚንካን ተሓቢእካን ስለ ዝኾነ፡ እንተ
ደንጎኹ ኣይትሻቐሉ።
ንሎሚ ወድሓንኩም
ብደሓን ጽንሑ ብደሓን የራኽበና።
ቃንዛ ቤተ ክርስቲያን ዘሕምመኒ
ግዱስ ወዲ ሃይማኖት፡
|