ህድማታትን ጠንቅታቱን
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
05.02.2004
ህዝቢ ኤርትራ ክስደደ ካብ ዝጅምር ብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት’ዩ ኰይኑ። እቲ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ስደት ግን፥ ካብ’ቲ
ቅድም ክብል ካብ መግዛእታዊ ግፍዕታት ንምምላጥ ዝግበር ዝነበረ ህድማ እተፈልየ ኢዩ። ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት
ኢትዮጵያ እንከላ፡ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ቆልዑን ኣንስትን ሽማግለታትን ካብ ቦምብታትን ማሕረድትን ናይ ሰራዊት መግዛእቲ
ንምምላጥ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ እንከለዉ፤ መንእሰያትን ተመሃሮን ግን ናብ ሰውራኦም ብምጽንባር ምእንቲ ናጽነት
ሃገሮም ኢዮም ዝቓለሱ ዝነበሩ። ሕጂ ብኣንጻሩ፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ይስደዱ፤ ቆልዑን ኣንስትን ሽማግለታትን ድማ ኣላዪን
ጠዋሪን ስኢኖም ንበይኖም ዝተርፍሉ ኵነታት’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ።
ጠንቅታት ናይ ስደት ቅድም ይኹን ሕጂ ጭቆናን ግፍዕን ግጉይ ፖሊሲታትን ናይ’ቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩን ዘለዉን
ገዛእቲ ስርዓታት ምዃኑ ዘካትዕ ኣይኰነን። እቲ ዘገርምን ዘደንጹን ግን፡ እቲ ንህዝቢ ሓራ ንምውጻእ’የ ንበረኻ ወጺአ
ዝብል፤ ብዛዕባ ሓርነትን ናጽነትን ማዕርነትን ፍትሕን ብልጽግናን ግስጋሰን ማእለያ ዘይብሉ መብጽዓታት ዝገብር ዝነበረ
ጥራሕ ዘይኰነስ፤ ብሓልዮት ናይ ህዝቢ ዝዳረገኒ ውን የለን እናበለ ዝንየት ዝነበረ ሓይሊ፡ ናብ ገዛእን ጨቋንን ሓይሊ
ምቕያሩ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ስርዓት ኢሳያስ ጨቋኒ ገዛኢ ሓይሊ ኰይኑ? መን’ዩ ናይ’ዚ ኵነታት’ዚ ሓላፍነት ዝስከም?
ንዝብሉ ሕቶታት ምምላስ መጽናዕትን ምርምርን ዘድልዮ ኣድላዪን ኣገዳስን ጕዳይ እኳ እንተዀነ፤ ካብ’ቲ ኣልዒልናዮ ዘሎና
ኣርእስቲ ወጻኢ ስለዝዀነ፤ ንኻልእ ግዜ ክንዘራረበሉ ክንገድፎ ንግደድ።
ካብ’ዚ ብምቕጻል፡ ምስ ብዙሓት ካብ’ዞም ንስደት ዘምርሑ ዘለዉ ተመሃሮን ኣባላት ሰራዊት ስርዓት ህግዲፍን ሰላማውያን
ዜጋታትን ዝዀኑ መንእሰያት ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ እቶም ንህድማ ዝደፋፍኡ ኰይኖም ዝረኸብናዮም መሰረታውያን ጠንቅታት
ብዝርዝር ክንራኢ ክንፍትን ኢና።
ቀዳማይ፡- ወተሃደራዊ ኣገልግሎት
ዝዀነ ካብ 18-45 ዝዕድሚኡ መንእሰይ ንኽልተ ዓመታት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክፍጽም ብሕጊ ግዱድ ኢዩ። ብግብሪ
ከኣ፡ ካብ 16-50 ዝዕድሚኦም ዜጋታት ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተዋፊሮም ይርከቡ። እንተዀነ ግን፡ ብዝተፈላለዩ፡ ሓደ
ካብኦም ወያነ ክትወረና ትሓስብ ኣላ ዝብሉ ምኽንያታት፡ እቲ ናይ ክልተ ዓመት ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ግዜ ይምጠጥ።
ብግብሪ ከኣ፡ ናብ ሰላማዊ መነባብሮኡ ዝምለስ መንእሰይ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ዝምለስ እንተተረኽበ ውን፡ ኣካል
ናይ’ቲ ኣብ ግዜ ሓደጋ ዝጽዋዕ ዕቍር ሓይሊ ስለዝቝጸር፡ እንደገና ተወጢጡ ናብ ሰራዊት ክምለስ ይርከብ። ስለ’ዚ
ተማሂርና፡ ስራሕ ሒዝና ንርእስና ኰይና ንጽጉማት ስድራ ቤታትና ክንከውን ኢና ዝብል ተስፋ ፈጺሙ የለን። ብኣንጻሩ፡ እቲ
ብሰንኪ ዶባት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እተባርዐ ውግእ ጌና መዕለቢ ስለዘይተገብረሉ፤ ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ውን
ስለዘይተርፍ፡ ካብ ሰራዊት እንገላገለሉ መዓልቲ ኣዝዩ ርሑቕ’ዩ ዝብል ኣረዳድኣ ዳርጋ ኣብ መብዛሕታኦም ዝሃድሙ ዘለዉ
መንእሰያት ሰፊኑ ይርከብ።
ካልኣይ፡- ቍጠባዊ ጸገማት
ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ከም ሳዕሪ ሮማዲ ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ቍጠባዊ ጸገማትን ስእነተ-ስራሕ ንስደት ዘተባብዕ
ረቛሒ ኰይኑ ኣሎ። ምስ’ዚ ብምትእስሳር፡ መሰረታዊ ጠንቂ’ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ግን ንስደት ዝደፋፍእ ሓጋዚ ረቋሒ፡
እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ካብ’’ቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ወገኑ ዝሓሸ መነባብሮ ስለዘለዎ፡ ንስድራቤቱ ዘወፍዮ ይውሓድ
ይብዛሕ ሓገዛት ኣሎ። እዚ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ውላድ ዘለዎ ንክውስኹ፤ እቶም ዘይብሎም ከኣ፡ ወርቆምን ንብረቶምን ሸይጦም
ንደቆም ናብ ወጻኢ ክሰዱ ይደፋፋኦም።
ከምኡ ውን፡ ብሰንኪ’ቲ ስርዓት እተኸተሎ ግጉይ ቍጠባዊ ፖሊሲታትን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዘባርዖ ኵናትን፤ ኣብ መንጐ
ኣህዛብን መንግስታትን ጐረባብቲ ሃገራትን ኣብ መንጐ ህዝብን መንግስትን ኤርትራን ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ንጥፈታት ደው
ኢሉ፤ ማእለያ ዘይብሉ ኣፍራዪ ሓይሊ ኣብ ውግእ ሃሊቑን ሰንኪሉን ተመዛቢሉን። እዚ ምስ ድርቂ ተደማሚሩ፡ ንመነባብሮ ናይ
ህዝቢ ኣብ ክጽወር ዘይከኣል ደረጃ ኣብጺሕዎ ይርከብ።
ሳይሞን ኖንጎ፡ ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ፡ ናይ ሕቡራት
ሃገራት ናይ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣዋሃሃዲ፥ ነዚ ኵነታት’ዚ ክገልጾ እንከሎ፡ 1.9 ሚልዮን ካብ 3.5 ሚልዮን ተቐማጦ ኤርትራ
ኣብ ሰብኣዊ ረዲኤት’ዩ ዝምርኰስ፤ ክልተ-ሲሶ፡ ካብ’ቲ ጠቕላላ ብዝሒ ተቐማጦ ናይ ኤርትራ፡ ትሕቲ ድኽነት ዝዀነ መነባብሮ
ይነብር፤ ካብ ነፍስወከፍ 6 ዜጋታት 1 ብሕጽረት መግቢ ይሳቐ ኣሎ ይብል።
ካብ’ዚ ቍጠባዊ ጸገማት ውን ኣብ ህድማ ናይ መንእሰያት ቀሊሉ ዘይኰነ ግደ ይጻወት ምህላዉ ክንርዳእ ንኽእል።
ሳልሳይ፡- ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ጽቕጠታት፡-
ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይካ ህግዲፍ ካልእ ፖለቲካዊ ፓርቲ ክዋሳእ ኣይፍቀደሉን ኢዩ። ናይ ርእይቶኻ ምግላጽ፡ ንዝደለኻዮ
ሃይማኖት ናይ ምስዓብ፡ ናይ ፕረስ፡ ናይ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ናይ ምእካብ ...ወዘተ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ሰብኣዊ
ናጽነታት ኣይኽበሩን ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ኣባላት ናይ’ቶም ነቲ ስርዓት ዝጻረሩ ውድባት ዝዀኑን፡ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም
ተባሂሎም ዝጥርጠሩን ዜጋታት፥ ሰዓብቲ ናይ ንኣሽቱ ወይ ሓደስቲ ሃይማኖታት፥ ጋዜጠኛታትን ነቲ ስርዓት ዝነቕፉ
ውልቀ-ሰባትን ብቐጻልነት ክህደኑን ኢዮም ዝርከቡ። ኣብያተ-ክርስትያናት ሆላንድ ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ’ዚ ዝገብርዎ ዘለዉ
ተቓውሞታት ውን ኣብ ዓዋተ ኮም ሰፊሩ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።
ስለ’ዚ፡ ካብ ማእሰርትን ቅንጸላን ከምልጡ ብዙሓት ዜጋታት፡ ዋላ ውን እቶም ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም እተመልሱ
ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ተመሊሶም ናብ ስደት ከምርሑ ይርኣዩ ኣለዉ።
ራብዓይ፡- እተማልአ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉን፤ ኣገልግሎት ዘይብሉን ናይ ምጥያስ መደባት
ካብ ናይ በረኻ መነባብሮ፡ ናብ ሰላማዊ መነባብሮ ክምለስ ንዝነበሮ ተጋዳላይ እተዳለወን እተጸንዐን ናይ ምጥያስ
መደባት ኣይነበረን። እቲ መትከል እግሪ ተባሂሉ ንነፍስወከፍ ዝጣየስ ተጋዳላይ ዝውሃብ ዝነበረ ሓገዝ፡ ንክራይ ገዛ፡
ንትምህርትን ሕክምናን፡ ንዕለታዊ ናይ መነባብሮ ጠለባት ኣብ ግምት ዘእተወን፤ ንገለ ዓመታት ብቐጻልነት ዝውሃብ ደገፍ
ኣይኰነን ነይሩ። እቲ ኣገባብ ሓንሳብን ንሓዋሩን ሓደ እተወሰነ ገንዘብ ሂብካ ምፍናው ኢዩ ነይሩ። እቲ ስርዓት፡ ሓገዝ
ሂቡ ተባሂሉ ክዝረበሉን ክውረየሉን እምበር፡ እግሪ ንምትካል የኽእል ድዩ ኣየኽእልን ብዙሕ ዘገድሶ ጕዳይ ኣይነበሮን። በዚ
ምኽንያት’ዚ፡ ብርክት ዝበሉ ካብ’ቶም እተጣየሱ ተጋደልቲ መነባብሮ ስለዝኸበዶም ንስደት ከምርሑ ይርኣዩ ኣለዉ።
ከምኡ ውን፡ ካብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ስደተኛታት፡ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ዝርከቡ፡ ናይ ትምህርትን
ሕክምናን ማይን ኣገልግሎት ዘይብሎም ቦታታት ስለዘስፍርዎምን፤ እዚ ይማልኣልና ኢሎም ጠሪዖም፡ ጥርዓኖም ዝሰምዕ ኣካል
ስለዘይረኽቡሉን ናብ ሱዳን ክምለሱ ወይ ከኣ፡ ደቆም ኣብ ሱዳን ገዲፎም ክኣትዉ ግዱዳት ኢዮም።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ደሞዝን እቶትን ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብ ዝብል መደባት ተዋፊሮም
ናይ መራሕቶም ገዛውቲ ክሃንጹን መሬት ሓለፍቶም ክሃንጹን ስለእተገደዱ፣ ካብ’ዚ ናይ ባርነት መነባብሮ’ዚ ኣምሊጦም፡ ኣብ
ገረባብቲ ሃገራት ይኹን ክንዮኡ ሓድሽ ህይወት ንምርካብ ክስደዱ ይርኣዩ ኣለዉ።
ሎሚ ኤርትራ ዜጋታታ ብሰላም ከነብሩላ ዘይክእሉ ሃገር ምዃና፡ እቶም ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት ጥራሕ ዘይኰኑስ፤ እቶም
ኣብ ኤምባሲታት ስርዓት ኢሳያስ ተመዚዞም ምቹእ መነባብሮ ከሕሉፍ ዝጸንሑ’ሞ፣ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ ምስ ተባህሉ
በብዘለውዎ ዝተርፉ ዘለዉ ዜጋታት ዝምስክርዎን ዘረጋግጽዎን ዘለዉ ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ።
ብሓጺሩ እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ህድማታት፡ ጠንቁ ፖለቲካውን ምጣነ-ሃብታውን ማሕበራውን ጭቆናታት ኰይኑ፡ መንእሰያት፡
ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍ ብሰላምን ብቕሳነትን ክነብርሉ ዝኽእሉ ብሩህ ናይ መጻኢ ዕድል ስለዘይርኣዮም ዘሎ
ኢዩ።
ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ንሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ሓላፍነት እተሰከሙ ተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራትን ምሁራት ዜጋታትን
ማዕረ’ዚ ሓደጋ’ዚ ክብ ብምባል ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ኣንጻር ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍን መጋባርያታቱን ክቃለሱን፤ ናይ ተስፋ
ጩራ ኣብ ኣእሙሮ ህዝቦም ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣእሙሮ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ክሰዅዑ ኣበርቲዖም ክቃለሱን ይግባእ።