ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ
28.03.2004
ኣብ ተመኵሮታት ውድባትን ሰልፍታትን ናይ’ዛ እንነብረላ ዓለም፡ ምፍንጫልን ውህደትን ክህሉ ንቡር ተርእዮ እዩ። ዋላ
ውን፡ ኣብ’ተን ዓበይቲ ፓርትታት ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ፡ ሓሓሊፉ ሰልፍታት ክፈናጨላን ክወሃሃዳን ይርኣያ እየን። ገለ
ካብ’ተን ዝፍንጨላ ውድባት፡ ነዊሕ ከይተጓዕዛ ይጠፍኣ፤ ገለ ከም’ታ ክፍንጨላ እንከለዋ ዝነበርኣ ኰይነን ንነዊሕ እዋን
ይቕጽላ፤ ገለ ድማ፡ ዓበይቲ ሰልፍታት ይዀና። እቲ ዝጣበቓሉ ሓሳብ ወይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ብህዝቢ ደገፍ ምርካቡን
ዘይምርካቡን እዩ ንዕብየተን ወይ ንቀጻልነተን ዝውስኖ። እዚ ስለዝዀነ፡ ካብ ሓደ ሰልፊ ሓደ ኣካል ክፍለ ወይ ክፍንጨል
እንከሎ፡ ምኽንያት መፈንጨሊኡ ብንጹር እዩ ዘስፍርን ዝገልጽን። እታ ኣደ ሰልፊ ውን፡ ነቲ ዝቐርብ ምኽንያት ኣይኰነን ኢላ
ኣይትክሕዶን እያ። እንታይ ደኣ፡ እቲ ምኽንያት ንሱ ምዃኑ እናኣመነት፡ ግን ቅኑዕ ከምዘይኰነ ከተቃልዖ እያ እትቃለስ።
ብኻልእ ኣገላልጻ፡ እቲ ንምፍንጫል ዝደረኸ ምኽንያታት ሓቢእካ፡ ዘየለ ምኽንያታት ክቐርብ ኣይርአን እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡
እቲ ፍልልያት ብምጽውዋርን ብምክብባርን ስለዝግለጽ፡ እቲ ህዝቢ ናጻ ኰይኑ ካብ’ቲ ዝቐርብ ክልተ ርእይቶታት ክመርጽ
ዕድላት ኣለዎ። እዚ ስለዝዀነ ድማ፡ ህዝቢ ዝደገፎ ይዓቢ፡ ህዝቢ ዘይደገፎ ድማ፡ ብዝጀመረሉ ዕብየት ንውሱን ዓመታት
ይቕጽል ወይ ድማ ይቕህም። ከምኡ ውን፡ ኣብ’ዘን ሃገራት እዚኣተን ናጽነት ናይ ፕረስ ስለዘሎ፡ ህዝቢ ነቲ ሓቂ ወይ ነቲ
ፍልልይ ንምፍላጥ ብዙሕ ኣየጸግሞን’ዩ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ነዊሕ ግዜ ውን ኣይወስደሉን እዩ። ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ ዲሞክራስያዊ
ውድድራት ድማ፡ ናይ ህዝቢ ንቕሓት ክብ እናበለ፤ ሰረታት ዲሞክራስን ርግኣትን እናደልደለ ይኸይድ።
ናይ ኤርትራ ይኹን ንኤርትራ ናይ ዝመሳሰሉ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካዊ ዓውዲ ግን፡ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኣገባባት
ኣይኰነን ዝልለ። መብዛሕትኡ፡ እቲ ኣብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕብረተ-ሰባት ዝግሃድ ምፍንጫላት፡ ኣብ ረብሓ ህዝቢ ዝተመርኰሰ
ስለዘይኰነ፤ እቲ ጠንቂ ወይ ምኽንያት ናይ ምፍንጫል ተባሂሉ ንህዝቢ ዝቐርበሉ፡ ነቲ ህዝቢ መሊሱ ዘደናግርን ዝገዛዝዕን
ደኣምበር፡ ንሓድነቱ ዘትርርን ንንቕሓቱ ክብ ዘብልን ንረብሓታቱ ዘረጋግጽን ኣይኰነን። እዚ ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ኣየናይ’ዩ
እቲ ቅኑዕ፤ ኣየናይከ ዘይቅኑዕ ንምልላይ ዕድል ስለዘይብሉ እዚ ይሕሸኒ ክብል ወይ ግዲኡ ክጻወት ኣይክእልን። በዚ እቲ
ሓቀኛ ጠንቂ ከይተፈልጠን መፍትሒ ከይተገብረሉን፥ ንኻልእ ምፍንጫላት ዝዕድም ሕማም ድሕር ኰይኑ ይነብር። ብኸም’ዚ ኣገባብ
ድማ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ምፍንጫላትን ምቍርራጻትን ምርባሕ ናይ ውድባትን ክደጋገም ይርአ።
ኣብ ሰውራ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ይኹን ድሕሪኡ ንእተጋህዱ ምፍንጫላት ንምጽባብ ብዙሕ ጻዕርታት ተኻይዱ እዩ። ኤረ!
ኣብ ገሊኡስ ህዝቢ ውን ክዓርቕ ኢሉ እተበገሰሉ ተመኵሮታት ውን ነይሩ ኢዩ። ግን፡ ንህዝቢ ዝበሃሎ ካልእ፡ ብግብሪ ዝኸይድ
ድማ ካልእ እናዀነ፡ እቲ ፍልልያት ክጻበብ ኣይተኻእለን። ብፍላይ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካልኣዊ ግርጭታት ብልዝብ ክፍትሑ
ኣለዎም ካብ ዝብል መትከላዊ እምነቱ ተበጊሱ፡ ነቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዘጋጠመ ምፍንጫላት ንምጽባብ ብዙሕ ጻዕርታት ኣካይዱ
እዩ። እንተዀነ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ቀለም ናይ’ቲ እተበጽሐ ስምምዓት ከይነቀጸ እንከሎ ብናይ ሕድሕድ ምክሳሳት
ክትካእን፣ ካብኡ ሓሊፉ ውን ናብ ብረታዊ ጐነጽ ክበጽሕ ይርአ ነበረ። በዚ፡ ኣብ ክንዲ ሓድነት ምብትታን፡ ኣብ ክንዲ
ስኒት ህውከት ነጊሱ ጸኒሑ። ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ዓውዲ እተጋህደን ጌና ውን ዝግሃድ ዘሎን ምፍንጫላትን ምርባሕ ናይ
ውድባትን እምበኣር፡ ጠንቁ ረብሓ ናይ ህዝቢ ዘይኰነስ፥ ካብ ውልቃውን ጕጅላውን ረብሓታትን ቅርሕንትን ዝነቕልን ግዚኡ
ዘይሓለወን ዘይተደላይን ናይ ስልጣን ቍርቍሳት እዩ። ኣብ ሓደ ውድብ ዝነበሩ ኣባላት፡ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ ውድባት
ተፈናጪሎም፤ ነታ ብሓባር ዝጽውዑላ ዝነበሩ ስምን ነቲ ብሓባር ዘጽደቕዎ ፖለቲካውን ውድባውን መደብ ዕዮታትን ናተይ’ዩ፡
ናተይ’ባ እናበሉ ክመናጠልሉ ክትርኢ ከሎኻ፤ መፈናጨሊኦም ምኽንያት ናይ ርእይቶ ወይ ናይ ፕሮግራም ፍልልይ ከምዘይኰነ
ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣይኰነን። ኤረ ገሊኦምስ ሕፍር ከይበሉ፡ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጆምን ንመሰረታት ውድብ ክስዕቦ
ጸዊዖምን ከብቅዑ፥ "ናይ ፕሮግራም ይኹን ናይ መትከል ፍልልይ" የብልናን ክብሉ ውን ተሰሚዖም ኢዩ። በዚ ጥራሕ ውን
ኣይተሓጽሩን፡ ባዕሎም ንባዕሎም ተመራሪጾም ንሕና ኢና እቶም ሕጋውነት ዘሎና መሪሕነት ኢሎም ነቲ ባዕሎም ብዘውጽዎ ሕግን
ኣገባብን ክመርሕዎ ዝጸንሑ መሰረታት ውድብን ንህዝብን ከዕግቡ ከንቱ ፈተነ ከካይዱ ውን ተራእዮም እዮም።
ገለገለ ናጻ ኢና ዝብሉ መርበብ ኢንተርነት ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብ መንጐ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ይኹን ካልኦት ውድባት
ዘጋጠመ ናይ ምፍንጫል ተረኽቦታትን ሓቅታቱን ንምፍላጥን ንህዝቢ ክበርሃሉ ንምግባርን፡ ኣዎንታዊ ተራ ክጻወቱ ጀሚሮም’ኳ
እንተነበሩ፤ ነዊሕ ከይከዱ ግን ሸነኽ ሒዞም፡ ከም ናይ ውድባት መርበብ ኢንተርነት ኰይኖም ክምጉቱ ተራእዮም። እዚ ውን፡
ከም ናጻ ዜና ማዕከናት ከይግለጹ ገይርዎምን ኣብ ልዕሊኦም ክንበር ዝነበሮ ተኣማምንነት ሃስይዎን እዩ። ኤረ ሕጅስ፡ መን
ኢኹም፡ እንታይ’ዩ ዕላማኹም? ካብ’ዘን ዘለዋ ውድባት ዝፈልየኩም እንታይ መደብ ዕዮ ኣለኩም ተባሂሎም ዘይሕተቱ ውድባት
ኣብ ጸጽባሕ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ክፋርዩ ይርኣዩ ስለዘለዉ፥ ህዝብና፡ ኢንተርነት ዝብሃል ነገር ናብ ምጽላእ ገጹ
ከምርሕ ይርአ ኣሎ።
ስለ’ዚ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሓቅታት፡ ማለት ፍሉይ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘይብልካ ክነስኻ፡ ፍሉይ ውድብ ናይ
ምምስራት ሕሊናን፤ ናጻ ዝዀነን ብሱልን ፕረስ ዘይምህላውን ንመስርሕ ናይ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞን ንንቕሓት ናይ
ህዝብናን ብኣሉታ ዝጸልዉ ዘለዉ ጕዳያት ምዃኖም ኣሉ ከበሃል ዝከኣል ጕዳይ ኣይኰነን።
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ዝተሓቱ ነጥብታት እተመርኰሱ ሓባራዊ ስምምዓት ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ኤርትራ
እተራእየ ምርሕሓቓትን ናይ ውድባት ምርባሕ ተርእዮታትን ንምግታእ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክቃለስ ዝጸንሐ ውድብ እዩ።
ድሕሪ ነዊሕ ቃልስታትን ሕልኽልኻትን ውረድን ደይብን ድማ ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ውን ብኣድላዪነት ናይ ከም’ዚ
ዝዓይነቱ ግንባር ስለዝዓገቡ፡ ብመጋቢት 1999 ዓ.ም ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ተመስሪቱ። ምምስራት ምሕዝነት
ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራን፤ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኸውን ግዜ ምቕጻሉን፤ ስልጣን ብሰላማዊ ኣገባብ ካብ ሓደ ውድብ ናብ
ካልእ ምስግጋሩን ኣብ ህዝብና ሓድሽ ናይ ተስፋ ጩራ ሰዅዑ ነይሩ እዩ። ኣብ ሓሙሻይ ስሩዕ ኣኼባ ሃምኤን ዘጋጠመ
ቅልውላውን ድሕሪኡን ዝሰዓበ ናይ ኣባልነት ምንጥልጣል ውሳኔን ንዘተ ከም መፍትሒ ናይ ፍልልያት ዘይምቕባልን ተርእዮታት
ግን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ኣዎንታዊ ሃዋህው ብምዝራግ፡ እቲ ግናይ ተመኵሮታት ናይ ምፍንጫል ክግሃድን እንደገና ህይወት
ክዘርእን ገይሩ ኢዩ።
እዚ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዑና ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንሃንጾ እንቃለሰሉ ዘሎና ኣብ ዓንድታት ናይ ሰላምን ፍትሕን
ግዝኣተ-ሕግን ምጽውዋርን ስኒትን ልዝብን እተመርኰሰ ስርዓት ዘቋስልን፤ ንዕድመ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘናውሕን ኣሉታዊ
ተርእዮ ምዃኑ ክልተ ሰባት ውን ክፈላለይሉ ኣይክእሉን እዮም።
ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ተበጊሱ’ዩ፡ ኣብ’ቲ ብዕለት 15.03.2004 ዘውጽኦ ናይ 3ይ ስሩዕ ኣኼባ
ፈጻሚ ሽማግለ ኣዋጅ፤ ኣብ መንጐ ውድባት ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካዕባውን ሓባራውን ልዝብ ክካየድን፤ ኵሉ ኣብ
ዝሰማማዓሉ ዝተሓተ መደብ ዕዮ እተመርኰሰ ሓባራዊ ዕዮ ንምስራሕ ዘኽእል ስሙር ግንባር ንምቛምን ጻውዒቱ ዘቕረበ። ሎሚ፡
ሓባራዊ ዕዮ ናይ ተቓወምቲ ውድባት፡ ንጽባሕ ዘይብሃሎ ናይ ህዝቢ እዋናዊ ጠለብ ኰይኑ ኣሎ። ስለዝዀነ ድማ፡ ብሓባር
ዘዋስኣና ባይታ ናይ ምምችቻእ ናይ ኵሉ ተቓዋሚ ውድባት ሓላፍነት ምዃኑ ተገንዚብና ብግብሪ ክንሰርሓሉ ክንብገስ የድሊ።
ዘይዘራእካዮ ኣይሕፈስን እዩ’ሞ፡ እንጽበዮ ጻማ ፍረ ናይ ቅኑዕ ኣረዳድኣናን ኣተሓሕዛናን፥ ፍረ ናይ ግሉጽነትናን
ተወፋይነትናን፥ ፍረ ናይ ንረብሓ ህዝብን ጠለባቱን ምቕዳምናን፥ ፍረ ናይ ቃልስታትናን ጻዕርታትትናን ምዃኑ ክንግንዘብ
ይግባእ።