|
እቲ
ማዕበል ይዘልል ኣሎ
መን እሞ
ይወጥሓዮ???
እዋኑ እዋን ለውጢ ይመስል ኣሎ ምኽንያቱ እቲ ሕዝባዊ ማዕበል ንዲክታቶር ኢሰያስ ኣይፍልካ ደጊም ይኣክል እናበለ
ድቅስ ክሊእዎ እንሄ። ተሪር ናይ ተቃውሞ ቅልጽሙ ክስንዝር ይርከብ። ናይ ተቃውሞ ደንበ መራሕቲ እንተ ሪኢና ግን
ንሕዝብና ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ክመቓቕልዎ ካብ ውድብ ናብ ኣውራጃ ካብ ኣውራጃ ናብ ቀቢላ ካብ ቀቢላ ናብ እንዳ
ወሪዱ ሕዝብና ተስፋ ቖሪጹ መተካእታ ሲኢኑ እሺ ንስርዓት ኣስመራ ጎይታይ እሉ ክቅጥቀጥ ዝመረጹ ይመስሉ። እቲ ነቲ
ምረትን ሽግርን ክጻወሮ ዘይካኣለ ከኣ ናብ ዘይፈልጦ ሃገራት ክስደድን ኣብ ፈቀዶ ባሕርን ምድረ ክጥሕልን ቀለብ ዓሳ
ክኸውን ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ዝተሰደድዎ ሃገራት እውን ድቃስ ከሊእዎም ይርከብ። ሓያል ሕዝባዊ ማዕበል ግን ብናይ
ዲክታቶር ራዕድን ሽበርን ከይተዳህለ ተቃውምኡ የስምዕን ግብረ መልሲ ይህብን ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ ማልታ ተኣሲሮም ዝነበሩ
ናብ ትውልዲ ሃገርኩም ክትምለሱ ኢኩም ኣብ ዝተባሉ ግዜ ናይ ጥምየት ኣድማ ብምግባር ድምጾም ኣውያቶም ንዓለም
ኣስምዑ።
ተመሃሮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ገበታ
ትምህርቶ ብምዕንቃፍ ማለት ምስ ገለ ሰበስልጥናት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምሽራክ ነኣስመራ ጨውዩ ክዎስዶም ፈተነ።ኣብ
መዕርፎ ነፈርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተምሃሮይ ነብሱ ንምድሓን ጥራይ ሕፍረቱ ከምታ ዝተውልዳ ኣብ ቅድሚ ማእለያ ዘይብሉ
ተሳፋራይ ምረቱ ጸገሙን ብኣውያት ኣቃልሔ። ተሳፋሮ ገረሞም እንታይ ዓይነት ኣረመኔ መንግስቲ ድዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ
ክብሉ ነንሕድሕዶም ተወኻኸሱ ። ወዲ ሰብ ናብ ትውሉዱ ሃገሩ ክምለስ ይሕጎስ ኣንበር ናብ ትውሉዱ ሃገሩ ኣይመለስን
ኢሉ ሞት ዝመርጽ ኣብ ዓለም ውሕድ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ንቡርን ልሙድን እዩ ዝብሉ ኩ`ነታት ኤርትራ ብቐረባ
ዝፈልጡ ሙሁራት ገለጹ።
እቶም ካብ ቀለብ ዓሳን ካብ ምዃንን
ካብ ምድረበዳ ሱዳንን ሊብያ ዝተረፉ ከኣ መንግስቲ ሊብይ ተቐቢሉ ኣሰሮን ዘይተኣደነ ግፍዕን ምቕጥቃጥን
ኣውረደሎም። ምስ መንግስቲ ኣስመራ ብዘለዎ ዝምድና ናብ ኣስመራ ከረክቦም ወሰነ። ከም ኣባጊዕ ኣብ ሰድያ ዘየብላ
ነፋሪት ጽዓኖም። ንሳቶም ኣብ ኣስመራ ሞት ኣብ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኸኣ ሞት እዩ ስለዚ ሞት ብሞቱ ታሪክ
ሰሪሕና ንሙት በሉ። ናይ ሞት ጽዋዕ ክንከፍል ኢና ወይ ነፈሪት ንሱዳን ተውርዳ ብምባል ሂዎቶም ሂወት ብዙሓት
ከምኦም ዝኣመሰሉ ኣድሓኑ። ዓለማት ከኣ ዋላ ነፈሪት ምጥለፍ ኣብ ሕልዊ ግዚያት ገበን ኣጸያፍን ይኩን ምበር ኣብ
ጉኒቶም ጸገሞም ብምርኣይ ሓቆም እዮም በለ። ሽግር ኤርትራዊያን ብጋዜጣታቶ ብረድዮን ተለብ`ዝንን ገለጽዎ። ኣረመኔ
ስርዓት ኣስመራ ኸኣ ናይ ሕፍረት ዎጮ ተኸድነ። ገበኑ ንምሽፋን እውን ዘሎን ዘየሎን ጸለመታት ኣብ ልዕሊ ንጽሃት
ፈነወ።
ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ኣብ ኣሰመራ ተሰሚዑን ተራእዩ ዘይፈለጥ ግፋ
ተራእየ። ኤሰያስ ከኣ ነቶም ኣብ ሊብያ ተኣሰሮም ዘለው ተረፍ ካብቶ ነፋሪት ጠለፎም ዝድሓኑ ንኤርትራ ክመልስ ኣብ
ሊብያ ነበረ። ቅድሚ ምኻዱ ግን እቲ ናይ ግፋ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ምኻዱ ይንገር። ማለት እቶም ምግዳል መሪርዎ ኣብ
ኣስመራ ዝኽብልሉ ዘለው ተኣሲሮም ክጽንሕዎ ንሱ ኸኣ ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለው ሒዙ ክኣቱ ድርብ ዓወት ክሕፈሰለይ
ተወጠነ። ግን ጉዳዩ ተገላቢጦሽ ኮነ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ እኹል መግብን ማይ ከይሓዘ ልዕሊ 25 ሽሕ ሰብ
ገፈፈ። ንክልተ ሰለስተ መዓልቲ ብዘይ መግቢ ተዳጎኑ። ንሕዝባዊ ናዕቢ ዝዓግቶ ሓይሊ ስለ ዘየለ ተቃውሞኦም ኣስምዑ።
ስርዓት ኣስመራ ግን ንዓቖምን ሃደዶምን። ግን ሕዝባዊ ማዕበል እንቢ ኣይእሰረን ኣይጽዓድን በለ።
እቲ ዘገርም ግን እዚ ሕዝባዊ ማዕበል
ከምኡ ኢሉ ተቃውምኡ እናስምዔ ከሎ??? ተቓውሞ ውድባት ተርኤን ግድኤን ይጻወታ የለዋን እቲ ሕዝቢ መተካእታ ስርዓት
ይደሊ ኣሎ። ግን ነቲ ማዕበል መን ይወጥሓዮ???
ናይ ሽዱሽተ ውድባት ምጥርናፍ ኣብ
ካርቱም ይካየድ ኣሎ። ጽቡቕ መርኣያ እዃ እንተኾነ እተን ኣብ 4+1 ዘለዋ ውድባት ምስ እዘን ሽዱሽተ ውድባት
ዘለወን ዝምድናን ርኽክብን ከማሓይሻ ታሪኻዊ ጸዋዒት እዩ። ሕዝባዊ ማዕበል መሪሕ ሲኢኑ ብዙሕ ማህሰይትን ጉድእትን
ክወርዶ እዩ። ኤርትራ ሃገርና ኸኣ መፍቶ ጓኖት ክትከውን ትክእል እያ። ንድሕነትናን ንህላዊየ ሃገር ግን ካብ
መሳርሒ ጓኖት ነጻ ምስ እንኸውን እዩ። ሕዝቢ ኤርትራ መን ጥዑይ ሃገራዊ ፕሮግራም ኣሎዎ። መን ንድሕነት ልኣላውነት
ሃገርን ሕዝብን ይስርሕ እዩ ዘገድሶ ዘሎ።
ስለዚ ምጉጅጃል ምምቕቃልንን ኣወጊድና
ሓደን ስሙርን ሃገራዊ ተቓውሞ ንምምስራት ጻዕርታት ከነካይድ እምሕጸን።
ኣማረ ሞባኣጽዮን
|