Nharnet Articles/Opinions

Editorials

     

Let’s Not Give Room

To ‘Warlordism’ in Eritrea

 Nharnet Editorial (October 28, 2004)

From the Experiences of the ELA  (Part V)

The Nharnet Team (October 21, 2004)

The Need for Credible and Acceptable Coalition of the Opposition

The ELF-RC Information and Cultural Office

18.10.2004

At  33rd Anniversary  of

The 1971 Congress, ELF-RC

Described as ‘Dynamic Democracy’

Nharnet Team, 14 October 2004

Forging a United Patriotic Opposition

Nharnet Team, October 10, 2004

From the Experiences of the ELA (Part IV)

The Nharnet Team (6/10/2004)

How Veterans Told the Story of the First 10 Years of ELA

The Nharnet Team (October 1, 2004)

Changing Times and Changing Roles

Nharnet Editorial (October 1, 2004)

From the Experiences of the ELA (Part III)

The Nharnet Team (30/9/2004)

Three Years Ago Today

Nharnet Editorial (19/9/2004)

From the Experiences of the ELA (Part II)

(12/9/2004)

The Speaker of ELF-RC, Ibrahim Mohamed Ali, Urges Eritrean Politicians To Admit  Past Mistakes, Excesses

 (10/9/2004)

September 1st Puts Public Trust to the Test

(1/9/2004)

الوحدة الوطنية الارترية ...... بين الأمس واليوم

بقلم / ابراهيم محمد علي

RC Speaker Urges Libya’s Colonel Gadafy

(30/8/2004)

لجنة الحوار الوطني

K´DÃï aL´D A²Vgñ so
Irpq Šmk …}kmkq|:
ELF-RC Proposal for Unity of the Eritrean Opposition
†LK H©ö{q |§ odh‘Moñ ‘é©ölq „íXqV (PDF)

CONCLUDING STATEMENT:

ARABIC  ENGLISH       TIGRINIA

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Click here for PDF format.

 

ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያ

ን ህ.ግ.ደ.ፍ እንታይ’ዩ ትርጉሙ ?

 

ጸዋዒት ሰላም ኢትዮጵያ ንህ.ግ.ደ.ፍ ቅጽበታዊ ውድቐት እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ታሪኽ ዝሓቶም፡ ዝተኣተውዎ መብጽዓ ሰላም ውዕል ኣልጀርስ፡ ታሪኽውዊ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ካብ መስመር ተኣሊዮም ምጽንሖም ሎሚ ድሕሪ ክልተ ዓመትን መንፈቕን እወ ንቕበል ምባሎም ምስክር እዩ። ግን ግን ንሰላም ብሰላም ንምምጻእ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ዝዓቆቦ ሂወት ኩልቲኡ ኣህዛብ ከም ዓቢ ጸጋ ምቅባሉ ክከኣል ኣለዎ።

 

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ጎረባብት መሓዙት ሃገራት፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን፡ ውድብ ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ኩሉ በብወገኑ ነቐፈትኡን ምሕጽንትኡን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ከቅርብ ጸኒሑ እዩ። እዚ ጸዋዒት ድማ ንነዊሕ እዋን ሰማዒ እዝኒ ስኢኑ።

 

ሎሚ ድማ ኣብ መወዳእትኡ እቲ ቀድማይ ስጉምቲ ድሌት ምቅባል ኮይኑ ምምጽኡ እንቛዕ ደሃን መጸ ክበሃለሉ ዘለዎ እዩ። ነዚ ግን ብመትከልን እምነትን ቅንዕናን ዝሰርሕሉ ኣለዉ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ንኽብሪ ሃገሮም ሂወቶም ዝኸፈልሉ ዜጋት ኣለዉ።

 

እዚ ሰላማዊ ጸዋዒት ምቅባል ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንህ.ግ.ደ.ፍ ውድቐት ከም ዘምጽኣሉ እንሆ ብእዋኑ ተፈሊጡስ፡ ነቲ መንስግቲ ኤርትራ ንክልተ ዓመት መመላእታ ከም ዘየተዛረበሉ፡ ሎሚ ኣርባዕተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት እቲ ሰላም ብምቕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነትን፡ ግዜ ንምኽሳብ ትገብሮ ዘላ’ዩ ብማለት ብ 25 ጥቅምቲ 2004 መግለጺ ካብ ሓበሬታ ሚኒስተር ኤርትራ ጋዜጣዊ ዋዕላ ተገይርሉ።

 

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ዘገድሶ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀርስ ዝኣተዎ ውዕልን፡ በቲ ውዕል መሰረት ድማ ዝተዋህበ ፍርድን እዩ ብቀዳምነት ክዛረበሉ ዝግብኦን ጥራሕ እዩ ። ካልእ ኤርትራ ብውዕል ዘይተሓተቶ ክምልስ ኣይግብኦን’ዩ። ምስ ተሓተተ ድማ ቅድም ተኸቲሉ መልሲ ክህብ ይግባእ።

 

ኣብ’ዚ ቀንዲ ጉዳይ እቲ ምቅባል ዝብል እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዜ ወሲዱ ነቲ ጉዳይ ተቐቢለዮ ኣለኹ ክብል እንከሎ። ኣስዒቡ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝርርብ ክግበር ኣለዎ ይብል።

 

በዚ መሰረት ድማ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢለዮ ኣለኹ ዝበሎ ነጥቢ ሒዙ፡ ብዛዕባ እቲ ቀጻሊ ጉዳይ ፍሉይ ዝበለ መግለጽን ሓሳብን ከቅርበሉ’ዩ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒቡ ዝቀረበ ሓሳብ ዘተ ዝብል ብሕጽር ዝበለ ህ.ግ.ደ.ፍ ይቕበሎ ወይ ኣይቅበሎን ክብል ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ሓሳብ ኣብ ስምምዕ ብዘይምንምባሩ ብድሌት ክልቲኤን ሃገራት ንስለ ዝፍጸም።

 

ኣብ ውሽጢ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሎ ፍርሒ ግን መዘና የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ጉዳይ ዶብ ኣብ ምፍትሑ እንዳተቓረበ ኣብ ዝኸደሉ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣተዎም መብጽዓታት ግድነት ክትገብር ንስለ ዘለዎ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብፍጹም ክስረዝ ስለ ዝዀነ ፈትዩ ጸሊኡ እተን ጉዳይ ኣብ ባይቶ ክወጻ ወይ ህ.ግ.ደ.ፍ ክወጽእ ንስለ ዘለዎ ስለ ዝገብር፡

 

ቅድም ቀዳድም ጉዳይ ቅዋም

ኣባልት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምጥያስ

 

ምስ  እቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ይዀነኒ እዩ ቢሉ ዝነደፎ ቅዋም ምእዋጅ ተታሓሒዙ ዝመጽእ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣተዎ መብጽዓታት እዚ ዘይብሃል፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘይከላኸሎ ጋሻ ውሕጅ ስለ ዘሎ፡

ካልኣይ ኣብ መላእ ኤርትራ ዘሎ መንእሰይ ብጸውዒት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽር ህ.ግ.ደ.ፍ ስለ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ጸዊዑ ነዚ መንእሰይ ገዛኻ፡ ንስራሕካ ትምህርትኻ ኪድ ክብሎ ስለ ዘይክእል ዓብይ ብድሆ’ዩ ኮይንዎ ዘሎ።

 

ስለ’ዚ ህ,ግ,ደ,ፍ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢለዮ ኣለኹ ንኽብል ጥራሕ ክንደይ ሃገራውን ኣህጉራውን ዲፕሎማሲያውን ቃልስታት ዝተኻየደሉ ንምንእኣስን ዋጋ ዘይብሉ ንምቝጻር ነተን ኣርባዕተ ነጥቢ ቅድም ከቐምጥ ምግዳዱ ነቲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ሰላም ንምምጻእ ክተሓባበር ዘይምድላዩ የመስክር ኣሎ።

 

ሰላም ዘይመጽእ መሲልዎ ዝኣተዎ መብጽዓታት ድማ ንኽትግብሮ ሕልንኡ ስለ ዘይፈቕደሉ ሎሚ ክንዮ እቲ ተጸባይ ሰላም ዝዀነ ህዝቢ ኤርትራን ውድባቱን ህ.ግ.ደ.ፍ ንምእንቲ ክነብር ኵናት ዝሓልምን ኵናት ዝደልን ኣብ ጽላሎት ኵናት ክነብርን ዝደሊ እዩ።

 

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ታሪኽ ዝጠልቦም ሓላፍነት ክወስዱን ነዚ ጉዳይ ሰላምን ነባሪ ክኸውን ዝሕተትሉ ዘለዉ እዋን፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስልጣን ንምንባር ካብ ምድግጋፍ ወጺኦም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኢትዮጵያን ክመርጹ ልዑል ተደላይነት ኣለዎ።

 

ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ወታሃደራት ምምልማልን ምስልጣን ዘውዓሎ፡ ገንዘብ ንብረትን ህዝቢ፡ ማዕረ’ቲ ብዝሒ መንእሰይ ኣብ ታዕሊም ሳዋ ዘሎ ተመሪቑ ዝወጸን’ዩ። በዚ ገምጋም ድማ ህ.ግ.ደ.ፍ ንሰላም ዘለዎ ኣጠማምታ ድምር’ቲ ንህዝቢ ዘመሓላልፎ መዓልታዊ ተልእዀታት ካብ ወረ ኵናት ከይተገላገለ ስልጣን ንምንዋሕ እዩ።

 

ግን ህ.ግ.ደ.ፍ ዋላ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣይንዋጋእን እንተበሉ ምስ ህዝቢ ከም ዝዋጋእ’ውን ጉዳይ ዓዲ ኣበይቶ ዓብይ ምልክት ታሪኽ ሓዲጉ ሓሊፉ ኣሎ። ስለ’ዚ ኢትዮጵያ ንሰላም ምቅባሎም ንህ.ግ.ደ.ፍ ዘይምቕባል እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ ኣብ ክንዲ ዲፕሎማሲያዊ ጸቕጥታት ክቅጽል ምጽዓር፡ ኢትዮጵያ ሓስዮም’ዮም ክብሉ ዝርከቡ። እዚ ድማ ህዝቢ ንምድሃልን ህዝቢ ንምትላልን፡ ህዝቢ ክሽቑረርን ንምግባር እዩ። 

 

ካብኡ ሓሊፉ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ’ዚ ሕጂ ወሲዶሞ ዘለዉ መርገጽ ሰላም ወጻኢ ጉዳይ ኵናትን ወረራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኮይኑ ምስ ዝመጽእ፡ እቲ ጉዳይ ንህ.ግ.ደ.ፍ ጥራሕ ዝምልከት ኣይኮነን።

 

ምእንቲ’ዚ ህ.ግ.ደ.ፍ ልዕሊ ኩሉ ተሓላቒ ክኸውንን፡ ዓለም ንመርገጽ ኢትዮጵያ ብኣውንታዊ እንዳተቐበለ ህ.ግ.ደ.ፍ ብኣሉታ ክቅበሎ ኣይግባእን። እዚ ድማ ኣብ’ቲ ጉዳይ ናይ ግንቦት 1998 ክመልሰና ዝኽእል ተሃውሲ መደናጋሪ መድረኽ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

 

ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ’ዚ ጉዳይ ሓንቲ ሓቂ ዝተዛረብዋ፡ ዝምድናታት ንምኽሳብ ትብል ሓረግ እያ።          

ኣብ’ዚ ዘሎና መዋእል ሓደ መሓዛ ንምጥራይን ዝምድናታት ንምድልዳል ቀሊል ጻዕሪ ዝሓትት ስራሕ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ ኢትዮጵያ ንዓለም ከደናግሩ እንተኽኢሎም ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ዝወድቕ ፍሉጥ እዩ። ምእንቲ’ዚ ህ.ግ.ደ.ፍ ቅድሚ ኮፍ ቢሉ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ መኽሰብ ንምርካብ’ዩ ካብ ምባል፡ ባዕሎም ነቲ ባይታ ዝምድናታት ኣህጉራዊ ክፍለ ዓለም ክዘምትዎን ኣቃልቦ ዓለም ክስሕቡ ይግበኦም።ግን ህ.ግ.ደ.ፍ ነዚ ክገብርሉ ዝኽእሉ ባይታ ነይርዎም ክነሱ በቲ ዘይክወል ተግባራቶም፡ ኣብ ጭውያ፡ መቕተልቲ ንጹሃት ዝተወፈረ ሓይሎንምን፡ ቅዋምን ፍትሓዊ ፍርዲ ዘይብላ ሃገር ነቲ ዲፕሎማሲያዊ ባይታ ዋላ እንተደለይዎ ዘይርሓው ማዕጾ ኮይንዎም ኣሎ። ኣብ ዝኸድዎ ሃገር ድማ ክኽሰሱን ኣምባሳድራቶም ብተደጋግሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘይሰብኣዊ ተግባራት መግልጺ ክህቡ  ንቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ተጸዊዖም ከም ዝመጹ ይግበር ኣሎ። ነዚ ሕቶ ዝህብሉ መልሲ ድማ ንመንግስትና ክንሓትት’ና ዝብል ጥራሕ እዩ። 

 

ምስ’ቲ ንኤርትራ ብፍላይ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዘተኮረ ትሪ ነቀፈታ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ምስ’ዚ ኢትዮጵያ ወሲዶሞ ዘለዉ መርገጽ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዓብይ ሃጓፍ ፈጢርሎም ስለ ዘሎ ንምዕራዩ ከቢድ ስለ ዝዀነ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ምቕባሎ ብሓጺሩ ምንጻግ ከም ዝመርጹ ድሮ ኣብ ኣበሃህልኦም ተነጺሩ ኣሎ።

 

 

ሰላምን ፍትሕን ይንገስ

 

26 ጥቅምቲ 2004

 

ኣንቶንዮ ተስፋይ


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com