|
ዕውታት ውድባት
ድሌት ህዝብኽን ሰሚሩልክን
እተን ካብ መትከልዊ እምነትን ድሌት ራህዋን ሰላምን ብዘይ
ኣድልዎን ቅርሕንትን ብሕጋዊ መንገዲ ንዘቕረብክንኦ ጸዋዒት ሰላም ጉዳይ ዶብ ዋዕላ ፍራንክፎርት ድሌት ህዝብኽንን
ሰሚሩልክን።
13 ሚያዝያ 2002
እቲ ንሙሉእ ዓመት ብመጽናዕትን ሰናዳት ተሰንዩ ዝተጸንዐ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መደምደምታ በጺሑ
ፍርዲ ተወሂብሉ።ነዚ ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት መንግስታት
ኣሜሪካ። ብፍላይ ኣልጀሪያን ብዓብይ ሓጎስ ተቐበለኦ።ድሕሪ ኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ወርሒ ሰነ 200 ሰራዊት
ዓቅብ ሰላም ኣብ’ቲ ዝተመደበሉ ቦታት 25 ኪሎ ሜተር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ክቆጻጸር ከኣለ።
መንግስታት ኤርትራ
ኢትዮጵያን ንዝተዋህበ ፍርዲ በብወገነን ተዓዊትና ክብላ ንፖለቲካዊ መኽሰባተን’ኳ እንተገለጽኦ ኣብ መወዳእታ ካርታ
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከም ዘነጸሮ እታ ንኵናት ጠንቒ ዝዀነት ቦታ ባድመ ኣብ ውሽጢ ዶብ ኤርትራ ከም ዝተሓጸጸላ ምስ
በርሀ፡ ኢትዮጵያውያን ካብ’ቲ ጉዳይ ክስሕቡ ጀመሩ።
ጸኒሖም ኢትዮጵያውያን
ነቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ነጺጎም ክጽሉ ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብውሳኔ 13 ሚያዝያ ተቀይዳ ኣብ ተግባር ንምስግጋሩ ዶብ
ንምምልካት ተጽንዕ ፍልይቲ ዶባዊት ሽማግለ ብ21 መጋቢት 2003 ጸብጻብ ኣቅረበት። መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሓድሽ
ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ 12 ታሕሳስ 2000 ኣልጀርስ ክነጽግዎ ዘግበሮም ምኽንያት እቲ ስምምዕ ነዚ ፍርዲ ዘብጽሕ
ከምዘየነበረ ከም ሓድሽ ክረአ ክብሉ ነቲ ጉዳይ ጠጠው ክብል ገበሩ።
ኣሕጉራዊ ሕብረተ ሰብ
ዓለም ኢትዮጵያውያን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ቅኑዕ ከም ዘይምዃኑ’ኳ እንተገለጹ እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክወስድዎ
ዝግበኦም ዝነበረ ስጉምቲ ገዲፎም ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ክቅጽልዎ ብምምራጾም ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ካብ’ቲ
ሻቕሎት ኵናት ኣየድሓንዎን።
ኢትዮጵያ ነቲ ውሳኔ
ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕባል ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝርርብ ክግበር ከም ዘለዎ ጸዉዑ። ኤርትራ ነዚ
ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀረበ ሓሳብ ነጸገቶ። ኤርትራ ቅድሚ እቲ ውሳኔ ኣብ ተግብራዊ ፍጻሜ ይብጻህ ብድሕሪኡ ዝዝረብ
እንተሎ ንዘተ ክልተኣዊ ምርድዳእ ክንገብር በለት።
በዚ ምኽንያት ድማ
ክልተኤን ሃገራት ነዚ ዝተወሰነ ወሳንን ቀያድን ናይ መወዳእታ ብይን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክንጥልጠል ገበርኦ።
ኣብ መንጎ እዘን ክልተ
ሃገራት ዝርከቡ መራሕቲ መንግስቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ምጉት እንዳተኻየደ ተቃወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ’ዚ
ጉዳይ ሓደ ዝመስል መርገጽ ዝሃለወን’ኳ እንተመሰላ እቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቀርብ ዝነበረ ምሕጽንታታት፡ ናይ
ገገለ ውድባት ምስ’ቲ መትከልን መንፈስ ውሳኔታተን ዘይቃረብ ነበረ። ገገለ ድማ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ውሑድ
ኣዋርሕ፡ ዘገድሰና እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መላኺ ስርዓት’ምበር ጉዳይ ዶብ ብዙሕ ዘሽግረናን ኣይኮነን። ምስ’ቲ ህዝቢ
ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ መሪር ናብራን ጭቆናን ድማ ጉዳይ ዶብ ቀሲ’ሉ ክፍታሕ ዘለዎ ክብሉ ጀመሩ።
እተን ኣብ ታሪክ
እንዳተዘከራ ዝነብራ ውድባት ግን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ጉርብናዊ ዝምድና ከይ ዓምጦቛ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ኣህዛብ
ኣብ ሰላም ዘሎ ረብሓን ብምጥቃስ ብማዕርነታውን ሕጋውን ሰላምውን መነግዲ ኢትዮጵያውያን ነቲ ውሳኔ ኣህጉራዊ ቤት
ፍርዲ ዝሕለፎ ብይን ክቅበልዎ ደጋጊመን መዘክርን ምሕጽንታትን ከቅርባ ጸኒሐ።
እንሆ ድማ ኢትዮጵያውን
ነቲ ጉዳይ ንምቅባል ቀዳማይ ስጉምቲ ወሲዶም ነቲ ፍርዲ ተቐቢልናዮ ኣሎና ይብሉ ኣለዉ። እዚ ነዊህ ግዜ ብምውሳዱ
ኣሉታዊ ገጽ’ኳ እንተሃለዎ ኣብ’ቲ ነባሪ ፍትሕ ክልቲኡ ኣህዛብ ግን ድማ ቀድማይ ስጉምቲ ምውሳዶም ብኣውንታዊ
ክረአን ነዚ ድማ ከይሰልከዩ ክሳብ መዋዳእታ ብመንገዲ ሰላም ክውድኡ ክጽዕርሉ ዝግባእ እዩ።
እተን ነዚ ሎሚ
መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐቢለዮ ዝብሎ ዘሎ ብይን ንኽቅበሎ ጸዋዒት ዘቅረባን ዲፕሎማሲያውን ፖለቲካውን ስርሓት ዘካይዳ
ዝጸንሓ ውድባ ደጊም ድሌተን ሰሚሩለን። ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚሩ።
እቶም ዶብ ኣይግድሰናን
ክብሉ ዝጸንሑ ድማ ታሪክ ገዲፍዎም ከም ዝሐልፈ መጠን ክመሃሩን፡ መነግዲ ቅንዕና ሒዞም ኽከዱን፡ ወላ’ውን
ንፈታዊኦም ገኢጋ ኣብ ዝፈጸመሉ ዓገብ ክብሉ ከም ዘልዎም ዝገብር ታሪኽዊ ትምህርቲ ቀሲሞም ክዀኑ ብዙሕ ተስፋ
ዝንበረሉ እዩ።
ንኢትዮጵያውያን ዘገድስ
ጉዳይ ዶብ ንማን ኤርትራ ብዘለዎ ፍልልይ ተመክሮን ስርርዕን ዘገድስ ምዃኑ እንሆ ሎሚ በሪሁ ኣሎ።
እቶም ኣብ’ዚ እዋን
ብዶብ ኤርትራ ተሓሊቆም ዝተዛረቡ ግን ብዙሕን ውሑድን ጸለመን ክቅብኡ ተሰሚዑን ተዘሪቡን እዩ። ብሓጺሩ
ህግደፋውያን’ዮም ተባሂሎም እዮም። ተስፋ እገብር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ እዚኦም’ውን ህ.ግ.ደ.ፋውያን እዮም
ከይብልዎም።
ሃገራዊ ምሕዝነት ሎሚ
ደድሕሪ ታሪኽ እንዳጎየዩ ዘዝተባህለ እንተደገሙ ትርጉም ዘለዎን መቐረት ታሪኽ ዝህብ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሃገራዊ
ምሕዝነት ዘረባ ቅድሚ እቲ ኢትዮጵያ ዝውጽእዎ መግለጺ እዩ ዝድለ ዝነበረ። ምኽንያቱ እቲ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንኽቅበልዎ
ዝኽእልሉ ደረጃ ንምብጻሕ’ምበር፡ ኣብዝ’ ጉዳይ ብንጹር ክብሎ ዝድለኹ እንተሎ ሃገራዊ ምሕዝነት ነዚ ናይ ሎሚ ውሳኔ
ናይ ኢትዮጵያ ዝተጻወትዎ ግደ ትሑትን ውሑድን ምንባሩ ንምሕባር እየ። ነዚ ብዝምልከት ድማ እኹል ሰነዳት ኣሎ።
ህዝቢ ዝፈልጦ ማለተይ እዩ።
ሰላም ድማ መተካእታ
ንስለ ዘይብሉ እዚ ተበጺሑ ዘሎ ካብኡ ንላዕሊ ክቅጽል፡ ድሌት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ብሕጋዊ
ብሰላምዊ መንገዲ ኣብ መደምደምትኡ ንምጻሕ ጻዕሪ ክልቲኡ ኣህዛብ ዝሓትትን፡ ትዕግስትን ጽሮይን፡ ምክብባርን ፡
ምድላዎት ክግበረሉ ዘለዎ እዩ እንዳበልኩ ሓሳበይ ይድምድም።
ሰላም ሰላም ሰላም
26 ጥቅምቲ 2004
ኣንቶንዮ
ተስፋይ
|