|
መልሲ ንቃል ኣሕመድ ናስር
ኣብ
ዝኽሪ መበል 43 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ
ካርቱም
ሰላምታይ ይብጻሕካ
ዝኸበርካ ተጋ/ ኣሕመድ ናስር ንመበል 43 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃብካዮ ቃል መልእኽቲ ኣብ
ካርቱም፡ብመርበብ ሓበሬታ ምስ ተዘርግሐ ኣንቢበዮ።
ነዚ
ዝሃብካዮ ቃል ክምልሰሉ ካብ ዝገደደኒ፡ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፍካዮ መልእክቲ ብክልተ ሸነኽ ከም
ዝምልከተኒ ገቢረ ቆጺረዮ ኣለኹ። ቀዳማይ ከም ተራ ህዝቢ፡ ካልኣይ ከኣ ኣብቲ ነዚ ምሕዝነት ሓሙሽተ ዘጸልሙን
ጥርጣረታት ዝነዝሑ ዘለዉ ዝብል እዩ። እዚ ድማ ንዓይ ብቀጥታ ስለ ዝምልከተኒ እዩ። ምናልባሽ እቲ ዝሃብካዮ ቃልን
ጽሓፍትን ነይሮም እንተዀይኖም ክጋግዩን ስለ ዝኽእሉ ዝያዳ መብርሂውን ዘድልዮ ከይኸውን።
ካብዚ ቀጺለ ምስቲ ኣብቲ መልእክቲ ሰፊሩ ዘሎ ትሕዝቶ ትዕዝብተይ ከንብር እንከለኹ፡ ከምቲ ብቅንዕና ንሓቶ
ንስኻ ኰነ ብጾትካ ብቅንዕና ክትምልሱ ከም ውሁብ ገቢረየ ዝወስዶ። እዚ ድማ ንዝያዳ የቀራርበካን የተሓቋቍፈካን።
ፍልልያት ክህሉ ግድነት ስለ ዝዀነ ከኣ ኩልኻ ብፍልልያትካ ኣሚንካ ክትጓዓዝ ድማ ጸጋዩ ቢለ ንስለ ዝኣምን። ንስኻ
ከም መራሒ ክትሕተት ድማ ንመጀመሪያኻ ንስለ ዘይኮነ ነዚ ሕቶ ፈሊኻ ክትርእዮ ዘኽእለካ ኣሎ ኣይብልን።
ኣብቲ ቃል ዝሃብካሉ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ሰለስተ ሕቶታት ዘልዓላለይ ኣለዋ። እተን ክልተ ንሓድሕድነ ዝጋራጨዋ ኮይነን
ረኺበየን። እታ ሳልሰይቲ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንዝቀርብ ዝነብረ ሕቶታት ንኽበርህ ተባሂሉ ዝሕተት ዝነበረ
ሕቶታት ክትገልጽ ዝፈተነት ግን ከኣ ልክዕ መልሲ ከም ዘይኮነት እዩ።
ቃል
ኣሕመድ ናስር ኣብ 1,2ን 3 ርአ
1 ተቃወምቲ ሓይልታት ክፉእነት ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ምግላጽ ግዜ ክንዲ ምቕታል ......... ሙሉእ ጽሑፍ
ኣብ ታሕቲ ርአ።

እወ፡
ተቃወምቲ ሓይልታት ውሽጣዊ ሓድነቱ ከደልድል ብግሉጽነት ክሰርሕ፡ እቲ ዝበዝሕ ግዜ ንተቃወምቲ ንምሕያል ክሰርሕ ከም
ዘለዎ ሓደ ግዜ ዘይኮነ መቁጸሪ ዘይብሉ ለበዋታትን መተሓሳሰብን፡ ምኽርን ካልእን ተለጊሱን ይልገስ ኣሎ። ነዚ
ዓይነት መስርሕ ግን ደጋፊ ኮይንካ እንተዘይቀሪብካ ኩሉ ግዜ እቲ ዝቀርብ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ከም ስጋ ኣብ ኣፍ
ኣዛብእ ተደርብዩ ብዘይንሕስያ ዝብላዕ ኮይኑ ይተርፍ።
ከም
ተቃውሞ መሲሉ ክንደይ ደጋፍን ሃናጽን ሓሳባት ቀሪቡ እዩ። እንተዀነ ግን ሕጂ ምኽንያት ክቀርበሉ ብዘይክእል እቲ
ሓስባት ተነጺጉ እዩ። ጉይዳ ሃ.ም.ኤ ኤርትራ ክካትዓሉን ክዝረበሉን ዝደሊ ኣባል ምሕዝነት ኮነ መሪሕነታት ውድብ
ክንድቲ ዝነኣድ ኣይኮነን። እቲ ብዝልዓለ ተደላይነት ዝነበሮ ህዝቢ ተኣኪቡ ምሕንዘት ዝገብሮ ጥራሕ ክሰምዕ
ንምግባር እዩ።
እቲ
ተቃውሞ ዝመስልን ግን ከኣ ሃናጺ ሓስባት ተሰሚዑ እንተዝኸውንስ ሎሚ ኩነታትና ኣብ ዝሓሸን ዝምድናታትና ኣብ
ዝሓየለን ምሃለወ ነቢሩ እብል። ብ/ይ ኣሕመድ በዚ ልፍንቲ ዘለዎ ሃለዋት ንዓኻ ዘኵርዓካዩ ኣይብልን። ድሮ እቲ
ምሕዝነት እንታይ መሲሉን ኣባላት ውድባት እንታይ ይብላን ግሉጽ ነገር ኮይኑ ኣሎ።
ምእንቲዚ እቲ ንምሕየሊ ተባሂሉ ዝዝረብን እቲ ንመዳኸሚ ተባሂሉ ዝዝረብን ፈሊኻ ንምርኣዩ ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ
ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ምሕዝነት ዝተሰርሐ ካብተን ካልኦት ውድባት ዘቅርበኦ ዘለዋ ጸብጻባት ፍሉይ
ሓሳብ ኣሎካ ኣይብልን። ግን ምስዚ ኩሉ እቲ ሓደ ኣብ ክንዲ ምሕዝነት ጠጠውሉ ዘሎን ንምድልዳል ምሕዝነት ዝጽሕፍ
ውድብ ሓደ ተ.ሓ.ኤ ሃ.ጉ ጥራሕ እዩ።
ኣብነት ንምጥቃስ
ዲ.ም.ሓ.ኩ.ኤ ኣብዚ ስምምዕ ካስል እንዳሃለወ ንምሕዝነት ንለውጢ ከም ዘየተቀረበዩ ገምጊሙ።
እዚ
ከም ሓደ ኣብነት ክውሰድን እቲ ሚዛን ኣብቲ ተመስሪቱ ዘሎ ስምምዕ ሓደ ክኸውን ይኽእል ከይኸውንውን ይኽእል።
ብሓፈሽኡ እንታይ ክብል ደሊየ እቲ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምሕያል ካብ ኣብ ቃልሲ ዝተጸንባርካሉ ብዝተፈላልየ
መልክዑን ዓይነቱን ሰሚዕካዮኻ። በዚ ድማ እዚ ሎሚ ዘምጽኦ ኩነታት ትርእዮን ትዕዘቦን ኣሎኻ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክኸይድ ዝጸንሐ ጉዳይ ንዓኻ ተኸዊሉካ ኣሎ ኣይብልን። ስለ ዝዀነ ድማ
እቲ ብመጀመሪያ ዝተላዕለ ሕቶ ክትኣልይዎን ብሓቂ ድማ ንስኻ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃል ዝሃብካ እንተዀንካ እቲ
ዝቀረበ ሕቶታት ንምሕያል ተቃዋሚ ሓይልታት ምዃኑ እንዳተኣመነሉ ንስኻውን ከምዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ቃል
ኣቕሪብካ።
ብ/ይ
ኣሕመድ ናስር ነዚ ንተቃዋሚ ሓይሊ ንክድልድልን ንክሕይልን ብዝተፈላልየ መንገዲ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንዓኻ ተሰዊሩካ
እዩ ኣይብልን። ይኹንምበር ሎሚ ብጾትካን ብቀረባ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ ሃገራዊ ጉባኤ ብፍላይ ድማ ጨንፈር ሽውደን
እንታይ ይብሉ ከም ዘለዉ እንተትፈልጥ ነዚ ቃል ኣይምተዛረብካዮን በሃላይ እየ።
ሎሚ
ንሕቶ ስምምዕ ሓሙሽተ ውድባት ዘልዓለ ህ.ግ.ደ.ፍ ሽም ወጺእዎ ከም ዘሎ ትፈልጥኻ።
ከምቲ ባዕልካ ዝበልካዮውን ንገገለ ገለ ሕቶ
ዘልዕሉ ኣብ ካልኣይ መስመር እዚ ጥብቆ ሰፊሩ ዘሎ ደጊምካዮ ኣሎኻ።
2 ጸለመን ጥርጠራታትን ክነዝሑ ዝፍትኑ ዘለዉ........

ጸለመን ጥርጠራን ክነዝሕ ዝደለየ እንተነበረ እቲ ሕቶ ንዓኻትኩም ስለ ዘቅነዐ ባዕልኹም መሚኹም ኣብዝን ኣብትን
መልሲ ክንህብ ንኽእል ካልእ ግን ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን ቢልኩም ክተብርሁ ዩ ዝግባኣኩም እብል። ብኣንጻሩ
ኣብ ግን ኣብ ስምምዕና ዝውስን የልቦን፡ ውድባት ንኽስማማዕ ፍቃድ ህዝቢ ኣየድልዮንዩ ወ.ዘተ ዝብል ብዱዕ
ዘረባታት ክጸሓፍ ተራእየ።
ብ/ይ ኣሕመድ ነቲ ንተቃዋሚ ሓይሊ ንምድልዳል
ክቀርብ እትብሎ ሓሳብ ይኹን ርእይቶ ቀሪቡስ ክሳብ ንስኻ ዘረኻኸብካሉ ሓንቲ የብላ ክልተ የብላ ጸለምን
ጥርጣረንልካዮ። ካብዚ ፍልይ ብዝበለ ብኸመይ ኣገባብዩ ክቀርብ ዘለዎ ንዓይ ክርደኣኒ ኣይክእልን።
ንስምምዕ ሓሙሽተ ውድባት ዝምልከት ዝወጸ ጽሑፋት ኣብ መጀመርትኡ ሕቶ ንዓኻትኩምዩ ቀሪቡ። ንስኻትኩም ድማ ብኽብሪ
ተቐቢልኩም ክትምልስሉን ከተብርህዎን ንህዝቢ ክትገልጽሉን ይግባኣኩም ነቢሩ። መራሕቲ ስቕ ምስ በልኩም ድማ ደገፍቲ
እዚ ስምምዕ ነቲ ዝቀረበ ሕቶታት ጠውዮም ጠዋውዮም ሕቶ ጸላእቲ ክገብርዎ ፈቲኖም። ገቢሮሞ ድማ እንሆ ድማ ንስኻ
ደጊምካዮ።
ስለዚ ብተረድኦኻ እቲ ንተቃወምቲ ንምሕያል ዝብል
ሕቶን ርእይቶን ዘይብሉ፡ ማለት ክኸውንዩ። ምኽንያቱ ዝሓተቱ ተመሊስሎም ዘሎ ድሮ ነቢብካዮ ኣሎኻ። ልዕሊ ኩሉ ግን
ንውሽጣዊ ኣሰራርሓኹም እንተዀይኑ ግን ንዓይ ዝምልከተኒ ኣይኮነን።
እተን
ተጋራጨውቲ ዝበልክወን ድማ እዘን ሓድነት ንምግላጽን ንብራህን ዝቀረባ ሕቶታት ንዓይ ከም መደልደሊ ሓይሊ ወይ ደምበ
ተቃውሞዩ። ነዚ ግን ንስኻ ብኣሉታዊ ርእኻዮ። ወይ ድማ እቶም ነቲ ዝሃብካዮ ቃል ዘመሓላለፉ ሰባት ተጋግዮም ኣለዉ
ማለት እዩ።
መግለጺ እዚ ኣብ ስምምዕ ኣትዩ ዘሎ ውድባት ገና ኣብ ትጽቢት ዘሎ እመስለኒ። ብዘይካ እቲ ደጋፊ ስምምዕ ሓሙሽተ
ውድባት ድማ መብዛሕትኡ ይጽበ ምህላዉ ንዓኻ ይኹን ንኻልኦት ተሓቢእዎም ኣይብልን።
3 ሓድነት ንምሕያልን ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ኣመለኻኽታ ዘለዎም ድማ ኣብ ፍጹም ሓድነት ክበጽሕሉ
ዝኽእሉ ኣገባባት ኣብ ምንዳይ .....
እቲ
ቀንዲ ወይ ኣውራ ዘረባታትኳ እቶም ኣብ ምሕዝነት ዝነበርኩም ብብሓደ ተውጽእወን ኣለኹም። ኣብዚ ቁጽሪ ሰለተ
ጠቒሰዮ ዘለኹ ክልተ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል። እዩ ድማ።
ቀዳማይ
ብሓፈሽኡ ሓደ ውድብ ንምምስራትን ወይ ኣብ ፍጹም ውድሕደት ንምብጻሕ መስርሕ ይካየድ ኣሎ ይባሃል።
ካልኣይ
እተን
ተመሳሳሊ መደብ ዕዮ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ኣብ ፍጹም ውሕደት ንምብጻሕ ዝብል ድማ ነትን ዝተፈለልያ ውድባት ኣብ ውሽጢ
ስምምዕ ካስል ዘለዋ ከም ንእሽቶይ ልፍንቲ ንምቋም ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ድማ ኣምሲልዎ። እቲ ነገርኳ ተሓዋዊሱ።
ከም
ኣፍልጦይ እተን ኣብዚ ስምምዕ ዘለዋ ውድባት ሓደ ካብቲ ትሕዝቶ ዕላማታተን በበይኑ እዩ። ስለ ዝዀነ ድማ እቲ
ዝተኻየደ ስምምዕ በየናይ መልክዕ እዩ ተፈጺሙን ወይ ንምፍጻሙ ዝድለ ዘሎ ዝብል ሕቶ ክምለስ ግድነት እዩ።
ዓብይን ታሪኻውን ኣብነት
ምንቅስቓስ እስላማዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ መደቦም ሰፊሩ ዝነበረ ዓንቀጻት ከልዕሉ እንከለዉ ዝሃብዎ ንጹርን
ግሉጽን መግለጺ ኣሎ። ንሱ ድማ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኤርትራን ክውንነታን ክግምገም እንከሎ እዚ ክልተ ዓንቀጻት
ከስርሓናን ንሙሉእ ሓድነት ከብጽሓና ንስለ ዘይክእል ብስምምዕ ክለግስ ኣለዎ ኢለና። ግን እቲ መንፈሳዊ እምነትና
ኣሎ በሉ።
ሕጂ
ድማ እቲ ዝቀርብ ዘሎ ሕቶ እቶም ብሄራዊ ሕቶ ከልዕሉ ዝጸንሑ ውድባት ብኸመይ መንፈስዮም ነዚ ስምምዕ ተቀቢሎምዎ፡
ምስዚ ዕልማዊ ሰልፍታት ክቃረቡስ ነቲ ብሄራዊ ሕቶታት ኣልጊሶም ድዮምስ ወይ ሰሪዞም ዝብል ሕቶ ቅድሚ ኩሉ ክምለስ
ወይ ከኣ እቲ ዝተረፈ ዕልማዊ ውድባት መርገጹ ቀይሩ እንተዀነ ክበርህ ተሓቲቱ። ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተመለሰን።
ብኻልእ መንገዲ ብሓንቲ ኣባል ውድብ እዚ ስምምዕ ካስል ዝዀነት ውድብ ግን እቲ ሕቶ ብሄር ከም ዘለዎ ኣብ ቦትኡ
ከም ዘሎ ብዕሊ ብውድቦም ተገሊጹ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ከም ዝበሃል ካብዚ ገለጻታትዚ ክፍልፍል ዝኽእል
ሓሳብ ብዙሕዩሞ መልሲ ወይ ምእራም ዘድልዮዩ።
መደምደምታ
እቲ
ብጥርጣረ ክረአ ካብ ዝገበሮ ብዙሕ ነገራት ሓደ መንቀልቱ እቶም ኣብ ስምምዕ ዘለኹም መራሕቲ እኹም። ይትረፉ
ንኣባላት ምሕዝነትን ካልኦትስ ኣብቲ መዓልቲ ምሳኹም ዘምሰዩ መራሕቲ ከም ተራ ሰባትውን ክንገሮምን ክግለጸሎም
ከም ዘየተደለየ በሪሁ ኣሎ።
ስለዚ እቲ ኣብኡ ዘይውዓለ ክሓትትን መልሲ ክረክብ መሰሉ ኣይመስለካን። ነቲ ስምምዕ ብጌጋ እንተተረደአ ድማ ነቶ
ኣብኡ ዝወዓሉ መሓዙት ውድባት ክምስክሩን እቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ክዛረቡሉ ዘኽእል ኩነታት ምተሳእነ ኣይብልን።
እዚ ግን ኩሉ ተሳIንዎ። እታ መግልጺ ብዘይካ ምሳኻትኹም ምስ ካልኦት የላን።
ምኽንያቱ ብዙሓት ንሙሉእ ዕድሜኦም ዝተቃለሱ ኣባላት ምሕዝነት ብዛዕባዚ ስምምዕ ሃንቲ ክገልጹ ዘይምኽኣሎም ነቲ
ስቕታ መሊሱ ኣግዲድዎ ኣሎ።
ኣብቲ ኣባላትኩም ዝበልዎ ዝበልኹካ ክሲ ክምለስ። እቲ ዘረባ ብስእሊ ተቀሪጹ ዘሎ እዩ። ንገገለ ነዚ ስምምዕ
ሓሙሽተ ውድባት ሕቶ ዘቅረቡ ውልቀ ሰባት ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ እዮም፡ ካብ ህ.ግ.ደ.ፍ ደገፍ ዝረኽቡ እዮም
ኢሎሞም።
እዞም
ባእታታት ሓደ ኣባል ዝበሃል እንታይ ከም ዘማልእ ስለ ዘይፈልጡ ንዝዀነ ዝተቃወመ ኣባል ህ.ግ.ደ.ፍዩ ክብሉ ህዝቢ
ፈሪድዎም ኣሎ። ሓደ ኣባል ህ.ግ.ደ.ፍ ዝበሃል ስሩዕ ምዃኑ ዝሕብር መንነት ዘለዎ፡ወርሓዊ ውጽኢት፡ ወርሓዊ ኣኼባ
ዝካፈል ዶ ኣይኮነን ኣባል ዝበሃል። እቶም ብጾት ግን ነዚ ከየረገጹ ክዛረቡ ንህዝቢ ማዕረ ክንደይ ከም ዝንዓቑ
የረድኣካ።
በል
እቲ ጸለም ዝበሃልዚዩ።
ክቡር
ብ/ይ ኣሕመድ ኣባላትኩም ኣብ በዓል ባሕቲ መስከረም ስቶክሆልም ክንበብ ንዝቀረበ ጽሑፍ ከም ዝኸልከሉ ትፈልጥ ዶ
እዚዩ እቲ ጸለመ ፡
ብሓፈሽኡ ድማ ክልተ ባእታታት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት ግን ከኣ ኣብዚ ስምምዕ ካስል ዝነበሩን ዘለዉን ብዕሊ ኣብ
ተቃወምቲ ውድባት ኢድ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣሎ ከም ዝበሉ ትፈልጥ ዶ ? ኣዚዩ እቲ ጸለመ።
ኩነታት ተቃወምቲ ሓይልታት በዚ ዘለዎ ርዝነት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዝርከብን ነዚ ድማ መድሕን ክግበረሉ
እንተዀይኑ። ብዛዕባ ውድብና ኣይግድሰኩምንዩ እንዳበልካ ዝኸይድ ኣይኮነን።
እቲ
ጉዳይ ህዝቢ እንተ ክዕወት ወይ ድማ ቀጻልነት ክረክብ ብግሉጽ ስርሒትንውን ንህዝቢ ኣቃልቦ ክስሕብን ኣብ ቃልሲ
ክዕድምን እንተኪኢሉ እዩ ካብ ብምስጢርን ብድፉን መስርሕ።
ሰላምን ስኒትን የውርደልና
22
ጥቅምቲ 2004
ኣንቶንዮ ተስፋይ
|