Nharnet Articles/Opinions

Editorials

     

From the Experiences of the ELA  (Part V)

The Nharnet Team (October 21, 2004)

The Need for Credible and Acceptable Coalition of the Opposition

The ELF-RC Information and Cultural Office

18.10.2004

At  33rd Anniversary  of

The 1971 Congress, ELF-RC

Described as ‘Dynamic Democracy’

Nharnet Team, 14 October 2004

Forging a United Patriotic Opposition

Nharnet Team, October 10, 2004

From the Experiences of the ELA (Part IV)

The Nharnet Team (6/10/2004)

How Veterans Told the Story of the First 10 Years of ELA

The Nharnet Team (October 1, 2004)

Changing Times and Changing Roles

Nharnet Editorial (October 1, 2004)

From the Experiences of the ELA (Part III)

The Nharnet Team (30/9/2004)

Three Years Ago Today

Nharnet Editorial (19/9/2004)

From the Experiences of the ELA (Part II)

(12/9/2004)

The Speaker of ELF-RC, Ibrahim Mohamed Ali, Urges Eritrean Politicians To Admit  Past Mistakes, Excesses

 (10/9/2004)

September 1st Puts Public Trust to the Test

(1/9/2004)

الوحدة الوطنية الارترية ...... بين الأمس واليوم

بقلم / ابراهيم محمد علي

RC Speaker Urges Libya’s Colonel Gadafy

(30/8/2004)

لجنة الحوار الوطني

K´DÃï aL´D A²Vgñ so
Irpq Šmk …}kmkq|:
ELF-RC Proposal for Unity of the Eritrean Opposition
†LK H©ö{q |§ odh‘Moñ ‘é©ölq „íXqV (PDF)

CONCLUDING STATEMENT:

ARABIC  ENGLISH       TIGRINIA

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Click here for PDF format.

 

ስለምታይ ስምምዕ ሰለተ ውድባት ዘይዝረበሉ ?

(ስምምዕ ፍራንክፎርት)

 

ስለምንታይ ስምምዕ ፍራንክፎርት ዘይሕተተሉን ዘይዝረበሉን ዝብል ሕቶ ጽቡቕ እዩ። እዚ ሕቶ ድማ እቶም ዝምልከቶም ሰለስተ ውድባት ተሓቲቶም ምምላስ ከም ዘያኣብዩ ርግጸኛ እየ። ከመይስ እውጅ ስለ ዝዀነ።

ስለምንታይ እየ እቶም ዝምልከቶም ባእታታት እንተተሓቲቶምስ መልሲ ከም ዘይኣብዩ ርግጸኛ’የ ዝበልክዎ ሓደ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ማለት ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ብብጾት ወልደየሱስ ዓማርን፡ መንግስትኣብ ኣስመሮምን ዝተኻየደ ኣኣኼባ ኣብ ፍራንክፎርት ብደረጃ ውድብ ዝተኻየደ ኣኣኼባ፡ ኣብ ሽወደን ብደረጃ መሪሕነት ዝተኻየደ ኣኣኼባ ባዕለይ ዝተሳተፍክዎ ብምዃነይ ብዛዕባ’ዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ህዝቢ እንተስ ይቀበሎ እንተስ ይንጸጎ ኣብ ባይቶ ኣሕዋት ተቃወምቲ ሓይልታት ተዘሪብሉ ብምዃኑ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽክዎ ኣብ ካልእ ቦታት ኣብ ሲያትል ኣብ ኣሪዞናን ካልእ ቦታት ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይድሉ እዩ።

 

ስምምዕ ፍራንክፎርት ኣብ ኣብ 3 ጥሪ 2004 ዝተኣወጀ እማመ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ እዩ ነቒሉ። እዚ እማመ ከኣ ብብሩህ ሰፊሩ ስለ ዘሎ እቲ ክድግፍ ዝደሊ ክድግ እቲ ክነቅፍ ዝደሊ ድማ ክነቕፍ ክፉት እዩ ዘሎ። እቲ ዝመስለንን ዝርድኣን ከኣ ንሱ እዩ።

 

ሎሚ ስለምንታይ ንኻልእ ስምምዕ ዘይትዛረብሉ ንናይ ካስል ትዛረብሉ ተባሂሉ ዝወርድ ዘሎ መዓትን ጸለምን መቁጸሪ የብሉን። እሞ ሃየ ነዚ ጉዳይ ክሃትት ዝደሊ ሰብ ይሕተት።

ኣነ ብወገነይ ኣብ’ዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ዕግበት ስለ ዘሎኒ ጥራሕ ዘይኮንኩ ስለምንታይ ዕግበት ረኺበ ብሰፊሕ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ኣስፊረ ኣለኹ። ግን ኣነ ስለ ዝዓገብኩሉ ንኻልእ ግድነት ኣብ’ዚ ኣነ ዝደልዮ እምን ኣይብልን። ነቲ ዝኣምነሉ ግን ክምጉተሉን ክካተዓሉን ግድነት እዩ።

 

እዚ እማመ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ንሓርነት.ኮም ጸብጻባቱ ክረአ ይኽእል።

 

†LK H©ö{q |§ odh‘Moñ ‘é©ölq „íXqV

†sï |§ ]KéX A²Vgñ ´}lX †LK †sï mk—Dq 03.01.2004 –.M

}KUI{pq MI›{q A²Vgñ H§Fpq} [FÌ ªïN‹V[ï} ŠF‡q

odh‘Mq} ›chSk †LK „ï£; —EL„ê ©öL: …mkoñ cUké sD÷ …mk

›oHo {¹mkpq ›oKX‰÷[ 10 –}cÄq |§ †}Š} Al} so oЧªê

}MI›{q} Šmk MI›{q} ‘Ä„ï ›X‰ké odh‘Moñ ‘é©ölq} …mk qIoñ

H© ÃöEF ‘§ ´}lX }M¹X|Ï „ï£;

B›kï {oñ …mk K}²÷ ‘é©ölq ›Š¢©ö sD÷ sopq mk´ké† Kp} ‹‰poF

©öL: ‰MsDÈ |mk B›kï }›X´J ‰MsD÷| ‹}ImkX }Êoë;

kòq ÃöIÊq sò|} lBF}

oH„í [‘éVgñ l§r

12.07.2004

ERITREAN LIBERATION FRONT

REVOLUTIONARY COUNCIL

 

 

ቀዳማይ

 

ስምምዕ ፍራንክፎርት ሓደ ውድብ ንምምስራት ከም ዘይኮነ ንኩሉ ክበርህ ዘኽእል ጸብጻባትን መግለጽን ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ ገለጻታት ብንጹርን ግሉጽን እዩ። ወዮ’ኳ ደኣ ሓልፍቲ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ዝተፈላልየ ኩርናዓት ዓለም ቅድሚ ስምምዕን ድሕሪኡን ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዶምስ ንህዝቢ ገሊጸሙሉ።

 

ካልኣይ

ነዚ ስምምዕ ካብ’ቲ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መግለጺ ወጻኢ ኣብ ምልልስ ይኹን ኣብ ዝቅረበ ሕቶታት ክሳብ ምኹናኑ ዘብጽሕ ተርእዮ ወይ ሓደገኝነቱ ኣይተራእየን። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩሉ ብቪድዮ ተቐሪጹ ከየተረፈ ቃል ሰለስተ ውድባት ጥራሕ ዘይኮነ በዚ ኣጋጣሚ ቃል መራሕትን ወከልቲ ውድባት ዲሞክራሲያዊ ፈደራላዊ ምንቅስቓስ ከየተረፈ ኣሎ። እዚ ድማ ከውሊ ዘይብሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለ ዝዀነ።

 

ሳልሳይ

እቲ ዝፈላሊ ዘሎ እንታይ እዩ እንተተባሂሉ እንተተሓቲቱ ንጹር እዩ። ስምምዕ ውይ ውዕል ፍራንክፎርት ሓደ ውድብ ንምምስራት ዝሃቀነ ኣይኮነን። እዚ ስምምዕ ሓደ ሰፊህ ሃገራዊ ግንባር ንምምስራትን ብኣኡ ኣቢልካ ድማ ንሃገራዊ ዋዕላ ንምእታው ነቲ መድረኽ ፍልልያት ንምጽባብ ክጥቀመሉን ዝምድና ውድባት ንምድልዳልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ እቲ ውድባት ውሽታዊ ነጻነት ኣለዎ። ኣብ ርእሲኡ እቲ ዕላማ ዕላምዊ ፖለቲካዊ ውድብ ንዘይኮነ ከተባብዕ ከም ዘይኮነ ስለ ዝበርሀ እዩ።

ኣብ’ዚ ድማ ነቲ መረኻዊ ዝዀነ ሕቶ መልሲ ዝተረኸበሉ ጽኑዕ ዕርፊ ምድረኻዊ ጠለብ ህዝቢ ከማልእ ተስፋ ዝተነብረሉ ብምዃኑ እዩ።

ስለምንታይ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መሪጸ ንህዝቢ ኣይሓብእን። ምኽንያቱ እቶም ነዚ እማመ ዝሓንጸጹ ከይበቐቑን ከይቖንጠሩን ከም ህዝቢ ስለ ዝመገቡኒ እዩ። እቲ መግቢ ድማ መሪሚረ ምስ እዋኑ ዝኸይድ ንነዊሕ መድረኻት ቃልሲ ዘዕንግል ምኻኑ ብምእማንን እየ።

ካልእ ነዚ መልሲ ክትረኽብሉ ኣብ’ቲ ብወርሒ መስክረም ንህዝቢ ዝጸሓፍክዎ መልእክቲ 23 መስከረም 2003 ኣብ መርበብ ኣስማሪኖ ኮም ሕጽኖት ሃ.ም.ኤ ዝተወደአ ይመስል ዝብል ኣኣርእስቲ ከተንብቡ ይዕድም።

እወ እቲ ቃልሲ ኣብ መደምደምትኡ ከይበጽሐ ሃ.ም.ኤ ሰንከለክል ክብል ምስ ጀምረ ቅድሚ ዓመት ዝጸሓፍክዎ ሕጂ ከኣ እቶም ዘንበብኩም ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይንኩም ኣለኹም።

 

ብኸመይ ምኽንያት እንተበልኩም እዚ ሎሚ ብተደጋጋሚ ብማኩ ኣሸኪንን ኣባል ም.ዲ.ሓ.ኩ.ኤ ዝጸሓፍ ዘሎ እኹል መረዳእታ እዩ። እዚ ስርሓት ድማ ተስፋ ስለ ዘቁረጸኒ ሕጽኖቶም ተወዲኡ ይመስል ዝበልኩ። ብ/ይ ማኩ ንገገል ውልቀ ሰባት ዘቃልንን ዝኽሽሕን ዘሎ መሲልዎ ጠጠው ዘብሎ ስኢኑ ብዙሕ ብሃ.ም.ኤ ይዛረብ ኣሎ። ንዓይ ግን ብኣንጻሩ ብ/ይ ማኩ ኣሸኪን እንታይ ክገብር ከም ዝውዕል ዝነበረን ምስ በዓል መን ይኸይድ ከም ዝነበረን እቲ ጉዳይ ካብ ዝነበሮ ኣብሪሁለይን ባዕሉ ድማ ናይ’ቲ ዝወረዶ ክስታት ቀዳማይ ምስክር ኮይኑ ኣሎ።

 

ኣነን እቶም ከም’ቲ ናተይ ተመሳሳሊ ሕቶ ዘልዕሉ ሰባት ነቲ ጉዳይ ብግርህና ርኢና ዘልዓልናዮ ሕቶ’ምበር ንማን ውድብ ንምጥቃዕ ተባሂሉ ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። እቶም ነገር ሓቂ ሓቢኦም ንህዝቢ ኣብ ድላይና ንነግር ዶ ኣይግድሰኩም’ዩ ወ.ዘ.ተ ክብሉ ዝጀመሩ ከም በዓል ማኩ፡ ኣድሓኖም ፍትዊ ካልኦት ደገፍቲ ስምምዕ ካስል ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ከም ዝርከቡ ባዕሎም ይፈልጡዎ እዮም።

 

ደጊም እቲ ዓብይ ነጥቢ ስምምዕ ካስል ካብ ቻርተር ሃ.ም.ኤ ወጻኢ ዝገበሮ የብሉን፡ እኳ ደኣ ንሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ንምድልዳልን ንምሕያልን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ ክብሉ ከም ዘይጸንሑ ብታሕቲ ታሕቲ እሳተጎሞራ ተፊኡ በቶም ትሽዓተ ኣባላት ሃገራዊ ምሕዝነት ዝተኻየደን ገገለ ድማ ብሕጂ ኣብ ዝካየድ ርክባት ብዛዕባ ውዕል ወይ ስምምዕ ካስል እንታይ ተባሂሉ ከም ዝተዘርበን ብጾት ተወልደ ገብረስላሴ፡ ሕሩይ ተድላ እንታይ ከም ዝበሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ኣባላት ሳግም ዋሺንግቶንን ከባቢኣ ነቲ ጽሑፍ ንህዝቢ ክዝርግሕዎ ጌጋ’ዩ ወይ ቅኑዕ እንተዘይበልኩ ኣብ’ቲ ንዓይ ዘገደሰኒ ጉዳይ ክርኢ እንከለኹ፡ ንስምምዕ ካስል ዝደገፉ መሲልዎም ሕርሕራይ ገቢሮም ከም ዘጋለጹ ተራእዩ።

 

ህዝቢ ኣብ ዘዘለዎ ነዚ ክሰምዕን ከንብብ ነቶም ንዓን ጸረ ሓድነትን ስምምዕ ዝብሉ፡ ምስ’ቲ ካልእ ክሳብ ሕጂ ዘይተሰምዐ ክሰምዖ ከኣ’ዩ መን ጸረ ሓድነት መን ከኣ ንሓድነት ብዝርርብ ይብል ምህላዉ ክፈርዶ’ዩ።

 

ሓደ ኣባል’ዚ ስምምዕ ካስል ዝበለኒ “ እዚ ብዙሕ ሰብ ዝነቅፈና ዘሎ ዝሕብሮ እንተሎ ጉዳይና ጽቡቕ ምዃኑ በቲ ተበግሶ ዝፈርሑ እዮም ይብል”

ኣንቱም ሰባት፡ ንስምምዕ ካስል ካብ ዝነቅፍ ንህ.ግ.ደ.ፍ ዝነቕፍን ህዝቢ ይበዝሕ በዚ መለኪዒ ድማ ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ተቃወምቲ ሃይልታት ንላዕሊ ቅኑዕ ስራህ ይሰርሑ ኣለዉ ማለት ክኸውን እዩ።

 

እቲ ጉዳይ ፍርዲ ንህዝቢ እዩ። ኣብ’ቲ ህዝቢ ዝፈደሉ ክንበጽሕ ግን እቲ መሰልና ዝፈቅዶ ብዛዕባ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሃለዋት ማንም ውድብ ክንጸር ክፍለጥ ግድነት እዩ። እቲ ዘረባ ድማ ኣብ’ዚ እዩ ተፈላልዩ ዘሎ።

 

ጉዳይ ስምምዕ ካስል ንኣባላት ውድባት ስምምዕ ካስል ጥራሕ’ዩ ዝምልከት ይበሃል ከም ዘሎ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ። ጽንሕ ቢሎም ድማ ንሕና ኣብ ስራሕ ስለ ዘሎና ነቲ ስምምዕ ብዝርዝር ንህዝቢ ከነፍልጥ’ና ይብሉ።

 እዚ ኣገባብ ኣሰራርሓ ህዝቢ ኣይግድሶን’ዩ ዝብል ዘረባ ሓደ ካብ’ቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ዝሰርሓሉ ዘሎን ኣገባብ’ዩ።

እቲ ኣብ ካስል ዝተፈጸመ ስምምዕ ንዓይን ከማይ ዝኣመሰሉን ዜጋታት ክንፈልጦን ክንሕበርን የገድስናን ፈረቓን። ስለ ዝዀነ ድማ ነዚ ኣብ’ቲ ኣብ ካስል ዝተበጽሐ ስምምዕ ሓቀኛ ጸብጻብ ክበጽሐንን ክረኽቦን መሰለይ እዩ። ኣነ ዝሓቶ ዘለኹ ድማ ነዚ ሃበሬታ ናይ ምርካብ መሰል’ዩ። እምበር ኣነ ጸምብሩኒ ዶ ኢለ፡ ኣብ ስምምዕ ካስል ከም ውልቀ ሰብ ፍለጡኒ ዶ ኢለ። እቲ ሕቶይ ቀንዲ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰልይ እዩ። ብኡ ኣቢለ ድማ ደጋፍን ነጻግን ክኸውን ክፍቀደለይ ዝቃለሰሉ ዘለኹ ክረጋገጸለይ’ዩ።

 

መደምደምታ

 

ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዓይነታዊ ሓድነት ብምጥርናፍ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባርን ብመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላን ክረጋገጽ’ዩ ካብ ዝብል እምንቶ ዘሕደረልይ

1 ዝተነጸረ

2 ውድባዊ ነጻነት ዝሕሉ

3 ዕልማዊ ብምዃኑ

4 ጉዳይ ዶብ ብንጹር ዘነብረ ብምዃኑ

5 ክፉትን ህዝባውን ብምዃኑ

6 ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራውያን ዝብል ብምዃኑ ወ.ዘ.ተ

 

ኣብ ከም’ዚ ህሞት ምድንጋር ዘይብሉ ኩሉ ክቃናንእን ክሰርሕን ደድሕሪ ሕጊ ክጓይ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ነጺሩን ተሰሪዑን ተወዲቡን ክቀርብ ዝኽእል ምዃኑ ትጽቢት ዝንበረሉ ብምዃኑ እዩ።

እዚ መስርሕ ኣብ ክሕበኣሉ ዘይክእል እቲ መንገዲ ፍትሒ ሒዙ ዝኸይድ ዘሎ እሞ ድማ ነቶም ኩሎም ነዚ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምውዳቕ ዝቃለሱ ዘለዉ ብቀረባት ክከታተልዎን ክሰምዕዎን ክስምዕሉ ኣብ ዝኽእሉሉ መድረኽ ናይ ግዜ ቦታን ብምዃኑ’ዩ።

 

ሎሚ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊስኻ ንሕና ክንሰማምዕ ፍቃድ ንህዝቢ ኣይንሓትትን ክብሉ ከም’ቲ ንፕረሲደንት ኢሰያስ ብዛዕባ ህ.ግ. ብኢዱ ኣብ ስልጣን ምህላው ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ “ንዓና ዶ መን ተቃለሱ ኢሉና እዩ ባዕልና ተቃሊስና ዘምጻእናዮ ስልጣን ክብል ዝመለሶ ቃል ኢሰያስ ኣፈውርቂ የዘኻክረካ።

 

ሎሚ ድማ ስምምዕ ካስል ኣብ ጉዳይ ሃገር ንህዝቢ ኤርትራ ስሙ ኣልዒሉ ኣብ ስምምዕ ከም ዘይበጽሐ ነቲ ዝውሰነሉ ዘሎ ህዝቢ፡ ነቲ ሓድሽ ስርዓት ንምትካል ውጥን ዝወጸሉ ዘሎ ህዝቢ ንኽንሰማምዕን ከይንሰማማዕን ፍቃድ ኣይንሓተካን በሉ።

ምናልባሽ እቲ ምሕታት ገዛ ገዛ ከይድካ መሲልዎም ወይ ኣምሲሎም ይዛረብሉ ኣለዉ። እቲ ሕቶ ግን ህዝቢ ክበሃል እንከሎ ፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ እዩ።

ሓደ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ.ኮም ኣቶ ኣንቶንዮ ሕጂ ኸ እንታ ሓድሽ ጸረ ሓድነት ክትምህረና ደሊኻ ክብል ጽሒፉ። እዚ ባእታ ብዛዕባ ስምምዕ ካስል ከማይ  ሓንቲ ዝፈልጦ ነገር ከም ዘይብሉ እፈልጥ። እቲ ኣነ ዘልዓልክዎ ሕቶ ግን ድምር ንዕኡ ዝሕግዝ ክፈልጥ እዩ ተሓቲቱ እምበር ጉዳይ ውልቀይ ኮይኑ ኣይኮነን።

ጉዳይ ሓድነት ኤርትራ ድማ ካብ ድሕሪ ነጻነት ክንደይ ግዜ ክሳብ ምትሕንፋጽ ክንበጽሕ እንዳበላ መሊሰን ደኣ ክፈናጨላ ረአና’ምበር ክውሕዳ ኣይረአናን። እዚ ድማ ግዜ እንዳበልዐን ሕሰም ህዝቢ እንዳበዝሐ ስለ ዝኸደ ክንስማዕ እንተኺእልና ነቀፈታና ከንብጽሕ ክንጽሕፍ ጸናሕና’ምበር ፈቆዶ ሓድነት ተባሂሉ መብርሕን መግለጽን ከይትዋህበ ደድሕሪ ስም ሓድነት ክንጎይይ ኣይንግደድን።

እቲ ሓድነት ዘሳትፈናን ነድምጸሉን ማለት ርእይቶ ንህበሉ’ምበር ክሳብ ሓድነትና ንውድእ ጽናሕ ዝብሉና ከም ከም ሓድነትና ክንቆጽሮ ኣሸጋሪ’ዩ። በየናይ መንገዲ። ዝቅበል እንተሎ ኣይትቀበል ኣይንብሎን ግን ከኣ ስቕ ኣይንብልን።

ቀጺሉ ኣንቶንዮ “ኣነን ንስኻን ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽቡቕ እንዳደቀስና ጽቡቕ እንዳበላዕና ይብል” ፡

ህዝቢ ኤርትራ ንኣንቶንዮ ይኹን ንኻልእ ጽቡቕ በሊዕኹም ኣብ ጽቡቕ ደቂስኩም ቢሉ ዝኸስስ ኣይመስለንን፡ ብኣንጻሩ እንቋዕ ሓደ ኣይኮነን’ምበር። ይኹን’ምበር ኣነ ሓለፋ ኤርትራዊ ናይ ጽቡቕ ምብላዕን ጽቡቕ ምንባርን ባህግን ትምኒት ከም ዘይብለይ እንታይ ደኣ እቲ ኩሉ ጽቡቕ ምስ ህዝበይ ክረኽቦ እየ ዝደልን ዝምነን። ደሃር ጽቡቕ ክዳንን መግብን ንዓይ ድሕሪ መሰለይን ክብረይን’የ ዝርእዮ።

ከም’ቲ ጽሑፍካ ተኻታቲለዮ ዝበልካዮ ድማ በታ ዓቕመይ ዋላ እንዳተጋገኹ እምከለኹ ድምጺ እቶም ኣፎም ተዓቢሶም ዘለዉ ክኸውን’የ ዝፍትን።

እዚ ዘልዓክዎ ሕቶ ድማ ሓደ ካብኡ እዩ። ልፍንቲ ክምስረት እንከሎ’ ንምክልኻል ሰራዊት ነቶም ቅኑዓት ንተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ቦታ ክትሓዝእሎም ቢለ ተማሕጺነ ከም ዝነብርኩ ኣብ ኣስማሪኖ ኮም ገንጹልካ ክትረኽቦ ትኽእል። እቲ ቦታ ተሓዚኡ እንተዝነብር ሎሚ እቶም ጉጅለ 15 ይፍተዉ ይጽልኡ፡ እዚ ተበታትኒ ዝመጽእ ሰራዊት ይፍቶ ይጽላእ እታ እጃሙ ምስ ወሰደ ነቢሩ እብለካ። ግን ሽዑ ልክዕ ከም’ዛ ናትካ ዘረባ ይዛረቡ ዝነበሩ ብዙሓት እዮም። ዘስተውዓሉ ከኣ ብዙሓት እዮም።

እሞ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክረጋገጽ እንተዀነስ እዚ ከም ስሙ ንዓብይ ዕማም ዝቀራረብ ዘሎ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ።

 

ሓድነት ብምእምነት

25 ጥቅምቲ 2004

ኣንቶንዮ ተስፋይ

 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com