|
ዕዉት ሰሚናር
ጨናፍር ደቡባዊ ካሊፎርኒያ
አብ
ከተማታት ሳን ድየጎ፣ ሳን በርናርዲኖ፣ ሎስ አንጀለስን ከባቢአን ዝርከብ፣ ጨናፍር ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶ፣ ሐደ
ካብቶም ብጽንዓቱን ትረቱን ዝልለ ገዲም ናይ ውድብ ስርርዓት ኮይኑ፣ ሕጂ'ውን ከምቲ ልሙድ ዕዉት ሰሚናሩ አብ ከተማ
ሳን በርናርዲኖ ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2004 ብዓወት ዛዚሙ።
ነዚ
ሰሚናር'ዚ ንምምእካል አባላት መሪሕነት ዝኾኑ፣ ብጾት ተስፋይ ወልደሚካኤልን (ደጊጋ)፣ ሃብተማርያም ክፍለን፣
ተረኺቦም አገዳሲ እዋናውን መድረኻውን ሐበሬታ ውድብን ዞቦናን ብሰፊሕ አቕሪቦም። ብሕጽር ዝበለ አብዚ ዕለት'ዚ
ዝቐረቡ ዓበይትን ኣገደስትን ኣርእስትታት፡-
-
ሐፈሻዊ ኩነታት ሃገርናን ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት አብ ዝግበር ናይ ተቓውሞ ሓይልታት መኸተን ጻዕርታቱን።
-
ውድብ
ተ.ሐ.ኤ. ሰ/ባይቶ አብ ፖለቲካዊ፣ ምጣነ ሃብታዊ፣ ህዝባዊ ጉዳያት፣ ዝተለሞ መደባትን ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆን
አመኻኽታኡን።
-
ደምበ
ተቓውሞን ጉዕዞታቱን ብሐደ ሰሚሩ ብምምራሽ፣ ናይ መጻኢ ቅሱን ኤርትራዊ ሂወት ንምርግጋጽ፣ ክግበር ዝግብኦ
አስተዋጽኦ ንምብርካት ዘኽእል መደባት ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ አካዪዱ።
ብዛዕባ
ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝምልከት፣ ቀዳማይን ርእሲ ኩሉን ጸረ ህዝብን ሃገርን ዓላማታት ሒዙ ዝጉዓዝ ዘሎ ጉጅለ
ህግደፍን ገስረጥ ስርዓቱን ንምምሐዉ ተሪር ቃልሲ ምክያድን፣ አብ ቦታኡ ከአ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዝጠርነፈ፣ እጃሙን
አበርክቶኡን ከአ ብንጹር አሚኑ ዘሳትፍ ትልሚታት ሒዝካ ተግባራዊ ጉዕዞ ምክያድ መሰረታዊ ተደላይነት ከም ዘለዎ
ብትሪ አስሚሩሉ።
ምስ
ጎረባብትና ዝኾና ሃገራት ማዕርነታዊ ሚዛን ሐልዩ፣ አብ ሕድሕድ ምክብባር ዝተሞርኰሰ ሰላማዊ ዝምድና ክህሉ፣ አብ
ጉዳይ ሕድሕድ ጣልቃ ምትእትታው ክሕፈር፣ ኤርትራዊ ብጕዳይ ሃገሩ ዝምልከት ነጻ ፖለቲካዊ ውሳኔ ክቈጻጸር፣ዚብል
ምስ ታሪኹ ተተሐሒዙ ዝመጸ መትከላዊ መርገጻት ህያው ኮይኑ ቀጻሊ ክኸውን ከምዘለዎ አመዝጊቡ። ወላ'ኳ ደገፋትን
ሐገዛትን ካብ ጎረባብትና ምርካብ አገዳስን አድላይን ምዃኑ ርዱእ እንተኾነ፣ እቲ ቀንዲ ወሳንን ዘየማትእን ምንጪ
ሓይሊ፣ሱሩን መሰረቱን ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብዘይቃልዓለም ተመያይጡሉ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘናፍሶ ዘሎ ውግእን ወረ ውግእን፣ ከምኡ'ውን አብ ትሕቲ ሽፋን "አፍ ደገ ባሕሪ" ዝብል አብ
ውሽጢ ኢትዮጵያውያን ዘኹድድ ዘሎ ብሉይን አረጊትን ዝንባሌታት፣ አብ ዞናና ብቐጻሊ ንርግኣትን ሰላምን ዘናውጽ፣
ንኣህዛብ ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት ቅሳነቱ ዘሪጉ ዝህውጽ፣ ጠንቃም ወስታታት ሐዚሉ ዝጉዓዝ፣ ሐደገኛ ማዕበል ምዃኑ
ዘለዎ ስክፍታን ስግኣትን ኣመልኪቱ።
ሰሚናር
ብጉዳይ ሐድነት ደምበ ተቓውሞ አልዒሉ ድሕሪ ምምይያጥ፣ ደምበ ተቓውሞ ብፍላይ ድሕሪ ጥቅምቲ 2002 ዓ.ም. ተረኽቦ
አዲስ አበባ ክሳብ ሕጂ ብዘይቅሳነት ኣብ ቅልውላው ከዚርከብ ገምጊሙ። ደምበ ተቓውሞ ኵሉ ዓቕምታቱን ዓቕምታት
ህዝቡን ጠርኒፉ ዕምሪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ክንዲ ዘሕጽር፣ አንጻር ሕድሕዱ ክጠቓቓዕን፣ ክጸላለምን፣ ኣብ ተጻይ
መደረ ተሸኺሉ ምርአይ ብሐቂ ዘሕዝንን ዘተሐሳስብን ምዃኑ አገንዚቡ። ነዚ አብ ግምት ብምእታው ከአ ውድብና ሐያልን
እሙንን አገልጋሊን መሳርሒ ህዝቢን ንምግባሩ፣ ብኹሉ ሸነኻቱ ክሕይልን፣ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ምስቲ ብተግባር ብሐባር
ክሰርሑ ድሉዋትን ቅሩባትን ዝኾኑ ሓይልታት ተቓውሞ፣ ብዘይ ውዓል ሕደር ሰሚሩ ይኹን ተወሃሂዱ ዝሰርሐሉ መንገዲ
ከጣጥሕ ብትሪ ተላብዩ። ነቲ አብ መንጎኡን አብ መንጎ ተሐኤን፣ ሰልፊ ደሞክራስን፣ ድሒሩ'ውን ፈደራላዊ ሰልፊ
ዝተሐወሶ ናይ ሐባር ምርድዳእ ደገፉ ገሊጹ።
ናይተን
አብ ካስል ሰሚርና ኢለን ዝአወጃ ውድባት ጉዳይ እንተኾይኑ፣ ሓቀይና ስምረት መትከላዊ ዕላማና ስለዝኾነ ብምሉእ ልቢ
እንድግፎ ኣምር እዩ። እንተኾነ ግና እተን ሓሙሽተ ውድባት ብዛዕባ ሐድነትን ስምረትን ዝብል አርእስቲ አልዒለን
ክዝትያን ክላዘባን ከለዋ፣ ብዛዕባ ሂወትናን ህልውን መጻኢ ኵነትን ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ምልዓል ምዃኑ ርዱእ እዩ።
ምኣኡ መንጽር ድማ ናይ ዘትአን መንቀሊ ኮነ ናይ ውሳኔታተን ጭቡጥ መዓልቦኡ፣ ንመላእ ኤርትራዊ ዜጋ እንኮላይ
ፖለቲካዊ መደባቱን ግሉጽ ክኸውን ይግባእ። ከምኡውን እቲ ካልእ ሸነኽ ኩሉ ዝገብሮ ሃገራዊ ጉዳያትን ስምምዓትን
ንዓታተን ብሩህ ክኾነለን ይግባእ ብምባል ተመያይጡ። ጽባሕ አብ ቃልዕ ንዝወጽእ ናይ አተሐባባእ ፖለቲካዊ ጸወታ
ክውገድ'ውን አማሕጺኑ።
ናብ
ውሽጣዊ ውድባዊ ጉዳያት አሰራርሐኡ ብዝምልከት ከአ፡-
-
ክሩዕ
ውድባዊ ኣሰራርሓና መለለዪ ብቕዓትና ስለዝኾነ፣ ጽፈት ስራሐትን ግሉጽነትን ንምንጋስ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ይኹን፣
ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ናይ ስራሕ ምጽብጻብ ክሰፍን።
-
ሐበሬታ አብ እዋኑን ግዜኡን ብቕልጡፍን ስሩዕን ክውሃብ።
-
ንህዝብና ንምልዕዓል ንምብርባርን ጸረ ዲክታቶርያዊ ዕዉት ጎስጋስ ንምክያድ፣ ናይ ባህልን ልምድን ክፍልታት
ክጥጥዕ ዝግባእ አቓልቦ ከአ ክወሃበሉ ተላብዩ።
አብ
መወዳእታ ከአ "ንሕና እንከሎና ኣይጥመዩ ብጾትና!" ዝብል ጭርሖ ብምጭራሕ፡ ነቶም አብ ቅድመ ግንባር
ዝርከቡ ውፉያት ተቓለስቲ ስድራ ቤትን ሕጻውንቲ ደቆምን ክእለይሉ ዝኽእሉ ብልሃታት ኣኸበይና ተመያይጡ። ነብሲ ወከፍ
አባል ውድብ ይኹን ዝኾነ ብሃገሩ ዝግደስ ኤርትራዊ፣ "ንመዐንገሊ ተጋደልቲ" ዝኸውን ካብ ተረፍ ዝገዝአ ሸርፊ አብ
መዓልቲ ሐንቲ ቅርሺ ክድርቢ፣ ተዋህሊሉ ከአ ነቶም ናይ ጽባሕ ዕምባባ ዝኾኑ መናበዪ ክኸውንን አብ ቁም ነገር ከም
ዝውዕልን ተረዳዲኡ። ነዚ ኣብ'ቲ ኣኼባ ዝተረኽባ ደቂ-ኣንስትዮ ከም ፍሉይ ዕማመን ወሲደን ሽማግለ ካብ ባዕለን
መዚዘን። እታ ሽማግለ ምስ ዝምልከቶም እንዳተራኸበት እቲ ገንዘብ አብ መዓልኡ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ንኽትቖጻጸር
ኣኸበይና ምሉእ ሓላፍነት ሃባ። እዚ ቅዱስ ዕላማ'ዚ ኣብ መላእ ጨናፍር ዞባታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክዝውተር
ድማ ኣኸበይና ለበዋኡ ኣሕለፈ።
ጨናፍር
ውድብ መታን ንጥፈታቱ ብሓያልን መሃዝን መንገዲታት ብስሩዕ ከካይድ፣ አብ ከክልተ ወርሒ ብሐባር ሰሚናት እንዳ
ኣካየደ ሃገራዊ ዕማማቱ ከከይድ ውሳኔታቱ አሕሊፉ። ነቲ አብ ፈስቲቫል ሰያትል ዝተወሰነ ናይ ሐደ ሽሕ ቅርሺ ውጽኢት
ገለ ኣባላት ሽዑ ብምልኡ ክኸፍሉ እንከለዉ፣ካልኦት ድማ ብምሉኡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክኸፍሉ ምዃኖም ኣተኣማሚኖም።
ክሳብ ህዝብና ዝቐስንን ዝዓርፍን፣ አብ ዝሃለወ ይሃሉ ዝከአሎ ከበርክትን ክወፍን፣ ዲክታተርነት አብ ኤርትራ ካብ
ሱሩ ተማሕዩ ብምድምሳስ፣ ግሉጽን አብ ማዕርነት ኩሉ ወዲ ሃገር ዝተሞርኮሰ ደሞክራያዊ ምሕደራ ንምርግጋጽ ጸኒዑ
ክቃለስ ምዃኑ ኣኸበይና ቈራጽ ብድሆኡ ኣስምዐ።
ብቓልስናን ጽንዓትናን ክንዕወት ኢና!!
ዓወት
ንናይ ለውጢ ተቓለስቲ፣ ውድቀት ንጸረ ህዝቢ መለኽቲ!!
ጀጋኑ
ስዉአት ኤርትራ ንዘለአለም ይዘከሩ!!
|