![]() |
NHARNET ARTICLES / OPINIONS |
![]() |
|
EDITORIALS: |
|
FOLDERS: |
|
sI} sNV]} lg MXpq ህዝባዊ ረብሓ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ባርነት ኢዩ ጻማና ፍረ ናይ ቅኑዕ ኣተሓሳስባናን ፍረ ቃልስናዩ ፍልልያት ምህላው፡ ሓቢርካ ንምንባር ኰነ ንምስራሕ ዝዕንቅፍ ኣይኰነን ሓድሽ ዓመት፡ ናይ ግልጽነትን ልቦናን ዓመት ንምግባሩ mkM}q KkF 33 Kq U [Lpq | chSk KD: mk AV} Bl} SmkH {eF cgM} cF} KX MH Dm k HF} mkHF fV{q} M mkHa }Mmk] }D mkmkVAM KHK D
|
ንዝኽሪ 18 መስከረም 2001 18. 09.04 ቅድሚ ሕጂ ተዳጋጊሙ ከም እተገልጸ ሓደ ጸቃጢ ስርዓት ዓላማኡ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ እዩ። መሳሪሒኡ ሰራዊት፡ ጸጥታ፡ ማእሰርቲ ፡ ራዕዲ፡ እዩ። ኣነ እየ ብዝያዳ ንናጽነት ዝተዋጋእኩ ኣነ እየ ልዕላውነትን ጸጥታ ሃገር ዝሕሉ ዘለኹ እናበለ ይግዕር። መንግስቲ ኣስመራ ድማ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ባህርያት ብዘይፍለ ኣገባብ ጻዕሮሞት ኣብ ዘለዎሉ ግዜ ሃገርና የማሓድር ኣለኹ ኣናበለ ንህዝብና ረጊጹዎን ቦታ ንስልጣኑ እትሕሉ ክፍሊ ጸጥታ ጅሆ ሒዝዎ ህዝቢ ሓላው ሬሳ ኮይኑ ብሽግርን ጸበባን ይነብር ኣሎ መስከረም 18 ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘቃለዔት ዕለት እያ ባሃልቲ ኢና። እዚ ሽፉን ከም ዑፉን ዝነበረ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንህዝቢ ካብ ገድላዊ ቃልሲ ጀሚሩ ከታልሎ ብምጽናሕ ፡ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ክንተክል ኢና፡ ቃልስና ቃልሲ ውጹዓት እዩ፡ እናበለ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ንህዝብናን ንሰራዊትናን ከታልል ጸኒሑ፡ ኣብ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልስና ኻኣ በቲ ህዝቢ አርትራ ዘራኣዮ ጽንዓት ንገዚፍ ጸላኢኡ ብ 1991 ደምሲሱ ናጽነቱ ዓተረ።ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ ብዙሕ ምስምስ እናምጸኤ ንህዝቢ ከዳናግር ከምዝጸንሔ ካብ ዝኾነ ወዲ ሃገር ኩውል ኣይኮነን ፡ እምበኣርከስ 18 መስከረም ህዝብና ነዚ ገስረጥ ምምሕዳር መንግስቲ አርትራ ኣተኩሩ ውሽጡ ከስተብህለሉ ዝጀመረሉ ዕለት ኮይና ንረኽባ። ንምጥቃስ ን30ዓመት ኣብ ጎኒ ሰራዊትን ህዝብን ተቃሊሶም ኣቃሊሶም ናጽነት ዘምጽኡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ብጂ15 ዝፍለጡ፡ ክንሽምግል ዝበሉ ዓበይቲ ዓዲ፡ ኣናቃቃሕትን ሓበርትን ንህዝቢ ጋዘጠኛታት፡ ወከልቲ ሓለፍቲ ተማሃሮ ላዕለዎት ደረጃ ወ.ዘ. ጽቡቅ ዕላማ ሃገር ተጠምዚዙ እናረኤዩን ሕግን ስርዓትን ጠፊኡ ህዝቢ ኣናተበደለ ስቅ ኢሎም ክሪኡ ሕልኖም ስለ ዘየፍቀደሎም ተቃውሞኦም ኣስምዑ። መንግስቲ ኤርትራ ሓቂ ንምንታይ ትዛረቡ ኢሉ ኣብ ቀይዲ ዳጎኖም። ሃገርና ኻኣ ኣብ ገሃነም ጸልማት ኣተወት። ካብዚ ተበጊሱ ቀደሙኒ ብዝብል ኣምር ሒዙ ንምጽናት ተዋፈረ፡ ንዝሓንጠጦ ዕላማ ሕግን ፍትሕን ምድምሳስ ፡ ኣፉን ዝኸፈተ ሪኢትኡን ዝሃበን ምቅፋድ ኮነ። ካብዚ ተበጊሱ ህዝብና ንስደት ኣምረሔ ፈቀዶ ምድርበዳን ኣብ ውቅያኑስ ግዳይ ኮነ። በዚ ዕለት ኣዚ ክንጠቅሶ ንደሊ ኣካል መንግስቲ ዝኾኑ ኣሱራት ትራይ ምጥቃስ ዘይኮነ፡ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልስና ሒዞም ናጽነት ከይረኤዩ ኣብ ኣስርቤት ዝመቱ፡ ዘለው ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሂዎቶም ዝበለዩ ማእለያ የብሎምን፡ ስለ ዝኮነ ብኹሎም እሱራት ሕቶ ከነልዕል ብመሰል ህዝብና ክንቃለስ ዝጎሳጎሰትና ዕለት ስለ ዝኾነት ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዋ ሕጂውን ዓው ኢልና ንኣለም ኣብዮቱታና ነቀርብ። ማዕበል ሞት ከቢድዎ ዘሎ ህዝብና ውሽጡ ከም ጋህን ይነድድ ስለ ዘሎ ሓደ መዓልቲ ዝባላዕ ሓዊ ክተፍእ እዩ እሞ ስልጣኑ ባዕሉ ክጭብጥ እዩ።
ዝለዓለ ክብሪ ንሰማእታትና ሰላም ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብና ኤርትራዊ ማሕበር ንዘተን ልዝብን ባደንቩተርምበርግ DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents. Send your articles/opinions to: webmaster@nharnet.com |
BORDER RELATED |