|
ሞት፡ ፍቕርቲ ሓብትናን ጽንዕቲ ናይ ቃልሲ መሓዛናን
ኣድሓነት ዓንዱ
ኣድሓነት ዓንዱ ብዝያዳ እትልለየሉን
ልሙድን መጸዉዒ ስማ ብ “ጓል-ዓንዱ” እዩ ዝነበረ። ጓል-ዓንዱ እምበኣር ካብ ኣቦኣ ኣቶ ዓንዱ ባዱራይ ከምኡ’ዉን
ኣዲኣ ወ/ሮ ለተኺዳን ጋብር፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ብዕለት 22-10-1954
ተወሊዳ። ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ኣሕዋታን ኣሓታን በቲ ምዉቕ ግዳ ኸኣ ምቕሉላት ስድራ-ቤታ እንዳ ተኸብከበት ክትዓቢ
ዝተጠርየ ልቦና፡ ትዕግስትን ጽሮትን ከም
ቀንዲ ናይ መንነታ ባህርይ ካብ ኩሉ ክብ ዘብላ ናይ ተፈጥሮኣ ምልክታት ኮይኖም ቀጺሎም’ዮም። ጓል-ዓንዱ ኣብ
ኣቑርደት ከምኡ’ዉን ኣብ ኣስመራ ትምህርታ ድሕሪ ምክንዋን ኣብ ንኡስ ዕድሜኣ፡ ከምቶም ኩሎም መንእሰያት
ኤርትራዉያን፡ ንምእንቲ ሃገራዊ ክብሪ፡ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ፡ ኣብ 1974
ዓ.ም. ተጸንበረት።
ኣፍልጦ፡ ተራን ግደን ደቂ-ኣንስትዮ
ኣብ ሕብረተ-ሰብና ክሳብ ክንዲ’ቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፤ ኣብ 1974
ኣብ ትሕቲ ጽላል ተ.ሓ.ኤ. ዝተመስረተት ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ገባርና ኮነ ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ሓርነት
ንምልላያ ዝጓነፍ ዝነበረ ጸገማት - ጓል-ዓንዱ ምስተን ኩለን ጽኑዓት ናይ ቃልሲ ብጾታ፡ ብመሪሕነት ደረጃ
ዘበርከተቶ ግደ ኣብ ቅድሚ ኹሉ ተቓላሳይ ህዝብና ብተግባር ኣመስኪራቶ እያ።
ስማ፡
ኣብ ምንቅስቃስ ታሪኽ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ነባሪ ዝኽሪ ከም ዝህልዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ጓል-ዓንዱ ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ጸገማት
ዘድሃበ ኣትክሮ ጥራሕ ዘይኮነትስ ንቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮና ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰባት ክህልዋ ዝኽእልን ዝግባእን
ዝምድናታት ንምስፋሕ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ኣማዕዳዊ ራኢ ዝነበረን ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ እያ ነይራ።
“ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘይተኽብር ኤርትራ፡ ምልእቲ ኤርትራ ክንብላ
ኣይንኽእልን” ዝብል ጭርሖ ብተደጋጋሚ
ካብተን እተልዕለን ዝነበረት ጭርሖታታ እያ።
ናይ ምርዳእን ኩነታት ኣብ ምግምጋምን
ዝነበራ ዓቕሚ፡ ኣብ መንጎ ክሊ ላዕለዎት ካድራት ዉድባት ኣድናቖት ዘትረፈት ክነሳ ንጽሁን ንጹርን ፖሊቲካዊ ራኢኣ
ኣላዩ ተራ ንኽትጻወት የኽእላ ነይሩ። ሃብቲ ሹዱሽተ ዝተፈላለያ ቛንቛታት ናይ ምዝራብ ክእለት ስለ ዝነበራ፡
ጓል-ዓንዱ ምስ ገባር፡ ተራ ተጋደልቲ፡ ላዕለዎት ካድራትን መራሕትን ኮኑ ወጻእተኛታት ናይ ምዝማድን ምዝርራባትን
ድኽነት ኣይነበራን። ኣብ ግዜ ተረኽቦታት ምፍንጫል ሸነኸይ ሸነኽካ ከይበለት፡ ንናይ ብሓባር ተላፊንካ ምቅላስ ሜላ
ኣድሚቓ ትቃለሰሉ ምንባራ ብሩህ ነይሩ። እዚ ዝሕብረና ኸኣ፡ መድረኽ ብዝፈጥሮ ጽዑቕ ድርኺታት፡ ዝርካቡ ሓይልታት
ተቓዉሞ ተላፊኑ ንሃገራዊ ጉዳያት ቅድምያ ከም ዝህብ ኣማዕዲያቶ ከም ዝነበረት’ዩ።
ሕልሚ’ሎኒ፡
ኩሉ ግዜ ደጋጊማ ሕልሚ’ሎኒ እናበለት፡ “ኤርትራ
ንህዝባ ብማዕረን ብዘይ ኣፈላላይን ኣኪባ እተእንግድ ሃገር ክትከዉን እያ” ትብል ነይራ።
እዚ ዴሞክራስያዊ እምነት’ዚ ከም መሰረት ናይ መቃለሲኣ ኩርናዕ ወሲዳ ትጎዓዝ ስለ ዝነበረት ኣብ እዋን ዝተኻኽኡ
ተረርቲ መድረኻት ናይ ምድንጋር ኮነ ዘይዕግበት ምልክት ኣርእያ ኣይትፈልጥን። ምስ ተጋደልቲ ብጾታ ዝነበራ ናይ
ቃልሲ ዝምድና፡ ኩሉ ብርህራሄ፡ ብሓልዮት፡ ብልግሲ ዝተሰነየ ወትሩ ንመርሓባ ዝተዘርግሓ ኣእዳዉ ምንባረን፡ ብቐረባ
እንፈልጣ ንምስክሮ ሓቂ’ዩ።
ኣብ ሃገር ፈረንሳ ምስ ኣተወት፡
ናብራኣ ንምክያድ ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተጸሚዳ ክነሳ፣ ሃገራዊ ተራኣን ግዴኣን ብዝተፈላለየ መንገድታት ከተበርክት
ጸኒሓ። ንህሱይ፡ ጭኑቕ፡ ብሕቱዉ ሓገዝ ካብ ምሃብ ከኣ ተቖጢባ ኣይትፈልጥን። በዚ መሰረት ከኣ ብዙሕ ሕዉነትን
ዝምድናታትን ምስ ኤርትራዉያን ኮነ ወጻእተኛታት ፈጢራ ደስ ዘብል ህይወት ትመርሕ ነይራ። ለዋህ ኣደ (ጓል-ዓንዱ)
ንመንነታ ግዙፍ ካብ ዝገብሩዎ ልዉህነታን ቦቕባቕ ባህርያታን፡ ድሮ ንብዙሓት ኣብነት ኮይና ኣላ።
ኣብ ዝሓለፋ ቁሩብ ዓመታት ግን፡
ብተደጋጋሚ ባህርያዊ ሕማማት ክትጥቃዕ ከም ዝጸንሔት ክንከታተል ጸኒሕና። ክብድ ዝበለ ኣብ ኤእዋኑ ንዝግበረላ
ዝነበረ ሕክምናታት ብተባዕ ጽሮትን ናይ ቃልሲ ሕልናን ኣላሽ ከይበለት፡ ንስዕረት ኢዳ ክትህብ ኣይደለየትን። ክሳብ
ሕጂ ብህይወታ ካብ ዘጽንሑዋ ምኽንያታት፡ ንህይወታ ክብሪ ትህባ ስለ ዝነበረትን፡ ናይ ምንባር ድልየታ ኸኣ ሓያል
ብምንባሩን’ዩ። ኣብ ዕለት 7-04-2005
ክብደት ሕማማ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ ምስቶም ቅድሚኣ ዝሐለፉ ጀጋኑ ስዉኣትና ፡ መቐጸልታ ድምር ቁጽሪ
ንምዃን፡ እነሆ ብሞት ተፈልያ። ከቶ ግን፡ ብኣካል ደኣ’ምበር ብመንፈስ ናይ ቃልሲ ዝምድናስ ኣይረሓቐትን።
ብቕኑዕ ሕልናን ሓላፍነታዊ ኣደነትን፡ ካብ ጎድኒ መንእሰይ ዉላዳ፡ ኣዳል ተስፋይ፡ ንኸይትርሕቕ ብማለት፡
ጓል-ዓንዱ ኣብ ሀገረ ፈረንሳ፡ ከተማ ፖሪስ ሓመድ ኣዳም ክትለብስ ድልየታ ምዃኑ ሓቢራ ነይራ እያ።
ንመላእ ስድራ ቤት መዋቲት ሓብትና፡ ኣድሓነት ዓንዱ፡ ጽንዓት ይሃብኩም እንዳበልና፡ ሓዘና ንገልጽ።
ካብ
ናይ ቃልሲ ብጾታ
|