|
መልሲ
ንዘይ
ግዱሳት ኣባላት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ!
ግዝያዊት
ሽማግለ ኤ.ደ.ኪ. ኣብ ጀርመን
ነቲ
ብዕለት 21.04.05 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣዳል61 ኮምን ኤርትራና ኮምን እቶም ናይ ትማሊ ዕንቅፋት ምሕዝነት
ዝነበሩ ሎሚውን ዕንቅፋት ኪዳን ካብ ምዃን ድሕር ኣይብሉን ብዝብል ኣርእስቲ ኣልዒሎም ዝጸሓፍዎ ሓተታ መሰረት
ብምግባር ግዝያዊ ሽማግለ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ጀርመን እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ንኹሉ ብኺዳን ዝሕለቅን
ዝግደስን ሃገራዊ የተሓላልፍ።
1.
ነቲ ኣብ ፍራንክፍርት ብዒሉ ዝነበረ ናይ ቶጎርባን ሾመንተ መጋቢትን ከምኡውን ናይ ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ.
ዘብዓሎ ብኣገባብ ምርድዳእን ምልዛብን ከምዝነብረን ቅድሚ እቲ ኪዳን ምቛሙ ምዃኑ።
2.
ብድሕሪ ኪዳን ምቛሙ ብተብግሶ ግዱሳት ሃገራውያንን ሲፊክስ ማሕበርን ካብ ነፍሲ-ወከፍ ውድብ ክልተ
ኣባላት ወከልቲ ከቅርባ ብምግባር ነቲ ዝምጽእ ህዝባዊ ብዓል ነጻነት ሓቢረን ንኸብዕሎኦ ኣብ ምዝታይን ምርድዳእን
ይርከባ።
3.
ነቲ ኣብ ቱቢንገን ንዕለት 28.05.05 በዓል ነጻነት ኤርትራ ብተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ. ተምዲቡ ዘሎ በዓል
እንተኾነውን ምስታ ግ/ሽማግለ ኪዳን ብምርድዳእ ዝኾነ ደኣምበር ኣብ ፍራንክፎርት ንዕለት 28.05.05 ሓቢርካ ናይ
ምብዓል ተቓውሞ ከምዘይነበሮምን ኣባላት እቲ ኪዳን ምዃኖምን። ስለዚ ነቲ መሰረት ዘይብሉ ጽሑፍ ንተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ.
ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ደ/ኪዳንውን ዝወቕዕ ምዃኑ ከነፍልጥ ንፈቱ።
ወልቃዊ
ድሌትካ ንምርዋይ ዘይከነስ ህዝባዊን ሃገራውን ሓላፍነት ምሕሳብ ዝመስልዎ የለን።
ግ/ሽማግለ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ ጀርመን
|