|
ፍትሕን
ሰላምን ዝሰኣነት ኤርትራ
ካብ ሃብተማርያም ሚካኤል (ደጎል)
1 ሚያዝያ 2005
ክቡራት ኣንበብቲ ኤርትራ ሃገርና እቲ
ዝገደደን ዝኽፍኤን እዋን ፍትሕን ሰላምን ዝሰኣነትሉ ግዜ ኣብዚ ናይ ህግደፍ እዋን ምዃኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ
እዩ፡፡ ስለምንታይ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ሲኢና ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ቀጺለ ክገልጾ ደስ ይብለኒ፡፡ ብመጀመርያ
ሓጻር ግጥሚ ከም መእተዊ ጌረ ኣስዒበ ድማ ዋዛ ምስ ቁምነገር ብዛዕባ ኣቶ እሰያስን ጃንድኡን ክገልጽ እየ፡፡
ኣከታቲለ እውን ዋዛ ምስቁምነገር ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባትን ፍልልየንን ብምግላጽ ኣብ መደምደምታ ከኣ ለበዋ ብግጥሚ
መልክዕ ጌረ ክድምድሞ እየ፡፡ ንግዱሳት ኣንበብቲ ከኣ ከመስግን እፈቱ፡፡
ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ - ካብ ባዕዲ
ክወጽእ ሓራ
ብሓደ መስከረም 1961 - ብረት ዓጢቑ
ጀሚሩ ሰውራ
ብወርሒ ግንቦት 1991 - ኣበሲሩ
ናጽነት ኤርትራ
እንተኾን ግን ከዳዕተኛ ወዲ
ሃገር - ንዓወት ህዝቢ ብዓመጽ ጨውዩ
ሃገራዊ ናጽነት ንውልቁ ወኒኑ
- ካብ ህዝቢ መንዚዑ ብሓይሊ ጠውዩ
ንክቡር ደም ህዝቢ ኤርትራ -
መናገዲ ገበሮ ከም ድላዩ
መንእሰያትና ተጨፍሊቖም - ስለ ዝሓተቱ
ጉዳይ ሃገሮም
ስንኩላትና ተቀንጺሎም - ስለ ዝሓተቱ
ንመሰሎም
ደቀንስትዮና ክብረተን ሲኢነን -
ንጃንዳ እሰያስ መጻወቲኦም
እሰያሱ ኣራዊት ወዲ ሃገር -
ደም ሰብ ጥራሕ ዝቀለቡ
ኤርትራውያን ንኽሃልቁ -
ምስ ጐረባብቲ ውግእ ፈጢሩ ኣሳቢቡ
ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ -
ንኸይስማዕ ዓቢጡ ደባዲቡ
ኤርትራ ትምዝግቦ ኣላ - ናይ ህዝብና
መሪር ቃልሲ
ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ - ሕሰመ-መከራ
ዘይተረኽቦ ፈውሲ
ሓርነታዊ ቃልስና ግን - ሒዙ ኣሎ
ዲሞክራስያዊ ጥንሲ
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
- ንኽፈጥር ዲሞክራስያዊ ስርዓት
ብናይ ሰፊሕ ህዝቢ ማዕበል -
እሰያሱ ትኣኽለካ ኣላ ሰዓት
ንዲክታቶር እሰያስ ዕለት-ሞቱ
- ንህዝብና ከኣ ናይ ሓርነት ብስራት
ዋዛ ምስ
ቁምነገር ብዛዕባ እሰያስን ጃንድኡን
ኤርትራ ሃገርና ስለምንታይ እያ ፍትሕን
ሰላምን ዝሰኣነት? መልሲ እዚ ዝስዕብ ከም ዋዛ ምስ ቁም ኮይኑ ይግለጽ፡፡ ሃገርና ሃገር ተቓለስቲ እኳ
እንትነበረትን እንተሃለወትን ብህግደፍ ዝጽዋዕ ኣረመንዊ ናይ ሽፍታ ስርዓት ስልጣን ንምብሓት ኩሉ ዓቕምታት
ኤርትራውያን ጨፍሊቑ ከም ጨካን ኣራዊት እንዳ ቀተለን ደም ሰብ እንዳ ተቐለበን ንሃገር የማስና ስለዘሎ እዩ፡፡
ኣብ ናይ እሰያስ ሕቡእ
መዝገብ ተጻሒፉ ከምዝተረኽበ ኣቶ እሰያስ ብተግባሩ መጸውዒ ስሙ እሰያስ ዘይኮነስ “ ኣባ ደም ቀለቡ ወዲ ሓኔታ
ጨፍጭፍ “ እዩ ዝበሃል፡፡ ጃንዳ እሰያስ ከኣ ናይ ሓባር መጸውዒኦም “ ኣዛብእ ውሻጠ “ እዮም ዝበሃሉ፡፡ ኣባ
ደም ቀለቡ ምስ ጃንድኡ ኣዛብእ ውሻጠ ብዛዕባ ህዝቢ ወኒንካ ምግዛእን ምጭቛንን ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ዝገበርዎ ኣኼባ
ንዓታቶም ዘገልግል ብናታቶም ስውር ቋንቋ (ኮድ) ዝተጻሕፈ መትከላት ሓንጺጾም ከም ናይ ውሻጠ ቅዋም ኮይኑ
ከገልግሎም ተሰማሚዖም፡፡ ትሕዝቶ ናይዚ ስውር ቋንቋ ብረቂቕ መጽናዕቲ ገለ ክፋል ናቱ ስለዝተረኽበ ዝርዝሩ እንሆ፡፡
1-
ብኣሻዅ
ሓጹር ምሕጻር ዝብል
ቍጽሪ ኮድ “00434.00” ትርጉሙ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ተኣዛዝን ዝተባህሎ ጥራሕ ገባርን ንኽኸውን ምግዳድ፡፡ ካብዚ
ሓጹር እንተ ወጺኡ ገበነኛ ተባሂሉ ኣረመናዊ ስጉምቲ ይውሰደሉ፡፡
2-
ንሓሶት ናብ
ሓቂ ቀይርካ ምትግባር
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “42245.00”
ሓሶት ንመንግስቲ ዘገልግል እንትኮይኑ ከም ሓቂ ተተርጒሙ ክግለጽን መዔወቲ እስትራተጂ ክውሰድን፡፡
3-
ብህዝቢ
ዝተጸልኡ ዘጋታት ኣሰልጢንካ መራሕቲ ምግባር
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “45464.10” ከም
ሰረቕቲ ሓሰውቲ መባኤስቲ ጠበብቲ ወዘተ ዝኣመሰሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላፍነት ተዋሂብዎም ንህዝቢ ሕድሕዱ ከባእሱን
ክጐዛዝዩን ምስልጣን፡፡
4-
ናይ ዓበይቲ
ሃብታማት ናይ ስለላ መሳርሒ ምዃን
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “24523.43”
እሰያስ ናይ ዓበይቲ ርእሰማላውያን ሃገራት መሳርሒ ስለላ ክቍጸርን ገንዘብ ክድልብን ስልጣኑ ኣደልዲሉ ኣብ ርእሲ
ጐረባብቲ ጸብለል ክብልን፡፡
5-
ስልጣን
መንግስቲ ንምክልካል ዝውፈዩ ዜጋታት ምስልጣን
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “45644.50”
ንእሰያስ ከም ኣምላኽ ዘምልኹ መብዛሕትኦም መሃይምነት ዘየጥፍኡ ስልጣን ተዋሂብዎም ምእንቲ እሰያስ ጥራሕ ከም
ዝነብሩ ምግባር፡፡
6-
ተጠቐመሎም
ጸልጽሎም ኣደስክሎም እሰሮም ቅተሎም
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “65644.00”
ንዝኾነ ኣገዳሲ ዜጋ ሰራሕተኛ ኣካል ህዝቢ ይኹን ኣካል ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ኣብ ግዳም ኣብ ዘፍርየሉ ግዜ
ተጠቒምካ ኣገግሎቱ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ምስኮነከኣ ናይ ምቕጻል ዕድሚኡ ከምዝሓጽር ምግባር፡፡
7-
ንኣዘዝቲ
ሰራዊት ዝለዓለ ደሞዝን ስልጣንን ምሃብ
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “54445.10”
ኣዘዝቲ ሰራዊት ናይ መንግስቲ እሙናት ኣገልገልቲ ምእንቲ ክኾኑ ብጠቕምን ሽመትን ሒዝካ ንሰፊሕ ሓይሊ ሰራዊት
ብትእዛዝ ቀይዶምን ጐዛዝዮምን ከምዝሕዝዎም ሓላፍነት ምሃብ፡፡
8-
መሰለይ
ርእይቶይ ብዝብል ምስምስ ዝኾነ ምንቅስቃስ ምውጋድ
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “44443.64” ጸረ
መንግስቲ ንዝግበር ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ወጊድካ ንሓፋሽ ብራዕዲ ከምዝነብርን ብመራሕቲ ዝተዋህበካ መዝሙር
እንተዘይኮይኑ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብ ምውጋድ፡፡
9-
ብቐረጽን
ብመቕጻዕትን ብክብሪ ዕዳጋን ንህዝቢ ብጥሜትን ድኽነትን ከምዝትሓዝ ምግባር
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “57444.56”
ድራር ዕለት ዘይረኸበ ምስክር ስለዘይብቅዕ ሞራሉ ኣውዲቑ ንጉዳይ ሃገር ስለዘይሓስብ ንህዝቢ ብጥሜት ንኽትሓዝ ከም
እስትራተጂ ምውሳድ፡፡
10-
ብሽመት
ብወገን ብሃይማኖት ብኣውራጃ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት ዝምድናታቱ ከም ዝባተኽ ምግባር
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “44653.35”
ጐዛዚኻ ብምግዛእ ንህዝቢ በቢሕማሙን ስሚዒቱን እንዳፈላለኻ ተጠቐመሉ፡፡
11- ንምሁራት ብጨጓር ዳንጋ
ንለባማት ብዓያሹ ንእሙናት ብሰረቕቲ ንሓቀኛታት
ብሓሰውቲ ከምዝምርሑ ምግባር
ዝብል ቍጽሪ ኮድ “54354.56”
ንምዕቡላት እንዳኣቋናጸብካ ንድሑራትን ዕዋላታትን ላዕሊ እንዳሰቐልካ ኣብ ውሽጢ ህዝብን ሰራዊትን ጽልእን ቂምን
በቐልን ከምዝምዕብል ብምግባር ንረብሓ ስልጣንካ ምሕላው፡፡
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ንምሕንጻጽን
ንምትግባርን ተሳተፍቲ ኣኼባ ካብ ዝነበሩ ኣስማቶም ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
1-ኣቦ ወንበር ኣባ ደም ቀለቡ ሓኔታ
ጨፍጭፍ 2- ብላታ ሃንጎሊማ ባዶ ልቡ 3- ኣቶ ዊሒጣ ኣባ ከብዱ 4- ከንቲባ በላዕ ሰብ ቀርኒ ሰይጣን 5-
ፊተውራሪ ዓጢነ ሓሶት ምህርቱ 6- ሽሕ ሓለቓ ኣስዓንደ መንሽሮ ህዝቢ 7- ጀነራል በጋሚዶ ዘራጊቶ 8- ኣቶ
ቦዞኔ መሳደዲ 9- ደገዝማቲ ገበተ መራሕ ጥሜት 10- ሃለቃ በዀዅታ ዑረት ዓይኒ 11- ወይዘሮ ቅንዝርዛሮ
መሽረፊቶ
በዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ኣስማቶም
እውን ከም ዝሕብሮ ምስ ኩሉ ተግብሮምን መትከሎምን ካብ ሱሩ ተበርቚቑ`ከይጠፍኤ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ይርከብ
ማለት ከም ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ምጽባይ ስለዝኾነ ከነስተውዕልን ክንሰምርን እዋን ዝሓተና ዘሎ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ
ውጹዕ ህዝቢ ከነድሕኖ ዘእውየልና ዘሎ ጉዳይ እዩ፡፡ ሃገርና ኤርትራ ከኣ ስለምንታይ ፍትሕን ሰላምን ሓርቢትዋ
ንዝብል ሕቶ ስለዝተመለሰ ንሕና ከኣ በጃ ህዝቢ ክንከውን እምበር ናይ ጨቋኒ ስርዓት ተግባራት ከይንደግሞ ምሕጽንታይ
ኣመሓላልፍ፡፡
ካልኣይ
ዋዛ ምስ ቁምነገር ብዛዕባ ተቓወምቲ ውድባትን ፍልልየንን
ሽግር ህዝብና ብሩህ ኰይኑ እንከብቅዕ
ናይ ተቓወምቲ ውድባት ዘይምስምማዕን ዘይምርድዳእን ሓደ ካብቲ ጠንቅታት እዩ፡፡ ዘየሰማምዕን ዘየረዳድእን ኣገዳሲ
ጉዳይ ከኣ በቲ ቀዳማይ ሸነኽ “ንህዝበይ” ዝብል መርገጽ ክህሉ እንከሎ በቲ ካላይ ሸነኽ ከኣ “ንውልቀይ” ዝብል
መርገጽ ስለዘሎ እዩ፡፡ ስለዚ ብጻይ ንህዝበይን ኣቶ ንውልቀይን ዝውክልዎ ሓሳብን መርገጽን ከምዚ ዝስዕብ ኰይኑ
ይርኤ፡፡
ቀዳማይ
= ብጻይ ንህዝበይ ትምህርቱ ኣብ ደንበ ዲሞክራሲ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ስርዓት ዲሞክራስን ዲሞክራስያዊ መሰላት ናይ
ህዝብን ኣጽኒዑ፡፡ ዕላማ ብጻይ ንህዝበይ ዝኾነ ናይ ህዝቢ ሽግር ብልዝብ ምፍታሕን ብስነኣእምራዊ ዕግበት ናይ ህዝቢ
ሓድነቱን ማዕርነቱን ዲሞክራስያዊ ሓርነቱን ከረጋግጽን ስልጣኑ ህዝቢ ባዕሉ ወኒኑ ክነብርን እዩ፡፡ ብጻይ ንህዝበይ
ምእንቲ ውጹዕ ህዝቡ ምስ ብጾቱ ኣባላት በጃ ህዝቢ ኣብ ዝገበርዎ ኣኼባ ንሕና መስዋእቲ ህዝብና ኣብ ዝብል
መደምደምታ ተሰማምዖም ከምዝወጹ ይፍለጥ፡፡ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ከኣ ዝርዝር ኣስማቶም ገለ ካብኡ እንሆ፡፡
1-
ኣቦ ወንበር ብጻይ ንህዝበይ ዕቤት ሃገር 2- ብጻይ ተበጃዊ ክንዲ ህዝቡ 3- ብጻይ ጸዋር ሽግር
መስተውዓሊ 4- ብጻይ መስተርሆት ሓርነት ህዝቢ 5- ብጻይ ጻዕዳ ልቡ ደስታ ልቢ 6- ብጻይ ሃገር ትቐድም
ብስራት ዓወት 7- ብጻይ መዝሙር ሓፋሽ ጥዑም ድምጺ 8- ብጻይ ፈታው ቃልሲ ወኪል ህዝቢ 9- ብጻይ ሓቂ በትሩ
ንጹሕ መንፈስ 10- ብጻይ ኣገልጋሊ ተሪር መርገጽ 11- ብጸይቲ ወጋሕታ ብሩህ ዘበን
እዞም ዝጠቐስናዮም ኣባላት በጃ ህዝቢ
ምእንቲ ህዝቦም ዝብጀዉ ከም ምዃኖም መጠን ናይ ህዝብና ሓርነታዊ ዓወታት ምእንቲ ክረጋገጽ ኩላትና ንዉጹዕ ህዝብና
ወኪልና ምስ ኣባላት በጃ ህዝቢ ኰንና ተወፋይነትና ብተግባር ከነረጋግጽ የድሊ፡፡
ካልኣይ
= ኣቶ ንውልቀይ ምስ ሰዓብቱ ጕጅለ ኣንበጣ ህዝቢ ዝተባህሉ ብዛዕባ ኣነን ጠቕመይን ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ዝገበርዎ
ኣኼባ “ንዓይ ጥራሕ ይጥዓመኒ” ዝብል ናይ ድሕሪ መጋረጃ መትከል ሓንጺጾም ከምዝወጹ ይንገር፡፡ እስማት ናይዞም
ተሳተፍቲ ኣኼባ ገለ ካባታቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፡፡
1-
ኣቦ ወንበር ከንቲባ ንውልቀይ ገባት ኩሉ 2- ደገዝማቲ ንብሕቱ ስልጣን በይኑ 3- ሸቃ ዓለቕቲ
ሓኒቕዎም 4- ባሻይ ኣስሓይታ ቀዚፍዎም 5- በረንበራስ ኣምዔ በርቢርዎም 6- ኣቶ ሓሬጣ ኣድኽይዎም 7-
መርጌታ መሓፍስቲ ቅርጸት ከብዲ 8- ኣቶ መንድዓት ኣሰንከሎም 9 ብላታ ዕግርግር ኣፍሽልዎም 10- መምህር ማይ
ብሑቝ ቀሪጽዎም 11- ወይዘሮ ውቃቤ ዕጣን ቤቶም
እዞም ዝተሰምዩ ኣባላት ጕጅለ ኣንበጣ
ህዝቢ ናይ ጠቕሞም ጥራሕ ወከልቲ ስለዝኾኑ ውጹዕ ህዝቢ ከስተውዕልን ወካሊኡ ከለልን ንቕሓቱ ከማዕብል ኣገዳሲ
ረ`ቛሒ እዩ፡፡ ሓጺር ታሪኽ ናይ ከንቲባ ንውልቀይ ትምህርቱ ኣብ ደብ ምድሕርሓር ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ድሑር ሙዚቃ
ኣጽኒዑ፡፡ ዕላማኡ ኣብ ስነኣእምሮ ህዝቢ ፈላላዪ ዝኾነ ሕማም ናይ ስነኣእምራዊ ዓበቕ ምዝርጋሕ እዩ፡፡ እዚ ከኣ
ዓሌታውን ወገናውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ብሄራውን ስሚዒታት ኣለዓዒልካ ውልቃዊ ስልጣንካ ምርግጋጽ ዝብል ድሑር
ደርፍታት እዩ፡፡ ስልዚ ከንቲባ ንውልቀይ ብድሑር መርገጹን ዕላማኡን ምስ ሰዓብቱ ጕጅለ ኣንበጣ ህዝቢ ክፈሽሉን
ክሓፍሩን ምዃኖም ከኣ ይፍለጥ፡፡
ለበዋ
ብጻይ ንህዝበይ - ንሓፋሽ ሓላዪ
ምእንቲ ዲሞክራሲ - ኣበርቲዑ ዓያዪ
በጃ ህዝቡ - መስዋእቲ ደላዪ
ከንቲባ ንውልቀይ -
ንሓፋሽ ተጸራሪ
ጸረ ዲሞክራሲ -
ንምብታን ተዋፋሪ
ብስም ሓፋሽ -
ንጠቕሙ መዳሪ
ዘይምስትውዓል - ካብ ምዕዋር ይገድድ
ከንቲባ ንውልቀይ - ስልጣን ደልዩ
ከዕበድብድ
ሕጊ ኣፍሪሱ - ንበይኑ ከዅድድ
ብጻይ ንህዝበይ -
ኣብ ሕጊ ተመርኲሱ
ብትዕግስቲ ጸይሩ -
ስኑ ነኺሱ
ህዝቢ ንምድሓን -
ይቃለስ ኣሎ ተዓጊሱ
ስማዕ ኣስተውዕል - ከንቲባ ንውልቀይ
ኣይትጥለም ንሓውካ - ብጻይ ንህዝበይ
ህዝቢ ከኽብረካ - ኣይትበል ንበይነይ
ኣባ ደም ቀለቡ -
የጕርዕ ኣሎ ንኽውሕጠኩም
ሕበሩ ስመሩ -
ንምድሓን ህዝብኹም
ኣብ ተግባር
ኣውዕልዎ - ዲሞክራስያዊ ኪዳንኩም
ብስርዓት ዲሞክራሲ
- ትረኽቡ ወይ ትስእኑ ስልጣንኩም
የቐንየለይ - እዚ
ወደሓንኩም!!
|