|
ሃይማኖት ምስ
ፖሎቲኣውን ሃገራዊን ምሕደራ እንተተሻሪኹን ተላፊኑን፤ ንማሕበራውን ቁጠባዊን ሰብአዊ መሰልን ምዕባሌ ሃገር
ንድሕሪት ጎቲቱ
ሕንፍሽፍሽን ምልክን እዩ ዘንግስ።
ዝለዓለ ሐበን፣ ኤርትራ ብቃልስን
መስዋእትን ዜጋታታ ነጻ ዝወጸት ሃገር ክትከውን ምብቃዓ እዩ። ስለዚ ድማ ጀጋኑ ስውአትና ኩሉ ግዜ ብኽብሪ ብምዝካር
ሰማእታቶም ነክብር።
ሃገርና ኤርትራ ነጻ ወጺአ እቲ ዝቆመ
መንግስቲ ሐፋሽ ህዝቢ አሳቲፉ ብፍትሒ ዘነባብር ብሃገራዊ ቅዋም ዝምራሕ መንግሰቲ ክሰርሕ ኣይከአለን። ሃገርና
ኤርትራ አብ ትሕቲ ምልኪ እቲ ናይ መጀመሪያ መንግስቲ ዝትኸለ ሐይሊ ህግዲፍ ኮይና ዜጋታታ ኣብ ሃገሮም ቆሪሮም
ሃገር ናብ ዝኸፈኣ ሃለዋት ትሳጢሐ ትርከብ። ስለዚ ከአ ንዲሞክራስያ ንፍትሕን ሰብአዊ መሰልን ዝቃልሱ ውድባትን
ውልቀስባትን ክህልው ግድነት ይኾውን።
እቲ ድሕሪ ሰማንያታት ብፍላይ
እናተጫሐጭሐ ዝፈረያ ፖሎቲካውያን ውድባት ፣ በበይነን ኮይነን ክቃለሳ አድማዊ ስለ ዘይኮነ ነቲ ፋሕፋሕ ዝበለ
ሃለዋት ንምጥርናፍን ብሓባር ኮንካ ኣንጻል ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንምቅላስ ብዝተሐተ ፕሮግራም ዝምራሕ ምሕዝነት
ሃገራዊ ሐይለታት ኤርትራ አቖማ። እንተኮነ ግና እቲ ዝቆመ ምሕዝነት ብሩህ ዝኮነ ናይ ጽባሕ ኤርትራ እትምርሐሉ
ኣገባብ ሐያልነት ናይ ብዙሕነትና ምርኡይ ኣብ ክንዲ ምግባር ድኹምነት ብዙሕነትና ቅድምያ ብምስራዑ፣ ሃይማኖት ካብ
ፖሎቲካዊ ምሕደራ ብዘይ ምፍላዩ ፣ ጉልጽነትን ሕቶ ተሐታትነትን ዝርኣየሉ ኣገባብ ብዘይምውናን እቲ ዝቆመ ምሕዝነት
አድማዒ ስራሐት ክሰርሕ ኣይከአለን።
ካብዚ ተመኽሮ ተበጊስና ከአ ሃይማኖታዊ
ውድባት ኣብ ዝካይድ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ተርኡ ምርአይ ግድነት ይኾውን።
ሕቶ ፍትሒ ፣ ንዲሞክራስያዊ ምሕደራ
ምቅላስ ዲሞክራስያዊ እዩ። እቲ ዝለዓለ ሕቶ አብ እቲ ነዚ ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ህዝቢ ዝነብረሉ ናይ ሃገር ዶብ ኽሊ
ኮይኑ ክሕተት ከሎ፡ ሃገራዊ መንቀሊ ትሕዝትቶን ጠባይን ስለ ዘለዎ ብዲሞክራስያዊ ምሕደራን ሃገራዊ ቅዋም ዝፍታሕን
ዝምሐደርን ዝነባበርን ይኾውን። እቲ ሕቶ ክንየው ውሱን ናይ ሃገር ዶብ ዝጠመተ ኣገባብ መልክዕ ትሕዝቶ ኮይኑ ምስ
ዝቀርብ ኣህጉራዊ መልክዕ ስለ ዝሕዝ ንሃገርን ናይቲ ሕቶ መሰል ዘልዕሎ ዘሎ ህዝቢ ቅድሚያ አይህብን እዩ።
ሃይማኖት ብመሰረቱ መንፈሳዊ ጸቅጢ
አሎዎ። ምእመናን ከኣ ኩሊም ብሐደ ይጸድቁ ወይ ከአ ይሐጥኡ ዝብል እምንቶ የሎን። ኩሊ ኣማኒ ከከም ስነ ምግባሩ
እዩ ጽድቁን ሐጢኣቱን። ሃይማኖት መምርሒ ናይ ሃገር ምሕደራ እንተኮይኑ ንሱ እዩ ስርዓት፣ ኣገባብ ባህሊ ናይ
እምንቶ ህዝቢ’ዩ ከወስን። እዚ ተራ’ዚ ሃይማኖት እንተሒዙ እቶም ነዚ ዝመርሑ ኣብ ክንዲ መራሕቲ ሃገር ‘ልኡኻት’
(prophet) ኮይኖም ዶ ኣይኮኑን ዝቀርቡ? ስለዚ እዩ ከአ ሃይማኖት ናይ ግሊ ሃገር ከአ ናይ ሓባር ኮይኑ ኣብ
ምድረ-ዓለም ከነባብር ዝድለ።
ሃይማኖት ዶብ
ዘሎዎ እምነት አይኮነን። ንኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝምልከት እምንቶ እዩ። አህጉራዊ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ናብ ሐንቲ ሃገር
ንዝቀርብ ሕቶ ካብ ዘሎዎ አህጉራዊ ባህሪይ ተበጊሱ ከሪኦ እዩ ዝፍትን። ናይ ሐንቲ ሃገር ህዝቢ ቅድሚያ አይሰርዕን
እዩ። ስለዝኮነ እዩ ከአ ሃይማኖት ምስ ፖሎቲካውን ሃገራውን ምሕደራ እንተተሻሪኹ ንማሕበራዊ ምዕባሌ ሃገር ንድሕሪት
ጎቲቱ ሕንፍሽፍሽን ምልክን እዩ ዘንግስ። ስለዚ ሃይማኖት ካብ ፖሎቲካ ፣ ፖሎቲካ ውን ካብ ሃይማኖት ምፍላዩ ሐደ
መንገዲ ዲሞክራስያ ስብአዊ መሰል ዝኸውን።
ዕውት ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ነጻ ከውጽእ
ከሎ ኩሎም ዜጋታት ኣብ ነጻነት ሃገር ዝተገብረ ተጋድሎን መስዋእትን ከም ናይ ውልቀ ዜጋ ግዴታ ንሃገሩ ሐሲቡ እዩ
ተቃሊሱ። አብ ክንዲ ሐደ እንዳ፣ ቀቢላ ፣ ኣውራጃን፣ ሃይማኖትን ወኪሉ፤ ናብ ቃልሲ ንክሳተፍ ተቆኒኑ ዝተሰላዓሎም
ብጽሒት ኣይነበረን። ንክብሪ ፍሉይ ቀቢላውን ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ሎዑልነት ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ እውን
አይነበረን። የግዳስ ሃገራዊ ግዴታ ከም ውልቀ ሰባት ግቡእና ንሃገራና ሰሪሕና። ንሕቶ መሰል ከአ ከም ውልቀ ዜጋ
ኮይና ክሕተት ዘለዎ። ስለዚ ከኣ ሕቶ ዲሞክራስያ ዝምልሱ ሐይልታት ናይ ውልቀ ዜጋ ነጻነት ( individual
liberty) ከም ቀንዲ ምቖምያታቶም ከርእይዎ ዘሎዎም።
ሎሚ ከአ ብዛዕባ ምቋም
ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ክዳን ዝብል ንኹሎም ውድባትን ተቋውሞ ዝጥርንፍ ፤ ናይ ሐባር ኩሎም ዝሰማምዑሉ ፕሮግራም
ብዝውጻእ ናይ ሓባር መሪሕነት ብምምዛዝ ዝካየድ ክሊ ንምስራሕ ይጻዓር አሎ። ዕውት ክኸውን ናይ ኩሉ ዜጋ ድሌት
እዩ። ዕውት ክኸውን ከኣ እቶም ነዚ ክሊ’ዚ ዘቆሙ ሐይልታት ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ፕሮግራም ዘለዎምን ብተግባር
ዝሰርሕሉን ምስ ዝኾኑ፤ ጉዳይ ጉልጽነትን ተሐታትነትን መሳርሒታት ብጉቡእ ምስ ዘዋድዱ፣ ንስርዓት ህግዲፍ ብጉቡእ
ሚዛን ኣንቢሩ ኣገባብ ኣቃላስሱኡ ብቡሩህ ምስ ዘነጽርን፤ ሃይማኖት ካብ ምሕደርኡን መምሪሒኡን ካብ ፖሎቲካዊ ውደባን
ብምፍላይ ከነባብር ምስ ዝምድብ እዩ። ብተወሳኺ ድሕሪ ምውዳቅ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ እንታይ’ዩ ዝመጽእ ንሐፋሽ
ከብርህ ምስ ዝኽእል ይኾውን።
ብከምዚ ከአ ዕውት
ኮይኑ ካብዚ አኬባ ምስ ዝወጽእ ምትእምማን ኣብ ህዝቢ ኣሕዲሩ ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ
ቃልሲ ከረጋግጽ ይኽእል
ዳዊት ፍሰሃየ
ሎንደን
24 February
2005
|