|
ዓመት ተወዲኡ ዓመት ክጅምር፣
መድረኽ ሓሊፉ መድረኽ ክትካእ
ኣብዚ ዝሓለፈ
ዓመት ብሓደ ሸነኽ ብኣዎንታ ዝግለጽ ኣብ ምንጎ ውድባት ምልዛብን ሓሓሊፉ እውን ናይ ምትሕንፋጽ መደብን ስምምዕን
ዘለዎ ተረኽቦታት ክረአ እንከሎ ብኻልእ ሸነኹ ኸኣ ብኣሉታ ዝግለጽ ካብ ናይ ዶብ ምሕንጻጽን ካልእ ጉዳያትን መርገጽ
ፍልልይ ዝነቐለ ምጽልላም ዝተራእየሉ ዓመት እዩ ነይሩ። ብሰንኪ እዚ ዘይምትእምማን እዚ ኸኣ ብውድብና ዝቐረበ ናይ
ሰፊሕ ግንባር ምቛም እማመ ንዓመት ዝኣክል ዝድለ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ከይረኽበ ጸንሐ። ብትሕዝቶኡ ክረአ
እንተኾይኑ ግን ምስዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈረመ ስምምዕ ብዙሕ ፍልልይ ከምዘይብሉ ኣንባቢና ባዕሉ ክመዝን
ይኽእል። እዚ ነጥቢ ክንልዕል እንከለና መን ጀሚርዎ ወይ መን ሓሲብዎ ኣገዳስነት ሃልይዎ ዘይኮነስ መሰረታዊ
ብዘይኮነ ፍልልያት ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ግዜ ከምዝቐተለን ብሕጂ ተምሳሳሊ ጸገማት ንኸየጋጥም እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ
ብሓባር ክሊ ብዕቱብ ክታሓዝ ከምዘለዎ ንምብራህ ዝኣክል እዩ።
ከምቲ ብጻይ
መንግስታኣብ ኣስመሮም (ሓላፊ ክፍሊ ዕዮ ዜናን ባህልን ውድብና) ዝበሎ ሎሚ ብኢሳያስን መሳርሒታቱን ዝፍጸም ዘሎ
ግፍዒታት ምጽብጻብ ንቐባራይ ምርዳእ ማለት እዩ። እቲ ዝያዳ ሓተታን ምምይያጥን ዘድልዮስ እንታይ ንግበር ብማለት
ነቲ ህዝብና ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ናይ ምልቓቑ መንገድን ስትራተጅን ምምዳብ እዩ። ብእምነትና እቲ መሰረታዊ ለውጢ
ዲክታተርያዊ ስርዓት ደርቢኻ ህንጻ-መንግስታዊ ዴሞክራሲ ተኺልካ ህዝብና ብዘይ ፍርሒ ርእይቶ ዝህበላን ዝሕሾ ዓይነት
ምምሕዳርን ዝደለዮም መራሕትን ዝመርጸላን ብሰላምን ቅሳነትን ዝነብረላን መንእስይ ዝሃድመላ ዘይኮነስ ንዓዱ ዝምለሰላ
ኤርትራ ክትከውን እዩ። እዚ ኸኣ ውድባትን ማሕበራትን ፓርቲታትን ውልቀሰባትን ብናይ ሓባር ህንጻ መንግስቲ
ክቕየዱን ክምእዘዙን ፍቓደኛታት ምዃን ቅድመ ኩነታዊ ተደላይነት ኣለዎ። ብግዝኣተ ሕጊ ናይ ምቕያድን ብሰላማዊን
ዴሞክራስያውን ኣገባብ ስልጣን ናይ ምቅብባልን ተሞክሮ ውድብና ኸኣ ጠቓሚ ከም ዝኸውን ጥርጥር የብልናን። ናይ
ካልኦት ውን ከምኡ።
ኣብዛ ዝሓለፈት
ናይ 2004 ዓመት ተደጋጊማ ዝተሰምዐት ቃልን መልእኽትን ሓድነት እያ ነይራ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓድነት ተደላይነት
ኣዕዚዙ ስዝርዳእን ከቢድ ህርፋን ሓድነትን ስምረትን ስለዘለዎ ኩሉ ሓይልታት ተጣባቒ ሓድነት መሲሉ ክቐርብ ፖለቲካዎ
ግድነት እዩ። ስለዝኾነ ድማ ህግደፍ እውን እንተኾነ ነዚ ልዕሊ ኩሉ ተቓውምቲ ውድባት መዝሚዝዎ ገና እውን
ይምዝምዞ ኣሎ። “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ፣ ሓደ መኣዲ” ዝብል ጭርሖ ብምቅላሕ ከኣ ንሱ ከም ተጣባቒ ሓድነት፤ ካልኦት
ሓይልታት ከኣ ከም መቓቐልቲ ገይሩ ንህዝቢ ከእምን ፈቲኑ ብመጠኑ እውን ተዓዊትሉ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ብጸይቲ
ኣስገደት ምሕረታኣብ ክትመዝን እንከላ “ምስቲ ሓደ ህዝቢ ዝብል ጸገም የብለይን ምስቲ ሓደ ልቢ ዝብል ግን ንምትላል
ዝኣክል ዝተባህለ ሓሶት እዩ” ኢላቶ። ንምንታይ ኤርትራውያን ደቂ ሓንቲ ሃገር ብምዃኖም ሓደ ህዝቢ ይቝጸሩ።
ፖሊቲካዊ እምነቶምን ድልየቶምን መርገጾምን ግን ከም ውልቀሰባት መጠን ነንበይኑ ክኸውን ባህርያዊ ግድነት እዩ።
ካብኡ ዝነቐለ ኽኣ ነቲ ዝተፈላልየ ፕለቲካዊ እምነትን ሓሳብን ዝውክል ኣብዝሓ ፓርትታት ክህሉ ዴሞክራስያዊ ሓቅነትን
ክውንነትን ይግድድ። ህግደፍ ግን ነዚኣ ሓቅነት እዚኣ ንኽሽፍን ህዝቢ ኤርትራ “ሓደ ልቢ” እዩ ዘለዎ እናበለ
ይጭድር።
እዚ ክውንነት እዚ
ነቲ ተቓውሞ ሓይልታት እውን ይምልከቶ። ንምንታይ ስነምጎታዊን ሳይንሳውን ባህርያውን ሓቅነት ስለዘለዎ። እሱ
ስለዝኾነ እዩ ብ1999 ኣብ ክንዲ ሓደ ውድብ ምቛም ኣብ ዝተሓተ ነጥብታት ዝተሞርኮሰ ምሕዝነት ምቛም ዝተመርጸ።
ድሕሪ ተረኽቦ 5ይ ስሩዕ ኣኺባ ምሕዝነት ከኣ መሪሕነት ውድብና ናይ ልዝብ ማዕጾ ክፉት ገዲፉ ንዘተ ዝጸውዐ።
ፍልልያት ምህላው ኣብ ዓበይቲ ሃገርዊ ጉዳያት ዝተመርኮሰ ነጥብታት ምስራሕ ከምዘይክልክል ደጋጊሙ ክጽውዕ ድሕሪ
ምጽናሕ ጥሪ 2004 10 ነጥብታት ዝሓዘ ናይ ሰፊሕ ምጥርናፍ እማመ ዘቕረበ። እቲ እማመ መስረቲ ውድባት ምሕዝነት
(ከም ኣካል) ሰልፊ ኢርትራ (ቅድሚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ምምስራቱ) ን ሰውራዊ ባይቶን ክኸውን ኣቕረበ። እዚ ነቲ
ናይ ፕለቲካዊ ብዙሕነት ሓቅነት ኣብ ግምት ዘእትወ ንህልዊ ኩነታት ኣብ ጸብጻብ ዘእተውን ብተግባር ከስርሕ ዝኽእል
እማመ እዩ ነይሩ።
ሕጅ እውን እዚ
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ዝግበር ኣኼባ ንህልዊ ኩነታት ዝምልስ ብተግባር ዘስርሕን ዘሰጉምን ውሳኔታትን ምስ
ዝሕንጽጽን ዝምድብን እዩ ክዕወት ዝኽእል ዝብል እምነት እዩ ዘሎና።
ኩሉ ኤርትራዊ
ዜጋን ብኤርትራ ዝግደስ ሓጋዝን ከኣ ነዚ ዝቐውም ዘሎ ክሊ ኣዋጅ ጥራሕ ኮይኑ ከይተርፍ ተግባራዊ ዘድሊ ደገፍን
ጸቕጥን ክገብር ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ሓላፍነቱ ብዕቱብ ክትግብር ከኣ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ይጽውዖ።
ቅድሚ ሕጂ
ደጋጊምና ከም ዝጠቐስናዮ ናይ ውድባትን ፓርቲታትን ኣብ ለውጢ ዓቢ ግደ ኣለወን። ብኡኡ ኣቢሉ ኸኣ ጎረባብቲን
መሓዙት ሃገራትን ግደ ክህልውን ናይ ግድን እዩ። እቲ ቀንድን ወሳንን ግን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ተቓወምቲ ሓይልታት
ብህዝቢ ዝቐርብለን ሕቶታት ክምልሳን ከብርሃን ሓላፍነት ኣለወን። ዝበልናካ ኣዋጅ ተቐበል ኣይትሕተተና ዝዓይነቱ
ኣቀራርባ ካብ ህግደፍ ስለ ዝፈገደ ህዝብና ብተኣፋፍነት እዩ ዝጥምቶ። ኣብ ዘውጽኦኦ ቅዋማት (ፖሊሲታት) ህግደፍ
ዘይብለጸሉን ንህዝብና ኣብ ጠርጠራ ዘየኣትዎን ክኽውን ክጥንቀቓን ብሩህን ዘይውላውልን መብርሂ ክህባን ናይ ግድነት
ይኸውን። ልዑላውነትን ዶብን ብዝምልከት ህዝብና ኣጥቢቑ ይጥምተናን ይዕዘበናን ምዃኑ ክንዝክር ይግባኣና። እቲ
ዝቐውም ዘሎ ክሊ ዘውጽኦ መድብ ዕዮታትን ፖሊሲታትን ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ህግደፍ ክብለጸሉ ብዘይክእል
ኣገባብ ክኸውንን ከድሊ እዩ። እዚ ክብሃል ኣንከሎ ህዝብና ካብ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተናጊፉ ንዑኡ ዝሕሾ ለውጢ
ከምጽእ ምእንቲ ክብገስን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ክጽንበርን ብማለት ምዃኑ ንኣንባባይ ብሩህ ክኾነሉ ይግባእ። ውዒሉ
ሓዲሩ ዋና እቲ ዝመጽእ ለውጥታትን መጻኢ ዕድል ሃገርናን ህዝብና ባዕሉ እዩ።
ኣብ መደምደምታ 2005 ዓመት ኣብ
ክንዲ ናይ ምስምስ ናይ ተግባርን ስራሕን ዓመት ክትከውን ተስፋናን ትጽቢትናን ክንገልጽ እንከሎና ምስ ፍልልያትና
ደቂ ሓንቲ ሃገር ከም ምዃና መጠን ናይ ሓደ ህዝቢ ኤርትራ ሽግር ንምርሃው ንጥለብ ከምዘሎና ብምርዳእ እዩ። እዚ
ኣብ ግሉጽነትን ቅንዕናን ብምምርኳስ ጥራሕ ክሳለጥ ይኽእል። ከምቲ ኣባል ሰውራዊ ባይቶ ብጻይና ሃብተማርያም ክፍለ
ዝበሎ “ንሕና ንደቅናን ንታሪኽናን ኢና ንቃለስ” እሞ ናይ ታሪኽን ደቅናን ጠለብ ከኣ ዝደለና ስም ንሃቦ ከስራሓና
ዝኽእል ስፊሕ ጽላል/ግንባር/ክሊ መስሪትካ ንቕድሚት ምስጓም እዩ። ብጓል ነገር ግዜ ምጥፋእ ከብቅዕ ኣብ ተግባራዊ
ሓባራዊ ዕዮ ክንኣቱ መድረኻዊን ሓላፍነትዊን ግቡእ እዩ።
ኣብ መደምደምታ
ብግጥሚ መልክዕ ነዛ ትስዕብ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ፡ ፍቐዱልና።
ህዝብና ናብራ
እምብዛ መሪርዎ፣
ጭቆና ደረቱ ሓሊፉ
ሳዕሪርዎ፣
ክውገድ ዝኽእል
ኲናት ጻዕጺዕዎ፣
ጥሜት መሪሩ ጓሂ
ሓሊፍዎ፣
ትርጉም ምስዋእቲ
ደቁ ኣገሪምዎ፣
ናይ መጻኢ ዕድሉ
ፈጺሙ ደብዚዙ ገሪብዎ፡
ንደቁ ዝኸውን
ተስፋ ፈትሹ ቀቢጽዎ፣
ብተስፋ ምጽባይ
ካን ነዊሕዎ፣
ተኣሲሩ፣ተቐንጺሉ
ዝብል መርድእ በዚሕዎ፣
ደቁ ከህድም
ከስድድ ምርጭኡ ወሲድዎ።
ስቅያትን ወጽዓን
ህዝብና ብዙሕ ተንቲና ተዛሪብና፣
ህግደፋዊ ግብረ
እከያት ንዓለም ኣቃሊሕና፣
ሓያሎ ስጉምቲ
ንቕድሚት ተወንጪፍና፣
ኣሎዉ እውን
ንውድባት ዘናኣእሱና፣
ብዘይካ ዘረባ
ካልእ የብለንን ዝብሉና፣
ብዘይ ምስማርና
ብዙሕ ዝነቕፉና፣
ገሊኡ ሓቂ እዩ
ክንእርሞ ኣሎና፣
ኣሚን ኢልና
ክንቅበሎ ካብ ሕልናና፣
ነቐፍቲ ኸኣ
ግዲኹም ኣልዑልልና፣
ፍታሕ ኣየምጽእን
ሕምይ ተውዓልኩምና፣
እጃምኩም ኣልዕሉ
ንዓና እውን ሓብሩና፣
ኢድና ክንበኩም
ኢድኩም ዘርጉሕልና፣
ብሓደ ክንምርሽ
ምእንቲ ወጽዓ ህዝብና፣
ካብ ብብውልቀ
ንቐትል ግዜና፣
ዝያዳ መድምዐ
እክብ ጥርንፍ እንተበልና።
ስርዓት ክቕየር
ከምዘለዎ ኩልና ካብ ኣመና፣
ዝተፈላለየ
ፖሊቲካዊ ፕሮግራም ካብ ሃለወና፣
ብሓደ ምስራሕ
ተደላይነቱ ካብ ተቐበልና፣
ብውድብና ዝቐረበ
እማመ ካብ ሃለወና፣
ዘዘድሊ መሚና
መሪጽና፣
ዝጎድል ኣጕዲልና
ዝውሰኽ ወሲኽና፣
ዝተሰማማዕናሉ ስም
ሰይምና፣
ተግባርዊ
ሕንጻጻትን መደባትን ኣውጺእና፣
ስራሕና ንጀምር
ዋዓል ሕደር ከይበልና፣
ናይ ቅድሚ ሕጂ
ዝተቐትለ ግዜ ይኣኽለና፣
ህዝብና ከነናግፍ
ካብ መሪር ጭቆና፣
ከነድሕና እዛ
ተፈታዊት ሃገርና፣
ከንቱ ከይከውን
መስዋእቲ ጀጋኑና፣
ሕድሮም ንመሰልን
ማዕርነትን ህዝብና፣
በኒኑ ከይተርፍ
ብስንኪ ሕመቕና፣
ደቅና ጽባሕ
ከይከሱና፣
ታሪኽ ብዓይኒ
ምሕረቱ ክሪኤና፣
እዛ ዝተጀመረት
ስምምዕ ንሓዛ ኣጥቢቕና፣
ኣብ ግብሪ
ክትውዕል ክንቃለስ ኣሎና፣
ብተስፋ ጥራሕ
ምጽባይ ኣይኮነን ንረብሓና፣
ብእግርና ስጉም
ወስ ብኢድና፣
እዩ ተስፋ ዝህብ
ንህዝብና፣
ውድባት
ብውድባትና፣
ማሕበራት
በብኩርናዕና፣
ሰልፍታት
በብዝዓቕምና፣
ሓቢርና ንድፍኣሉ
ነግ ፈረግ ከይበልና፣
ህዝብና ተስፋ
ክገብር ክስለፍ ኣብ ጎንና።
ጋንታ ንሓርነት
|