Nharnet Articles/Opinions

     

Click here for PDF format.

 

ተዘክሮታት ፈስቲቫል ካስል

 

ነጸረ ተወልደመድህን - ለንደን - 25/05/2005

 

ሓቂ እንተ ኾይኑ፡ ሓላፍነት ምክያድ በዓል ናይ ኤርትራ ፈስቲቫል ካስል፣ ንናይ ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ኪዳን (ኤ.ዴ.ኪ.) ተረኪቡ ዝብል ጽሑፍ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ተለጢፉ፡ ተመልኪተ። ሓቂ እንተ ኾይኑ ዘበለኒ ምኽንያት ከኣ፡ ናይ ዕስራ ዓመት ዋናን ኣሰላፍን ማሕበር ዴሞክራስያዊ መንእሰይ ኤርትራ (ማ.ዴ.መ.ኤ.) ናይ መደምደምታ ሓላፍነታዊ ኣገግሎቱን ዋንነቱን ከሰጋግር እንከሎ፤ ነቶም ንዕስራ ዓመታት፡ ንዉጽኢት ጻዕርታቱን ተወፋይነቱን ዝተገልገሉን፡ ኣበየ ዓመቱ ዝነገዱን ጽኑዕ ናይ ዝምድና ገመድ ዝፈጠሩን ዜጋታት ስለ ዘይሓበረ እየ።

 

ንሓለዋ ናይ ቃልስና ጽንዓትን ዕሙር ተስፋታትን፡ ብዓቢኡ ኸኣ ናይ ተሳትፎ ርሒብ መድረኽ ከፊትካ ንኹሉ ከተዋስእ፡ መዘና ዘይብሉ ተራ ተጻዊትካ ኢኻ። በቲ ንሁር ሃገራዊ እምንቶኻ ዝተመልመሉ፡ ታተ ካብ ዝበሉሉ እዋን፡ ጸበል ናይ’ዚ በዓል ዝቐሰሙ ደቅና፣ ጎቢዞም ኣብ ቅድሚ ዓይንና ክንርኢ እንከሎና፡ ዕድሜኻ ምሉእ ኣብ በረኻን ኣብ ስደትን ዝለገስካዮ ጻዕሪ ክንዲ ኣየናይ ዉዕለት ዝተኸፍሎ ምዃኑ ከገምተና ኪኢሉ ኣሎ።

 

ዕድሜኻ ምሉእ ዝጸዓርካሉ፡ ንእግረ መንገድኻ እዉን ዓቢ ተመክሮን ስልትን ዝቐሰምካሉ ወናም ናይ ቃልስኻ መኸተ ሓባሪ ታሪኽ፣ ብወረ ወረ ክንሕበርሲ ደስ ኣይብልን እዩ። ትኣምኖ ልኢኽካስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል ከም ዝበሃል፣ ብጽኑዕ ሕልናኻን ድሙቕ ሃገራዊ ወነኻን ከይተሰከፍና ሸነን ዝበልናሉ ፈስቲቫላት (ድራየሽ፣ሙልሃይም፣ካስል) ሕጂ’ዉን ኣብቲ ዉሑስ ኢድካ ንገለ ግዝያት እንተ ተጽንሖ፡ ክንደይ-ኮን ደስ ምበለና።

 

ኤርትራዊ ዴሞክራስያዊ ኪዳን፡ ጌና ዘይተፈተነ ጽላል ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ብዙሕ ናይ ሕቶ ምልክታት ዘለዎ ዝምድናታትን ቻርተርን ዘዕቆበ ኣካል እዩ። እዚ፡ እቲ ቀንዲ ዘበገሰኒ ኣርእስቲ እዃ እንተ ዘይኮነ፡ ዝገበርኩሞ ናይ ፈስቲቫል ሓላፍነታዊ ምቅብባል፡ ግዜኡ ዘይሓለወ ናይ ብሓደ ምስራሕ ጥራሕ ድልየት ዝዉሰድ ዉሳኔታት፡ ዘላቒ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ነዊሕ ዘይገበረ ናይ ተመክሮ ሓበሬታትና ንወከስ።

 

ናይ ዕስራ ዓመታት ተመክሮን ሃብትን ብኸምዚ ምዝዛሙ፣ እሞ ኣብ ዝሐለፉ ዓመታት ንተበግሶታትካ ክዛመዶን ከተባብዖን ዝጸንሔ፣ ኣብ ልዕሊ ኪዳን ትዕዝብቶታትን ስክፍታን ዘምበረ ሸነኽ፣ ምሳኻ ዉዒሉ ኢሂን ምሂን ከይብል ናይ ሓጹር መጋረጃ ይኾኖ ኣሎ።

 

መሰረት - ዉሳኔኻ እዚ እንካብ ኮነ፡ ብብቑዕ መጽናዕቲ ዝተገብረ እዩ እዉን እንቴልካ፡ ጽቡቕካ ንፈቱ፡ ጻዕዳ ጉዕዞ ኸኣ ይግበረልካ።

 

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና ! ! !    

 

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com