|
ካልኣይ
ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር
ኣብ
ስያትል ብዓወት ተሰላሲሉ
ካብ ዕለት 25-26 ሰነ 2005
ዝተኻየደ ካልኣይ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ) ኣብ ከተማ ስያትል፡ ዋሽንግተን፡
ፍስሓን ስኒትን ኣብ ዝዓሰሎ ሃዋህው ብዓወት ተሰላሲሉ።
ኤርትራዊ ፈስቲቫል ስያትል፡ ብሓልዮት
ጨንፈር ኤ.ደ.ማ. ስያትል ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ኣባላት ዝተሳተፍዎን ናይ
ከተማ ስያትልን ከባቢኣኡን ዜጋታት ዘአንገደን፡ ንንያት ክብ ብዘብል መንገዲ ድምቀት ዝነበሮን ንመጻኢ ዕድል
ኤርትራውያን ተስፋ ብዝህብ መገዲ ዝተኻየደን ነበረ።
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር፡ ኣብ
ትሕቲ ሕጊ መኽሰብ ኣልቦ ማሕበራት ዝተመስረተ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮነ ኣብ ካልእ ሃገራት ዝሰርሕ
ማሕበር ኮይኑ፡ ብፍላይ ነቶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብምምጻእ ሓድሽ ህይወት ኣብ
ምምስራት ዝርከቡ፡ ኣውራ ድማ ንኤርትራውያን ስደኛታት፡ ብዝተወደበ መልክዕ ኣብ ማሕበራዊ፣ ኤኮኖምያዊ፣ ባህላዊ፣
ትምህርታውን ስነ-ኪነታውን መዳያት፡ ዕዉታት ኮይኖም ንኽርከቡ ዝጽዕትን ከም መሳርሒ ኮይኑ ዝገልግልን መኽሰብ ኣልቦ
ማሕበር እዩ።
እዚ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ከተማ ስያትል
ዝተኻየደ ፈስቲቫል ኣብዚ ዓመት'ዚ ብድምቀት ከለልዮ ዝኽእል ፍሉይነት ሓዚሉ ዝተጓዕዘ ነበረ። ንሱ ድማ ምርኡይ
ተሳትፎ ኣመሪካውያን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘመዝገበ ተረኽቦ ብምንባሩ እዩ። ኣብ'ቲ ፈስቲቫል፡ መንግስታውያን ሰበ
ስልጣን፣ ናይ ግሊ ማሕበራት ወከልቲ፣ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ፣ ምስታፎምን፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣብ
ምክልኻልን፣ ምስ ኤርትራውያን ምሕዝነት ኣብ ምድልዳልን ተራኦም ክዓሙ ምኻኖም ምግላጾምን፡ ነቲ ፈስቲቫል ኣብ ርእሲ
ድምቀቱ ድምቀት ወሰኸሉ።
ኣሰናዳኢት ሽማግለን፡ መላእ ኣባላት
ጨንፈር ስያትልን ዘካየድዎ ዘይሕለል ተወፋይነት፡ ነቲ ፈስቲቫል ህያው ናይ ዓወት ምልክት ከም ዝኸውን ኣብ ርእሲ
ምግባሩ፡ ጉዳይና ብኣመሪካውያን ኣትኩሮ ንኽረክብ ናብ ሓያሎ ኣገደስቲ ኣመሪካውያን ዕድመታት ኣቕሪቦም እዮም።
ንዝቐረብሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ካብ ዝተሳተፉን መደረ ካብ ዘቕረቡን ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣን ኮነ ካልእ ትካላት ድማ
እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል፥
1.
ናይ ዋሽንግትን ካልኣይ ዲስትሪክት ተወካሊ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮንግረስ (ሃውስ ኦፍ
ረፕረዘንታቲቨስ) ኣባል ኮንግረስማን ጂም ማክዶርሚት
2.
ናይ ከተማ ሊንዉድ ከንቲባ መየር ማይክ መኪነን
3.
ናይ ከተማ ስያትል ኣባል ባይቶ ሚስተር ቶም ራስሙሰን
4.
ናይ ሲነሆምሽ ካውንቲ ወኪል ኪዳን ምሕበራት ሰብኣዊ መስል (ሁማን ራይትስ ኮኣሊሽን) ሚስ ኪኒኮ
ከረካባዋ
5.
ናይ ኣምነስቲ እንተርናሽናል ተወከልቲ ኣባላትን ኣብ መንጎኦም ዝተረኽበ ሚስተር ቲምን
ወ.ዘ.ተ.
ከምኡ'ውን፤
1.
ናይ ዋሽንግትን ቀዳማይ ዲስትሪክት ተወካሊ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮንግረስ ( ሃውስ ኦፍ
ረፕረዘንታቲቨስ) ኣባል ኮንግረስማን ጀይ ኢንስሊ ናይ ደገፍ መልእኽቲ
2.
ናይ ከተማ ስያትል ከንቲባ ሚስተር ረግ ኒኮላስ ናይ ደገፍ መላኽቲ ንኣኼበኛታት ተነበ።
ኣመሪካውያን ተሳተፍቲ ዝሃብዎ መግለጺ፡
ብመሰረቱ ንዕላማታት ኤ.ደ.ማ. ብዕዘት ዝድግፍን መሰረታዊ እምንቶታቶም ከምኡ ምዃኑ ዝገልጽን ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡
ሰብኣዊ መስላት ምሕላው ቀንዲ ዕላማኦም ምኻኑ ዘስመሩሉ ጉዳይ ነበረ። ኤ.ደ.ማ. ዕላማታቱ ንምዕዋት ኣብ ዝገብሮ
ቃልስታት መላእ ድጋፎም ክህብዎ ምዃኖም ድማ ኣረጋጊጾም። ኤ.ደ.ማ. ንዘስረጾ እምንቶታት ብብቕዓት ንኸተግብሮ
ዘለዎም እምነት እውን ገሊጾም።
ካብ ቀንዲ ዕላማታት ኤደ.ማ. ኣብ
ኤርትራ ደሞክራስያዊ ሰረታት ንምርግጋጽን፣ ዝተጋህሰ ሰብኣዊ ክብሪ ኤርትራውያን ንምምላስን፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን
ንምጥባቕን፡ ከም ምኻኑ መጠን፡ ነዚ ጉዳያት'ዚ ንምዕዛዝ ኣቦ መንበር ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባ. ንኽሳተፎ ፍሉይ ዕድመ
ተገብረሉ።
ኣቦ መንበር ተ.ሓ.ኤ ሰ.ባ. ተጋ/
ስዩም ዑ.ሚካኤል ንዝተገብረሉ ዕድመ ብምኽባር ኣብቲ ኣኼባ ምርካቡን ቃል ውድብ ተ.ሓኤ ሰ.ባ ብሰለስቲኡ ቋንቋታት፡
ትግርኛን ዓረብኛን እንግሊዝኛን፡ ምቕራቡን ብዘደንቕ ኣገባብ ነቲ ፈስቲቫል ተወሳኺ ድምቀት ሃቦ።
ብዘይካዚ'ውን ብኣቦመንበር ተሓ.ኤ
ሰውራዊ ባይቶ ተጋ/ ስዩም ዑ. ሚካኤል ዝምራሕ ልኡኽ ኣቐዲሙ ተሰሪዑ ብዝጸንሔ መደብ መሰረት፡
ምስ ኣብያት ጽሕፈት ናይ ክልተ ኣባላት
ኮንግረስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ክንግረስማን ጂም ማክዶርሚትን፡ ኮንግረስማን ጀይ ኢንስሊን ብምርኻብ
ሰፊሕ ምይይጥ ኣካየደ።
ኣቦመንበር ዝመርሖ ልኡኽ ኣብ ዝገበሮ
ርኽኽብ
1.
ንኤርትራውያን ኣመሪካውያን ሂይወቶም ንምውጋንን ብሰላም ንምንባርን ዝተዋህቦም ዕድል ብምምጓስ፡ በቲ
ዝተገብረሉ ኣቀባብላ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ፡
2.
ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ፖሊቲካዊ ውጥርታትን፡ ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ
ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ጸቕጢን ጭቆናን ብዝርዝር ኣብሪሁ፡
3.
ንህዝቢ ኣመሪካን መንግስቱን ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ክብልን፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ
ክድግፍን፡ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ተራ ሕቡራት መንግስታት ብጉልሂ ክርኤን ኣብ
ልዕሊ ምጽዋዑ ሓገዛት ክርከበሉ ዝኽእል ኣገባባት ተመያይጡ።
ካልኣይ ፈስቲቫል ኤርትራዊ
ደሞክራስያዊ ማሕበር፡ ንተሳተፍቲ፡ ንኤርትራ ብዕምቆት ንምልላይ፡ ኣብ ኣደራሽ ስእላዊን ባህላዊን ምርኢት
(ኤግዚቢሽን) ኣዳልዩ፡ ነቲ ኣደራሽ ውዕውዕ ድምቀት ክህብ ብዝኽእል መንገዲ ብእዋናውን ስትራተጂያውን ጭርሖታት
ሰሊሙ፡ ኣጋይሹ ምቕባሉ ካልእ ተወሳኺ ድምቀት ነበሮ። ንባህልና ዘንጸባርቕ ስፈታት፣ ልብስታት፣ መሳርሒታት
ከምኡውን ዝተፈላለየ ናይ ኤርትራዊ መንባብሮን ባህሊን ስእላዊ መግለጽታት ቀሪቡ ነብረ። ብተወሳኺ ኣብ ተንቀሳቓሲ
ስእሊ ዝተቐርጸ፡ ንባህሊ፣ ንትምህርቲ፣ ንመንባብሮ ዝገልጽ መደብን፣ ፍሉይ ሰሚናር ብዛዕባ ናይ ኤርትራ
ምትትእትታው ተክኖሎጂን ብልሽውናን ምቕራቡ ተሳተፍቲ ኣስትምሃሪን ኣደናቕን ነበረ።
እቲ ኣዝዩ ንተሳተፍቲ ዝማረኸ ጉዳይ
ግን፡ ናይ መንእስያትን ህጻናትን መደብ ነበረ። መንእሰያት ስያትል ባህላዊ ልብሲ ለቢሶም፡ ብሓርበኛታት ሙዚቀኛታት
ተሰንዮም፡ ምርኢቶም ክኸፍቱ እንከለው "ንወገኖም ኩሉ ዝጭቁኑ ዝደኽሙ'ውን
ንናይ ግሊ ጠቕሚ፡ ኣይትደልን እያ ኤርትራ ናይ ሎሚ" ብማለት
ክዝምሩ እንከለዉ፡ ብመላኡ ኣኼበኛ ካብ መንበሩ ተንሲኡ፡ ነቲ መዝሙር ኣሰነዮ'ሞ ምኽፋት ዕዉት ፈስቲቫል
ኣበሰረ።
ብድሕሪ'ዚ ብቐጥታ ኣብ ዝሰዓበ ሙዚቃዊ
ምርኢት ባህላዊ ክዳውንቲ ዝለበሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝመርሕኦ ብባህላዊ ክዳውንቲ ዝለበሱ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዝተሰነዬ
ምርኢት ቀረበ'ሞ ነቲ ፈስቲቫል ፍስሃ ዝመልኦ ስምዒት ከም ዝዓስሎ ገበረ።
ብፍላይ ንኣመሪካውያን ኣጋይሽ
ዘደነቖም፡ ኣገባብ ኣቀራርባ ኤሪትራዊ ቡን ነበረ። ጀበናን ፈናጅልን ብወግዕን ብስነስርዓትን ቀሪብካ፡ በጃሚዓ ቡን
ኣፍሊሕካ፡ ሕምባሻ ቁርሲ ቡን ቀሪብካ፡ ወግዕን ዕላልን ኣሰኒኻ ብሓባር ቡን ምስታይ ፍሉይ መቐረት ዘንጸባረቐ
ነበረ።
እቲ ኣዝዩ ንንያት ትሳተፍቲ ዝሓብሓበ
ጉዳይ በቶም ኣብ ሃገሮም ሰላምን ደሞክራስን ንምስፋን ክምህ ዘይብል ቃልሲ ካብ ምክያድ ጠጠው ዘይብሉ ናይ ሙዚቃን
ባህልን ወናማት ተዋሳእቲ፣ ገረመድህን ሹም ሓላል፣ ኣስመላሽ ሃይለ፣ በራኺ ሙሴ፣ ተወልደ ባህታ፣ ሚካኤል
ኣልኣዛር ከምኡ'ውን ወናም ሓው ከድር ዝቐረበ ባህላዊ ደርፍታትን፡ ግጥምታትን ነበረ። ተሳተፍቲ በዚ ሙዚቃዊ
ክእለታት'ዚ ተሰንዮም ስሓቕን ጸወታን ኣብ ዝዓዘዞ ምሸት፡ መሬት ኣውጊሖም ፈስቲቫል ብዓወት ዛዘምዎ። |