|
ነዊሕ “ ጉዕዞ እግሪ ንሰብኣዊ መሰል
ኣብ ኤርትራ” ሚላኖ በጺሑ
እቲ ኣብ ዕለት 16 ሰነ ካብ
“ኣደባባይ ናይ ሕቡራት መንግስታት” ከተማ ጀነቭ ዝተበገሰ ብሳሙኤልን ተኽለን ዝተባህሉ ክልተ ኤርትራውያን ዜጋታት
ዝካየድ ዘሎ “ናይ እግሪ ጉዕዞ ንሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ” ዝስሙ ተበግሶ ሰንበት ዕለት 26/06/2005 ኣብ
ጥቓ ሚላኖ እትርከብ ሞንዛ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ኣትዩ፡
ኣብ ከተማ ሞንዛ ንምእታው 4-5
ኪ.ሜ ክተርፎም ከሎ ካብ 20 ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ኣብ መገዲ ተቐቢሎም ገለ ብመካይን ገለ ድማ ብእግሪ ሰንዮም
ኣብቲ ተመዲቡ ዝነበረ መዕረፊ ባቡር ሞንዛ ኣብጽሕዎ፡ ካብ ሞንዛ ናብ ሚላኖ ብምምራሕ ድማ ኣብቲ ተዳልዩ ዝጸንሐ
ቦታ ብምብጻሕ ዝሰፍሐን ዝደመቐን ብቅዳሴን ብዕልልታን ዝተሰነየ ናይ ኣቀባብላ ስነስርዓት ተፈጸመ።ድሕሪኡ ድማ ካብ
ሚእቲ ዘይውሕዱ ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ብባንዴራ ሰላምን ባንዴራ ኤርትራን ዝተሰነየ ሰልፊ ኣብቲ ጻዕቂ ኤርትራውያን
ዘሎዎ ፖርታ ቨነስያ ዝብሃል ኣከባቢ ድሕሪ ምክያድ ተዛዘመ።
ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ጉዕዞ’ዚ ካብ
ጀነቭ ተበጊሱ ኣብ ከተማ ሮማ ንምብጻሕን ንጳጳስ በነደቶ 16 ኣብቲ ጉዕዞ ዝተኣከበ ፊርማታት ንምርካብን
ኢዩ።ኣብዚ ጥራይ ከይተወሰነ ናብ ናይ ጥልያን ባይቶን ናይ ኤውሮጳ ባይቶን ከምኡውን ናብ ሕቡራት መንግስታት ቀጻሊ
ጸቕጢ ንምግባር’ውን ሓደ ካብቲ ዕላማታት ኢዩ፡
እዚ ጉዕዞ’ዚ ካብ ጀነቭ ካብ ዝብገስ
ጀሚሩ ኣብቲ ዝዓርፈሉ ቦታታት ምስ ህዝብን ምስ ናይ ዜና ማዕከናትን ብምርኻብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ወታሃደራዊ
ምልኪ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሕልፎ ዘሎ መሪር ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ማሕበራውን ሂወት ብምብራህ ኩነታት ምግሃስ
ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንምውዕዋዕ ዝጻወቶ ዘሎ ተራ ብቀሊል ዝርአ ኣይኮነን፡
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ምስ ጋዜጣታትን ምስ
ናይ ተለቪዥን ማዕከናትን ዝፍጠር ዝምድናታት ብካልእ ፖለቲካዊ ተበግሶታት ብቀሊሉ ዘይርከብ ዕድል ከምዝኾነ ክግንዘብ
ዘለዎ ኣገዳሲ ነጥቢ `ኢዩ፡ ኣብቲ ዝስዕብ ዘሎ ናይ መዕረፊ ቦታታት እውን ዓበይቲ ኣጋጣሚታት ናይ ደርፊ መደባትን
ምስ ብዙሕ ህዝብን ሰበ ስልጣን ከተማታትን ናይ ምርካብ ዕድልን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት
ብዝያዳ ንምቅላሕን ዝከኣለሉ ሰፊሕ ኩነታት ኣሎ።
ኣብ ሮማ ቅድሚ ምብጽሖም በርጋሞ፥ብረሽያ፥ቨሮና፥ ማንቶቫ፥ሞደና፥ካርፒ፥ረጂዮ ኤሚልያ፥ቦለኛ….ወዘተ ዝኣመሰሉ
ከተማታት ክሓልፉ ስለዝኾኑ ኣብዚ ዝተፈላለየ ቦታታት’ዚ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክቀራረቡን መደባት ከዳልውን
ኣጥቢቕና ንላቦ፡ ከምኡ’ውን ኩለን ናይ ኤርትራውያን ኢንተርነት መርበባት ሃገራዊን ፖለቲካውን ኣገዳስነት ናይዚ
ተበግሶ’ዚ ተገንዚበን ብዝከኣለን ከቃልሖኦ ብትሕትና ንሓትት፡
ሓደ ካብቶም ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንመንግስቲ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደጋፊኡ ኮይኑ ዘሎ መንግስቲ ጥልያን በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንህዝቢ ምብራህ ዓቢ ተራ ኣሎዎ፡
ካብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ምኽንያታት
ብምብጋስ ኣብ ሚላኖን ከባቢኣን እንርከብ ተቓወምቲ ሓይልታት ነዚ ተበግሶ’ዚ ክንድግፎን ዝከኣለና ሓገዝ ከነበርክትን
ወሲንና ኣሎና፡ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ኩሎም ተቓወምቲ ሓይልታትን ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን’ውን ደገፎም ከስምዑ
ንጽውዕ፡ ኣብ ዝስዕብ መዓልትታት ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ መደባትን ውጽኢቱን ብተኸታታሊ ክንሕብር ከም ዝኾና ክንገልጽ
ንፎቱ።
ሓድነት ዲሞክራሲያውያን ሓይልታት
ይደልድል፡
ውዱብ ተበግሶታት ይሰስን!
ተቓወምቲ
ሓይልታት ኤርትራ ሚላኖ
|