|
ንብሔX-·c]
ሽግራት ኤርትራ
ብኸመይ ንፍታሓዮM?
ኣማኑኤል ሃብተ
ዝኾነ ምትእኽኻብ ናይ ሕብረተሰብ
ብሓንሳብ ወይ ብሃንደበት ዝረጋገጽ ኣይኮነን እንታይድኣ ብዘግምታ ዝምዕብል ታሪኽ ዘለዎ ጉዕዞ ኢዩ። ዝኾነ
ሕብረተሰባዊ ዝምድና ናይ ጠቕሚ ዝምድና ኢዩ;
ብኻልእ ኣዘራርባ ንሰባት ናብ ሓደ ዘምጽኦም ናይ ሓባር ጠቕሚ ኢዩ;
ናይ ሓባር ጠቕሚ ዘይብሎም ሰባት ወይውን ጉጅለታት ናብ ሓደ ናይ ምምጻእ ምኽንያት የብሎምን።
ኣብ ታሪኽ ናተይ ዶብ እዚ ኢዩ ኢሉ
ናቱ ዶብ ዘይሓንጸጸ ይዕበ ይንኣስ ሕብረተሰብኣዊ ጉጅለ ኣይነበረን። ነዚ ዝሓንጸጾ ዶብ ካልኦት ከይደፍርዎ ይከላኸል
ካብኡ ብዝረኸቦ ፍረ ኻኣ ይናበር። ኣብ ጉዕዞ ክለተ ነገራት ክጓንፍዎ ይኽእሉ&
እቲ ሓደ መጥቅዕቲ ናይ
ካልኦት ክኸውን እንከሎ እቲ ኻልእ ኻኣ ዘድልዮ ነገራት ኩሉ ካብታ ዝውንና መሬት ክረኽቦ ስለ ዘይኽእል ሕጽረት ናይ
ዘድልዎ ነገራት ይጓንፎ::
ካብዚ ብምምብጋስ
ንዘወርዎ ንምክልኻል ምስ ከምኡ ዝኣመሰለ ሽግር ሰለዎም ጎረባብቲ ብሓባር
ኣንጻር ናይ ሓባር ጸላኢ ይጸምድ ወይ ውን ንዘድልይዎ ነገራት ንምምላእ ናብተን ጎረባብቱ ንዕዳጋ
ይወርድ። በዚ መንገዲ ኣቢሉ ኻኣ ዝምድና ኣብ መንጎ ኣብ ነናተን ዝነብራ ዝነበራ ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ክጥረ
ይጅምር:: በዚ ዝምድናዚ ኣቢሎም ካኣ ናይ ሓባር
cü}cü
ናይ ሓባር ታሪኽን ናይ ሓባር ባህልን ኣብ ርእሲ ምጥራዮም ነቲ ዝሰፍሔ ዶብ እውን ብሓባር ይውንንዎ። ኣብ
መወዳእትኡ ኻኣ ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ጸቢብ ጉጅላዊ ምትእስሳራትን መበቆልን እንዳረሰዑ ናብ ሓደ ዝሰፍሐ ሕብረተስብ
ይሰጋገሩ። እዚ ጉዕዞዚ ነዊሕ ጊዜ ዝወስድ ኣብ ርእሲ ምኻኑ፡ ዋላኳ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዓመጽቲ ብሓይሊ
ከረጋግጽዎ ዝፍትኑ እንተንበሩ፡ ብድሌትን ዕግበትን ናይተን ብሓባር ዝዋስኣ ዘነብራ ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ዝዕወት
ጉዕዞ ኢዩ።
እምባኣር
²D Šmks}
ሎሚ እንርእየን
ዘሎና Aገራት
ብኸምዚ መበገሲ: ማለት ብዘገምታ ካብ ዘተፈላልያ ስድራ ቤታት ናብ ቀቢላታት ካብ ዝተፈላልያ ቀቢላታት ናብ
ዝተፈላልያ ብሔራት ኣብ መወዳእትኡ ካኣ ናብ ሃገር ዝበጽሓ
„ï¢}።
ኣብ ታሪኽ ናይ ደቂ ሰባት ነዚ ብኸምዚ
ዓይነት መንገዲ ዝምዕብል ዝነበረ ሕብረተስባዊ ጉዕዞ ቆጽዮም ብሓይሊ ንብዙሓት ሕብረተሰባውያን ጉጅለታት ናብ ሓደ
ኣምጺኦም ከም ሓደ ሕብረተሰብ ወይ ሃገር ጌሮም ክማሓድሩ ዝፈትኑ
ዝተፈላልዩ ገዛእቲ ደቂ ሃገር ይኹኑ ወጻእተኛታት ከምዝነበሩን ዘለዉን ዘይካሕድ ኢዩ። እዚ ሎሚ ኣብ
ውሽጢ ከም ሓንቲ ሃገር ተጠርኒፎም ዝኸዱ ዝነበሩ ሕብረተሰባውያን ጉጅለታት እንርእዮ ዘሎና ናዕብን ጽልእን ካኣ
ውጽኢት ናይ ብድሌት ዝማዕበለ ጉዕዞ ዘይኮነስ ናይ ብሓይሊ
ዓመጽቲ ዝተገብረ ዝምድናታት ኢዩ። ከምዚ ዓይነት ናዕብታት መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ ጊዜ ውድቀት ናይቲ ዓማጺ ሓይሊ
ይርኤ። ከምዚ ዓይነት ናዕብታት ኣብተን ብታሪኻዊ መንገዲ ናብ ሐደ ሕብረትሰብ ዝበጽሓ ሕብረተሰባዊ ምትእኽኻባት ወይ
ውን ሃገራት ፈጺሙ ኣይርኤን ኢዩ።
ሰለዚ ዝኾነ ይኹን ምትእኽኻብ ይዕበ ይንእስ ብታሪኻዊ ጉዕዞን ዕግበትን ናይቶም ነቲ ምትእኽኻብ ዘረጋገጹ ሸነኻት
ዘረጋገጽ ኮዩኑ ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ናይ ሓባር ርchüGïታት
ይውንን
1. ባህሊ
2.ታሪኽ
3.ቋንቋ
4.ናይ ሓባር ዶብ
5. ሓባራዊ ስነኣእሞሮእዊ ቅርጻ ማለት በብደረጃኡ ናይ ቀቢላነት፡ ብሔርዊነት ከምኡውን ሃገራዊነት ስምዒታት/እምነት
ይህልዎም።
ሃገርና ኤርትራ ከምብዙሓት ሃገራት
ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ካሊእ ቦታት ናይ ዓለም ውን ዘይሳኣናኦ፡ ጉዕዞኣ ከይወደኤት ብዓመጽቲ ዝተዕዓቀፈት ሃገር ምኻና
ንኹላትና ብሩህ ኢዩ:: ዓመጽቲ እንተዘይዕንቅፍዎ እዚ ሎሚ
እንርእዮ ዘሎና ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ዶባት፡ ናይ ኤርትራ እውን ክይተረፈ፡ ዝተፈልየ ክኸውን ከምዝኽእል ዘጠራጥር
ኣይኮነን።
ሎሚ ኣብ ሃገርና ጉዕዘኤን ዝጀመራ
ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ግን ብድሌተን ናብ ሓደ ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ዘይበጽሓ ንርኢ። ኣቋውማ ናይ ሕብረተሰብና ምስ
እንምልከቶ ብዘይካ ቀቢላዊ ሕብረተሰብ፡ ዋላኳ ብዙሕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ምዃኑ ንጹር እንተኾነ፡ ካብኡ ንላዕሊ
ታሪኻዊ ጉዕዞኡ ኣካይዱ ነተን ኣብ ላዕሊ ጠቒስናየን ዘሎና ረቛሒታት ብብሔር ደረጃ ዘረጋገጸ ሕብረተሰባዊ ጉጅለ
ኣሎና ኣብ ምባል ኣይብጻሓናን ኢዩ። ናባኡ ገጹ ዘምርሔ ጉዕዞ
ከምዝነበረ ግን ንጹር ምልክታት ንርኢ ኢና::
እቲ ሓደ እንሪኦ ምልክት ናይ ሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ
ቀቢላታት ምህላው ኢዩ። ስለዚ ዝተፈላለያ ቀቢላታት ኤርትራ ዝጀመርኦ ድኣ እምበር ዝወድኤኦ ብሔራዊ ጉዕዞ ከምዘየሎ
ክትዕ ዘየድልዮ ሓቂ ኢዩ ዝመስል። እዚ ዘብርሃልና ነገር እንተሎ ኩለን ሓደ
ቋንቋ
ዝዛረባ ኤርትርውያን ሃገራውያን ጉጅለታት ናብ ሓደ ብሔር ንምብጻሕ ዝጀመርኦ ድኣ እምበር ዝወድኤኦ ጉዕዞ
ክምዘይብለን ኢዩ ። ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ውሽጢ ሓደ ቋንቋ
ዝዛረብ ኤርትርዊ ሕብረተሰብ ዝተፈላልያ ቀቢላታት ኣለዋ።
ዝኾነ ሕብረተሰባዊ ዝምድና ናይ ጠቕሚ
ዝምድና ኢዩ:: ዝኾነ ሕብረተሰባዊ ጉጅለ ውልቀሰብ እውን
ከይተረፈ ኣባልን ታሓላቕን ናይ ጠቕሚ ዘይረኽበሉ ዝምድና ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ ጥርሕ ዘይኮነስ
ተቓዋሚ ናይ ጠቕሙ ዝሃርም ዝምድና እውን ኢዩ። ኩለን
ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት እቲ ኣጥርየንኦ ዘልዋ ዝምድና ጠቕመን ከምዘረጋግጸለን ስለ ዝኣምና ንዓኣተን ቅድሚ ዝኾነ
ይኹን ዓይነት ዝምድና እቲ ኣጥርይርንኦ ዘለዋ ዝምድና ኢዩ ዝመጽእ::
ቀቢላ ንኣብነት ንቀቢላዊ ዝምድና ቅድሚ ሃገራዊ ዝምድና ኢያ እትሰርዖ። ናብቲ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ
ሃገራዊ ዝምድና ኻኣ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ቀቢላ ከም ኣባል ቀቢላ ድኣ እምበር ከምውልቀሰብ ኣይሳተፎን ኢዩ። ስለዚ
ንኣብ ኤርትራ ዘለዋ ቀቢላታት ኤርትርዊ ሃገርነት ድሕሪ ቀቢላውነት ኢዩ ዝዝስራዕ። ቀቢላታት ንቀቢላዊ ምትእኽኻባተን
ደርብየን ናብ ዝለዕለ ምትእኽኻባት ንኽሰግራ ብቐዳምነት እቲ ዝለዓለ ዝምድና ጠቕምታተን ምሉእ ብምሉእ ዘረጋግጽ
ከምዝኾነ ክኣምና ኣለውን።
ቅድም ኩሉ
ክጥቀስ ዝግብኦ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ ንሱ ኻኣ እቲ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ንምርግጋጽ ኤርትርዊ ነጻነት ዝኸፈሎ
መስዋእትነት ኣብ ታርኽ ሃገርና ዓቢ ቦታ ከምዘለዎ ኢዩ። ዋላŠú
እቲ ቀቢላውን ሃይማኖታውን
cü}cü‘é}
ኣውራጃውን
ዝንባሌታት ዝተጻወቶ ተራ እንተነበሮ ግን ኩሉ ኤርትርዊ ብሓባር ንምርግጋጽ ሃገርዊ ነጻነት ከምዝተጋደለ ኻኣ ንኹሉ
ብሩህ ኢዩ።ኣብዚ ጊዜ እዚ ኤርትርውያን ኣብ ነንሕድሕዶም ዝለዓለ ምትእምማን ኣጥርዮም ክምዝነበሩ እውን ዝርሳዕ
ኣይኮነን።
እንተኾነ እዚ
ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ነዚ ተጠር£
ዝነበረ ወይ ውን እንዳማዕበለ ዝኸይድ ዝነበረ ምትእምማን ንምምዕባሉ ዝኾነ ይኹን ኣወንታዊ ተራ ኣይተጻወተን ጥራሕ
ዘይኮንስ ነቲ ተሰጊሩ ዝነበረ ናይ ሕድሕድ ምጥርጣርን ጽልእን ከምባሓዲሽ ኣሐዲሱ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከምዝጸዓረ ንኹሉ
ብTህ
ኢዩ። በዚ ምኽንያት ካኣ ኤርትርዊ ፍልልያት ናብ ዝለዓለ ድረጅኡ ብጺሑ ይርከብ። እተን ኣብ ጊዜ ሰውራ ኣብ ሓንቲ
ኤርትራ ጠቕሚ ከምዘለወን ኣብ ምእማን ገጸን ዝኸዳ ዝነበራ
ቀቢላታት እውን ከይተSፋ፡
ብምኽንያት እቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝተኸተሎ ኣገኣባብ፡
¹ቕመን
በቲ ጸቢብ ቀቢላዊ ምትእኽኻባት ኣቢለን ንምርግጋጹ ይፍትና ኣለዋ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ካኣ ኢዩ ሎሚ ሓደ ኤርትርውም
መራሒ ቀቢላዊ ጭርሖ ክከዕል እንከሎ ክልለ ዝኽእል ቁጽሪ ኣባላት ናይታ ቀቢላ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ዝመጹ ዘለዉ።
ናይ ሃገርና ዲክታቶር ንጉዕዞ ሃገርና ንድሕሪት ከምዝጎተቶ ዘካትዕ ኣይኮነን። ካብዚ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ተበጊሱ
ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ዘይስከፍ ሕልና ዘለዎ ኤርትርዊ ካኣ የልቦን።
ሎሚ ነዚ ዘሎ ኤርትርዊ ክውንነት
ንምፍታሕ ኩሉ ኤርትርዊ ቅኑዕ ይኹን ጌጋ ብዘየገድስ ፍታሕ ንምንዳይ ጻዕርታት የካየድ ኣሎ። ኩሎም ዝቐርቡ ዘለዉ
ፍታሓት ዋላŠú
ብዛዕባ እቲ ዘሎ ሽግር
ዝዛረቡ እንተኾኑ የሳርሑና ኢዮም ማለት ግን ኣይኮነን። እቲ ዝቐርብ ፍታሕ ነቲ ቅድም ብባዕዳውያን ዓመጽቲ ድሓር
ካኣ ብኢሳያስ ዝተቖጽየ ጉዕዞ ምርግጋጽ ኤርትርዊ ሃገርነት ከምባሓዲሽ ናይ ምቕጻል ዕድል ሂቡ ብድሌትን ዕግበትን
ኩሉ ኤርትራዊ ኤርትርዊ ሃገርነት ንምምርግጋጽ ዝዓለመ እንተዘይኮይኑ ፈጺሙ ፍታሕ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። እቶም
ከምፍታሕ ዝቐርቡ ዘለዉ ርእይቶታት ከምዚ ዝስዕቡ ኢዮም።
1. ናይ ብሔራት ነጻ ውሳኔ
ክሳብ ምንጻል
ገለ ውድባት ነዚ ዘሎ ኤርትርዊ ጸገም
ብመንገዲ መሰል ርእሰ ውሳኔ ክሳብ ምንጻል ናይ ብሔራት ኤርትራ ከምዝፍታሕ ጌሮም ክዕግቡና ይፍትኑ።
ነዚ ኣምር ከም ቀንዲ
መበገሲ ዝጥቀምሉ ኻኣ ንዕብለላ ብሔረ ትግርኛ ኢዩ። ብርእይቶይ እዚ ርእይቶዚ ቅኑዕ መበገሲ ይኹን ቅኑዕ መደምደምታ
የብሉን። ከመይ
1.1. ብቐዳምነት ኣብ ኤርትራ
ንኹሉ ረቛሒታት ዘማልኤ ብብሔVgñ
ደረጃ ዝፍለጥ ሕብረተሰባዊ ምትእኽኻባት ከምዘሎ ዘረጋግጽ ጭቡጥ መርትዖ የሎን። ናብ ብሔር ንምስግጋር ዝተበገሰን
ኣጸቢቑ ዝሰጎመን ሕብረተሰባዊ ምትእኽኻባት ከምዘሎና ግን ዝካሓድ ኣይኮነን። ንኤርትራ ብብሔራት ከመቕልዋ ክፍትኑ
እንከለዉ ንቛንቛ ከም ቀንዲ መዔቀኒ ይወስድዎ:: እንተኾነ
እተን ሓደ ቋንቋ ዝዛረባ ኤርትርውያን ምትእኽኻባት ንገዛእ ርእሰን ኣብ ውሽጠን፡ ዋላካ
ካብቲ ምስቲ ካልእ ምትእኽኻባት ዘልወን ፍልልይ ዝትሕት እንተኾነ፡ ምፍልላይን ዘይምትእምማንን ኣለወን::
ብሕጽር ዘበለ ኩለን ሓደ ቋንቋ ዝዛረባ ኤርትርውያን ሕብረተሰባዊ ጉጅለታት ብዘይካ ናብ ምርግጋጽ ናይ ሓባር
ቋንቋ ንፍሉይ ቀቢላዊ ምትእኽኻባተን ከደርቢ ዝኽእል እኹል
ታሪኻዊ ጉዕዞስ ኣየካየዳን። እዚ ዝቐርብ ዘሎ ፍታሕ ነቲ ዘሎ ፍልልያት ከምባሓዲሽ ዘተስእን ዘባራብርን ድኣእምበር
ነቲ ዘሎ ፍልልያት ብድሌት ኣልጊሱ ናብ ምርግጋጽ ሓደ ብሔር ዘምርሕሲ ኣይኮነን። ከመይ ካልእ ንኹላተን ብሓባር
ዘስግእ ናይ ሓባር ታህዲድ/ጸላኢ ምስ ዘይህሉ ኣቲ ፍልልያተን ክግንፍል ናይ ግድን ስለ ዝኸውን።
1.2. እቲ ዝግበር ፍታሕ ናይተን
ዝሕለቑለን ዘሎዉ ኤርትርውያን ጉጅለታት ናብራውን ፖሊቲካዊን ኩነታት ዘማሓይሽ ክኸውን ኣለዎ እንተዘይኮይኑ ግን
ፍታሕ ኣይኮነን። ኣሽንካይዶ ገለ ኣካል ናይ ኤርትራ ንበይና ናታ ናይ ናብራ ኩነታትን ፖሊቲካዊ ህይወትን ናብ ዝሓሸ
ደርጃ ከተሰጋግርስ ኤርትራ ብምልእታ እኳ ኣብ ቅድሚኣ ክንደይ ብዶሆታት ከምዘሎ ንኹላታና ብሩህ ኢዩ::
ሎሚ ኤርትራ ከም ሃገር ትኹን ወይውን ሓንቲ ቀቢላ ኣብ ኤርትራ ንበይና ናታ ናይ ናብራ ይኹን ፖሊካዊ
ኩነታት ብግቡእ ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ኣይትውንን ኢያ። ስለዚ ንኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ እዚ ዝቐርብ
ዘሎ ፍታሕ ኣየገልግሎን ኢዩ። ኔርተኣ ከም ሃገር እውን ሽግር እምበር ፍታሕሲ ፈጺሙ ኣየምጽኣላን ኢዩ።
1.3. እቲ ናይ ብሔረ ከበሳ ዝብል
መበገሲ ንገዛእ ርእሱ ቅኑዕ መበገሲ ኮይኑ ኣይስማዕንን ከመይ እቲ ተግርኛ ዝዛረብ ሕብረተሰብና ንገዛእ ርእሱ
ብኣውራጃውነት ተማቃቂሉ ነንሕድሕዱ ተፈላልዩ
ዘሎ ኣብ ርእሲ ምኻኑ ካብዚ ሽግርዚ ንምውጻእ ፍታሕ ዘናዲ ዘሎ ሕብረተሰብ ኢዩ። ንገዛእርእሱ ኣብ ውሽጡ
ፍልልያትን ምጥርጣራትን ዘለዎ ሕብረተሰብ ስለዝኾነ። ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ሕብረተሰብ ከም ጸቓጢ ኣካል ጌርካ ምቕራብ
ካብ ሓቂ ዝራሓቐ ጥራሕ ዘይኮንስ ንኣብ መንጎ ሕብረተሰብና
ዘሎ ፍልልያትን ጽልእን ምግፋሕ ኢዩ። ንፍልልያትን ጽልእን ብምግፋሕ ካኣ ፍታሕ ክርከብ ኣይካኣልን ኢዩ። ኢሳያስ
ካብ ክብግስ ኣትሒዙ ናይ ከበሳን ክርስትናን ጭርሖ ምልዕሉ ዘይካሕድ ኢዩ::
ይኹን እምበር ስልጣን ናይ ኢሳያስ ብዘይካ ናይ ኢሳያስ ረብሓታት
ናይዝኾነ ካልእ ኤርትራዊ ረብሓ ከምዘይገልግል ካኣ ንጹር ኢዩ። ብኢሳያስ ዘይተረግጸን ዘይተቐንጸለን
ኤርትራዊ ኻኣ የልቦን። ስለዚ ነቲ ትግርኛ ዝዛረብ ኣካል ሕብረተሰብና ከም ጸቓጢ ኣካል ብምውሳድ ዝመጽእ መርትዖ
ውድዕነት ዝጎድሎ ስለ ዝኾነ ካብዚ መርትዖዚ ተበጊሱ ዝመጽእ መፍትሒ ካኣ ውድዓዊ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ።
1.4. እቲ ዝቐርብ ዘሎ ፍታሕ ንገዛእ
ርእሱ ብሩህ ኣይኮነን ከመይ እዘን ዝባሃላ ዘለዋ ብሔራት ሕቶኤን ንመን ኢየን ዘቕርባሉ? ሎሚ ኣብ ኤርትራ ከምቲ
ዝብልዎ ብሔራዊ መጽቀቲ ስለ ዘሎ እተን ካልኦት ብሔራት ክንጸላ ኣለውን ብምባል ሎሚ ምእንቲ ምንጻል ድዮም ዝቃለሱ
ዘለዉ ወይስ እቲ ዝብልዎ ምንጻል ድሕሪ ምውዳቕ ኢሳያስ ኢዩ ክረጋግጽ ዝደልይዎ? እሞ ድሕሪ ምውዳቕ ኢሳያስ ንሳቶም
ባዕላቶም እውን ኣካል ናይቲ ስልጣን ምዃኖም ዘይተርፎም እንካብ ኮነ በቲ ዝረጋገጽ ስልጣን ኣቢሎም ነቲ ነዘን
ምንጻል ከም መፍትሒ ሽግረን ጌሮም ዘቕርቡለን ዘለዉ ጉጅለታት ባዕላቶም መጽቀጥተን ዘየልጉስለን። ንዲሞክራሲያን
ሕግን ዝቃለሱ ካብ ኮኑ እተን ካልኦት ውድባት ካኣ ንዲሞክራሲያን ሕግን ዝቃለሳ ካብ ኮና ሕግን ዲሞክራሲን ኣብ
ዝነገሰሉ እዋን ድኣ ሕቶ ምንጻል (LDq
Ir K[F-X†[ ‘é\{ó)
እንታይ ኣምጽኦ? ወይስ ብእምነቶም ምስ
ብሔረ ትርግርኛ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ክስራሕ ኣይካኣልን ኢዩ ማለቶም ዲዩ? ማለት ዝኾነ ኣባል ናይ ብሔረ
ትግርኛ ምጉዕጻጽ እምበር ብሕግን ብዲሞክራሲን ፈጺሙ ኣይኣምንን ኢዩ ማለቶም ዲዩ? እዚ ፍታሕዚ ንኤርትርውያን
ዘራሓሕቕ ዳኣ እምበር ዘቀራርብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ነገር ይሪኤሉ
የለኹን።
ባጣቓላሊ እዚ ርእይቶ እዚ ብኽልሰሓሳብ
ይኹን ብተግባር ንኤርትርዊ ሽግራት ክፈትሕ ዝኽእል ርእይቶ ኣይኮነን።
2. ናይ ሃይማኖታዊ ነጻነት
ገለ ሸንኻት ካኣ ምርግጋጽ ናይ
ብእስልምና ዝምራሕ ስልጣን ከም መፍትሒ ሽግርና ጌሮም ዝወስዱ ኣለዉ። እዚ ርእይቶ እዚ እውን ብርእይቶይ መፍትሒ
ናይ ሽግርና ክኸውን ፈጺሙ ኣይኽእልን ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። በዚ ዝስዕብ ምኽንያት።
2.1. እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሽግር
ብመሰረቱ ናይ ሃይማኖት ሽግር ኣይኮነን ክፍታሕ ዘይካኣል ናይ ሃይማኖት ሽግር ካኣ ኣብ ታሪኽና ኣጓኒፉና ኣይፈልጥን
ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ሐንቲ ስድራ ቤት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቀቢላ ዝተፈላለየ ህይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ኣባላት ክህልዉ
ይኽእሉ ኢዮም። ዝተፈላልየ ሃይማኖታዊ እምነት ስለዘለዎም ግን ዘይኣባላት ናይ ሓንቲ ቀቢላ ወይ ውን ስድራቤት
ክገብሮም ኣይኽእልን ኢዩ። ዝተፈላለየ እምነት ስለዘለዎም ካኣ ዝተፈላለየ ጠቕሚ ይህልዎም ማለት ኣይኮነን። እቲ
መሰረታዊ መፍትሒ ዘድልዮ ዘሎ ሽግር ናይ ጠቕሚ ሽግር ኢዩ። እዚ ሽግር እዚ ኻኣ ናይ ሃይማኖታዊ ስልጣን ብምርግጋጽ
ክፍታሕ ኣይክእልን ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ምርግጋጽ ሃይማኖታዊ ስልጣን ነቲ ሽግር መሊሱ ኢዩ ዘግድዶ ከመይ ኩሉ ጊዜ
ዓብላልን ተዓብላልን ሰዓርን ተሰዓርን ስለዝህልዉ።
ኢሳያስ ዋላካ ንኹሎም
ሃይማኖታት ዘይማሓረ እንተኾነ ግን ንእስልምና ብዝያዳ ከምዝጸቐጠን ቀንዲ መበግሲ ናይዚ ሽግር ንሱ ከምዝኾነን
ዘይካሓድ ኢዩ ይኹን እምበር እቲ መፍትሒ ነቲ ኢሳያስ ዝወስዶ ዝመስል መፍትሒ ዘይኮነስ ነቲ ኢሳያስ ዝገበሮ ጌጋ
ምእራም ኢዩ ክኸውን ዝግባእ።
ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ኩሉ
ኤርትርዊ ዝመስሎ እምነት ናይ ምዝውታር መሰል ከምዝህልዎን ሓደ እምነት ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ እምነት ዝኾነ ይኹን
ዓይነት መጽቀጥቲ ክገብር ይብሉን፡ እምነት ከም መሳርሒ ናይ ፖሊቲካ ክንግልገለሉ ይብልናን ካብ ምባልን ካብ ነዚ
ዕላማዚ ብቕንዕና ንምዕዋቱ ምቅላስን ክንሓልፍ ዝግባእ ኣይመስለንን።
3. ንኤርትራ ኣብ ቋንቋን ሃይማኖትን መቓቒልካ ከተማሓድራ ምፍታን
እቲ ተራ ናይ ሃይማኖትን
ቋንቋን እንታይ ከምዝኾነ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ስለ ዘሎ ሕጂ ምድጋሙ ኣድላይ ኣይኮነን። ዝኾነ ዝምድና ኣብ ጠቕሚ
ዝተመርኮሰ ኢዩ፡ ጠቕሚ ኻኣ ብዘይ ግደ ኣብ ፖሊቲካዊ ስልጣን ክረጋገጽ ኣይኽእልን ኢዩ ስለዚ ጠቕሚ ናይ ኩኡ
ኤርትርዊ ክረጋገጸሉ ዝኽእል ኣገባብ ኣማሕድራ እንታይ ከምዝኾነ ከይጽንዕና ቅኑዕ ዝኾነ ኣገባብ ኣማሕድራ ክንረክብ
ከምዘይንኽእል ሓቂ ኢዩ፡ ሓደ ካብቲ ንኣገባብ ኣማሕድራ ካብ ዝሕግዙና ነገራት ካኣ ኣማቓቕላ ናይ ምምሕዳራት
ከምዝኾነ ዝካሓድ ኣይኮነን። እዚ ሸነኽ እዚ ነዚ ሕቶ ንኽምልሽ ምፍታኑ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ከምዘሎ ዝካሓድ ኣይኮነን
ይኹን እምበር ነቲ መሪጽዎ ዘሎ መንገዲ ናብ ዓወት ከብጻሓና ዝኽእል መንገዲ ምኻኑን ዘይምኻኑን ምምርማር ግን ግደ
ናይ ኩላትና ኢዩ።
እቲ እንደልዮ ዘሎና
መንገዲ ነቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ሕብረተሰባዊ ጉዕዞ ከምባሓድሽ ከምዝቕጽል ጌሩ ኣብ መውዳእትኡ ናብ ምርግጋጽ ኤርትርዊ
ሃገርነት ዘብጽሕ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኻኣ ብዘይ ምርግጋጽ ጠቕምታት ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕብርተሰባዊ ጉጅለታት
ክረጋገጽ ኣይካኣልን ኢዩ። እቲ ጥቕምታት ንኽረጋግጽ ካኣ ኩሉ ኤርትራዊ ጉጅለ ኣብ ምርግጋጽ ጠቕሙ ቀጥታዊ ግደ
ከምዝህልዎ ክንገብር ይግባእ። እዚ ጠቕምታት እዚ ብጸቢብ ኣገባብ ኣማቓቕላ ዘይኮነስ ብሰፊሕ ኣገባብ ኣማቓቕላ ጥራሕ
ኢዩ ክረጋግጽ ዝካኣል፡ ከመይ እንተድኣ ጸቢብ ኣማቓቕላ ተጠቒምና ነቲ ተሳታፍነት ስለ እነጽብቦ እተን ናኣሽቱ
ጉጅለታት ክህልወን ዝኽእል ዕድል ናይ ነብሰን ምምሕዳር ጸቢብ ስልዝኸውን ነቲ ክንፍውሶ እንደሊ ዘሎና ናይ ፍርሒን
ምጥርጣራትን ሽግር ንምፍዋሱ ከሸግረና ኢዩ፡ እንተዳኣ ኣስፊሕናዮ ግን ንኹሉ ግደ ንምሃብ ክዝሕግዝ ይኽእል።
ክንርስዖ ዘይብልና ኣገዳሲ ነጥቢ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ሐደ ቋንቋ ዝዛረቡ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ
ሓደ ሃይማኖት ዘለዎም ሸነኻት ቀቢላዊ ፍልልያት ኣሎ ጥርሕ ዘይኮንስ ዘይምትእምማንን ምፍርራሕን እውን ኣሎ።
4. ንዝነበረ ናይ ቅድም ኣማሓዳድራ እሞ ህዝቢና እውን ዘይጸልኦ ብምምላስ ንሕግን ንዲሞክራስን ከም መሳርሒ
ብምጥቃም ንዘሎ ሽግራት ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኤርትራ ንምፍትሑ ምጽዓር።
እዚ ዝስዕብ መፍትሒ
ብሸነኽ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ሰ.ባን ካልኦት ከምኣ ዝኣመሰለ ርእይቶ ዘለወን ውድባትን ዝቐርብ መፍትሒ ኢዩ።
ኩላትና ከም እንሰማምዓሉ
ጉዕዞ ሕብረትሰብና ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብባዕዳውያን ተቖጽዩ ኢዩ፡ እዚ ሎሚ እንርእዮ ሕብረተሰባዊ ኣቃውማ
ኣብ ልዕሌና ብጸላኢ ዝተጻዕነና እምበር ብባህሪያዊ መንገዲ ዝበጻሕናዮ ኣይኮነን ስለዝኾነ ኻኣ ኢዩ ፍርሒን
ምጥርጣራትን ኣብ ውሽጥና ዝረኤ ዘሎ። ብተጽዕኖ ዝፍጠር ናይ ኤርትራ ኣማሕዳድራዊ ኣመቓቕላ ከምዘይሰርሕ ዝሓለፈን
ዘሎን ተመኩሮ ኣነጺሩ ካብ ኣርኣየና ንሕና ውን ሎሚ ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣገባብ ክንርሕቕ ይግባእ። እቲ ክንመርጾ
ዘሎና መንገዲ ነቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ጉዕዞ ኣቐጺሉ ሕብረሰብ ኤርትራ ባዕሉ ብድሌቱን ብዕግበቱን ናብ ሃገራዊ ኣቋውማ
ዝበጽሓሉ መንገዲ ጥራሕ ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ እታ ዝነኣሰት ሕብረተሰባዊ ጉጅለ ንመሬታን ህዝባን ባዕላ
በዲሞክራስያውን ሕጋውን መንገዲ እንዳኣማሓድረት ባህላን ቋንቋን ምጣኔህብታዊ ትሕዝቶኣን ንኸተማዕብል ዕድልን ደግፍን
ብምሃብ ጥራሕ ኢዩ ክረጋገጽ ዘለዎ። እዚ ምርጫዚ ነቲ ምምሕዳርዊ ኣማቓቕላ ብምጽባብ ወይ ውን ብምሽምቃቕ ዘይኮነስ
ብምስፋሕ ጥራሕ ኢዩ ክረጋገጽ ዝኽእል እንተዝይኮይኑ ግን እታ ዝነዛሰት ጉጀል ንነብሳ ናይ ምምሕዳር ዕድል
ስለእትስእን ካብቲ ዘላቶ ፍርሕን ጥርጠራን ክትወጽእ ኣይክትክእልን ኢያ።
ነዚ ዕማም ንምዕዋት ሎሚ ሕዲሽ
ነገር ክንፈጥር ኣይከድልየናን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ነዚ ዕላማ ዘገልግል ህዝብና ብዕግበት ክሰርሓሉ ዝጸንሔን ዘጸልኦን
ኣገባብ ኣማቓቕላ ሰልዘሎና። ንሱ ኻኣ እቲ ዝጸንሔ ናይ ዓዳዊ ወረዳዊ ኣውራጃዊ
ሃገርዊ ኣማሓዳድራ ኢዩ። እዚ ብኸመይ መንገዲ ንመደብና ከዔውት ይኽእል?
1. ዓዳዊ
ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓዲ
ዝነብሩ ኣንተዓበዬ ካብ ሓንቲ ቀቢላ እንተንኣሰ ኻኣ ካብ ሓንቲ እንዳ ዝመጽኡ ኢዮም ክኾኑ ዝኽእሉ፡ በቲ ይኹን በዚ
ኣብ መንጎኦም ዝልለ ምጥርጣን ፍርሕን የሎን፡ ካብዚ ሓሊፉ ነፍሲ ውከፍ ኣባል ንነብሱ ከምውልቀሰብ ጥራሕ ስለ
ዝውክል ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣማሕድራ ንምዝውታር ኣዝዩ ሕጋዚ ኢዩ። ብድቂቑ እንተታዕዚብናዮ ኣብዛ ዝነሳሰት ክፋል
ናይ ሃገርና ጥራሕ ክኸውን ኢዩ ዲምልራሲያዊ ሕግታት ምሉእ ብምሉእ ዝሰርሕ፡ ከመይ ነፍሲ ውከፍ ኣባል ንነብሱ ከም
ውልቀሰብ ስለዝውክላ እቲ ዝሰርሕ ሕጊ ሕጊ ዝዋሓዱ ብናይ ዝበዝሑ ውሳኔ ተቐይዶም ይኸዱ እምበር ሕቶ ናይ ውክልናስ
ቦታ የብሉን። ካብቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝደለ ነገር እንተሎ ነዚ ንምዕዋት መደባት ምስራዕን ንዘን ስልጣናት
እዚኣተን ከምዝዕወታ ምግባርን ጥራሕ ኢዩ።
2. ወረዳዊ
ወረዳ ዝተፈላለያ ዓድታት
ስለእተጠቓልል ተቐማጦኣ እንተወሓደ ካብ ሃደ ቀቢላ እንተብዝሔ ካኣ ካብ ዝተፈላልያ ቀቢላታት ዝመጽኡ ክኾኑ ይኽእሉ
ኢዮም። ኣብዚ እቲ ተሳትፎ ብደረጃ ዓዲ ስለ ዝኸውን ኣብ ምቛም ናይቲ ስልጣን ልዝብን ውክልናን ዘድልዮ ከምዝኾነ
ክዝንጋዕ የብሉን፡ እዚ ኣገባብዚ ነቲ ሕብረተሰባዊ ጉዕዞ፡ ንፍርሕን ምጥርጣርን ኣወጊዱ፡ ናብ ዝለዓለ ደርጅኡ
ንኽበጽሕ ይሕግዞ። ግድ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ኻኣ ምእላይ ናይቶም ፍርሕን ምጥርጣርን ክፈጥሩ ዝኽእሉ ነገራት
ይኸውን ብኻልእ ኣዘራርባ ገደ ናይ ማእከላይ ምምሕዳር ምርግጋጽ ዕግበት ናይታ ዝነኣሰት ጉጅለ ናይዚ ምትእክኻባት
ይኸውን ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ምምሕዳርዚ ንምዕዋት ኩሉ ዘድሊ መደባትን ጻዕርታትን ምክያድ እቲ ተወሳኽን ቀንዲ ዕማምን
ናይቲ ማእከላይ መንግስቲ ይኸውን።
3.ኣውራጃዊ
ዋላካ ብትሕዝቶኣኡ ካብ
ወረዳ፡ ብዝተፈላለያ ወረዳታት ስለዝቐውም፡ ዝዓቢ እንተኾነ ኣብ ኣተሓሕዝኡን ኣተኣላልይኡን ካብቲ ናይ ወረዳ ዝፍለ
ኣይኮነን። እቲ ክግበር ዘለዎ ጥንቓቐን ምስኡ ዝመጽእ ብዶሆን ግን ዓቢ ከምዝኾነ ዘጠራትር ኣይኮነን።
ናይ ኣውራጃ ምምሕዳር
ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝቖመ ሓጋግን ፈረድን ፈጻምን ኣካል ዘለዎ ዝማሓደር ናጻ ምምሕዳር ኢዩ።
4. ማእከላይ
ምምሕዳር/መንገስቲ ኤርትራ
ብመሰረቱ እዚ ንኹለን
ኣውራጃታት ከምብዝሔን ዝውክል ኣካል ኢዩ እንተኾነ ግን ንውክልና ናይታ ዝነኣሰት ሕብረተሰባዊ ጉጅለ ዝረሰዔ ክኸውን
ኣይግባእን ማለት ኩሉ ኤርትርዊ ጉጅለታት ብቐጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ከምዝተወከለ ብዝዕግበሉ መንገዲ
እንተዘይተሰሪሑ ኣብ ኤርትራ ንዘለዎ ጠቕሚ ዝጠራጠር ኣካል ክህለወና ኢዩ እዚ ጽቡቕ ውጽኢት ከምጻኣልና ኣይኮነን።
እዚ መደብ እዚ ብዘይ ግዝኣተ
ሕጊን ብዘይዲሞክራሲን ክረጋገጽ ከምዘይካኣል ዘካትዕ ኣይኮነን፡ እሞ ነዞም ከልተ ዕበይቲ ነጥብታት ድኣ ብኸመይ
ንኣልዮም ንዝብል ብሓጺር ምጥቃስ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ቅዋም
ኣብቲ ዝሓለፈ ክትዓት
ከይተመልስና ኣብ ምጽዳቑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሳተፈሉ ሓደ ቅዋም ክህልወና ከምዘልዎ ጥራሕ ክንዓግብ ኣሎና። ነቲ ተሰሪሑ
ዘሎ ቅዋም ከም መበገሲ/ንድፊ ወሲድና ሕማቑ ኣልጊስና ኣብ ርእሲ እቲ ቅኑዕ እንብሎ ነጥብታት ካልኦት ቅኑዓት
ነጥብታት ወሰኽና ኣብ ሓደ ቅዋም ክንበጽህ ይካኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእትኡ እዚ ሕጊዚ ልዕሊ ኩሉ ምኻኑ ብዘይውልውል
ክነረጋግጽ የድሊ
ዲሞክራሲያ
ዲሞክራሲያ ብግቡእ እንተዘይተጠቒምናሉ ዲክታቶርያዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነቲ መሰረታዊ ነጥብታት ናይ
ዲምክራሲያ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክንግልገለሉ እኳ ዝግባእ እንተኾነ ግን ነቲ እቶም ዝዋሓዱ ብናይ ብዙሓት ድምጺ
ትማእዚዞም ይኸዱ ዝብል ዓንቀጹ ግን ክንምዝምዞ ኣይግባኣን ከመይ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ከም ብዙሓት ኮይኖም ክመጹ
ዘይኽእሉ ሕብረተሰባውያን ጉጅለታት ግዳይ ናይዚ ሕጊዚ ኮይኖም ንዘልእለም ክነብሩ ስለዝኾኑ። ኣብ ከማና ዝኣመሰለ
ሕብረተሰብ ውልቃዊ ውክልና ዝባሃል ነገር የሎን ኣብ ከምኡ ኩነታት በጺሕና ኔርና እንተንኸውን እሞ እዚ ሒዘዮ ዘለኹ
ኣርእስቲ እውን ኣድላይነት ኣይምነበሮን። ኣብ እንነብረሉ ዘሎና ኩነታት መብዛሕታኡ ኤርትራዊ ንኤርትራዊነት ብውልቁ
ዘይኮነስ ከም ኣባል ናይ ሓደ ሕብረተሰባዊ ምትእኽኻብ ኢዩ ዝቕበሎ ስለዚ እንተድኣ እቲ ንሱ ኣባሉ ዝኾነ
ሕብረተሰባዊ ምትእኽኻብ ዝግብኦ ውክልና ዘይረኸበ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ኣብዛ ትባሃል ዘላ ኤርትራ ጠቕሚ ከምዘይብሉ ኢዩ
ክርዳእ ዝጅምር ከመይ መሰሉ ናይ ተመራሕነት ጥራሕ እምበር ናይ ምምራሕ ኮይኑ ስለ ዘይርድኦ።
ስለዚ ብዘይካ ኣብ ዓዳዊ
ምምሕዳር ኣብተን ካልኦት ምምሕዳራት ንኽልቲኡ ሸነካት ናይ ዲሞክራሲ ማለት
1. ፍትሓዊ ዝኾነ ውክልና ናይ ኩሉ
ሸነኻት ከምዘሎ ምርግግጽ፡ እዚ ማለት ግን 1000 ኣባላት ዘልውዋ ሕብረተሰባዊ ጉጅለን 10000 ኣባላት ዘለውዋ
ሕብረተሰባዊ ጉጅለን ማዕረ ውክልና ክህልወን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን ነዚ ዝጠልብ ካኣ ዓማጺ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ
2. ናይ ብዙሓት ድምጺ ምኽባር፡ እዚ
ጉዳይ እዚ ብዝለዓለ ደረጅኡ ክንጥቀመሉ እንኽእል ድሕሪ እቲ ብውክልና ናይ ኩሉ ዝቖመ ስልጣን ምርግጋጽ ኢዩ። ይኹን
እምበር ኩሉ ጊዜ ርእይቶን ድምጺን ውሑዳት ኣብ ግምት ክእቱ ኣለዎ።
|