|
ሕነ ቀራናትሲ ንጓዕማማት
ነጸረ ተ/መድህን
- ለንደን - 20-03-2005
ኣብ ሓደ ቆራጽ ዉሳኔ ዘድልዮ ቃራና መንገዲ ተዓኒድና ናበየናይ ንእለ፡
ሓባሪ ዝተሳእኖ ዕግሽግሻት ከም ናይ ሓባር ኤርትራዊ ሃገራዊ ሽግራትና ብዕምቆት ክንላዘበሎም ይግበኣና።
ንሓደን ንሓደን ኢልካ ዝግደፍ ጸቢብ ዉራይ እዉን ኣይኮነን። ሕሉፍ ተመክሮና ብብቕዓት ዘንበበ ንጹር ራእይ
ኣቐሚጥና፡ ሃገራዊ ጸገማትና ብምልኣት ናይ ዝፈትሕ፡ ዕሉል ተስፋ ዘዉህብ፡ ነዚ ናይ ድነ ጽልግልጋት ዘልግስ ርጡብ
ሓድሽን ምዕቡልን ናይ መስርሕ ጎደና ክንከፍት ዘኽእለና ዓቕሚ ብህጹጽ ክጥረ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ከም ስራሕ
በጋሚዶ፡ ኣብ ክንዲ ብጭቡጥን ናይ ስረሓትካ ብቕዓትን ዘርኢ ተኽእሎ ምቕራብ፡ ንጹህ ስክፍታን ሃገራዊ ሓልዮትን
ንዘለዎም ዜጋታት ከተፈራርሕን ዝለዓለ ናይ ክሲ ጥቀናታት ዘመልክት ክትዕድልን ምፍታን፤ ናይ ስምዒታትካን ዕቑር ናይ
ጽልእታትካ ናህርን ወስታታት ካብ ምዃን ኣይሓልፍን እዩ።
ከምዚ እንተ ኾይኑ፡ እታ ተሪፋ ዝነበረት ልሕልሕቲ ናይ ተስፋ ገመድ፡
እናሻዕ ብስንፍና “ተቓወምቲ ዉድባት” ማህሚና፡ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክትብንጠስ ደልያ ዘላ ዝምድና ብኸምዚ ዝኸይድ
ዘሎ ኣሰራርሓን ሓርፋፍ ዝምድናን ሓኻኺምካ ትንፋስ እትሰኩዕ ኣይኮነትን። ነዚ ዉድባት እርጋን መራሕቱ ጥራሕ
ዘይኮነስ፡ ንባዕሉ ከም ዉድባት ቅርጻኡ ቆንቒኑ ንግሉጽነት፡ ተሓታትነት ኮነ ምዕቡል ራእይ ከተኣታቱ ዘየኽእል
መድረኻት ዝገደፎ፡ እናበለ ህዝቢ ስክፍታኡ ብጋህዲ ከንብር ጸኒሑ። ሓቁ ኸኣ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ኣብ ተመክሮ
ብረታዊ ቃልሲ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ከም ተቓወምቲ ኮንካ ምጽናሕ ሓጺር ግዜ መዓስ ኮይኑ።
ንህዝቢ ካብ ዘሰክፉዎ ጉዳያት እንተ ዘርዘርናዮም ምናልባት ፍቓደኛታት
እንተኾንኩም ከም መበገሲ ልዝባትና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።
ሀ)
እዘን ዉድባት፡ ናይ ሓባርሲ ይትረፍ ዝተቐራረበ እኳ ይኹን ናይ ሃገርና ታሪኽ ሚዛናት ኣለወን ዶ?
ለ) ንሕሉፍ ታሪኽ ሃገርና ከም መምሃርን መኣረምን
ዉጽኢት ገይረን ዶ ይወስዳኦ?
ሓ) ኣብ ጽንኩር ይኹን፡ ብተመዛዛኒ ዝግለጽ ህዱእ
ኩነታት ተጸዋዊረን፡ ናይ ምፍንጫል ሓደጋታት ክፍዉሳ ይኽእላ ዶ ነይረን?
መ)
ተቐናጢበን ዘሎዋ ዉድባት ብንጹር ንወድዓዊ ኣተሃላልዋኤን ዝፈጠረ ናይ
ታሪኸን ሚዛን ኣለወን ዶ?
ሰ) ኣብ ልዕሊ እዚ ዘሎ ስርዓተ መንግስቲ ናይ ሓባርን
ዝተቐራረበን ሚዛናት ኣለወን ዶ?
ረ) ንኹሉ ብዕግበት ዘይማእከለ፡ ተመክሮ ዝሐለፈ
ሃገራዊ ምሕዝነት ብኸመይ ተገምጊሙ?
ቀ) “ዴሞክራስያዊ ኪዳን” ንዝተሰማምዓትሎም ዝተሓቱ
ፖሊቲካዊ ዉሳኔታቱ ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ ናብ ህዝቢ ዘየዉረደቶም?
ድሕሪ እዚ ኩሉ ዓመታት፡ ንምትእኽኻብካ ጥራሕ ከም ኣዝዩ ዓብን መወዳእታን
ጌርካ ምቕራብ፡ ናይ ራእይኻ ጽበት ንወድዓዊ ክዉንነት ሃገርና ኸኣ ቁምነገረኛ ጠመተ ዘይምሃብን ምልክት እዩ።
ንመድረኻት ክትመልኽን ክትመርሕን ዘይምብቃዕ ነዉሪ ኣይኮነን፤ ንድኽመታትካ ዘይምንቃፍን ዓቕምታትካ ዘይምብራህን ግን
ኣጸያፊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሃገራዊ ጥልመት እዩ’ዉን። መተካእታ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ኮንካ ንምቕራብ ዘኽእለካ፡ ካብቲ
ስርዓት ዝፈልዩኻን ጸብለል ዘብሉኻን ሃገራዊ ፖሊቲካዊ መደብ ዕዮታት ከተቕርብን ክትዉንንን ምስ እትኽእል ጥራሕ
እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣየናይ የሙቖን ኣየሙቖን ሳላ’ቲ ሃብታም ተመክሮኡን ባሕሪ
ልቦናኡን ሰፊሕ ኣፍልጦ ኣለዎ። መቓልሕ ድምጹ ዝሃበሉ ቅያዊ ታሪኹ ተዘንጊዑ፡ ሎሚ ኣብ ክንዳኡ ኣፈኛ ኮንካ
ዘይበሎን ዘይሓተቶን ሓሶታት ለቓቒብካ ምንባሕ ጠቕሚ የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ኣብ ከዉሒ ዘፍሰስካዮ ዘራእቲ
እዩ። ከም መፈራርህን ዉሱን ሒሳባትካ መተግበርን ዓፈና ከገልግል’ዉን ኣይክእልን።
ንስክፍታን ናይ ምሕታት መሰልን፡ ንምጭፍላቕ ዝለዓልን ዝዉደስን ዘሎ
መደረታት መዋጽኢ ዘለዎ ጉዳያት ኣይመስለንን። እዚ ብሚዛነይ ርትዒ ዘየሰነዮ ጸቢብ ዉድባዊ ተሓላቕነት ዘንጸላለዎ
ስምዒታዊ ተጻይ መልሲ ደኣምበር፡ ካብቲ እትወቕስዎ ዘሎኹም ስርዓት በየናይ ኣገባብ ትፈላለዩ ብሩህ ይገብሮን እዩ።
ሕጂ’ዉን እቲ ኮለላትኩም ሕነ ቀራናትሲ ንጓዕማምት ከይከዉን፣ ነቶም ኣብ ካርቱም ኮይኖም ዝሐንጸጹ መራሕቲ ኢና
መልሲ ክህቡ ንሓትት ዘሎና። ዉድባትና እንድዩ ዝዛተ ዘሎ፣ ነዓና ኸኣ ከነብርህ ይምልከተናን ይብጸሓናን እንድዩ
ትብሉ እንተ ሃሊኹም፡ ሃየ ምስ ርትዕታትኩም ቅረቡ። ብዝተረፈ፡ ኩሉ’ቲ ናይ ድልየታትን ክኸዉን ኣለዎ ኢልኩም
ዘቕረብኩምዎ ምንዮታትን ከይብርዕን ኣዚና ንስከፍ ዘሎና። ዕብራን ኮነ ህጥራን “ተቓዉሞ ዉድባት” ባዕለን
ዝከናኸናኦን ዝፍዉሳኦን ደኣምበር ናይ ወላ ሓደ ዉልቀ-ሰብ ኮነ ህዝቢ ብመላኡ ዝሕተትሉ ዋኒን ኣይኮነን። ሃልየን
ኣይሃልየን ከኣ፡ ዝግበር ህዝባዊ ቃልሲ ኣንጻር ናይ ምልኪ ስርዓት ደዉ ዝብል ኣይኮነን።
ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዉኣትና!!
|