|
ሐሶት
እንተበዝሔ ሐቂ የምስል
አብ ዝሐለፈ ሰሙናት ብዛዕባ
እታ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያና መሰረተ-ቢስን ጸለመን ዝዓሰሎ ጽሑፋትን ዘረባን አብ መርበብ ኢንተርኔት
ክካይድ ቀንዩን አንቢብናን። ነዚ ጽሑፋት ዘቕረቡ ዋላ እኳ አስማቶም እንተዘይአስፈሩ ብባህርያኦምን በቲ ትሕዝቶ
ጽሑፍን መንነቶም አይንስሕቶን። ልክዕ እዩ መንነቶም አገዳሲ አይኮነን፡ እንታይ ደአ አብ ቅድሚ ክርስትያን
ምእመናን፡ ንጹሃት ክርስትያን እንዳተመሰሉ መርዚ ይነዝሑ ምህላዎም ዝተለምደ ባህሪኦም ምዃኑ ስለንፈልጥ፡ ኩሉ
ክርስትያን ብሕልፊ ኸአ አማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዓይኑን ቀልቡን ከፊቱ ክርእዮምን ክከታተሎምን ክፈልጦምን ይግባእ።
ኮይኑ ግን ነቲ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ንሕና ብኽልተ መልክዕ ንርእዮ፡ እዚ ኸአ 1ይ) እቲ አብ መጽሐፍ ቅዱስ ተጻሒፉ
ዘሎን ዝተነበየን ክፍጸም ከሎ ብግብሪ ምርአይና፡ 2ይ) ሐቂ ዘይሐዘለ ጸለመ አብ ልዕሊ መንግስትን ውልቀሰባትን
ክኸውን ከሎ ብተወሳኺ ከአ ናይ ሐደ ወገን ጽሑፍን ምዃኑ እዩ።
ካብኡ ብዝተረፈ እዛ ቅደስት
ቤተክርስትያና ቅድሚ ሕጂ እንተኾነ’ውን ብዙሕ ፈተነታት ዘሕለፈት ስለ ዝኾነት ነዚ መሰረተ-ቢስን ሐሶትን ጸለመን
ክስን ከምትሰግሮ ምዃና አይንጠራጠርን ስክፍታው’ን የብልናን። እምበአርከስ እቲ አብ አዝማሪኖ . ካም ዝተጻሕፈ
“እቲ ሐቂ ኩሉ ይፍለጦ” ዝብል አርእስቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ንምልሰሉ።
ጉባኤ አቦታትና ይካየድ ከም
ዘሎን እዚ ጉባኤ ኸአ ብዘይ አፍልጦ ፓትርያርክ ከምዝተኻየደን ዕድመ ጥራይ ከም ዝተዋህቦምን ጸሐፊ የቕርብ።
ጥንታዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ አብ ሰሜን አሜሪካ አብቲ ጉባኤ ስለዘይነበርና (ምናልባት
ጸሐፊ አብቲ አኼባ ነይርካ እንተኾንካ አይንፈልጥን) ብዛዕባኡ ክንዛረብ አይንኽእልን። እንታይ ደአ ነቲ ዝተጻሕፈን
ዝጸሐፍን ዘሎ ብጉልባብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ካብ “አስመራን ግዱስ ወዲ ቤተክርስትያን” ዝብሉ አብ ዝተፋላለየ መርበብ
ዘቕረብዎ። “እቲ ሐቂ ኩሉ ይፍለጦ” “ አቤቱታ “ናብ ጉባኤ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን
ኤርትራን ናብ ኩሎም ክርስትያናትን ብቤተክርስትያኖም ዝግደሱን አመንቲ”። ናይ ብሐቒ ክርስትያን
እንተኾይኖም እሞ ኸአ ሃይማኖቶም “ይድፈር” እንተአልዩ፡ ትምህርቲ ክርስቶስ ምእንቲ ሐቂን ምእንቲ መስቀሉን
እምነቱን አሽንኳይዶ አስማቶም ምስፋር ግንባሮም ክህብ ይግበኦ። እንታይ ዘፍርሕ ነይሩ። ግን ከምቲ አብ ላዕሊ
ዝጠቐስናዮ እንታይነት ውልቀሰብ ንምፍላጥ ደሊና ዘይኮናስ፡ ንምብርሁ ኢልና ኢና። ካባኡ ብዝተረፈ ካብቲ ትሕዝቶ
ጽሑፍን ባህሪኡን መን የቕርቦ ከም ዘሎ አይንስሕቶን አይትስሕትዎን እውን። ስለዚ ነተን ጽሑፋት ሐደ ብሐደ ከከም
አመጻጽኤን መልሲ ክንህበለን ኢና። እምበአርከስ በታ “እቲ ሐቂ ኩሉ ይፍለጦ” ንጅምር፡-
ብጣዕሚ ዘገርምን ዘስደምምን
እዩ፡ አቦና ብፅዕ ወቁዱስ ፓትርያርክ አቡነ አንጦንዮስ ብሃይማኖታዊ ጉዳይ ምምሕዳር (መንግስቲ) ተጽዕኖ ተገይርሎም
አብ ዘይፈልጥዎ አኼባ ተጸዊዖም ምስ ቀረቡ “ንቤተክርስትያን መድኃኒዓለም መካነ ሂወት ዕጸውዎ” ምስ ተባህሉ “አነ
ቤተክርስትያን ደአ ይኸፍት እምበር ቤተክርስትያን አይዓጹን” እንተደሊኹም ከአ ባዕልኹም ዕጸውዎ፡ ክብሉ መሊሶም
ይብል ጸሐፊ። ብሐቂ የስደምም! እዚ መልሲ እዚ ካብ አቦና አቡነ አንጦንዮስ ወጺኡ እንተኾይኑ ብጣዕሚ ዓቢ ምዕባሌ
ምበልናዮ። ምኽንያቱ ባህሪኦም ስለ ዘይኮነ። እዚ መበሊና ኸአ ብጭቡጥ አብ ጥቅምቲ 2002 አቡነ አንጦንዮስ፣ አቡነ
ዲዮስቆሮስ፣ ሊቀ ጉባኤ በየነ እያሱን፣ ቐሺ ተኽለ ተፈሪን ንሰሜን አሜሪካን ካናዳን ዑደት አብ ዘካይድሉ ዝነበሩ፡
ዘስካሕክሕን፣ ዘነውርን፣ ዘሕፍርን፣ ተግባራት ካብ መራሒ ሃይማኖት ዘይኮነስ ካብ ዓለማውያን ምእመናን ዘይትጽበዮ
ጎጃጃልን ፈላላይን አረመናዊ ተግባራትን ወሲኖም ስለ ዝኸዱ እዮም። ከም አብነት ንምጥቃስ፡-
1.
አብ ሰሜን አሜሪካ ስያትል ትበሃል ከተማ ንቐሺ ተኸስተ ከፍትዉ ንቤተክርስትያን ደብረገነት
ቅድስት ስላሴ ስያትል ብዘይ ሐደ ቅኑዕ ምኽንያት ዓጽዮም። ቐሺ ተኸስተ አብ ስያትል ዝርከቡ ብጀካ
ገንዘብ ካልእ አምላኽ ዘይፈልጡ፣ ብቕርሕንትን ጽልእን ዝተዋሕጡ፣ ድሕሪ ቅዳሴ ጽልኢ ዝነዝሑ፣ ህጻናትን ዓበይትን
ሞይቶም አብ ሐመድ ድበ ዘይርከቡ፣ ዝተባእሱ ዘይዓርቁ፣ እንትርፎ ጽልኢ ከባልሑን። ብዝያዳ ህይወት ታሪኾም አብ
ሱዳን ዘርእይዎ ባህርያት ዝነበሩ ብመዓልቱ ምስ ተገልጸ እኹል ኸውን እዩ። ስለዚ አቡነ አንጦንዮስ ናይ ከምዚኦም
ዝአመሰሉ ቀሳውስቲ ድልየትን ሃንቀውታን ዘማልኡን ቤተክርስትያን ንምዕጻው ዓይኖም ዘይሐስዮ አቦ እዮም። ብተወሳኺ
አብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ከተማ እንዳ መድኃኒዓለም ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን
ኤርትራ አብ መንጎ ምእመናን ሕንፍሽፍሽን ምግምማዕን ፈጢሮምን፡ ነቶም ብቑርን፣ በረድን፣ ጸሐይን ከይበሉ ነቲ
ቤተክርስትያን ዝመስረቱ መ.ሰ. ቐሸ ዳዊት አኮሎም ብወኪሎም ቐሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስን ብአማዕድዮም ዘይርእዩ
ብሐሶትን ብምጽላምን ብጽልእን ዝተውሕጡ አብ ውሽጢ እቲ ቤተክርስትያን ዝርከቡ ዘቕረቡሎም ሐሶት አወጊዞምን ብፖሊስ
ንBኤተ ክርስትያን ከይአትው ዘኸልከሉ መራሒ ሃይማኖት እዮም። ናይዚ ውጺኢት ከአ አብ መንጎ ምእመናን ዝነበረ ጽኑዕ
ክርስትያናዊ እምነት ጠፊኡስ አብ ቤት ፍርዲ ይርከብ። ናይዚ ቤት ፍርዲ ውሳኔ ኸአ ንሐምለ 2005 ናይ መጠረስታ
ክብየን ምዃኑ ይፍለጥ። ከምኡ’ውን በቲ ዕሉል ዝኾነ ኩርኩሮም ቐሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ሓላፊ ናይ ምሉእ ሰሜን
አሜሪካ ንኡስ ሃገረ ስብከት እየ ዝብል ብዝሃብዎ ፍናን ብመን አሎኒ አብ ከተማ ደንቨር ኮሎራዶ ልደት
ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ አብ ዝበዓለሉ ዝነበረ ነታ ተቐማጦ ደንቨር ዝእከቡላ ቤተክርስትያን ብትእዛዘይ
ስለዘይትኸዱ ኢሉ ነቶም ዘካርይዎም ቤተክርስትያን፡ ጳጳስ ፓትርያርክ ኤርትራ አዚዞምኒ እዮም እቲ ገዛ
ከይትኸፍትሎም ኢሉ ዘዕጸወ ካህን ብናይ መን እዚ ድዩ?። እቶም ምእመናን ከአ ልደትና እዩ ኢሎም ትሕዝቶኦምን
ቐሾምን አብቲ ደገ ቛሕመም ድሕሪ ምባል ዝራገም ተራጊሙ፡ ዝበኪ በኽዩ፡ ከም ሻምኡ አሕሊፎሞ። ከምኡ’ውን በቲ
ኩርኩሮም ዝኾነ ቐሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ አብ ኢንድያና ብውሽጢ ውሽጢ ምስ ፍሉያት ምእመናን
ተራኺቡን ቤተክርስትያን ድሕሪ ምምስራት ሐንቲ ነገር ርኽኽብ ከምዘይብሉ ተመሲሉ አብቲ ዓዲ መጺኡ አብ ክንዲ ምዕራቕ
አብ መንጎ ምእመናን ዱሑርን ብዕሉግን ዝኾነ ብአውራጃ ፈላልዮን ዘይወጽእ ቅርሕንቲ ፈጢሩ አብ ክልተ ተመቒሉ
ይርከብ። አቦና ዝፈጸምዎ አብ ሰሜን አሜሪካ እዚ ኢልካ ቆጺርካ ዝውዳእ አይኮነን፡ ግን እቲ ዋና ዘሕዝን ሐደ ጥሙር
ክርስትያን ዝነበረ ሎሚ አብ ነፍስ ወከፍ ከተማ ሰሜን አሜሪካን ካናዳን አብ ክልተ ወይ ሰለስተ ተኻፋፊሉ ይርከብ።
እዚ አረመናዊ ተግባራት አብ ቤተክርስትያና ይኹን ባህልና ተረእዩ ዘይፈልጥ፣ እሞ አብ መንጎ ምእመናን ብዜግነት፣
ብዓልየት፣ ብአውራጃ እናፈላለኻ ዝስራሕ ስርሐት በቲ መንበረ ጵጵስና ንሰሜን አሜሪካ “ከመሐድር” ዝተመዘዘ ቐሺ
ገብረሚካኤል ዮውሃንስን ኮራኮሩን ክእለን ክፍጸምን ምርአይ ብሐቂ ዘሕዝንን ዘገርምን ኮይኑ፡ ምምሕዳር ቤተክርስትያና
ዝቆጻጸር አካል የብሉን ድዩ? ወይስ እቲ ብሰላምን ብፍቕርን ዝነብር ዝነበረ ምእመናን “ብማእከልነት” ከነማሐድረካ
ዝተባህለ ነዚ እዩ ነይሩ? መጀመርያ የጉሂ ደሐር ከአ የሕንኽ። እዚ ኹሉ ዘይንቡር ተግባር ብናይ መን እዚን
ትእዛዝን ይፍጸም ነይሩ? ብናይ አቦና አቡነ አንጥፕንዮስ ምድፍፋእ ዶ አይኮነን?።
2.
ካልአይ ነጥቢ - መንግስቲ አብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ኢዱ ከእቱ የብሉን ይብል ጸሐፊ፡ ግርም! ንሕና
እውን ንድግፍ፡ ምኽንያቱ ኸአ ሃይማኖት ናይ ግሊ እዩ። ኮይኑ ግን ብጉልባብ ሃይማኖት ጌርካ አብ ውሽጢ ሃገር
ዕግርግር ምፍጣርን ድልየት ናይ ወጻኢ ሃይማኖት ንምትእትታው ዝግበር ፈተነ ናይታ መንግስቲ ዕማም ይኸውን። በቲ
ጸሐፋይ ዝወንጀሎ መንግስትና ንሕና ንፈልጦ ስለዘይብልና ንመንግስቲ ዘርኢ ጉዳይ እዩ ኢልና ንሓልፎ። ካብኡ
ብዝተረፈ ግን ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካን ብኢድካ ኮይኑ እምበር፡ አቦናን ዕሉል ኩርኩሮምን ቐሺ
ገብረሚካኤል ምስ ደቀ መዛምርቱ ነቶም አብ ጥንታዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ አሚና ንንቀሳቐስ አብ ዝተፋላለየ ከተማታት
ሰሜን አሜሪካን ካናዳን እዚአቶም አንጻር መንግስትና ኢዮም፣ ዕሱባትን ብወያነ ዝምወሉ እንዳበሉ ጎስጓስ የካይዱ
ነይሮም፡ ሕጅንከ መንግስቲ አንጻር አቦና ኣቡነ አንጦንዮስ ኮይኖም፡ መንግስቲ ብኢደ ዋኒኑ ንየፍታሄ ዲመጥሮስ ምሉእ
ስልጣን ሂብዎ እንዳበለ ይኸስስን የጸልምን። ዘሕፍር እዩ። ሕጅ ግን መን ብወያነ ዝምወልን አንጻር ሀገርን
መንግስትን ከምዝኾነ ብእዋኑ ክግለጽ እዩ። መጋቢት 9, 2005 አብ ERI-TV ብጋዘጤኛ ኢልያስ አማረ ቃለ መጠይቕ
ምስ መራሕቲ ሃይማኖት (ተዋህዶ፡ ምስልምና፡ ካቶሊክ፣ ወንጌላዊት) ዝብል መደብ ተኻይዱ፡ ንአቦና አቡነ
አንጦንዮስ ዝቐረበት ሕቶ “ መንገስቲ ኤርትራ አብ ሃይማኖታዊ ስርሐትኩም ኢዱ የእቱ ዱዩ? የእትዩዶኸ ይፈልጥ?
ምኽንያቱ ብወጻእተኛታት ሃገራት ኤርትራ ትኽሰስ እያ፡ ስለዚ እስከ መብርሂ ሃቡኒ ምስ በሎም፡ መልሲ ናይ አቦና
አቡነ አንጦንዮስ መንግስቲ ኤርትራ ኢዳ የእትያ አይትፈልጥን ኢሎም መሊሶም። ምናልባት ሐደሐደ ሰባት
ካብ አሉታ ዝብገሱ እንታይ ደአ ክምልሱ ደሊኹሞም ብምባል፡ ንምጽላም ዝተዓጥቁ አይሳአኑን ይኾኑ፡ ግን አብ ላዕሊ
ብጸሐፋይ አቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፡ አቦና አብ ቅድሚ መንግስቲ (ሃይማኖታዊ ጉዳይን ምምሕዳር) ቤተክርስትያን “ዕጸውዎ”
ተባሂሎም “አይዓጽውን” ኢሎም መሊሶም ኢሉ፡ ስለዚ አብዛ መደረ’ዚአ አቦና አቡነ አንጦንዮስ ገለ ኢድ ምትእትታው
እንተዝነብርስ የናሕስዩ እዮም ኢልና አይንጽበዮም። ስለዚ መን እዩ እቲ ሐቀኛ? ንዝብል ንመጻኢን
ነንበብትን ንሓድጎ።
3.
ሳልሳይን እቲ ቀንዲ ጉዳይ፡ ጸሐፊ ከም ናይ ግሊ ውልቀ ሰብ ውድድር ገይሩ የቕርቦ፡ ግን ከምቲ ሐውና
ዝገለጾ ዘይኮነስ እቲ ነገር ጉዳይ ሃይማኖት እዩ። እቶም ዝበዝሑ ጳጳሳት ነቲ ሃብቶም ዝኾነ
ጥንታዊ ትምህርትን ትውፊትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያንና ክኽተሉ ከለው፣ አቦና አቡነ አንጦንዮስ ግን
ተደናጋጺ ናይቶም ሃብታማት ብገንዘብ፡ ዝኾኑ ሐደስቲ ሃይማኖት ሰብ ጊታር፣ ፕያኖ፣ ኮንፒተር ወ.ዘ.ተ.
ተሐድሶ ዝበሃሉ እዮም። ( ብዛዕባ እዚአቶም “ተሐድሶ” ብበዓል ቐሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስን
ደቀመዛሙርቱን ዝጥቀምዎ ዘሎው ጉልባብን ስልትን ሽጣራን አብ ቀጻሊ ጽሑፋትና ብዑምቕ ዝበለ ከነቕርበልኩም ኢና)።
4.
እቲ ሐደ ገጽ ናይ አቦና አቡነ አንጦንዮስ ብግልጺ አብ ሰሜን አሜሪካን ካናዳን ብቕሉዕ አርእዮምዎ
እዮም። አብ ሰሜን አሜሪካ ሐንቲ ቤተክርስትያን ከይዓረቑ እዮም ተመሊሶም፡ በንጻሩ ነቶም ብጊታርን ፕያኖን ዝግዕሩ
ብጉልባብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢና ኢሎም ዝንቀሳቐሱ ተሐድሶ ዝበሃሉ ደጊፎምን፡ አብ ሃይማኖትና ተራእዩን ተሰሚዑን
ዘይፈልጥ አብ ሆቴል ክህነት መዓርግ ቀሺ ዝሃቡ እዮም፡ ከምኡ’ውን ነቶም ሱሱዓት ቀሳውስቲ
ድልየቶም ብምምላእ አብ ልዕሊ እቶም ጥንታዊት እምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ጥራይ ኢና ንምራሕን ነገልግልን ዝበሉ
( ከም እኒ ቐሺ ተስፋይ ስያትል፣ መ.ሰ. ቐሺ ዳዊት አኮሎም ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ው.ዘ.ተ) ወጊዞምን፡ ሕሉፍ
ሐሊፎም ዓለም ዘይንገብሮን ዘይንዛረቦን ንመ.ሰ. ቐሺ ዳዊት አኮሎም አብታ ቤተክርስትያን ቅልቅል እንተይሎም ብፖሊስ
የእስርዎም፡ አብዛ ግዳም ቤት ዘይብሉ (Homeless) ክገብሮ እየ ኢሎም ብፈኸራ ንቦታኦም ዝተመልሱ
መራሒን አቦን እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ እውን እቶም ኮራኩሮም ብፖሊስ ንመ.ሰ. ቐሺ ዳዊት አኮሎም ነቲ በቦና አቡነ
አንጦንዮስ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ንምፍጻም ስጋሁ ወደሞ ተሰኪሞም ንቤተክርስትያን አብ ዝመጽእሉ እዋን ክልተ ሰንበት
ብፖሊስ ዘስጎጉ አቦ እዮም።
ነዚ ጽሑፍ እዚ ጥንታዊት ኦርቶዶክስ
ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ አብ ሰሜን አሜሪካ ምሉእ ሐላፍነት ትወስደሉ። ምዕዶ ይኹን መኤረምታ አብዚ ታሕቲ
ተጠቒሱ ዘሎ አድራሻና ክትልእኩልና ንላቦ።
እግዚአብሔር
ምሕረቱ አውሪዱ፣ ነታ ጥንታዊት ሃይማኖተ አበው ከጽናዓ ናይ ዘወትር ጸሎትና ክኸውን ይግባእ። ክሳዕ መስዋእቲ
እንተኾነ እውን ንጥንታዊት ቤተ ክርስትያና፣ ደቃ ካብ መናፍቃን ክንከላኸለላ ኢና።
ንሃገርናን ህዝባን ይባርኽ
ጥንታዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ
ቤተክርስትያን ኤርትራ አብ ሰሜን አሜሪካ
ARCHAIC ERITREAN
ORTHODOX TEWAHDO CHURCH IN NORTH AMERICA
P. O. BOX 27461
WASHINGTON, D.C. 20038
አካያዲት ሽማግለ
|