|
እዚ ኹሉ ዋይ ዋይስ አብ ምንት ምንታይ?
ሰመረ አርዓዶም
እቶም አለዉ ዝብሃሉ ኤርትራውያን ናይ
ተቓውሞ ውድባት አብ ዝሐለፈ ቕንያት፣ ናይ ሕድ ሕድ ልዝብን ዘተን ብምክያድ፣ ነቲ ብሐይሉ አብ ዝባን ህዝቢ ኤርትራ
ዝተወጥሔ፣ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምልጋስ፣ ህዝቦምን ሃገሮምን ከአ ንምድሐን፣ አብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ፣ ዓለም
ምሉእ ዝፈለጦ ሐቂ ኢዩ።
ህዝብናውን ከሎ ጌና ብዓንተብኡ
ምቅርራብን ምውህሃድን ቅሳነትን ራህዋን ከም ዘምጽእ ተገንዚቡ፣ ዝሰምዖ ድአ አይረኸበንምበር፣ ወግሔ ጸብሔ፣ ቁም
ነገር ክትገብሩ፣ ሕበሩ ስመሩ፣ ካብ ዝብል አይወሐዶን። አረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ኤርትራዊ ዜጋ አብ ገዛእ ዓዱ
ዓው ኢሉ ድላዩ ከይዛረብ ብጎረርኡ ሐኒቑ፣ ዝደለዮ ከይጽሕፍ ብኢዱ ኮኲዱ፣ ዘዝተወልደ ክንዲ ዝምሃር መመንጢሉ
ብኽሳዱ፣ ውግእን ህልቀትን አዋዲዱ፣ ሃገር ጻንታ ክገብራ ዝተዓጥቀ ምዃኑ ሎሚስ ምብራህውን ዘድልዮ አይኮነን።
ንእከይ በላዕ ሰብ ዝኾነ ስርዓቱ፣ ዕድመኡ ካብ ዘናውሖ ቀንዲ ምኽንያት ከአ፣ ከምቶም መጣቓዕቲ ዝብልዎ ሐያል
ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ኤርትራዊ ዓውደ ተቓውሞ፣ ብልሒ ኲናቱ ናብ ነብሱ መሊሱ፣ ሕድሕዱ አብ ምውጣጥን አብ ምስሕሐብን
ወርቃዊ ጊዜኡ ስለዘባኸኖ ምዃኑውን ክሕባእ ዘይግብኦ ሐቂ ኢዩ።
ሎሚ ግን መራሕቲ ደምበ ተቓውሞ ልቦና
ጌሮም፣ ነቲ ዝሐለፈ አሉታዊ ተመኩሮ ሰጊሮም፣ አብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምስሕሐብ አወጊዶም፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን
አቐዲሞም፣ ናይ ምቅርራብን ምውህሃድን አፍ ደገ በሪ ምኽፋቶም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ብስራት፣ ንህግደፍን
መንጨብጨብቱን ከአ ሰፍ ዘይብል መርድእ አውያት ከምዝኾኖም ምንም ጥርጥር የብሉን።
ብቐደሙውን እንተኾነ፣ ምፍንጫልን
ምፍንጣሕን ድአ ያዕ ክብሃል ዘለዎ ጽያፍን ነውርንምበር፣ ምቅርራብ ኮነ ምውህሃድስ ሰረት ቅሳነትን ሰላምን ምዃኑ
መንከ ደአ ይጠፍኦ?
አብ ዝሐለፈ ቅንያት ገለ ኤርትራውያን
ነቲ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ዝበጽሕዎ ስምምዕን፣ ዝመስረትዎ ውድብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ብምጽራር፣
ብምቁንጻብ ብዙሕ ክጽሕፉ ከምዝቐነዩ ሰሌዳ ኢንተርነት ዘንብብ ዝተዓዘቦ ኢዩ።
እሞኸ ድአ ኤርትራውያን ተቓወምቲ
ውድባት አወሃሂዱ ዘካይዶም ሃገራዊ ስምምዕን፣ ጠሚሩ ዝሕዝ ናይ ሐባር ፖለቲካዊ ጽላልን፣ ብምምስራቶም ዝቕየምን፣
ማዕረ ክንዲዚ ሃይሃይ ኢሉ ብቓንዛ ዝሐምምን ሰብስ እንታይ ዝዓይነቱ አተሐሳስባ ዘለዎ ኤርትራዊ ኾን ይኸውን?
እዞም በብኹርናዖም አድብዮም ከም ዕንጭራር ውጭጭ፣ ከም ዝተሃርመ ከልቢ ከአ ዑጽ ዑጽ እንዳበሉ፣ ሰሌዳ ኢንተርነት
ብወየ ወየ ክልብጡ ዝውዕሉ ዘለዉ አሕዋትናስ እንታይ ኮን ነኺእዎምዩ?
እቲ ቀደም ተቓወምቲ ውድባት ነንበይነን
ፋሕ ብምባለን፣ ክላ እዚኤን ፋሕ ፋሕ ዝበላ ሐድነትኳ ዘይብለን ቁም ነገር ዘይብለን እየን እንዳበሉ
ክሐምይወንን ክበልዑወንን ከምዘይጸንሑ፣ ሎሚ እንከ ተዛትየን ብምውህሃድ ቃልሰን ከሰላስላ አብ ዝተበገሳሉ፣ ወግሔ
ጸብሔ ንዕኤን ዝዕንቅፍ ደናጉላ ክኹምሩ ምዓሎምን ምሕዳሮምንስ ንአዳም ገረሞዶ አየብልን? ምስ ምንታይከ
ይጽብጸብ? ናይ እንዳ መን ሕልምን ትልምን ንምትግባር፣ ንመን ንምሕጓስ ድአዩኸ ክንዲዚ ብተርባጽ ዝተሃወጸ ናይ
ሽውሽው ዳንኬራን ዳበላንከ?
ድሕነትን ሕልፈትን ክርከብ፣ እቲ
ተሪፉና ዘሎ ኤርትራዊ ዓቕሚን ትሕዝቶን ካብ ዘዘለዎ መታን ክእከብ፣ ነቲ ቀጻሊ ጣይቖትን ጠለብን መላእ ህዝብና
ዝኾነ ሕቶ ሐድነትውን ንኽምለሽ፣ ተላዚብካን ተዛቲኻን አብ ስምምዕ ምብጻሕ፣ የኹርዕን የሐብንንምበር እንታይከ
ደአ ዘሕስብን ዘሰክፍን አለዎዩ? እወ ክስከፉን ክሽቝረሩን ዝግብኦም ሸነኻት ከምዘለዉኳ ፍሉጥን ንጹርንዩ።
ንሳቶም ከአ ልዕሊ ኩሉ እቶም አእዳዎም ብደም ህዝቢ ኤርትራ ዝጨቀዋ መኳንንቲ ህግደፍን ኮራኹሮምን፣ ቀጺሉ ከአ
ሐድነት ተቓወምቲ ውድባት ዘይውሐጠሎም፣ ካብ ጐንጺታተንን ፍልልያተንን ዕብየትን መኽሰብን ሃሰስ ዝብሉ፣
ናይ በይኖም ምዅሉይ ውልቃዊን ጉጅላውን ባህጊን ሕልሚን ዘለዎም ባእታታትን ጥራሕዮም ክኾኑ ዝኽእሉ።
ንዝሰመረን ዝተወሃሃደን ሃገራዊ
ሐይልታት አገናዕ ኢልካ ኢኻ እተተባብዖን እትስሕሎን። ጉድለት እንተለዎ ከአ ብሃናጺ ርእይቶን ነቐፌታን እንዳ
አረምካ ንቕድሚት ትደፍኦ። ብዝተረፈ ሐላይ ሰብ ተተመሲልካ፣ ብሽም ህዝቢ እንዳመሐልካን እንዳጠሐልካን፣ ንድሕሪት
መታን ንኽትመልሶ፣ ጸለሎ እንዳቐባእካ ከተጥቅዖ ምፍታን፣ ክፍአትን ሽርሕን ዝመልኦ ውርጽጽናምበር፣ ቁም ነገር
ዝሐዘለ ውርዝና አይኮነን። አብ ከምዚ ዝአመሰለ ናይ ተጻይ ዘመተ ዝተዋፈረ ከአ፣ ብዘይጥርጥር ናቱ ግላዊ ሕዱር
ቒምን በቐልን ዝሐደሮ፣ ርኹስን ጸረ ህዝብን ዝኾነ መእኽቲ ዝመልኤ ሎቖታ ቋጺሩ ስሚዒቱ ዝሰዓሮ ጥራሕዩ።
ነዚ አንጻርዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ሐድነታዊ
ጉዕዞ፣ ርእሲ ኩናት ኮይኖም ዝጻረርሩ፣ ብውልቀ ባእታታት ዝተአኻኸቡ፣ አካል ናይ ተቓውሞ ደምበ ኢና ክብሉ ከም
ዘይጸንሑ፣ ንሕናን መንግስትናን ዝብል ጭርሖ ተሐንጊጦም ከምዝተላዕሉ፣ ካብ ሽሕ መሰኻኽር ዋና ብኸናፍር ከም
ዝተባህለ ምስ መንግስትና ምስቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓትና ደው ዘይበልና ምስ መን ደው ክንብል
ክብሉ አብቲ ብዕለት 31 ጥሪ 2005 ዘውጽእዎ እዉጅ ጽሑፎም ብዕሊ አዊጆሞ አለዉ። ንሐቅነት ጽሑፎም ብዝያዳ
ንምምዛንን ንምግምጋምን ንጋዜጣ ነጸብራቕ ዝተዋህበ
http://www.meskerem.net/eidminterview.pdf እስከ አንባቢ ጠዊቕካ ተዓዘቦ። እሞኸ
ድአ ምስ መንግስትናን ፖለቲካዊ ስርዓቱን ደው ንብል ኢሉ ብዕሊ ባዕሉ ዝአወጀ ውሽጣዊ ሐርበኛ ህግደፍ፣ ንኤርትራዊ
ዓውደ ተቓውሞን ሐድነቱን ክድግፍዩ ኢልካ ይሕሰብዶ? ወትሩ ትሕዝቶታቶም ብዘይካ ጸለሎ ምቕባእን፣ ንስሚዒቶም
ንምርዋይ ባህ ዘዝበሎም ጸርፊታት ካብ ምድርዳር፣ ካልእ እንታይ ቁም ነገርከ ሪኢናሎም ንፈልጥ? ሰበረስ ከም
ሽሙ ዘይ ዝበልዎ ዝገበረ ከም እተባህለ ሽርሖምን ተግባሮምንሥ ምስባር፣ ምዕንቃፍ፣ ምብታን፣ እንተዘይኮይኑ፤
ምህናጽ ምእራም፣ ምልዛብ ምጽውዋር ደአ ዘይናቶም!!
ሰብ ንህግደፍን ስርዓቱን ጸሊኡ፣
ኤርትራ ከም ዝረሰነት መቝሎ ኮይናቶ ኮፍ መበሊ ስኢኑ ፋሕ ፋሕ እንዳበለ፣ ንሳቶም ከአ ከይሐፈሩ ከይሐነኹ፣ ካብ
ደምበ ተቓውሞ ምቕራብስ ሽሕ ጊዜ ደገ ሰላም ህግደፍ ክትኩሕኩሕ ይሐይሽ ምባሎም መስደመምዶ አይኮነን? ካብዞም
ናብ ህግደፍ ገጾም እንዳቋመቱ ዝልፍልፉ ለቕለቕቲ፣ ጸለመ ምሕንጣጥን፣ ጸርፍታት ምዕዳልን እንተዘይኮይኑ፣ ደምበ
ተቓውሞን ሐፋሽ ህዝቡን ካብዞም ኮረማርም እዚኦም ደገፍን ሞገስን ዘድልዮውን አይኮነን? ስለዚ ናይዞም ብአዋጆም
መንነቶም ዘነጸሩ፣ ንሕናን መንግስትናን ታቤላ ሒዞም ዝተላዕሉ ውሽጣውያን ሐርበኛታት ህግደፍ ጸብጻብ፣ ምስቲ
ናይ መንግስቶም ውዱእ ኢዩ። ብሕጂ ምስኦም ዘመላልስውን የብልናን። ድሎ ከይትዕሎ ኢዩሞ አብቲ ንምልኪ
አልጊስካ፣ ንደሞክራስያዊ ፍትሒ ንምንጋስ፣ አብ ዝግበር ጥምጥም ከአ የራኽበና።
ንዓብላሊ ሐይሊ ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ
ጠርኒፉ ዝቖመ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኤርትራ ቀንዲ ተጻባእቱን ተጻረርቱን ኮይኖም ዝተላዕሉ ብኸምዚ ዝስዕብ
ከተጠቓልሎም ይከአል።
-
ብሐድነት ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ
ውድባት ዝረዓደን ዝተጨነቐን ግብአተ መሬቱ ከይትቃረብ ዝሰግኤ መደበር ህግደፍን ኮራኹሩን።
-
ናይ ቀደም ተጋደልቲ ወይ ከአ
ካድራት (ብፍላይ ከአ አረገውቲ ካድራት ጀብሃ ነበር) ምስ ገለ አባላት አብ ውሽጢቲ ዝሰመረ ሐይልታት፣ ናይ
ቀደም ሕዱር ቂምን ቅርሕንትን ዝነበሮም፣ እዚ ሐድነትዚ ምስ ዝዕንቀፍ፣ መኽሰባት ዘረጋገጹን ዝተኻሕሱን
ስለዝመስሎም ተቓውሞ ዘድምጹ።
-
ገለገለ ከአ አብቲ ዝሐለፈ ናይ
ተቓውሞ መድረኻት ስሩዕ ቃልሲ ካብ ምክያድ አቋሪጾም፣ አብ ግላዊ ዋኒኖም ተዋሒጦም ድሕሪ ምጽናሕ፣ አብ መንጎ
ገሊኤን ውድባት ፍልልይን ምፍሕፋሕን ምስ ተጀመረ፣ ከም አጋጣሚ ዕድል ተጠቒሞም፣ ምስ ሐደ ሸነኽ ተጸጊዖም፣
አንጻርቲ ሐደ ብምዃን፣ ብጉያ አቋራጭ ናይ ስልጣን ቦታታት ሃሰስ ምባል ዝጀመሩ፣ እዚ ሰፊሕ ሐድነትዚ
ብምርግጋጹ ውልቃዊ ሕልሞምን ባህጎምን ዝተሃርመ ዝመስሎም፣ ሰብ አብ ምኽሳስ ጥራሕ መዋእሎም ዝዓረቦም።
-
ብሰንኪቲ ዝጸንሔ ናይ ተቓውሞ
ውድባት ድኽመታት ዝፈጠሮም፣ ፍኒሕኒሕ ዝብሉ ደቐቕቲ ምንቅስቓሳት፣ ንዓና ዘቃለበልና ወይ ቁሊሕ ዝበለና የለን፣
ካብ ዝብል ግጉይ አተሐሳስባ፣ ብኩራን ቁጥዔን ነዲሮም፣ ጫውጫው ብምፍጣር ቆላሕታ ሰብ ክስሕቡ ዝህቅኑ። ወረግ
ሐደ ሐደ ጊዜስ ሕሉፍ ሐሊፎም ነቲ ዝተገብረ ሐድነታዊ ምውህሃድ፣ ከም ናይ ፍሉይ ሸነኽን ሃይማኖትን
አምሰልሲሎም መፈራርሂ ጽሑፋትን ቃለ መጠይቓትን ብምሃብ፣ ንፍሉይ ሸነኽ ዘዘንበለ መልእኽቲ መጸዋዕታን ዘመሐላልፉ
ባእታታትውን የጠቓልል።
እዚ ሕጂ ተዛትዩ ቃልስታቱ አወሃሂዱ፣
ክጓዓዝ ዝጀመረ ኤርትራዊ ሐይልታት፣ ምንም ሕጽረታት ኮነ ጉድለታት የብሉን፣ ኩሉ ምሉእ ዘይጉዱል ኮይኑ፣ ለማጽ
ጉዕዞዩ ዝጽበዮ ዘሎ፣ አይኮነን ዝብሃል ዘሎ። የግዳስ ናይቲ በበይንኻ ፋሕ ፋሕ ኢልካ ምኻድ ዘመናት ተወጊዱ፣
ብሐንሳብ ናይ ምዝታይን፣ ጉጅም ኢልካ ናይ ምልዛብን አገባብ እንተተለሚዱ፣ ጸገም ህዝብናን ሽግር ሃገርናን አብ
ምፍታሕ፣ አፍ ደገ በሪ ዝኸፈተ፣ ክምዕብልን ክድገፍን ዘለዎ መባእታዊ አወንታዊ ስጉምቲ ኢዩ ዝብሃል ዘሎ። እዚ
ዝተገብረ ስምምዕ ናይ መወዳእታ አይኮነን። የግዳስ አብ ጉዕዞ እንዳተላዘብካ፣ ነቲ ተረሐሒቑ ዝነበረ ልቢታት
ዘህድእ፣ ናይ ሕድ ሕድ ምትእምማን ሰረት ዕምቆት ዝህብ፣ አሰራርሐ ብምትእትታው፣ ክዕረ አለዎ ዝብሃል ሃገራዊ
ጉዳያት፣ አብ ናይ ሐባር ጉዕዞ እንዳ አጽፈፍካ ነቕ ዘይብል መሰረት ናይ ምትካል መስርሕዩ። እቲ ቀንዲ ቁም ነገር
ትሕዝቶኡ እዚ ክነሱ እንከ፣ ሕጂ እቲ ኩሉ ሃይ ሃይስ አብ ምንት ምንታይ ኢዩ? ምስዚ ክንጸር ዘለዎ እዚ ዘተዚ
ናይ ውድባት ዘተ ድአምበር፣ ናይ ህዝቢ ወይ ዓዲታት ዘተ አይኮነን። ናይ መላእ ወዲ ሃገር እንኮላይ ፖለቲካዊ
ውድባቱ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ዘተ፣ ስዒቡ ዝመጽእ ጉባኤ ሃገራዊ ዋዕላ ድአምበር፣ ንሰብ መታን ከተደናግር ምስቲ ናይ
ሕድሕድ ውድባት ዘተ ለኻቢጥካ ምምጻኡ፣ ተንኮል ዝመልኦ ሽጣራ ኢዩ። አብቲ ዝመጽእ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ግን፣ ንኹሉ
ወዲ ሃገር አጠቓሊሉ ዝውክልን ዝሕሉን ክኸውን፣ ኩሉ ዝቕበሎን ዝርዕመሉን ሃገራዊ መትከላትን ድንክላትን ከአ
ክሕንጸጽ ተራ ናይ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ግሁድን ቅቡልን ኢዩ።
ብዝኾነ ውድብ ደሞክራስያዊ ኪዳን
ኤርትራ አብ ቅድሚኡ ዘለዉ ኩሉ ዓይነታዊ ብድሆታት ቀለልቲ ከምዘይኮኑ ብአግኡ ክግንዘቦ ይግባእ። ናይቲ አብ
ስምምዕ በጺሑ ዝሰመረ ውድባቱን፣ ናይቶም ኩሎም ዝሰመሩ ሐፋሽ መሰረታቱን፣ ህዝቡን ዝተወሃሃደን ዝሰመረን ቃልስታት
ብምክያድ፣ ንጠቕሚ ሃገርን ረብሐ ህዝብን ብምጽማድ፣ ንኩሉ ብድሆታት ናይ ተጻባእቲ ከም ዝስዕርዎ ከአ ምንም ጥርጥር
የልቦን።
አብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ለበዋ፣
ንአሕዋት ወነንቲ መርበብ ኢንተርነት ብፍላይ ከአ ዓውደ ኢንተርነት መስከረም፣ ፈለማ ናይ ተቓውሞ ወብ ሳይት
ተባሂሉ ድምጺታት ናይ ኤርትራዊ ተቓውሞ አብ ምቅላሕን ምውጻእን ዓቢይ ተራኡ ከም ዝተጻወተ ወትሩውን አገናዕ ከም
እንብሎን ክገልጽ እፈቱ። ሕጂ ግን አማስያኡ እቲ ግሩም ሰሌዳኡ ብመዓት ትርኪ ምርኪ ተደዊኑ፣ ናይቶም ንሕናን
መንግስትናን ዝብሉ ውሽጣውያን ሐርበኛታት ህግደፍ፣ መንሃርያን መደበርን ኮይኑ፣ ናይ አለናኪን
ደሃይን
ሻዕብየት ዳት ካምን ቃናታት ዝተቃነየ ሙዚቃን ንባብን ዝመሳሰል ክዕድል ምርአየይ፣ ልበይ ክአምኖ ኮነ ዓይነይ ከአ
ክቕበሎ አይከአለን። ስለዚ ክቡር መስከረም ከምቲ ቀዳማይ ናይ ተቓውሞ ወብ ሳይት ኰንካ ዝጀመርካዮ፣ ቀዳማይ ናብ
ህግደፍ ገጹ ዘምርሔ ወብ ሳይት ኰይንካ ከይትውድኦ ሐደራ እብለካ።
|