|
ሓደ ካብ ትጽቢታትና ተማሊኡ
ሕጂ ተግባር ተግባር ተግባር…
“ንድሕነት
ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ኣብ ናይ ሓባር ነጥቢ ክሰማምዓ ኣለወን” ዝብል ሓደ ካብቲ
ትጽቢታትና እዩ ነይሩ። መዓልቲ መጺኣ ኣብ ዕለት የካቲት 5, 2005 ተሳተፍቲ ውድባት (16 ውድባት) ኣብ ናይ
ሓባር ዝበጽሕዎ ስምምዓት ክታሞም ብምንባር ነታ ብዙሕ ከተሰክፈና ዝጸንሔት ትጽቢትና ስለዘማልእዋ ናይ ግዝያዊ
ቅሳነት እስትንፋስ ኣተንፊስና።
ዝኾነ ግዝያዊ
ቅሳነት ንግዝይኡ ጥራሕ ስለዘቕስን፡ ድሕሪ ቍሩብ: ነቲ ናብራን ኣተሃላልዋን ህዝብና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ተሰጢሑ
ስለዝርኣየና ስድሪ እውን ስለዘምልኣላ፡ እቲ ናይ 16 ውድባት ኣብ ወረቐትን ቀለምን ጥራሕ ምስምማዕ ስድሪ ለውጢ
እውን ስለዘየምጽእ፡ ከምቲ ባዕላቶም ንዓመታት ኣብ መጺሔታቶምን መደረታቶምን ክገልጽዎ ዝጸንሑን ዘለዉን ብተግባር
ምስ ዝዋስኡ እዩ። ብተግባር ግዜ ከይወሰዱ ተባራዒ ሕቶታት ህዝብና ንክምልሹ ምስ ዝብገሱ እቲ ኣብ ህዝብና ሓዲሩ
ዝርከብ ከቢድ ጥርጣሬታት ኣብ ልዕሊ ውድባት፡ እናተኣልየን እናፈዀሰን ክኸይድ መጐት እዩ።
ጥርጣሬታት
ክኸብድ ዝገበሮ ምኽንያት ተግባር ዘይተሓወሶ ከንቱ ኰለልን ኣልቦ ተግባር ጽሑፋትን መደረን፡ ምስ ዝበዝሕ እዩ። ኣብ
ፖለቲካዊ መስርሕ ነብስኻ ንባዕልኻ ከይተለወጥካ ንካላኦት ምልዋጥ ዳርጋ ዘይመስል ስለዝኾነ እታ ካብ ወድባት ኤርትራ
ክንዕዘባ ዝጸናሕና ንነብሶም ዘይተለወጡ ንኻልኦት ክልውጡ ክገብርዎ ዝጸንሑ ከንቱ ፈተነ እዩ ነይሩ። ብዙሕ ብዙሕ
ኣብነታት ኣሎ፡ ካብኡ ሓደ ንምጥቃስ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ክንግብር ኢና ኢሎም ካብ ዝእውጁ ብዙሕ ተዛሪቦምን ኰለል
ኢሎምን። ኣቢሎሙናን። ንዝብልዎን ዝጽሕፍዎን ኣብ ግዝይኡ ብተግባር ከሰንይዎ ብዘይምጽንሖም እታ ኣብ መንጎናን
መንጎኦምን ትርከብ ዝነበረት ናይ እምነት ፈትሊ ኰነ ኢሎም ስለዝበጠስዋ ነተን ዝበጠስወን ክልተ ፈትልታት እንደገና
ክቋጽርወን ክበቕዑ ኣለዎም። እዚኣ ክትከውን ብቐዳምነት ነብሶም ምስ ዝልውጡ ከምኡውን ንመደባቶም ብተግባር
ከሰንዩ ምስ ዝጅምሩ ትኸውን። እዚ ፈጺምና እንበር እዚ ክንገብር ወሲና፡ መዲብና፡ ተሰማሚዕና ምባል ካብ ሓደ ግዜ
ንላዕሊ ክትድገም ዘይብላ ነገር ክትከውን ኣለዋ።
ስለዚ ንዝተሰነደ
ስምምዓት ካርቱም ተግባር ኣብ ልዕሊ ተግባር ከሰንይዎ ዝለዓለ ትምኒትና ዘይኮነስ ትጽቢትና እዩ ንሳቶም እውን
ግቡኦም እዩ። ኣብ ታሕቲ ቀሪጸያ ዘለኹ ሰለዳ ንሰክረታርያ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኤደኪ)
ብዘይ ጸገም ንምቍጽጻሮም ተኽእል እያ ዝብል እምነት ስለዘሎኒ እነሆትልኩም፡-
ንክማልኡ ዘለዎም
ዕማማት ብኸመይ እንተ ኣሰላሰልናዮም ኣሳልጦ ክህቡና ይኽእሉ፡--
|
# |
ዝሰላሰል ስራሓት |
ተፈጺሙ |
|
1-
|
ኣባላት
ሰክረታርያ ኣብ ዝያዳ ዘፍርይሉ ቦታ ምምዳብ
|
እወ |
|
2-
|
ክኢላታት
ሰባት ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ሰክረታርያ ቤትጽሕፈታት ምምዳብን ምቝጻርን |
ገና |
|
3- |
መዛግብትን
ሰነዳትን ብግቡእ ምሓዝ |
ገና |
|
4- |
ቻርተርን
ካልእ ኣድላዪ መምርሒታትን ብሽም ኤደኪ ምዝርጋሕ |
ገና |
|
5-
|
ኣዋጅ ሀ-
ናብ ህዝቢ ለ- ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ሐ- ናብ ሰራዊት መ- ናብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ብፍላይ መሬት ህዝብን
ንብረት ህዝብን ዝዕድጉ ዝርከቡ |
ገና |
|
6- |
ሰፊሕን
ቀጻልን ጋዜጣዊ መግለጽታት - ካብ ቢቢሲ ጀሚርካ |
ገና |
|
7- |
ወከልቲ
ዞባታት ክምደቡን ብዝቀልጠፈ ስርሖም ክጅምሩን ቅልጡፍ መምርሒ ክወሃብ |
ገና |
|
8- |
ጉዳይ
ስደተኛታት ኣብዘለዉ ይሃልዉ መሰሎም ክኽበረሎምን ንዘድልዮም ሓገዛት ክረኽቡ መደብ ምሓዝ |
ገና |
|
9- |
ሃገራዊ
ዋዕላ ኣብ ሓጺር እዋን ክካየድ ሽማግለ ምምዛዝ(ዝነበረት ሽምግለ ብኣዋጅ ፈሪሳ ብሓደስቲ ኣባላት ክትቅየር) |
ገና |
|
10- |
ኣብ
ነፍሰ-ወከፍ ዞባ ዝግበር ክረምታዊ ፈስቲቫላት ኣማእካልን ኣሳታፍን ክኸውን ምእንቲ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ብሽም
ኤደኪ ክኸውን - ከም ካስልን ካልእን በዓላት ዋላ ናይ ፍሉይ ውድብ ይጽናሕ እንበር - ናይ ኤደኪ ተባሂሉ
ክውሰን ነዚ በዓል ከካይድ ዝጸንሔ ውድብ/ባት ብዘይስስዐ ናይ ሓባር ክገብርዎ ክውስኑ። ምኽንያቱ ናይ
ውድብ ገንዘባዊ መኽሰብ ካብ ምርኣይ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መኽሰብ ምርኣይ ስለዝስሓይስ። |
ገና |
|
|
|
|
ምናልባት ገለ
የዋሃት ኣሕዋት ናይ ኤደኪ መራሕቲ ስልጣኖም ሕጂ ዶ ኣይኮነን ተረኪቦሞ ዝብሉ ኣይሰኣኑን። እንተኾነ ግን
ንሻዕብያውን ሕጂዶ ኣይኮኑን ሃገር ተረኪቦማ ዕድል ዘይንህቦም ኤኮኖሚ ሃገር መሬት ዘቢጡዶ ኣይኮኑን ተረኪቦማ ኢልና
ስለዝተጸበናዮምዶ ኣይኮነን ኣብ ደልሃመት ንርከብ ዘለና።
ሰክረታርያ ኤደካ
እውን ካብ ሎሚ እንተዘይተቝጻጺርናዮም ምስ ገበሉ ኣይንኽእሎምን ኢና።
በዚ ምኽንያት እዚ
እዛ ሰለዳ ኣቕሪበያ ዘለኹ ጸብጻብ/ ሪፖርት/ ፓጀላ ኣብ ወርሒ ወርሒ ከቕርበልኩም ቃል እኣቱ።
ብጻይኩም
ስምረት ዓወት
|