|
ንሕናን መንግስትናን’ዶ ንሕናን ህዝብናን
ብዮሃንስ
ኣስመላሽ
ንተበግሶ ብጾት
ሳንዲያጎ ኣገናዕ እናበልኩ ንሸርሒ ‘ንሕናን መንግስትናን’ ብዝተዋሃሃደ መንገዲ ክንገጥሞ ምዃንና ከረጋግጸልኩም
እደሊ።
ኤርትራዊ
ደሞክራሲያዊ ኪዳን ምምስራቱ ንደላይ ስምረትን ሓድነትን ዓወትን ብስራት እዩ። ነቶም ዕንክሊል እናበልና ክንነብር
ዝደልዩና ብፍላይ ከኣ ነቲ ‘ኢምንት ኣስተዋጸኦ ዘይብለን’ እናበለ ንተቓወምቲ ሓይልታት ከሽካዕልለለን ዝጸንሔ
‘ፈጣጥ’ ዲክታቶርያዊ መራሒ ኤርትራ ካብ ሕማም ዓሶ ዝኸፍኤ ሕማም ርእሲ ፈጢሩሉ ከምዝጸቐነየ ተፈሊጡ ኣሎ።
ምልክት ናይዚ ኩሉ
ከኣ ኣብ ኣስመራ ዝቐነየ ተዓጠቕ ተሸብሸብ - ነዚ ኣብ ካርቱም ዝግበር ዘሎ ኣኼባታት ኣይትእመንዎ ወዘተ ዝብል ናይ
ዓቕሊ ጽበት ወፍሪ ቀንዲ መለለይኡ እዩ።
እዚ ጸረ ኤርትራዊ
ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ካብ ብዙሕ ኩርናዓት ዝነቅል ምዃኑ ፍሉጥ እኳ እንተኾነ እቶም ቀንዲ ግን
ህግደፍን መጋበርያታቱን ብሓደ ሸነኽ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ክሊ ደንበ ተቓውሞ ሃልዮም ብዝተፈላለየ ብኽንያታት
ደስ ዘይበሎም ወይ ፍልልያቶም ዘቐመጡ ውድባት ወይ ባእታታት እዮም ክበሃል ይከኣል።
እቶም ብምምስራት
ኤደኪ ዝተበሰርና ሰባት ኣንጻር እዚ ዝካየድ ዘሎ ጸረ ኤደኪ ውፍሪ ብኸመይ ንግጠሞ ዝብል ጉዳይ ብጽሞና ክረኤ ዘለዎ
እመስለኒ። ኣብዚ እንገብሮ ወፍሪ ናይ ስትራተጂ ጌጋ እንተፈጺምና፡ ኤደኪ ካብቲ ዘለዎ ንከይዓቢ ወይ ካብቲ ዘለዎ
ክሽምረር ዝገብር ጌጋ እዩ ዝኸውን። ኤደኪ ኣብ ታሪኽ ተቓወምቲ ኤርትራ ብዓይነቱ ናይ መጨረሽታ ጌርካ ክውሰድ
ዝከኣል ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንምምዕባሉ ብዙሕ ክስረሓሉ ዘለዎ ነገር ከም ዘሎን ኣብኡ ክጥርነፉ ዘለዎም
ወገናት ከምዘለዉና ፈሊጥካ ምኻድ ኣገዳሲ እዩ። ስለ ስኾነ ከኣ ሎሚ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ጥራሕ እትቐንዕ
እምበር ኣንጻር እቲ ዘይሩ ዘይሩ ኣብ ክሊ ተቓወምትን ኣብ ክሊ ደንበ ውጹዕ ህዝብን ክዓስል ዝኽእል ውልቀ ባእታ
ይኹን ተቓዋሚ ሓይሊ እትቐንዕ ጥብ ትብል ናይ መጥቃዕቲ ረሃጽ ወይ ጸዓት ክህልወና ኣይግባእን።
ንሶም እዞም ጸረ
ኤደኪ ተንሲኦም ዘለዉ ኣካላት ብናይ ባዕሎም ጌጋ ኣብቲ ዘይግበኦም ጽላት ክድኮኑ ዝኽእሉ እኳ እንተኾኑ ብወገንና
ግን ከም መለለይኦምን መለኪዒኦምን እዚ ዝስዕብ ጌርና ክንወስድ ንኽእል ኮይኑ እስመዓኒ።
1- እቲ ናይ
መሬትን ሰማይን ጌጋታትን ጠርጠራታትን ጸፋጺፉ - እዚ ኪዳን እዚ ብእዋኑ ህዝባዊ ደገፍ ክንፈጎን ብኡ ኣቢሉ ከኣ
ኣብ ናይ ታሪኽ ጓሓፍ ክድርበይን ዝጽዕር፡ ናይ ‘ንሕናን መንግስትናን’ መዝሙር ዝዝምር ኣካል
ኣምሳል ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ’ዩ።
2-
ባኣንጻሩ ከኣ እቲ ናይ ‘ንሕናን ህዝብናን’ መዝሙር ዝዝምር ንምምስራት ኤደኪ
ብኣዎንታ ዝቕበል ኮይኑ ኣብ ክሊ እዚ ግን ዝተፈላለየ ጉድለታት ኣልዒሉ ንክእረም ዝጽውዕ፡ ከምኡውን ገለ
ጠርጠራታት ኣልዒሉ ህዝቢ ንክጥንቀቐሎምን ዓይኑ ከፊቱ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ንከእትዎም ዝጽዕር ወገን ህዝቢ ዝኾነ
ተቓላሳይ እዩ።
እቶም
ንከይንኸስሮም ክንጥንቀቐሎም ዝግበኣና ኣካላት እቶም ኣብ ክሊ ናይቲ ኣብ ቁጽሪ ክልተ ተጠቒሶም ዘለዉ ዝስርዑ
ኮይኖም ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዝጽብጽብዎ ጌጋታት መለክዒ ስለዝስእንሉ ዳርጋ ኣዋቕዓ ጸላኢ እውን ስለዝወቕዑኻ
ክትከላኸል ክትብል ዓጸፋ መልሰተግባር ትስንዝር እሞ ኣብ ቃልሲ እንተኾነ ኣብ ጎድንኻ ካብኡ ተረፈ ኣብ ድሕሬኻ
ተሰሪዖም ክኸዱ ዝኽእሉ ፈተውቲ ተጥፍእ። ኣባላትን ደገፍትን ኤደኪ ካብዚ ክንጥንቀቕ ይግባእ። እንተ እቶም
ብዝተፈላለየ ኣስማት ተጠቒሞም ‘ንሕናን መንግስትናን’ ዝብሉ ግን፡ እንተ ሕሽኩምሲ ምስኡ
ሸለው በሉ ኢልካ ድፍእ ካብ ምባሎም ዝሓይሽ መማረጺ የለን።
ኤርትራዊ
ደሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤደኪ) ምስናይ ኩሉ ድኽመታቱ - መሰረት ብዙሕነትን መሰረት ደሞክራሲያውነትን ሃገርና እዩ።
ካብቲ ብዘይፈለጥናዮ ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝበሃል ነገራት እናባህረርካ ካብ ምሕዳር ከኣ በቲ እውጅ ጸጋታት ተፈሲህካ
ግን ከኣ ከይተዛነኻ ንምዕባሌኡ ክትሰርሕን ንፋስ ከይኣትዎ ክትከላኸልን ይሓይሽ።
ተራ ናይ ጎረባብቲ
ሃገራት ኣብ ምምስራት ኤደኪ ብዝምልከት እውን እንተኾነ፡ እዘን 16 ውድባት ብሓባር ንረብሓ ጎረባብቲ ሃገራት ክብላ
ንኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዋ ይኽእላ እየን ዝብል እንተልዩ ብ ‘ዕቡድ’ ጥርጥረ ዝተለኽፈ ጥራሕ እዩ። እንተቲ
መን ፍቓድ ምስሃቦ እዩ ኤደኪ ብጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ዝዛተ ዝብል ክሲ ግን መስደመም’ዩ። ድሕሪ ናይ መዋእላት ቃልሲ
ኣብ መባእታዊ ሕጊ ቃልሲ ኣቲኻ ምክታዕ ደስ ዘየብል እኳ እንተኾነ ወጽዓ ህዝቢ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝብገስ ቃልሲ
እምበር ብናይ ህዝቢ ፊርማ ዝብገስ ሰውራ ከምዘየለ ኣሚትካ ምሕላፍ ጥራሕ ዝሓይሽ እመስለኒ።
ኣብ መደምደምታ ከኣ፡ ኤደኪ ሕጂ ኣብ ካርቱም ተለሚጹ ጸቢቑ ክኸውን ይኽእል እምበር
ኣብ ካርቱም ጥራሕ ተሰሪቱ ተነዲቑ ዝተወደኤ ህንጻ ኣይኮነን። ብዙሓት ውድባት ንምእንትኡ ብዙሕ መስዋእቲ ክኸፍላ
ጸኒሔን እየን። ብዙሓት ውልቀሰባት እውን ብናቶም ተበግሶ ንዝተፈላለያ ውድባት ከቀራርቡን ሃገራዊ ዋዕላ ተጋቢኡ እዚ
ሕጂ እንሪኦ ዘለና ዓወታት ክሕፈስን እዚ ዘይበሃል ናይ ኣካል ናይ ገንዘብ ናይ ሓንጎል ጻዕርታትን መስዋእትን
ከፊሎም እዮም። ኤደኪ እንተዘንጊዑ እንተደኺሙ እዚ ከምዚ ዝበለ ጻዕርታት ክሳብ ሕጂ ኣብ እዉጅ ሰነዳቱ እኳ
እንተዘይጠቐሶ፡ እዞም ወገናት እዚኣቶም ብዝገበርዎ ጻዕርታት ኣብ ታሪኽ ብኣዎንታ እናተዘከሩ ከምዝነብሩ ምርሳዕ
ኣይግባእን። እዚ ዓወት እዚ እንኮላይ ናይቶም ብኣካል ይኹን ብውድብ ኣብዚ ዘይተሳተፉ ግን ብዝተፈላለየ ዓቐን
ዝግለጽ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ ወገናት ዓወት እዩ። ብኡኡ ከኣ ደስ ክብሎም ይግባእ።
ምዩቕ ዘይንብለላ
ኤርትራ ርሕቕቲ ኣይትኸውንን
ዝኽሪ ነቶም እዚ
ከይረኣዩ ዝሓለፉ ስዉኣትና
|