|
ሕጂ ኵናትሲ
ንጥፍኣትና ዶ
ንልምዓትና
ብመሰረቱ ኵናት
ጥፍኣት እንበር ልምዓት ከም ዘየምጽእ ካብና ኤርትራዊያን ንላዕሊ ዝፈልጦ ዘሎ ኣይመስለንን። ኵናት ኤርትራን
ኢትዮጵያን ኣዝዩ ከም ዝሓመሰናን ንድሕሪት ከም ዝጎሰሰናን ሕሉፍ ታሪክ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሎሚ ኸኣ ናይ ኵናት
ነጋሪት ይህረም ይስማዕን ኣሎ። ካብ ጌጋና ስለዘይንምሃር ድዩ ??? ወይስ መራሕትና ብዘይ ኵናትን ውግእ ስለ
ዘይነብሩ እዩ። እንብኣር መራሕቲ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ክገዝኡ እንተኮይኖ ንሕዝቦም ኣብ ፍርሕን ራዕድን ከንብርዎ
ጥራሕ እዮም ዝመርጹ። ሕዝቢ ፍርሒ ኣብ ከብዱ እንተድኣ ኣቲዎ ከኣ ብጀካይ ዝከላኸለልካ የለን ኣብ ምባል ይበቅዕ።
ከም ድላዮም ከኣ እናመቃቀልዎን እናጎጃጀልዎን ይነብሩ። ሕዝቢ ከለልዮም ከኣ ነዊሕ ግዜ ይወስደሉ።
መራሕቲ እህግደፍ ከኣ ነዚ ውራይና ኢሎም ተታሓሒዞሞ ይርከቡ። ወይኔ ውግእ ክኸፍቱ ይሻባሸብ ኣለው። ሃገርና
ክንካለኸል ካብ ወዲ ሓሙሳ ብረት ይዕጥቅ። መሬትና ብሓይሊ ከነምልስ ኢና። ዓለም ዘርያትና። ካብቲ ዝሓለፈ ንላዕሊ
ዕጥቂ ሸሚትና ኢና። ኮታ ዝብልዎን ዝዛረብዎን መትሓዚ የብሉን። ዘረብኦም እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዝጋጮ። ትማሊ ዝበልዎ
ሎሚ ክኽሕድዎ ሽግር የብሎምን።
ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ክምልሶም ዝግበኦ ሕቶታት።
ኣብ
ዝሓለፈ ኵናት እንታይ ከሲብና???
ኣብ
መጨረስታ እቲ ኵናት ብምንታይ ተደምዲሙ??
መጀመርታ
ብዲፕሎማሲ ተጀሚሩ ብዲፕሎማሲ ዘይውድኣሉ እንታይ ጽጋማት ኔሩ??/?
ብኵናት
ጀሚሩ ብዲፕሎማሲ ወይ ብቤት ፍርዲ ዝውዳእ እንተኔሩ ንምንታይ ኵናት ኣድለየ?? ንምንታይ ንቤት ፍርዲ ብኣጋኡ
ዘይምራሕና። ንምንታይ መሬትና ተወሪሩና ወይ ተወሲድና ኢልና ንዓለም ዘየእወና። እቲ ምስ ወይኔ ዘነበሮ ዘምድና ካብ
ሕቶ መሬትን ሕዝብን ስለ ዝዓቢ ድዩ???
ዓለማት
ዝዘርያና እንተሃልየን ወይ እንተኔረን ብሕጂ ዝክፈት ኵናትከ!!! ኵናት ስለ ዝከፈትና እቲ ዝርያ ጠጠው ድዩ ክብል
ወይስ ክብእስ??
ኣብ
ቀዳማይ ኵናት ካብ 20 ሽሕ ንላዕሊ ስውኣት ከፊልና ካብ ሓደ ሚልዮን ንላዕሊ ኣዘናቢልና። ኣብዚ እዋን እዚ ዳግመ
መስዋእቲ ክንክፍል እኩል ሰብእዊ ግልበት ኤርትራ ኣለዋ ዶ??
ኣብ
ዝሓለፈ ግዜ ዓራቂ ረኪብና ሕጂ ኣብ ዝክፈት ኵናት ኣራቂ ይርከብ ዶ????
ዝብሉ
ኣገደስቲ ሕቶታትት ምምላስ የድሊ።
ብወገን
ወያኔ ወይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተ ተመልከትና ኸ ???
ኣይውግእ
ኣይሰላም እንተኮይኑ ኤርትራ ብምጣኔ ሃብትን ብፓለቲካን ድክምትን ንጽልትን ክትከውን እያ። ኣብ ዝተናውሔ ግዜ ኸኣ
ዘይህላውነታ ክረጋገጽ እዩ። እሰያስ ውግእ እንተመረጸ ኸኣ ናይ ዓቅሊ ጽበት ኣብ ኵናት ምእታው ኣይተርፎን እዩ።
ኣብ ኣውራጃን ቀቢላን ክትመቃቅል እያ። ንደቂ ደንከልን ባዛን እንተ ሒዝና ኣብ ዝተናወሔ ግዜ ዓሰብን ባረንቱ ናህና
እየን ዝብል መደብ ከምዘሎ ኣከያይድኦም አሰራርሕሖምን ይእምት።
ዕድመ
ንኢሰያስ ከኣ መብዛሕትኦም መሰርሕቱ ብትውልዶ ተጋሩ እዮም። ምክሪ ምስ ዝደሊ ኸኣ እቶም ደቒ ዓድና ንጥፍኣት
ኤርትራ ከም ዝመክርዎ ጥርጥር የብልናን ብሃልቲ እዮም። ማለት ኣብ ከባቢ ኢሰያስ ዘለው ናይ መንነት ቅልውላው ወይ
ኢዶም ኣብ ደም ዝኣለኹ ስለ ዝኮኑ ኵናት ተኸፊቱ ዝጠፍኤ እንተ ጠፍኤ ግዲ የብሎምን። ወሸለ ኵናት ተኸፊትልና።
ሕጂሞ ኣበይ ጠጠው ከም እንብል ኣይንፈልጥን እናበሉ ዝፍክርሉ ሰዓት እዩ። ዋንኣ ዝኣመነት ከልቢሲ ኣብ ገዝእ ስጋ
እናተሓርደስ ንሩባ ትወረድ ከም ዝብሃል። ወያኔ እውን ዝተኣማመኑ ይመስሉ።
ኩነታት
ከምዚ እናሃለወ ንምንታይ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ኵናት ኣይተርፍን ይብል??? ዕሽነት ድዩ ድርቕና።
ስለዚ
እዛ ኵናት እዚኣ ከይትኽፈት ብዝተኻእለመጠን ኩሉ ኤርትራዊ ብዕቱብ ክሰርሓላን ክቓወማን ይግባእ።
ኣማረ
ሞብኣጽየን |