|
ጸብጻብ ዑደት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ
ኣብ ሚላኖ።
ካብ ዓርቢ ዕለት 6
ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ዕለት 8፥ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ፥ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ፥ሰመረ ከሰተ
ኣባል ሰክረተርያን፥ ሙሴ ኤፍረም ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣብ ሚላኖ ተረኺቦም ምስ ጋዜጠኛታትን ምስ ደገፍቲ ቃልሲ
ህዝቢ ኤርትራ ኢጣልያውያን ውልቀ ዜጋታትን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ምስ ኣባላት ሰ.ደ.ኤ. ኢጣልያን ተቓወምቲ
ኤርትራውያን ዜጋታትን ዝተፈላለየ ርክባትን ኣኼባታትን ኣካይዶም።ዑደቶም ብዓወት ደምዲሞም ነናብ ቦትኦም ተመሊሶም።
ዕላማ ናይዚ ዑደት እዚ፥
ህልው ኩነታት ኤርትራ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ሓይልታትን ብሓፈሻ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ድማ
ብፍላይ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ንኢጣልያውያንን ንኤርትራውያንን ንምግላጽን እንታይነት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምቕላዕን
ኢዩ፡
ዝርዝር ናይቲ ዝተካየደ
ንጥፈታት ከምዚ ዝስዕብ ይግለጽ፡
ምስ “ኒግሪስያ” (NIGRIZIA)
ዝተባህለት ወርሓዊት መጽሔትን “ኢል ዲያርዮ” (IL DIARIO) ዝተባህለት ሰሙናዊት ጋዜጣን ቃለ መጠይቕ ብምክያድ
ሕሉፍ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዕላማታቱን ብምጥቃስ ድሕሪ ነጻነት ዝተቀልቀለ ጥልመትን ዝሰዓበ ምልካዊ
ጠባያትን ገሊጾም ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን፥ማሕበራዊ ህልከትን ቁጠባዊ
ማሕነቕትን ብምዝርዛር ነዚ ኩነታት’ዚ ንምቅላስ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ምውድዳብን ዝጥቀመሎም
ናይ ቃልሲ ኣገባብን ብሰፊሑ ከብርሁ ክኢሎም፡ ከምኡ’ውን ምስ “ራድዮ ፖፖላረ” ዝተባህለት ናይ ዜና ማዕከን ቃለ
መጠይቕ ብምክያድ ህልው ኩነታት ኤርትራ ንምብራህን ኣብ መንጎ ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዓትን
ንዝበዝሐ ህዝቢ ጥልያን ክገልጹ በቒዖም፡
ዓርቢ ዕለት 6 ወከልቲ
ማሕበራትን ገለ ጋዜጠኛታትን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ውልቀ ኢጣልያውያንን ዝተሳተፍዎ ናይ ክትዕ መደብ ኣገዳሲ
ምይይጥ ክካየድ ተኻኢሉ፡
እዚ መደባት’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ
ናይ ሰላሳ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘሕልፎ መሪር ሂወት
ንኢጣልያውያን ንምብራህን ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ደገፍ ንምፍራይን ዝዓለመ ኮይኑ ዕዉት ውጽኢት ከምዝነበሮ ክግለጽ
ይከኣል።
ቀዳም ዕለት 7 ግንቦት ምስ
ኣባላት ሰልፊ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፥ ሰ.ደ.ኤ. ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዘካየዶ ቃልስታትን ዝሰገሮም ማሕለኻታትን
ብምዝርዛር ኣብዚ እዋን’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌ ብሰፊሑ ኣብሪሆም፡ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ምዕባሌታት እቲ ኣብ መንጎ
ሰ.ደ.ኤን ምንቅስቓስ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝተካየደ ናይ ውህደት ስጉምቲን ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ
ተበጺሑ ዘሎ ጽላላዊ ኣወዳድባን ከምዝኾነ ተገሊጹ ናብ ናይ ሕቶን ዘተን መደብ ይሕለፍ፡ ኣባላት ነቲ ካብ ነዊሕ
እዋን ዝጽበይዎ ዝነበሩ ምስ መሪሕነት ሰልፊ ናይ ምዝታይ ዕድል ብምርካቦም ሓጎሶምን ምስጋንኦምን ድሕሪ ምግላጽ ኣብ
ውድባዊን ፖለቲካውን ኩነታት ሰልፊ ሰፊሕን ዓሚቑን ዘተ ብምክያድ ኣገደስቲ ርእይቶታትን ለበዋታትን ብምብርካት
ተደምዲመ።
ሰንበት ዕለት 8 ግንቦት ካብ
ሰዓት 17.00 ጀሚሩ ክሳብ 20.30 ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን ኤርትራውያን ዜጋታትን ዝተሳተፍዎ ናይ ህዝቢ ኣኼባ
ተኻየደ፡
ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ
ብሓጺር ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ድሕሪ ምግላጽ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራን ኣብ ብዙሓት እዋናዊ
ፖለቲካዊን ውድባዊን ሕቶታትን ዘለና ኣረኣእያ ኣብሪሁ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝያዳ ጊዜ ረኺቦም መታን ክዝትዩ ዕድል
ተኸፊቱ ብቐዳምነት ንሕቶታት ቀጺሉ ንርእይቶታት ኣብ መወዳእታ ድማ ንለበዋታት ዕድል ክወሃብ ምርድዳእ ተገይሩ መደብ
ተጀመረ፡
ካብዚ ቀጺሉ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ገለ
ሕቶታትን ብመስፍን ኮነ ብሰመረን ብሙሴን ዝተዋህበ መልስታት እነሆ፡
ሓታቲ ቁ.1
·
ኣቶ መስፍን
ሓጎስ ኣባል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝነበርካሉ ጊዜ ዝፍጸሙ ዝነበሩ ገበናት ኣብ እዋኑ ዘየቃላዕካዮም ስለምንታይ?
·
ሰልፊ ደሞክራሲ
ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ከምዘሎ ኢያ ትገልጽ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጸም ዘሎ ምእሳርን ምቕታልን ግን ብሕጊ ወይ
ብቅዋም መሰረት ዝካየድ ዘሎ ከምዘይኮነ ብሩህ ኢዩ፡ ስለዚ ከመይ ጌርኩም ቅዋም ኣሎ ትብሉ?
·
መንግስቲ ኤርትራ
መሬት ካብ ህዝቢ ብሓይሊ እንዳመንጠለ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ሃብታማት ብዶላር ይሸጦ ኣሎ፡ ሰ.ደ.ኤ ኣብ ሕቶ መሬት
ዘለው ኣረኣእያ ከመይ ኢዩ?
መልሲ፥
ኣነ ኣባል መንግስቲ ኤርትራ ኮይነ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበርኩ እዋን ዝተፈጸሙ ገበናት ብርግጽ ዝፈልጦም የብለይን ፡
ሰብ ብዘይ ኣገባብ ይእሰር ከምዝነበረ ይሰምዕ ኔረ ክኸውን ይኽእል ኢየ፡ ብጭቡጥ ከርጋግጾ ዝኽእል ግን የብለይን፡
ገበናት ክጻረዩን ንዝፈጸሞም ሰብ ናብ ሕጊ ቀሪቡ ዝግበኦ ፍርዲ ክወስድን ግን ኣብቲ ሃገር ግዝኣተ ቅዋምን ግዝኣተ
ሕግን ክሰፍን ኣለዎ፡ እዚ ሃዋሁ እዚ ምስዝፍጠር ከሳሲ ጭብጥታት ሒዙ ክኸስስን ተኸሳሲ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ
ክምልስን ይከኣል፡ እዚ ኩነታት’ዚ እንተዘይተፈጢሩ ግን ኩሉ ዘረባታት ጥራይ ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ፡ እቲ እነካይዶ
ዘለና ቃልሲ ድማ ብሕግን ቅዋምን ተቐይዱ ዝኸይድ ስርዓት ንምትካልን እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት መዕለቢ
ክረክብን ብድሕሪ ሕጂ ድማ ንከይፍጸም ምክልኻልን ኢዩ፡ ናይ ሕግን ቅዋምን ባይታ ምስተፈጥረ ኣነ ከም ውልቀ ሓላፊ
ይኹን ካልኦት ከም እኩብ ሓላፍነት ብቕጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝምልከተና ጉዳያት(ገበናት) እንተልዩ ክንሕተት ቅሩባት
ከምዝኾና ኣብቲ መጀመርታ (ከም ጉጅለ 15) ዘውጻእናዮ መግለጺውን ኣብሪህናዮ ኢና።
·
ሰልፊ ደሞክራሲ
ኤርትራ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ኣሎ ብቅዋም መሰረት ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 1997
ዝጸደቐ ግን ኣብ ግብሪ ዘይተተርጎመ ቅዋም ከምዘሎ ኣሚኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይቃለስ፡ እዚ ቅዋም’ዚ ክመሓየሽ
ዝግብኦ ነጥብታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከመሓይሾ ድማ መሰሉን ግቡኡን ኢዩ፡ ሓደ ንሕና እንኣምነሉ
ግን እዚ ቅዋም’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ጸዓትን ገንዘብን ጉልበትን ዘጥፈኣሉን ደም ዝኸፈለሉን ኢዩ፡ ንሰለስተ ዓመታት
ዝኣክል ኣብ ገጠርን ከተማን ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዙሓት ኪኢላታት ዝተሳተፍዎ ዘተ ተኻይድሉ ዝጸደቐ ከምዝኾነ ኢዩ፡
ኣብቲ መስርሕ ገለ ጉድለታት ኣይነበሮን ክበሃል ኣይከኣልን ይኸውን፡ ብዝተረፈ ግን እዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር
ናይ ዝኾነ ይኹን ውድብ ቅዋም ወይ ናይ ዲክታተር ቅዋምው’ን ኣይኮነን፡
·
ኣብ ሕቶ መሬት
ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ዘለዎ ኣረኣእያ መሬት ብግዲን ብዘይ ገለ
ካሕሳን ካብ ህዝቢ መንጢልካ ምሻጥን
ምልዋጥን ዘይቅቡል ኢዩ፡መሬት ናይ ህዝቢ ስለዝኾነ ናብ ህዝቢ ድማ ክምለስ ኣለዎ ዝብል ኣብ ቀዳማይን መስራቲን
ጉባኤና ዘሕለፍናዮ ውሳኔ ኣሎ፡ ሕጂውን ኣረኣእያና ንሱ ኢዩ፡
ሓታቲ ቁ 2
·
ምስ ኣቶ መለስ
ዜናዊ መራሒ ኢትዮጵያ እተካይዶ ርክብ ዕላምኡ እንታይ ኢዩ?
·
ኣብ ኤውሮጳ ኮነ
እዚ ሎሚ ኣብ ኢጣልያ ተካይዶ ዘሎኻ ዑደት ዝምውለካ (ዝኸፍለልካ) መን ኢዩ?
·
ብሊብያ ንዝመጹ
መንእሰያት እተካይድዎ ዘሎኹም ናይ ሸፈጥ ስራሕ እንታይ ዕላምኡ?
መልሲ፥
ብዛዕባ ምስ መለስ ዜናዊ ምርኻብ ዝምልከት፥ምስ መለስ ዘየራኽብ ምኽንያት’ውን የብለይን፡ እቲ ዘገድስ ምስ መለስ
ተራኺበ እንታይ ዘትየ እንታይከ ተሰማሚዐ ኢዩ፡ ምስ መለስ ከይንራኸብ ዝኽልክለናን ዝቕይደናን ሕጊ የለን፡ምስ
መለስ ይኹን ምስ ካሊእ ተራኺብና ብጉዳይ ሃገርናን ንረብሓ ሃገርናን ክንዝቲ መሰልና ኢዩ፡ንሕና ዘይንደልዮ ንህዝብና
ዘየርብሕ ካብ ዝኾነ ይኹን ይምጻእ ኣይንቕበሎን፡ ብግብርን ብታሪኽን ኣመስኪርና ኢና፡ ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ
ምስክርነት ኣይንደልየሉን፡ ካሊእ ክባርኸልና’ውን ኣይንጽበን፡ ነጻ ኢና፡ ዝያዳና ኤርትራዊ ኢዩ ንብሎ የለን ፡
ንሕና ዝያዳ ሰብ ኤርትራዊነት ኣለና ኣይንብልን፡ ዝያዳና ረብሓ ዘገድሶ ሰብ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን፡ ኤርትራ
ካባኹም ንላዕሊ ንኣይ ትብጽሓኒ ኢያ ኢሉ ዝኣምን እንተልዩ ግጉይ ኢዩ፡ ንሕና ኤርትራ ካብ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ
ንላዕሊ ትብጽሓና ኢያ ኣይንብልን፡ ኩሉ ነካይዶ ርክባት በቲ ንሕና ንኣምነሉን ንህዝብና ይጠቅም ኢዩ ኢልና
ዝሓንጸጽናዮ መገድን ኢዩ።
ብዛዕባ መን ይምውለካ ዝተባህለ፥ መን
ከምዝምውለኒ ኣነ ይፈልጦ፡ እቲ ሕቶ ምናልባት ካብቲ ወያኔ ኢያ ትምውሎም ፥ 30 ሚልዮን ሂባቶም ዝብል ፕሮፖጋንዳ
ዝነቐለ ኢዩ ዝመስል፡ ብሓፈሽኡ እቲ ክፍለጥ ዘለዎ ወያኔ ትሃበና ካልእ ይሃበና ንረብሓ ህዝብና እንድሕር ኮይኑ
ክንጥቀመሉ ኢና፡ ንምንታይ ከምንጥቀመሉ ብናይ ካልኦት ትእዛዝ ኣይንሰርሕን ፡ ንሕና ብዝደለናዮን ብዝወሰናዮን
እምበር ካልእ ብዝበለና ከምዘይንኸይድ ክትፈልጡ ጽቡቕ ኢዩ፡ ብፍላይ ነዚ ናይ ሎሚ ጉዕዞናን መንቀሳቐሲናን መን
ከፊልዎ? ንዝብል ሕቶ ግን ህዝባዊ ግንባር ኣብዚ ደረጃ’ዚ ክትበጽሕ ዝኸኣለት ብሓገዝ ኣባላታን ብፍላይ’ካ ኣዴታት
ወርቀንን ኣብ ጽንኩር እዋን ወርሓዊ ደሞዘን ከይተረፈ የወፍያ ከምዝነበራ ኣይትኽሕድዎን፡ ንሕናው’ን ኣባላት
ከምዘለዉናን ገንዘብ ከምዘዋጽኡን ክትግንዘቡ ይግብኣኩም፡ ሆቴልናን ትኬትናን ከፊሎሚልና ከምዝመጻእና ንሕብረኩም፡
ዕድመ ንኣባላትና ብዙሕ ጸገም የብልናን።
ብዛዕባ ብሊብያ ዝመጹ ዘለዉ መንእሰያት
ዝምልከት ሕቶ፥ እቲ ዘይከሓድ ሓቂ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቲ ሽግርን ካብቲ ግፍዕን ዝህድሙ ዘለዉ መንእሰያት ብኣሽሓት
ዝቑጸሩ ኢዮም፡ ካብ ግፍዒ ሃዲሞም ናብ ግፍዒ ዝወድቁ’ውን ብዙሓት ኣለዉ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን፥ካብ ኤርትራ ናብ
ኢትዮጵያ ክሰግሩ ኣብቲ ዶባት ዝተረሸኑ ብዙሓት ከምዝኾኑ ይፍለጥ፡ ካብ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰግሩ ኣብ ምድረበዳ
ዝተረፉ ከምዘለዉ’ውን ይፍለጥ፡ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ ባሕሪ ዝበልዖም መንእሰያት ከምዘለው ይሕበር፡ እዚ
ሓቅታት’ዚ ካባይ ንላዕሊ ብቐጥታ ዝተሞኮሩ ኣብዚ ምሳኹም ዘለዉ መንእሰያት ይፈልጥዎ፡ ነዞም መንእሰያት እዚኦም
ኣብቲ ዝኣትውዎ ሃገራት መሰሎም ክሕለወሎምን መነባብሮኦም ኣመሓይሾም ንሃገሮም ክጥምቱን ክቃለሱን ጻዕሪ ምክያድ
ቅዱስ ተግባር ኢዩ፡ መንእሰያት ተስፋ ሃገር ስለዝኾኑ ክቃለሱን ክውደቡን ምስራሕ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከቢድ
ሓላፍነት ኢዩ፡
ሓታቲ ቁ.3.
·
ንመንግስቲ
ኤርትራ ብውልቃዊ ምልኪ ይግለጽ ኢዩ፡ እቲ ትርጉሙ ግን ብዝርዝር ስለ ዘይበርህ ንምርድኡ ቀሊል ኣይኮነን፡ ስለዚ
እንታይ ሰለዝገብር ኢዩ ውልቃዊ ምልኪ ዝጽዋዕ?
·
ኣቦታት ንነዊሕ
ዓመታት ዝዓቀብዎ ኣስማት ቦታታት ተደምሲሱ ብቁጽሪ ከምዝጽዋዕ ተጌሩ ኣሎ፡ ብዛዕባ እዚ እንታይ ርእይቶ ኣሎኩም?
·
ድሕሪ ናይ ሰላሳ
ዓመት ቃልሲ እዚ በላዒ ስርዓት’ዚ ሒዝኩም ምእታውኩም ጣዕሳ’ዶ ይስምዓኩም?
መልሲ፥
·
ንመንግስቲ
ኤርትራ ውልቃዊ ምልኪ ዘጸውዖ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናይ ምውሳን ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ተዋህሊሉ ምህላዉ ኢዩ፡ ኣቶ
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብህዝቢ ዘይተመርጸ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ፕረሲደንት ናይቲ እንኮ ኣብ ኤርትራ
ዘሎ ግንባር(ውድብ) ኢዩ፡ ፕረሲደንት ናይቲ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ’ውን ንሱ ኢዩ፡ ጠቕላላ ኣዛዚ ሰራዊት’ውን
ስልጣኑ ኢዩ ቅዋማዊ ስርዓት ስለ ዘየለ ናይ ፈጻሚን ሓጋግን ፈራድን ኣካላት ስልጣን ኩሉ ኣብ ኢዱ ኢዩ፡ እቲ
ንስሙ ቆይሙ ዘሎ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ይኹን እቲ ማእከላይ ባይቶ ናይቲ ውድብ ኣይኮነን’ዶ ክውስን ተኣኪቡ’ውን
ኣይፈልጥን፡ ብሓፈሽኡ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ወታሃደራውን ሂወት ሃገር ዝውሰን ብሓደ ውልቀ ሰብ ኮይኑ እቶም ኣብ
መንግስቲ ይኹን ኣብ ውድብ ሓላፍነታት ተሰኪሞም ዝሰርሑ ዘለዉ እውን እንተኾኑ ተቐበልቲ ትእዛዝን ፈጸምትን እምበር
ናይ ምውሳን ተራ ስለዘይብሎም ውልቃዊ ምልኪ ተባሂሉ ክጽዋዕ ይከኣል፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዘይምህላዉ ጥራይ ዘይኮነ
ናይ ሓባር ምክፍፋል ስልጣንን ሓላፍነትን ዘይትንክፎ መንግስቲ ኢዩ።
·
ናይ ምምሕዳር
ዞባታት ናይ ቀደም መጸውዒ ተደምሲሱ ብቁጽሪ ይልለ ከምዘሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መጽናዕቲ ዘይተሞርኮሰን ርእይቶ
ህዝቢ ዘይትሓወሶን ስለዝኾነ ንህዝቢ ብዙሕ ጸገማት ኣምጺኡሉ ከምዘሎ’ውን ፍሉጥ ኢዩ፡ በዚ ምኽንያት”ዚ ሰልፊ
ደሞክራሲ ኤርትራ ምክፍፋላት ናብ ናይ ቀደሙ ክምለስን እንተድልዩ ድሕሪ መጽናዕትን ርእይቶ ህዝቢ ምስማዕን ዘድሊ
ለውጢ ክግበር ዝብል ውሳኔ ኣብ ጉባኤኡ ኣሕሊፉ ኢዩ።
·
ኣብ 1991
ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ነጻ ወጺኣ፡ እዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ ዝነበረን ሂወት ክቡራት
ደቁ ዝኸፈለሉን ስለዝኾነ ዘሐብን ዓወት ኢዩ፡ ኣነ ድማ ምስቲ ንህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ነጻነት ዘጎናጸፎ ውድብ
ህ.ግ.ሓ.ኤ ተሰሊፈ ስለተቓለስኩ ይሕበን’ምበር ኣይጠዓስን ኢየ ፡ እቲ ድሕሪ ነጻነት ክስዕብ ዝነበሮ መብጸዓ
ስለዝተጠልመ ድማ እነሆ እቲ ቃልሲ ይቕጽል ኣሎ።
ሓታቲ ቁ.4
·
ሰልፊ ደሞክራሲ
ኤርትራ ናቱ መደብ ክገልጽን ምንቅስቓስ ከካይድን መሰሉ ኢዩ፡ ምስ ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ዘለኩም ውህደት
ከመይ ኢዩ?
·
እዚ ብኤ.ደ.ኪ.
ዝጽዋዕ ጽላልከ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ዲሞክራስን ከምጸኣሉ ተስፋ ይግበሮ ድዩ ወይስ ከም ዝተደጎለ ሓዊ ብሓሙኽሽቲ
ዝሽፈን ንግዜኡ ንሕበር ንሕበር ኢልካ ዝተጠፍጠፈ ኢዩ?
·
መሪሕነት
ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ካብ ወከልቲ ውድባት ዝወጹ ድዮም ወይስ
ብህዝቢ ዝተመርጹ?
መልሲ፥
·
ሰልፊ ደሞክራሲ
ኤርትራ ኣካል ናይ ኤርትራዊ ደምክራሲያዊ ኪዳን ኢዩ፡ ኣብቲ ዝተገብረ ርክብ ብመሪሕነት ደረጃ ተሳቲፉ ኣብዚ ተበጺሑ
ዘሎ ደረጃ ንክብጻሕ ድማ ዝግበኦ ጻዕሪ ኣካይዱን ተርኡ ኣበርኪቱን ኢዩ፡ ክልተ ኣባላት መሪሕነቱ ድማ ኣባላት
ማእከላይ መሪሕነት
ኤ.ደ.ኪ ኢዮም፡ እዚ ክበሃል ከሎ ግን
እዚ ነካይዶ ዘሎና ኣኼባ ንኤ.ደ.ኪ. ወኪልና ከምዘይኮነ ክበርህ ይግባእ።
·
ኤ.ደ.ኪ ካብ
ዝቐውም ብዙሕ ግዜ ዘይገበረ ሕመረት ሓድነት ናይ ተቓወምቲ ውድባት ኢዩ፡
ኣብዚ እዋን’ዚ ቤትጽሕፈታቱ ኣብ
ምስራዕን ስራሓቱ ኣብ ምጽፋፍን ኣሎ፡ ብዘይካ ኣብ ሱዳንን ኣብ ኢትዮጵያን ዘካየዶ ኣኼባታት ኣብ ደገ ብዙሕ
ምንቅስቓስ ኣየካየደን ኣሎ፡
እቲ ዕላማታት ኣብት ዝዘርግሖ
ዶክመንትታት ተገሊጹ ኣሎ፡ ስለዚ ነቲ ሓንጺጽዎ ዘሎ ዕላማታት ኣብ ግብሪ ክትርጉም ክኽእል ኣለዎ፡ ነዚ ዕላማታት’ዚ
ኣብ ግብሪ ከውዕል ግን ግዜ ክወሃቦ ኣሎዎ ፡ ምስ ህዝቢ ክራኸብን ናይ ህዝቢ ርእይቶ ክሰምዕን ፍሉይ ካናል ክኸፍት
ይግባእ፡ ኣብዚ እዋንዚ ምጥርጣርን ምንቃፍን ጊዜኡ ኣይኮነን፡ ከነተባብዖን ክንሕግዞን ይግበኣና፡ ተዓዘብቲ ጥራይ
ኮይና ክንተርፍ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ገምጋም ምግባር ጊዜ ንሃቦ።
·
መሪሕነት
ኤ.ደ.ኪ ካብ ውድባት ዝተወከለ ኢዩ፡ ካብ ህዝቢ ዝተመርጹ ዘይኮኑ ዝብል ርእይቶ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ክኸውን ዘይክእል
ኢዩ፡ እቲ ህዝቢ ከመይ ጌሩ ኢዩ መራሕቲ ክመርጽ? ኩልና ከምንፈልጦ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ኣይኮነንዶ
ወከልቱ ክመርጽ ርእይቶኡ ክገልጽ’ውን መሰል የብሉን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ድማ ህዝቢ ነጻ
ኮይኑ
ወከልቱ ዝመርጸሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
ንምትካል ኢዩ፡ እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ እንተኾነ’ውን ወይ ማሕበረቱ ኣቑሙ ወይ ድማ ኣብተን ዘሎዋ ውድባት ኣትዩ
እንተዘተቓሊሱ ድምጹን ርእይቶኡን ብልዑል ሚዛን ከስምዕ ኣይክእልን፡ ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብውዱብ መገዲ ክቃለስን
ተርኡ ከበርክትን ኣለዎ።
እቲ ዘተ ንነዊሕ ሰዓታት ስለዝተኻየደ
ዝተላዕለ ሕቶታትን ርእይቶታትን ኩሉ ክሰፍር ኣይክእልን፡ ብዘይካዚ ብሓባር ዝተመለሰ ሕቶታት ብፍላይ ንሰመረ ዝቐረበ
ብዛዕባ ምንቅስቃስ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ሰፊሕ መግለጺ ተዋሂብዎ፡
ኣብ መደምደምታ ንመጀመርታ ጊዜ
ብህድኣትን ብደምክራሲያዊ ኣገባብን ክዝተየሉ ዝከኣል ባይታ ምፍጣሩ ንኣዳልውቲ ብምምስጋን ከምዚ ዝኣመሰለ ዕድል
ብቐጻሊ ክካየድ ለበዋታት ተዋሂቡ ኣኼባ ተዓጽወ።
ሰልፊ
ደሞክራሲ ኤርትራ - ጨንፈር ኢጣልያ
|