|
ብእግርን ጸፍ ብእግርነከ ገልጠምጠም
12 ግንቦት 2005
ሃይሉ
ክብርኣብ
ሓደ ሐደ እዋን ኣብ ኢንተርነት ዚጻሓፍ ጹሑፋት ክተንብብ ከለኻ ብጣዕሚ ዘስደምም ዝኾነ
ጹሑፍ ትረክብ እሞ እምበር‘ደ እዚ ሰብ‘ዚ ጥዕና ኣለዎ ኢዩ ኣብ ምባል ትበጽሕ፣፤ ሓደ ካብ‘ቲ ካብ ነዊሕ ኣትሒዘ
ዚተኻታተልኩዎ ጹሑፋት ናይ ሓውና ገብረሂወት ወልደሚካኤል ክጠቅስ እደሊ፣፤ ገብረሂወት ወልደሚካኤል ጹሑፋት ሓደ
ንሕዝቢ ክጠቅምን ብእኡ ኣቢሉ ከኣ ጠርናፍን ንቕድሚት ከሰጉመካ ዚኽእል ሓበሬታን ኣስተምህሮን ኣብ ክንዲ ዝህብ፣
ፈላላይን ዘራግን ኮታ ኣስማት ኣባላት ተቓወምቲ እንዳልዓልካ፣ ምጽላም፣ጸሎሎ ምቕባእ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ኢሉ ሒዜዎ
ዘሎ ዘራጊን በታንን ጹሑፋቱ ክርዳእ ኪኢለ፣፤ ኤርትራ ሃገርና ንኹልና ብማዕረ ደረጃ ትብጽሓና ክነሳ፣ ልዕሊ ኩሉ
ሽግር ህዝቢ ካልኣይ ቦታ ተትሕዘሎ ምክንያት ኣይራአየንን፣፤ ኣብ ኣረኣእያን ኣመዛዝናን ንምንታይ ንፈላለ በሃላይ
ኣይኮንኩን፣ የግዳስ ተቓዋሚ እንዳበልካ፣ ጸረ ተቓዋምቲ መልዕኽቲ ምትሕልላፍ ምስ ምንታይ ይቑጸር! ወይ ከኣ ነዚ
ሒዝካዮ ዘለኻ ትሕዝቶ ጹሑፍ ከም መሰጋገሪ ተጠቒምካ ክትሃርሞ ዚደለኻ‘ዮ ሽቶ ኣሎ‘ዩ?
ሓደ ካብ‘ቲ ዝስደመመኒ ጹሑፋትካ፣
ብሰንኪ እንታይ ገደሰኒ መን ሓታቲ ኣሎኒ ብዝብል ኣብ ኩናት ባድመ
ጠፊኡ ዘሎ ኤርተራዊ ሂወት ኢሃፓኣ ምስ ጭፍርኡ ተሓታቲ ምኻኑ ይፍለጥ ኢዩ፣፤ (መስመርን ሕብርን
ናተይ)
እዛ ጽሕፍቲ እዚ‘ኣ ብትሕዝቶኣ
ዚወጻ የብላን፣፤ ኩናት ባድመ ካብ አልዓልካ ግን፣ ኣነ ንርእሰይ ምሳኻ ኣብቲ ዘለኻዮ ከተማ ሽወደን ስለ ዘነብር፣
ንስኻ ካብቶም ጭፍራ እንዳበልካ እትጽዖም ነጻ ዚገብረካን፣ ካብ ተሓታትነት ዘድሕነካ እንታይ ኢዩ! ኣብ እዋን ኩናት
ኩሉ ተቐማጣይ ስተክሆልም ዚፈልጦ፣ ገዛ ገዛ እንዳዞርካ፣ ግብእካ ኢዩ ኣዋጽእ፣ ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከም ዘሞተ
ትብል ኣይነበርካን‘ዲኻ! ደሓር’ውን ኣብ ናይ ኤርትራዊያን ቲቪ፣ ዓቢ ጅግንነት ከም ዝፈጸምካ ጌርካ ነብስኻ ምቕራብ
ንርእሱ መንእሰያትና ኣብ ዘየድሊ ኵናት ኣትዮም ንኽጠፍኡ፣ ቀንዲ አጫፋሪ ናይ ኢሳያስ ወይ ከኣ መሐውር ናይ’ዚ ኣብ
ኤርትራ ዘሎ ዲክታቶርዊ ስርዓት ከም ዚነበርካ ንምንታይ ረሲዕካ፣፤
ሆ....ሆ ኣሽሓት ዚበልዐት ሃገረይ
ንኽከላኸል ድልዊ ነይረዶ፣ ኣምባሳደር አድሓኖም ምስ ተወከሰኒ ተቐቢለዮ‘ደ ኣሽካዕላል ምስ ምንታይ ይቑጸር! እዝ‘ሰ
ያኢ ጅግንነት ከም ዝፈጸምካ ቖጺርካዮስ ናይ ሕሊና ቅሳነት ከምዚሃበካ ኣብ ናይ ዕለት 20050404 ጹሑፍካ ኣብ
ኢንተርነት ኣንቢበዮ፣፤ ንኣምባሳዶር ኣድሓኖም ዚተቐበለካዩ ምኽንያት’ውን ሓልዮት ናይ ሃገርው‘ን ኣይመስለንን፣፤
ንግዘኡ ክዱን ብኣፈ ስላሴ ኢለ ክሰግሮ መሪጸ፣፤ እቲ ሓቁ፣ ድሕሩ ክግለጽ ምኻኑ ግን ክትዝንግዕ የብልካን፣፤
ብዛዕባ እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ኤርተራዊ
ምሕዝነት ናይ ውድባት ወይ ከኣ ኪዳን ብዝምልከት፣ ብዕለት 2005050308 ዚሃብካዮ ኣርእስቲ ጹሑፍካ፣
ኣብ ክልተ ባላ ተሰቐል፣ እቲ ሓደ እንተተሰብረ አብ እቲ ሓደ ክትንጥልጥል፣
ዚበልካዮ ነዚ ሕጂ ተመስሪቱ ዘሎ ምሕዝነት ዚምልከት ዘይኮነስ፣ ብልክዕ ንዓኻ ዚሰማምዕ ምስላ ኢዩ፣፤ ጌጋ ዚባሃል
የለን ማለተይ ኣይኮንኩን፣ የግዳስ ሃናጺ ዚኾነ ነቐፈታን መአረምታን ክኸውን ኣለዎ፣፤ ደድሕሪ ሐደ ዘራጊ፣ ንሱ
ዝረገጻ ኢምኒ ክረግጽ‘የ እንተድኣ ኢልካ ግን ንዓኻ ጹቡቕ ኣይመስለንን.፤ ሰብኣይ ክልተ‘ስ አብዚን ኣብት’ን ክብል
ሞተ ዚዓይነቱ ስጉምቲ ብምውሳድ፣ እንዳተጋላበጥካ ንሓደን ክተውርድ ንሓደን ሰማይ ክትሰቕሎን ክትቀብኦን ዚሃበካ
መሰል አረ መን‘ዩ?
ናይ ቅድም
ታሪኽ እንዳልዓልካ፣ ናይ ምዝራግን ምፍንጣሕን መርገጽ እንታይ ኣውሰደካ! ንሕና ኤርትራዊያን ምስ‘ቲ ኩሉ
ድኽመታትና፣ ክፈላልየና ዚኽእል ኣራኣእያታት ምስ ገፈል መፈል ክትጽሕፍ ዘገደደካ እንታይ‘ኮን ይኸውን? እዚ
ተመስሪቱ ዘሎ ኪዳን‘ውን ኣይተቐበልካዮን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣንጻሩ ወፈራታት ካብ ምክያድ አይዓረፍካን፣፤ እዚ
መርገጽ ኢዚ‘ኸ ብተዘዋዋሪ መንገዲ መሳርሒ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ኣይገብረካን‘ዶ?
ኣገባብ ኣመሳራርታ ኪዳን ይኹን
ትሕዝቶ እቲ ቻረተር፣ ዋላ ከምቲ ዘድለ እኳ እንተዘይኮነ፣ ጉድለት ከም ዘሎ ክትግምግም፣ ክትነቅፍ፣ መተካካእታ
ክተቅርብ ቅቡል እዩ፣፤ እዚ ጉድለታት ከኣ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዚፈጥሮ ደኣ እምበር ብሙሊኡ ናይ እቶም
ተኣኪቦም ዚነበሩ መሪሒነት አይመስለንን፣፤ እቲ መፍትሒ ግን ምቅላስ እምበር፣ ብማዕዶ ኵንካ ከይተዋሳእካ ፍርዲ
ጥራሕ ክትህብ ፣አየጥዕመለካን ከኣ፣፤ መተካእታ ዚኸውን ዚሓሸ አገባብ ኣቀላልሳ እንተድኣ ኣልዩ‘ካ ኸኣ ሃየ
ሓብረና፣ ዓላማኻ ብንጹር ግለጸልና፣ ክትሰርዕ ፈትን፣ ዚሓይሽ እንተኾኑ ክንስዕበካ፣ ብዝተረፈ ንኻልእ ጸለሎ
ምቕባእን ምብታንን ምዝራግን እንተዘይኮይኑ መተካእታ ከተቕርብ ኣይተራኣኻን፣፤
ሓደ ጸሓፋይ ክጽሕፍ ክጅምር ከሎ፣
እንታይ ክጽሕፍ ከመዘለዎ ክፈልጥ ክኽእል አለዎ፣፤ ከመሓላልፎ ዚድለ ዘሎ መልእኽቲ እንታይ ኢዩ አገዳሲ ቦታ ይሕዝ፣
እምበር ንስለ ምጽሓፍ ኢለካ ኣይጸሓፍን‘ዩ፣፤ ንዓይ ከምዝራኣየኒ እንተደአ ኮይኑ፣ ትሕዝቶ እቲ ጹሑፍ፣ ከም ኣባላት
ተቓወምቲ ውድባት መጠን፣ ተራዳዲእካን ተወሃሂድካነ፣ ጹፉፍን ጹሩይን ደምበ ተቓውሞ ኣብ ምፍጣር፣ ኤርተራዊ ፖለቲካዊ
ውሳነ ኣብ ኢድ ኤርተራዊያን ዚጭበጠሎ፣ ነዚ ዘሎ ስርዓት ካብ ሱሩ በርቊቊ፣ ስሙርን ጥርኑፍን ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ
ስርዓት ኣብ ምምስራት ዚተመርኮሰ ከኸውን ኣለዎ በሃላይ ኢየ፣፤
|