Nharnet Articles/Opinions

     

 

ህግደፍ መርዚ ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡፡

 

ካብ ሃብተማርያም ሚካኤል (ደጎል)

 መስከረም 01, 2005

 

 

 

ህግደፍ ነታ ዝጸንሔት ኤርትራ ታሪኻን ስርዓታን ባህላን ደምሲሱ ካብ ህግደፍ እትጅምር ሓድሽ ታሪኽ ዘለዋ ኤርትራ ሃኒጹ ባዕሉ ዋና ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ንዲክታቶሪያዊ ስርዓቱ ህዝቢ ክቕበሎ ብሓይሊ ኣገዲድዎ ይርከብ ኣሎ። እንኾነ ግን ህዝብን ኩሉ ተቓዋማይ ወዲ ሃገርን ንህግደፍ ኣጥፊኡ ሰላምን ፍትሕን ማዕርነትን ዝመልኣ ሓራ ኤርትራ ንኽትህነጽ ቃልሱ ኣብ ምስልሳል ይርከብ። ዲክታቶር ህግደፍ ዘባላሸዎ ክቡር ባህልታትና፡ ዝጐዛዘዮ ዱልዱል ሓድነት ህዝብና፡ ንታሕቲ ዝደቖሶ ዓቢ ሞራልን ንያትን ህዝብና፡ ዝመዝሞዞን ዝሰረቖን ገንዘብን ንብረትን ህዝብና፡ ዝኣሰሮምን ዝቐተሎምን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰብ በላሕቲ ኣእምሮ መንእሰያትና፡  ካብ ስራሕ ጸልጺሉ ዘባረሮም ኣለይቲ ስድራ ኣካላት ህዝብና፡ ካብ ትምህርቲ ጠጠው ኣቢሉ ውትህድርና ዝዓስከሮም መንእሰያትና፡ ኣብ ከንቱ ውግእ ዘህለቆም ኣሽሓት ጀጋኑ መንእሰያትና፡ ንደቀንስትዮ መሰለንን ክብረተንን ገፊፉ ዘባዕለገንን ዝደርበየንን ክቡራትን ኣፍረይትን ኣለይቲ ስድራቤታትን ኣሓትና፡ ንእሙናትን ሓቀኛታትን ዜጋታት ብዘይፍትሕን ፍርድን ዝቐዘፎም ኣሽሓት ሃገራውያን ኣሕዋትና፡ ኣብ ክንዲ ንስደተኛታት ንሃገሮም ምምላስ ብኣንጻሩ ብ100ሽሕ ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ዘሳደዶ ህዝብና፡ ንኩላቶም መሰላቶም ዝሓቱ ተጋደልቲ - ተመሃሮ - ጋዜጠኛታት - ኣካለ ስንኩላን - ደቀንስትዮ - ኣባላት ሰራዊት - ሓረስቶት - ሸቃሎ - ኣባላት መሪሕነት ኣመንቲ ሃይማኖት ምእመናንን ካህናትን ብምእሳርን ብምስቓይን ኣብ ኣዝዩ ክቱር ስቓይ ዘለዎ ቤት ማእሰርትታት ከም ካርሸሊ - ዊዓ - ዝኣመሰለን ካልእ ማእለያ ዘይብሉ ኣብ ትሕተ ምድሪ ጐዳጕዲ ኣስፊሩ ብምስቃይ ዘማህመነኖን ዘጥፍኦን ህይወት ውጹዕ ህዝብና ወዘተ… ናይ ህግደፍ ኣረመናዊ አንታይነትን ማፍያዊ ተግባርን ናይ ዲክታቶሪዊ ገበን ብሩህ መግለጺ እዩ። ነዚ ፋቺስታዊ ገበን ዝመልኦ ናይ ህግደፍ ጸሊም ደማዊ ታሪኽ  ዝገልጽ ብመልክዕ ግጥሚ ኣስዒበ ክገልጾ እፈቱ።

ዲክታቶር እሰያስ ካብ ቀደሙ - ቀታሊ ሓሳዊ መታለሊ

ብስርዓት ሃይለስላሴ ተላኢኹ - ንህዝቢ ኤርትራ ክፈላሊ

ብሃይማኖት ክርስትና ምስላምና - ብድሑር መስፍናዊ ባህሊ

ብኣስራተ ካሳ ዝተዋህበ መምርሒ - ንኣቶ እሰያስ

ንሰውራ ኤርትራ ጐዛዚኻ - ንምፍራስ ንምድምሳስ

ኣብ አትዮጵያ ከኣ - ሰልጣን ንምጭባጥ ንምንጋስ

እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ምውዳቅ ሃይለስላሴ - ይወድቕ የበርዕን

ብድሕሪኡ ካልእ ማእለማታት - ከናዲ ይፍሕትር ይፍትን

ምስ ወያነ ሓርነት ትግራይ ከኣ - ምሕዝነት ክላፈን ይልምን

ምስ ወያነ ሓርነት ትግራይ - ልፍንቱ ምስ ኣደልደለ

ንጀቭሃ ክድምስስ - ምስ ናይ ልፍንቱ ሓይሊ ተላዕለ

ንሜዳ ብሒቱ ከኣ - ኣብ ርእሲ ሓፋሽ ኣሽካዕለለ

ምስ ወያነ ዝጸንሖ ልፍንታዊ ስምምዕ - መድረኹ ኣብቅዐ

ብምኽንያት ማፍያዊ ጠባያቱ - ዘርኣዮ ስርቂ ምስ ስስዐ

ሚስጢራዊ ስምምዖምን ልፍንቶምን - ብምጥልላም ተኸድዐ

      ነዚ ጠንቂ እዚ ዲክታቶር እሰያስ - ካልእ ስም ሃቦ

      ናይ ዶብ ናይ ባድመ ወራር - ብዝብል ስም ኣጐልበቦ

      ማእለያ ዘይብሉ ህይወት መንእሰያትና - ኣጥፍኦ ኣዕረቦ

ዲክታቶር እሰያስ ሓይልን ሕቖን ክረክብ - ካብ ሃጸያውያን ጎይቶቱ

ቶሮሪስት ኣለውኒ ከጥፍኦም ሓግዙኒ - ኢሉ የቕርብ ኣውያቱ

ሃጸያውያን ንኽሰርሓሎም ይዓስብዎ - የዕጥቕዎ ይልእክዎ በቢዕለቱ

ለኣኽቲ ረኺቡ ስለ ዝተጸግዐ - ሓያል ክመስል ክጀሃር

መትከላቱ ምጭቋን ምእሳር - ምጕዝዛይ ምድሃል ምሽባር

ዕላምኡ ኣብ ስልጣኑ ክነብር - ናይ ሃጸያውያን ትእዛዝ ብምኽባር

ደም ጀጋኑ ስውኣትና ዝሸቀጠሉ - ንብሕታዊ ስልጣኑ

ብደማዊ ቃልሲ ዘረጋገጽናዮ ናጽነትና - ዲክታቶር ብሒቱ ወኒኑ

ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ማሰርቲ - ኣስፊሩ ኣማሲኑ

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኩሉ ዝሓለፈ - ባዕዳዊ መግዛእቲ

ህግደፋዊ ሕሰመ-መከራ - የብሉን መዘና መወዳድርቲ

ናጽነትና ንከንቱ ንክሳራ - ስደት በዚሑ ብዘይ ዕረፍቲ

ናይ ኤርትራ ስቅያት - ዘርዚርካ ዘይውዳእ ሽግሩ

ሃገር ምሉእ ዳጒኑ - ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣስፊሩ

መንእሰይ ኩሉ - ኣብ በረኻ ተሓይሩ ተኣሲሩ

ህዝብና ካብ ዓለም ተፈልዩ - ከም ኣብ ደምበ ዝተዓጽዋ ከብቲ

ማእለያ ዘይብሎም ኣለይቲ ስድራቤት ጠፊኦም - ዘኽቲሞም ሕጻውንቲ

ምሁራትን ንቁሓትን ደቂ ሃገር - ይቅተሉ ኣለዉ ብዘይ ዕረፍቲ

ናይ እሰያስ ሚስጢራት ዝፈልጡ - የጥፍኦም ብስውር

ሰነዳት ሃገር ስለዝኾኑ - ስለዝፈልጥዎ ናይ እሰያስ ሰራውር

ሰነዳት ግን ኣይጠፍእን እዩ - ተታሒዙ ኣሎ ኩሉ ብሚስጢር

ዘይፈለጠ ይፍለጦ - ምስጢር ይወጽእ ኣሎ እንዳገንፈለ

መን’ዩ ዘጥፍኦ ነብራሃም ተወልደ - ብስሚ ብመርዚ ዝተቐትለ

ንዶክቶር ፍጹም፡ ዶክቶር ሙሴ፡ ዶክቶር ዮውሃንስ - መን’ዩ ዝቐንጸለ

ንሰለሞን ወልደማርያም ሚስጢራት ስለዝፈልጥ - ንሞት ተረሸነ

ሚስጢር እሰያስ ዝፈልጡ እንዳቀተለ - ከም ፍልሖ ሃገር ዘቘንቈነ

ንኽንደይ ጀጋኑ ጀቭሃውያን እንዳቀተለ - ሓፋሽ ዘማሰነ

ከም ኣብራሃም ዓፋ፡ ተስፋንኪኤል ጆርጆ - ብፈዳይን ዲክታቶር ተቐቲሎም

ኪዳነ ክፍሉን ወልዳይ ግደይን - ባዕሉ ኣቅቲሉ ባዕሉ ዘእወየሎም

እስታት 150 ስርያ ኣዲስ - ከም ዝፍረዱ ዝገበረ ንምርሻኖም

እስታት ሰለስተ ሽሕ መንካዕ ብዝብል ተጠሚቖም - ዝሓቐቑ ተጋደልቲ

ተወልደ እዮብ፡ ደበሳይ ገ/ስላሴ፡ ደሃብ ተፋጽየን፡ ታረቐ የሕደጎ፡ - ካብቶም ተረሸንቲ

ኣፈወርቒ ተኽሉ፡ ኣበራሽ መልከ፡ ሚካኤል ሃብተስላሴ፡ - ካብቶም ተቐተልቲ

      ንጀጋኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ - ዓማ ኢሉ ዝቐንጸለ ኣዳህሊሉ

      ሲዒድ ሳልሕ፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ - ተቐቲሎም ብዘይረብሑ ዓዋሉ

      እድሪስ ሓንገላ፡ ማሕሙድ ሓሰብ፡ ሃይለ ጋርዛ - ተቐዚፎም ብጐሓላሉ

 

ንኣካለ ስንኩላን ዝረሸነ - ኣካላቶም ዝወፈዩ ንሃገር

ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝረሸኖም መንእሰያት - ሽግሮም ይነገር

ኣብ ዊዓ ዝቐዘፎም 161 መንእሰያት - ስቓዮም ይዘርዘር

ንነባራት ሰራሕተኛታት ጸልጺሉ - ስድራቤታት ጸሞም ዘሕደረ

ንደቅንስትዮና ንዓዲ ዓረብ ሸይጡ - ዕዳጋኡ ንምህብታም ዘዋፈረ

ንክብረትን መሰልን ደቀንስትዮ - ንብልሽውና ኣሳጢሑ ዘነወረ

ንህዝቢ ኤርትራ ከም ተጠቒምካ ዝድርበ ነገር - መሳርሒ ኰይኑ

ንብረትን ገንዘብን ህይወትን ህዝቢ ኩሉ - ብዲክታቶር ተወኒኑ

ሂትለር ናይ ኤርትራ - ሀይወት ሓፋሽ ደቚሱ ኣማሲኑ

ናይ ኤርትራውያን ኣውያት - ይግለጽ ኣሎ ኣብ ኩሉ ዓለማት

ቃልሲ ናይ ተቓውሞታት - ኩላትና ኤርትራውያን ውድባት

ንሓድነትና ኣይንውሰድ ግዝያት - ሓፋሽ ክሳተፍ ክንሓፍስ ዓወታት!!

ሃገር ብዓዋሉ ክትምሓደር - ኣይኮነን’ዶ ምስትንክር

ዲክታቶር ኣባ ደም ቀለቡ - ክቀትል ክኣስር

ኣቶ ባዶ ልቡ ብላታ ሃንጎሊማ - ክግብት ክዕምጥር

ህግደፋውያን ሓሶት ኣንጊሶም - ለባማት ሃገር ቀቲሎም ቀዚፎም

እነመዓል ፊተውራሪ ዓጢነ - ሓሶት ብከረጺት ምትሕልላፍ ዕዮኦም

ህዝቢ ክጐዛዝዩ ክፈላልዩ - ሕፍረት ኣልቦ ሕሱር መዛምሮም

ወዮ ዕንዛርያ ኣሜን ክብል - ንትምህርቲ ሓሶት

ወዮ ዓጀውጀዋ መሳርሒ ኰይኑ - ክብል ከርተት

ባሻይ ኣይግዳዱ - ይሰርሓሎም ብዘይ ውዕለት

ወይለኹም ኣቱም ንህግደፍ ኣሚንኩም - ብልቢ ተገልግሉ

ኣጆኹም ኣቱም ንህግደፍ ብልቢ ትዅንኑ - ንሓቂ ትውክሉ

ጸሎትኩም ይሰማዕ ኣቱም ስቓይ በዚሒኩም - ናብ ኣምላኽ ትምህለሉ

ንህግደፍ ኣሚኖም ዝዋጥይሉ - በዓል ባሻይ ክርዳድ ጸያቒቶ

ሕንፍሽፍሽ ስርሖም - እነመዓል ዘርኢ መርገም ከም ዘራጊቶ

ዋላ ትንፈር’ምበር ጤል’ያ - ኢሎም ይምድሩ ኣብቲ ባይቶ

ናይ ህግደፍ ሓተላ - በዓል ኣልቦ ቁምነገር እንታይ ግዱ

ብዓል ህጓጕያ እንዳ ገበታ ጃህራ - ንዲክታቶር ክውድሱ የርፍዱ

ዙሩጋት በጋሚዶ በዓል ጌሶ ጾዶ - ንሓቂ ጠውዮም ብሓሶት ይፈርዱ

ኣቦ ወንበር ህግደፍ ሊቀ ማፍያ - ኣቶ እሰያሶም ሕማም መንሽሮ ልቢ

ብጨቛኒ ስርዓቱ ንሓፋሽ ዘገደዶ -  ናብ እሰያስ ከምልኽ ከም ፈጣሪ ከም ረቢ

ብሓለንጊ ዲክታቶር ሓፋሽ ክሳቐ - ራዕዲ ከእትወሉ እንዳ ነብሔ ከም ከልቢ

(ሕቶ) = ህግደፋዊ ባህርያት ዘለዎም - ዝርዝሮም መነመን ኢልና ንስመዮም?

(መልሲ) = ሓሶት ልብሱ፡ ፡ እሾኽ መርገም፡ ኣሉ ቀጣን፡ ጃህራ ዕላሉ

መንሽሮ ልቢ፡ ተጻብኦ፡ ነፋሒቶ፡ ደልሃመት፡ ጎይታ ባዕሉ

ክርዳድ ዘርኡ፡ ጠዋይ ልቢ፡ ተንኮል ዓቕሙ፡ ቀቲሉ ኣሉ

ሸለብ ገለብ፡ ዕንኪላሎ      ፡ መልኣከ ሞት፡ ሕንዚ ተመን፡ ቃንዛ ለይቲ

መግሊ’ንጭዋ፡ ሕበጥ ልቢ፡ ኣልቦ ተስፋ፡ ወረ ሃቡ፡ መሻርውቲ

ኣባ ከብዱ፡ ሃንጎሊማ፡ ጐይታ ድሕረት፡ ሃበስ ቀደስ፡ መሓፍስቲ

ጎይታ ገበን፡ ስርቂ ዕጥቁ፡ ሕማም ሳንቡእ፡ ዕራርቦ፡ መበኣሲ

ተካል ትርኢት፡ ቁማል ህዝቢ፡ መሔንኰሊ፡ ጸያቕ ነገር፡ መዳቘሲ

ገባት ኩሉ፡ ኣልቦ ልጓም፡ ኣኽቡሩኒ፡ ንዓይ ስምዑ፡ መበሳበሲ

ዕዀት ህዝቢ፡ ስቅያት ሓፋሽ፡ ጉህዶ ስርቒ፡ ክፉእ ኣመል

ነቐዝ እኽሊ፡ ቍንቍነ ገዛ፡ ስውር ቅትለት፡ ማእለማ ተንኮል

ቅዝፈት ሕይወት፡ ኣራዊት ዘገዳም፡ መርዚ ህዝቢ፡ ቀራን ገበል

ስለዚ ህግደፋውያን ዘበሉ ኩሎም - ተግባሮም ይሕብር ንብልሽው ታሪኾም

ንሰብ ኢሎም ዝፈሓርዎ ጕድጓድ - ክኸውን እዩ መቓብሮም

ህግደፍ ክወድቕ እዩ - ክርህዎም እዩ ውጹዓትን ጭቍናትን ኩሎም!!!

 

ዋዛ ምስ ቁምነገር = እሰያስን ጠንቋሊቱን

ናይ እሰያስ ጠንቋሊት ወይዘሮ ዛርቲ ጓል ሃለቃ ዕጣን ቤቶም ትበሃል።ወይዘሮ ዛርቲ በቲ ሓደ ሸነኽ እውን ናይ እሰያስ ኪነው መጋረጃ ዋና ጸሓፊት(ሰክረታሪ) እያ። በብዕለቱ ኵነታት ከመይ ከም ዝሓድርን ከም ዝውዕልን ምሸትን ንግሆን ሓቤረታ ናብ እሰያስ ተመሓላልፍ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሰንበት ንግሆ እሰያስ ናብ ወይዘሮ ዛርቲ ቅርብ ኢሉ “ከመይ ሓዲርኪ እስከ ሎሚ ጽቡቕ ወረ ኣስምዕኒ” ይብላ። ንሳ ከኣ ሎሚ ክልተ መልእኽቲ ኣለዋኻ ትብሎ። እሰያስ ካብ መን ይብላ። ወይዘሮ ዛርቲ ከኣ 1. ካብ ኣቦ ወንበር ናይ ካዛ ናስትራ ማሕበር ማፍያ ናይ ዓድጣልያን ወዲ ማሕበሮም ንኽትከውን ንዘቕረብካሎም ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቐበሉኻ እትገልጽ እያ።

2. ካብ ጎይታኻ ሃጸይ ሳጥናኤል ሊቐ ሰይጣውንቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ገዲፉልካ ኣሎ። ትሕዝትኡ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ኣነ ሃጸይ ሳጥናኤል ሊቀ ኩሎም ሰይጣውንቲ ከየቋረጽካ ብስመይን ብስም ድያብሎስ ወደይን ብስም እኩይ መንፈሰይን ከም ትጽሊ ይኹን። ነዘን ዝሰደልካ ዘለኹ ዓሰርተ ትእዛዛት ከኣ ኩሉ ግዜ ከም ትፍጽመን ይኹን። ንሳተን ከኣ 1. ኣነ ሳጥናኤል ሊቀ ሰይጣውንቲ ጎይታኻ ስለዝኾንኩ ምሉእ ህይወትካ ኣምልኸኒ። 2. ስመይ ክሰፍሕን ክዓብን ብዙሓት ሰዓብቲ ኣፍርየለይ። 3. ንኹለን ኣብያተ ክርስትያናት ኣዕንወለይ። 4. ንወለዲ ብውላዶም ክህረሙን ክእሰሩን ክቅተሉን ኣዝዝ። 5. በቢዕለቱ ቅተልን ኣቕትልን። 6. በቢመዓልቱ ስረቕ ዝመት ኣዛምት። 7. ብሓሶት ኣመስክርን ኣቃትልን። 8. ንበዓልቲ ሓዳር ተጋሰስን ንደቅንስትዮ ኣባዕልግን ኣነውርን። 9. ምንዝርና ኣስፋሕፍሕ። 10. ገንዘብ እናዳማትካ ዝመትን ገብትን።

እሰያስ ኣንቢቡ ምስ ወድኤ በዘን ክልተ መልእኽቱ ብዙሕ ሓጎስ ተሰምዖ። ቀጺሉ ካልእ እንታይ ኣሎ በላ። ወይዘሮ ዛርቲ ኸኣ ሓንቲ ሕማቕ ወረ ኣውን ኣላትኒ በለቶ። እሰያስ ኸኣ እንታይ ዓይነት ሓማቕ ወረ በላ። ንሳ ድማ ውቃብየይ እነግረኒ ከም ዘሎ እኩይ መንፈስ ሒዙካ ዝናወጽ ይመስል። እሰያስ እንታይ ማለትኪ እዩ ይብላ። ንሳ ኸኣ እሰያስ ካብ ኩሉ እትጸልኦ ነገር እንታይ እዩ ትብሎ። ንሱ ኸኣ ስልጣን ምስኣን ይብላ። እምበኣር ኣብ ሓጺር ግዜ ስልጣንካ ከምትስእን እኩይ መንፈስ ንውቃቤይ ይነግሮ ኣሎ ትብሎ። እሰያስ ጡፍ በልዮ ከመይ ኢሉ ይብላ። ወይዘሮ ዛርቲ ኸኣ ውቃቤይ ከምዝገለጸለይ ብግዳምን ብውሽጥን ዘለዉ ጸላእትኻ ብዘይሓሰብካዮ ሰዓት ስልጣንካ ከተረክብ ተሓቲትካ መምለጢ ምስ ሰኣንካ ነብስኻ ክትቀትል ፈቲንካ ግን ብተሪር ስለዝተተሓዝካ ኣይኰነልካን ብድሕሪኡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲድካ ክሳብ ናብ ቤት ፍርዲ እትቐርበሉ ግዜ ንሰለስተ ዓመት ኣብ ስውር ዝኾነ ቦታ ኣብ ትሕተ ምድሪ ክትጸንሕ ኸኣ ተወሲኑልካ ትብሎ።  ኣሰያስ ኸኣ ከመይ ኢለ ድኣ ሰለስተ ዓመት ኣብ ትሕቲ ምድሪ ክጸንሕ ይብላ። ወይዘሮ ዛርቲ ኸኣ እሰያስ ድሓን ሽዑስ ክትለምዶ ኢኻ ሽግር ተለማዳይ እዩ ትብሎ። ብቕጽበት እሰያስ ኣንጸርጺሩ ንወይዘሮ ዛርቲ ይቐትላ እሞ ንጎይትኡ ሳጥናኤል ደዊሉ ኸኣ ከም ትእዛዝካ መጠን ሎሚ ንወይዘሮ ዛርቲ ቀቲለያ ኣለኹ ይብሎ። ሳጥናኤል ኸኣ ኦ! እሰያስ ባርያይ ጽቡቕ ገበርካ ምቕታል ጥራሕ ኣይተቋርጽ፡ ዝቕተል እንተሰኣንካ ዋላ ንነብስኻ ቅተል። ዳሕራይ ኣነ ናይዚ ኩሉ ሞያኻ ኣብቲ ናይ ዘለኣለም ናይ ጸልማት መንግስተይ ብዙሓት ደቂ መዛሙርትኻ ስለዘለዉ ናታቶም ሓላፊ ንኽትኸውን ስልጣን ክህበካ እየ። ግዜኻ ቐሪቡ ስለዘሎ ባዕለይ መጺኤ ክወስደካ እየ። ናይ ሞያኻ ዝገልጽ ምስክር ወረቐት ኸኣ ኣዳልየልካ ኣለኹ። ድሕሪዚ እሰያስ ግዜኻ ቐሪቡ እዩ ዘሎ ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ ሰምበደ እሞ ሕማም ዕብድብድ ኣትይዎ ተሻቕሎን ስነኣእምራዊ ምንዋጽን ሒዝዎ ንሞት ዝተረፎ የብሉን። ስለዚ ኣጋ ወጋሕታ ድቕድቕ ጸልማት ስለዝኾነ  ህዝቢ ኤርትራ ኸኣ ዝመረሮ እኳ እንተመሰለ ኣብ ጥቓ ወጋሕታ ቐሪቡ ስለዘሎ ንኽወግሓሉ ሓጺር ግዜ እዩ ተሪፍዎ ዘሎ እሞ ኣብ መቓብር ህግደፍ ኸኣ ሓርነቱ ማዕርንቱ ሓድነቱን ዲሚክራስያዊ መሰላቱን ክዕወት ምዃኑ ስነመጎታዊ ሓቂ እዩ። 

 

ዋዛ ምስ ቁምነገር = ሕቶን መልስን ብጻይ ዉጹዕ ምስ ብጻይ ዲሞክራሲ

ዉጹዕ = ብጻይ ዲሞክራሲ ክሳብ መኣስ ኢና ኮለል ክንብል ንነብር ስለምንታይ እዘን ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ሓደ ውድብ  ብሓደ መሪሕነት ዘይጥርነፋ?

ዲሞክራሲ = ብጻይ ውጹዕ ሓሳብካ ጽቡቕ ነይሩ፡ ግን እቲ ዘየሰማምዕ ዘሎ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ረብሓ ዝጥምትን ብሕታዊ ረብሓ ዝጥምትን ስለዝኾነ እዚ ማለት ኸኣ ፍትሒ ምስ ዓመጽ፡ ሰላም ምስ ህውኸት፡ ንጽሕና ምስ ተንኮል፡ ስርቂ ምስ እምነት፡ ምግስጋስ ምስ ምድሕርሓር፡ ምውፋይ ምስ ምብላጽ፡ ወዘተ… ሕድሕዱ ስለዝገራጮ ቀልጢፍካ ኣብ ሓደ ምጥርናፍ ከቢድ እዩ።

ዉጹዕ = ብጻይ ዲሞክራሲ እዞም ንብሕታዊ ረብሓ ዝቃለሱ ካብቶም ንህዝባዊ ረብሓ ዝቃለሱ ፈሊና ከመይ ገርና ክነለልዮም ንኽእል?

ድሞክራሲ = ጽቡቕ ሕቶ እዩ። ንህዝባዊ ረብሓ ዝቃለስ ቅኑዕ መገዲ ሒዙ ከየላገሰ እዩ ዝኸይድ። ኣብ ማዕርነትን ሓድነትን ምሉእ ዲሞክራስያዊ መሰላት ደቂሰብን ይኣምን። ስልጣን ኣይሃርፍን፡ ኣየቈናጽብን፡ ኣይዕበን፡ ኣይጀህርን፡ ከገልግል እምበር ሰባት ክገልግልዎ ኣይደልን። ናይ ደቂ ሰባት ሓድነትን መሰላትን ምኽባር ድኣ’ምበር ምፍንጫል ኣይፈቱን። ብግዝኣት ሕጊ ይቕየድ፡ ብተወፋይነት ክሰርሕን ክቃለስን ከሎ ኸኣ ብተግባር ኣብ ስርሑን ኣብ ዘፍርዮ ቁምነገርን ኣዎንታዊ ውጺኢት የርኢ። ብኣንጻሩ እዞም ንብሕታዊ ረብሓ ዝቃለሱ ግን መገዲ ሓዲጎም ጓል መገዲ ከላግሱ ትርእዮም። ኣብ ማዕርነትን ሓድነትን ምሉእ ዲሞክራስያዊ መሰላት ደቂሰብን ንኣምን ይብሉ፡ ብተግባር ኸኣ ስልጣን ክቀዳደሙ፡ ከቈናጽቡ፡ ክዕበዩ፡ ክጀሃሩ፡ ሰብ ከገልግሎም እደልዩ፡ ነብሶም ይፈትዉ፡ ብግዝኣት ሕጊ ኣይቅየዱን፡ ምፍንጫል የማዕብሉ፡ ኣብ ስራሕ ዳሕሮት ኣብ ምዝራብ ኸኣ ቀዳሞት ኰይኖም ይርኸቡ። ተግባሮም ምስ ህዝባዊ ረብሓታት ስለዘይሳነ ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ሕማቕ በሰላ ይገድፍ። ተበለጽትን ኣድሓርሓርትን ዝጥቀሙሉ ናይ በለጽ መመኽነይታ ወይ ምስምስ ኸኣ ድሑር ስሚዒታት ናይ ብሄር - ሃይማኖት - ኣውራጃ ብምልዕዓል ተጣበቕቲ ናይ ብሄራትን ሃይማኖታትን መሲሎም ዝፈናጭል ኣዋጃት ብምውጻእ ምንቅስቃሶም የካይዱ።  ኣድሓርሓርቲ ኣካላት ኸኣ ኣብ ሃይማኖታዊ ድርቅና ብምእማን ሃገር ብሃይማኖቶም ክትመሓደር ይደልዩ። ስለዚ ገሊኦም ምስ ናይ ብሕታዊ ረብሕኦም ዝሳነ፡ ተጣበቕቲ ናይ ብሄራት ብምምሳል ብሄራዊ ሕቶታት ብምልዕዓል ግርጭታት ይፈጥሩ። ገሊኦም  ኸኣ ወከልቲ ሃይማኖቶም ኮይኖም ሃይማኖታዊ ግርጭታት ክለዓል እሞ ብእኡ ጌሮም ንብሕታዊ ረብሕኦም ልዕሊ ኩሉ ሂቦም ስልጣኖም ንምርግጋጽ ዝጽዕሩ ኣካላት እዮም። ስለዚ ኩላቶም መገዲ ገዲፎም ብጓል መገዲ እንዳኣላገሱ ብብሄራትን ኣውራጃን ሃይማኖትን ተቘርቘርቲ መሲሎም ውልቃዊ ረብሓታቶም እንተኣረጋገጹ ዝፍትኑ እዮም። እቶም ንረብሓ ህዝቢ ዝቃሊሱ ግን ልዕሊ ኩሉ ንናይ ህዝባዊ ረብሓን ድሕነትን ሓድነትን ምሉእ ዲሞክራስያዊ መሰልን ስለዝቃለሱ ምሉእ ህዝባዊ ውሕስነትን ሓድነትን ዘረጋገጸት ዘይትፈናጨል ሃገር ንምህናጽ ንኩላተን ብሄራትን ሃማኖታትን ዝሓቍፍ ብናይ ሃገራውያን ፓርትታት ብዙሕነት ዝማእከለ ኣጋባብ ምምሕዳር ብምህናጽ ብሄራት ይኹና ሃማኖታት ድማ ድልየታተንን ምሉእ ዲሞክራስያዊ መሰላተንን ስለ ዝምዝገበለንን ዝረጋገጸለንን ሓራ ኰይነን ብሰላም  ይነብራ። ክኔዉ ኸኣ ዝጥለብ ነገር ክርኤ ኣይክእልን።

ዉጹዕ = ገለ ተቓወምቲ ውድባት ጉዳይና ምስ ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ዘይኮነስ ብሰለማዊ ዘተ ክንፈትሖ ይግባእ ዝብል መርገጽ ኣለዎም። እዚ ጉዳይ እዚ ይኸኣል’ዶ ይመስለካ? ህግደፍ’ዶ ናይ ሰላማዊ ዘተ ቋንቋ ይሰምዕ እዩ?

ዲሞክራሲ = ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ጸጋመይቲ መትልሕኻ ዝሃረመካ የማነይቲ ኸኣ ሃቦ ስለዝብል እሞ እዚ ውድብ እዚ ምናባት ኣይትቕተል ዝብል ሕጊ ኣምላኽ ክደፍር ስለዘይደሊ ሓጢያት ፈሪሁ ዝሰብኽ እንተድኣ ኣልዩ ኮይኑ ንሰራዊት ህግደፍ እውን ንጸላኢኦም ከይሃርሙ ብስብኸቱ ይኽልክሎም ኣሎ ማለት እዩ። ግን ኣይትቕተል ዝብል ሕጊ ክደፍር ስለዘይደልየ ከይበህል ኸኣ ስለምንታይ ድኣ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣዛዝ ሰራዊት ኮይኑ ይቐትል ነይሩ ክንብል ንኽእል። ብዲሞክራስያዊ ዘተ ዝፍታሕ ሽግር ኣብ ናይ ዝኾነ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ወይ መግዛእታዊ ስርዓት ኣይተራእየን። ህዝባዊ ሓርነት ትግራይ ወይ ናይ ሎሚ ኢህደግ ሕቶ ህዝባዊ ሓርነትን ዲሞክራስያዊ መሰልን ዝተዓወተ ብሓይሊ ብረት እዩ። ህግደፍ ዲክታቶር ከም ምዃኑ መጠን ናይ ዲሞክራስያዊ ዘተ ቋንቋ ዘይሰምዕ ምዃኑ ግሁድ እዩ። ብብረት ክድምስሰካ ንዝመጸ ዲክታቶር ብባህርያቱ ብሓይሊ እንተዘኮይኑ ካልእ መፍትሒ ሓዲስ ስነኪነት ክሳብ ሕጂ ዝተፈጥረ ኣይመስለንን። ንሕና ሓይሊ የብልናን ኣብዚ እዋን እዚ ክንሃርም ኣይንኽእልን ምባል ካልእ ሕቶ እዩ። ወይ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ገለ ተኣምራታዊ ሓይሊ ከም ሙሴ ንደቂ እስራኤል ካብ መንግስቲ ፈርዖን ኣውጺኡ ብባሕሪ ኤርትራ ገይሩ ብተኣምራት ዘሳገሮም ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ እሞ ምናልባት እዚ ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝቓወም ኣካል ካብ ኣምላኽ (ልዕለ-ባህሪ) ብተኣምራት ከም ናይ ሙሴ ዕድል ተዋሂብዎ እንተሎ ኣይንፈልጥን። ካልእ ጉዳይ ኪኔው ማጋረጃ እንተልዩ ኸኣ እዚ ሕቶ እዚ ንመጻኢ ምዕባሌን ንህዝብን ንግደፎ።

ዉጹዕ =  ብጻይ ዲሞክራሲ ሓንትን መወዳእታን ክሓተካ፡ ስለምንታይ ኩሉ ከከም ሓሳቡን ዝንባሌኡን ይጎዓዝ? ከምዚ እንተኮይኑ ንዘለኣለም ኣብ ግርጭት ክንነብር ማለት ድዩ? ስለምንታይ ብዲሞክራስያዊ ኣጋባብ ሕጊ ኣውጺእና ብናይሓባር ዘውጻእናዮ ግዝኣተ ሕጊ ተቐይድናን ተጠርኒፍናን ዘይንጕዓዝ?

ዲሞክራሲ = ንኹሉ ቃልሲ መወድእታ ኣለዎ። ግዜ ይወስድ እምበር እቲ ቃልሲ ኩሉ ህዝቢ ምስ ተሳተፎ በዓል ጉዳይ ናይቲ ቃልሲ እቲ ህዝቢ ስለዝኾነ እቲ ሕጂ ንቃለሶ ዘለና ክሳብ ናብቲ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ እነረኽቦ ግዜ እዩ እምበር ንዘለኣለም ኣይኮነን። ኩሉ ብግዝኣተ ሕጊ ተቀይዱ ክኸይድ ዘይምኽኣሉ ምኽንያት ድማ ናይ በለጽ መርገጽ ስለዘሎ እዩ። ተበለጽቲ ብባህርያቶም ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ኣትዮም ክቕየዱ ኣይደልዩን እዮም። ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ረብሓ ስለዘይብሎም ዋላ እውን ጥዑም መግቢ እንተቐረብካሎም ኣይወሓጠሎምን እዩ። ንዝኾነ ዘቕረብካዮ ቅኑዕ ሓሳብ ኸኣ ተጻይ መልሲ ምሃብ ጥራሕ እያ እታ ክእለቶም። ኣብ መወዳእትኦም ግን ይፈሽሉን ይስዓሩን እዮም። ንኣብነት ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ ናይ ብጻይ ፍትሕን  ናይ ኣቶ በለጽን ዝርርብ ትሕዝትኡ ንመልከት።ኣቶ በለጽ ኸኣ ዕንክሊል ምባል ስለዝፈቱ ትሕዝትኡ ኸኣ ኣየውፍር ኣየእቱ ስለዝኾነ ካብዚ ቀጽሉ ዘሎ ዝርርብ ንብጻይ ፍትሒ ኮለል ከብሎ ከሎ ንርኢ። ኣብ መወዳእትኡ ኣቶ በለጽ ኣብ ዕጹው መገዲ ስለዝበጽሔ ክርታዕ ከሎ ንተዓዘብ።

 

ፍትሒ = ኣቶ በለጽ ማይ ጸሚእካ ትመስል ማይ ስተ።

በለጽ = ማይ ኣልኮል ስለዘለዎ ከስክረኒ ኣዩ። ዊስኪ ክሰቲ ሃበኒ ካብ ኣልኮል ነጻ እዩ።

ፍትሒ  = በል ለሚን ጸሚቘ ከምጻልካ ካብ ዊስክስ ለሚን ይሕሸካ።

በለጽ   =  ለሚን ስብሒ ስለዘለዎ ክስበሓኒ ኣይደልን እየ። ክቐጥን እየ ዝደሊ።    ስለዚ ከቕጥነኒ ሓፊስ ጸባ ኣፍሊሕካ ኣስትየኒ።

ፍትሒ = ዉዑይ ካብ ትደሊ ቈሪርካ ዘለኻ ትመስል ኮበርታ ክትማሙቝ ከምጸኣልካ።

በለጽ = ወጮስ ኣይማሙቝንዶ።

ፍትሒ =  ማሙቝስ ኣይሓዊንዶ።

በለጽ  = ሓዊስ ኣይመጥፍእምድሪንዶ።

ፍትሒ = መጥፍእምድርስ ኣየንበጣንዶ።

በለጽ =  ኣንበጣስ ኣይተገራጫዊንዶ።

ፍትሒ = ተገራጫዊስ ኣይንህቢንዶ።

በለጽ =  ንህቢስ ኣይተናኻሲንዶ።

ፍትሒ = ተናኻስስ ኣይተመንንዶ።

በለጽ =  ተመንስ ኣይተወርዋርንዶ።

ፍትሒ =  ተወርዋርስ ኣይመጽዓንንዶ።

በለጽ =   መጽዓንስ ኣይነዊሕንዶ።

ፍትሒ =  ነዊሕስ ኣይሰማይንዶ።

በለጽ =   ሰማይስ ኣይመጕረምረሚንዶ።

ፍትሒ =  መጕረምረሚስ ኣይገንኢንዶ።

በለጽ =   ገንኢስ ኣይተሰባሪንዶ።

ፍትሒ =  ተሰባሪስ ኣይሓምሓምንዶ።

በለጽ(ዘምጽኦ መልሲ ይስእን) ዶባሕ!!

ፍትሒ = በለጽ ኣይትበል ቀባሕባሕ - ተግባራትካ ኩሉ ሎሚ እዮ ክኽሻሕ!

        ሓፋሽ ክፈርደካ እዩ ጽባሕ - ተኣረም ተናዘዝ ተግባርካ ተነሳሕ!

        ይኣክል ንስልጣንካ ምስራሕ - ስልጣን ናይ ሕዝቢ እዩ ሓፋሽ ይምራሕ!

 

 

ዓወት!!              ንረብሓ ህዝቢ ወከልቲ

ውድቀት!!          ንዲክቶታሪያዊ መግዛእቲ ህግደፍ መርዚ ህዝቢ ኤርትራ

መጠንቀቕታ!!       ንብሕታዊ ረብሓ ተጣበቕቲ

ዝኽርን ክብርን!!      ንስውኣት ሕይወቶም ከፈልቲ

 

  

ካብ ሃብተማርያም ሚኣኤል (ደጎል)

 

 

 

 

 

 

 


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com