ከተማ ስያትል

ንኣጋይሻ ምውቕ ኣቀባብላ ክትገብር ውዒላ

 

ዓርቢ 18, 2006

 

ሳልሳይ ፈስቲቫል ዕለት ቆጸራኡ እናተቓረበ ኣብ ዝመጸሉ፡ ሎሚ ዓርቢ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ናይ፡ ኣዳራሽ ምስላም፡ ሽሻይ ምቕራብ፡ ናይ ህጻናት መደብ ምስንዳእ ክካየድ እዩ ውዒሉ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣጋይሽ ተሳተፍቲ፡ ኣብ ኣየር ፖርት ኮይኖም  ናይ ስልኪ ደወል ጭር ብምባል ምእታዎም ከበስሩ እንከለዉ፡ እቲ ንጥፈት ክቀላጥፍ እቲ ሃዋህው ድማ ፍስሓ ክዓዞ ይርኤ ነበረ።

 

ናይ ኣባላት ዘይስልኪ ላዕልን ታሕቲን ምርኡይ እዩ። መንእስያት ኮነ ህጻናት ድማ ነቲ ውራይ ተቐሪቦምሉ ከም ዘለዉ ክትርኢ ዘጸግም ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ እዬን ተሸኺለን ዘለዋ። በብዓይነቱ ኤርትራዊ መግቢን ኤርትራዊ መስተን ተዳልዩ ኣሎ።

ኣቐዲሙ መጺኡ ዘሎኳ ድሮ መዓዛ’ቲ ሽሻይ ድሮ ኣስተማቒርዎ እዩ።

 

መናእሰይ ኣብ መድረኽ ደይቦም ናይ መዛሙር ልምምድ ከገብሩ ይረኣዩ ኣለው ፡፡ እዚ ድማ ለካ እቲ ፈስቲቫል ካብ ድሮ ዝጅመር ዘሎ የብለካ።

ኣደራሽ ፈስቲቫል ኣጋይሻ ንኽትቅበል  ብጭርሖታትን ስእላዊ ምርኢታትን ክትስለም እያ ውዒላ።

 

ካብ ዝተፈላለዬ ከተማታት ኣጋይሽ ክመጹ እንከለዉ ድማ በተን ጌና ኣብ ስራሕ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ እልልታ ዘሰነዮ ኣቀባብላ እዩ ዝግበረሎም።  እሰለፍቲ ኣዕርፉ ማይ በልዎም ምስ ተባህለ ድማ፡ ማይ ዝደለዬ ማይ ካብቲ ባህላዊ መስተታና ስዋን ሜስን ዝደለዬ ድማ ከም ምርጫኡ ይቐርበሉ። ምስ ኣዕረፈን ምስ ተመገበን ድማ ብውሕልና ዝፈልሐት ቡን ትዞረሉ። ኣብ ሆቴል ከይዓረፉ ብቐጥታ ናብ ኣዳራሽ ዝመጹ ተሳተፍቲ ነይሮም እዮም። ኣብ ክንድኡ እቲ ዝነበረ ናይ ፍስሓ ኩነታት ዝዓዘዞም ይመስል።

 

እዚ ኩሉ እናተኻየደ እንከሎ ድማ እቶም ዘይስልክዮም ወናማት ሙዚቀኛታት መሳርሒታቶም ኣልለዒሎም  ንስለ ድምቀት እቲ በዓል ኩሉ ክእለታቶም ብዘደንቕ ኣገባብ ብምብርካት፡ ንኣሰለፍቲን ኣጋይሽን ብሓበራ ከዘናግዕዎም ሓደሩ።  በቲ ዝነበረ ድምቀት እቶም ሙዚቀኛታት’ዶ ወይስ እቶም ሳዕሳዕቲ ወይስ እተን ኣብ ዕዮ ተጸሚደን ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡  ወይስ ኣባላት ኣሰናዳኣኢት ሽማግለ፡ መኖም’ዩ ኣቐዲሙ ክደክም ጌና ብሩህ ኣይነበረን።

 

ኣሰናዳዊት ሽማግለ ፈስቲቫል፡ ካብ ኣኼባ ናብ ምጉያይ፡ ካብ ተለፎን ናብ መኪና ኣብ ቀጻሊ መደብ ተጸሚዶም ክትርኢ፡ ለካ ሓቆም’ዮም ዕዉት ፈስቲቫል ከካይዱ የብለካ፡

 

ምስንዳእ ዝድነቕ እዩ፡ ናይ ዕዉት ፈስቲቫል ምልክታት ድማ ብሩህ እዩ ዘሎ።

እቲ ቀንዲ ዕላል ከኣ ዝሃለፈ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ተቓወምቲ ኣብ ከተማ ስያትል እዩ ነይሩ፡፡  ኣብ ስያትል ሽግ ቃልሲ ጌና ይበርህ ኣሎ።

 

 ልኡኽ ንሓርነት.ኮም      

 

   


Contact Us at:   webmaster@nharnet.com