|
||
|
|
||
|
ኣብነታዊ ጋዜጠኛ ናይ መጽናዕቲ ማእከል ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓው ማሕሙድ ዑስማን ኤሎስ
ኤርትራ ኣብ’ዚ ሎሚ ትርከቦ ዘላ ዓዘቕቲ፡ ሕማም፡ ድኽነት፡ መሰል ኣልቦነት፡ ወ.ዘ.ተ በዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ክቅጽል ትጽቢት ዝነበሮ ዜጋ ኣይነበረን። ግን ሓደ ሓደ ንጹራት ምልክት ምልክን፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልቡ ገይርዎም ክጽነሕ ብዙሕ ተባሂሉ።
ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ሳላሳ ዓመት ዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝተረከቦ ነጻነት ሓቍፉ፡ ሓርነታዊ መስርሕ ብዘግምታ ክርከቦ ኣብ ትጽቢት እንዳሃለወ፡ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብስም ህዝቢ እንዳጨርሐ ነቲ ኩሉ ስልጣን ህዝቢ ኣብ ኢዱ ጨቢጡ፡ ንመሻርኽቲ ስልጣኑ ብቀረባ እቶም ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተቃለሱን ዝሰንከሉን፡ ቀጺሉ ከኣ ንመላእ ሓይልታት ኤርትራን ህዝብን ካብ’ቲ ታሪኻዊ መስርሕ ህንጻ ደሞክራሲያ ክንጽልን ከዋስንን፡ ንሕናን ንስኹምን ብምባል ከም ክልተ ኣካላት ገቢሩ ክሰርሕ ጀምረ።
እቲ ኣብ ማሕለኻ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይኣተወ ሓይልታት፡ ንምእንቲ ድሕነት ህዝቢ ፡ ንሃገር ህላውነት ዝብሎን ዝጽሕፎን፡ ዘምሓላልፎ ዝነበረ መልእኽቲ ኣብ ጸብጻብ ከይኣተወ፡ ብኣንጻሩ ነቲ ብህ.ግ.ዲ.ፍ ዝንዛሕ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ ጸለመ ከም ዘለዎ ብምቕባል፡ ንሓይልታት ኤርትራ ኣብ መስርዕ ጽልኢ ኣቐመጦ።
ምስጢራት ህ.ግ.ዲ.ፍ ግን ይትረፍ ካብ ሰብ ካብ ደርሆ ዘይሕባእ ብምንባሩ፡ ግዜ ከይወሰደ ባህርያቶም በብሓደ ኩሉ ንላዕሊ ገንፊሉ ኣብ ቃልዕ ወጸ፡ ህዝቢ ክሳብ ፍጊዕ ዝብሎ ክሰምዖን ክርእዮን ገገለ ከኣ ግዳይ እቲ ብወረ ዝሰምዕዎን ዝበሃል ዝነበረ ኮይኖም ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ኩሉ ድጉል መደባት ኣብ 18 መስክረም 2001 ተጋህደ። ነቲ ቅድሚኡ ዝፈጸም ዝነበረ ግፍዕታት ግን እቲ ስርዓት ብዘቅረቦ ምኽንያት ጥራሕ ተዓቢጡ ከም ቅቡል ኮይኑ ክኸይድ ግይርዎ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣሰቓቒ ግፍዕታት ናይ 18 መስከረም ተወሳኺ ተርኽቦታት፡ ኣብ ተመሃሮ፡ ኣብ ስንኩላት፡ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ኣብ መወዳእታ ድማ ብልዕሊ ህጻናትን ሽማግለታትን ዝተፈጸመ ግፍዕታት ኣነጸሮ።
ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ግደታት ጋዜጠኛታትን ናይ መጽናዕቲ ማእከላትን፡ ክጻወትዎ ዝነበሮም ግደታት ምስ’ቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መዳይ ዝጠልቦ ቅድድም ኣይነብረን። እተን ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንዜናዊ ስርሓት ዝተፈቐደለን’ውን ኣብ ክሊ ውሱን ጉዳያት ክኸዳ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ መስከረም 18 እቲ ዝግበአን ተራ በጺሕወን፡ ክሳብ ኣብ ኢድ’ቲ ምልካዊ ስርዓት ዝኣትዋ ከኣ ኣብ ሓጺር ግዜ ሓያሎ ንታሪኽ ህያው ኮይኑ ዝተርፍ ዓብይ ግደ ተጻዊተን። ድሕሩኡ ግን ካብ መድረኽ ተሰዊረን። ንግዜኡ የለዋን። ዝበዝሑ ኣባላት ኣሰናዳእቲ ጋዜጣ’ውን ኣብ ዓለም በቓ ህ.ግ.ዲ.ፍ ይርከቡ ኣለዉ።
ሓደ ሓደ ብዝረኸብዎ ዕድል ካብ ኢድ መንስግቲ ዘምለጡ’ውን፡ ኣብ ወጻኢ ነቲ ንጥፈታቶም ኣብ ምብርባር ጻዕርታት የካይዱ ኣለዉ። ኣብ ደገ ዝጸንሑ ጋዜጠኛታት’ውን ብመንገዶም ነቲ ዝመስሎም ክሰርሑ ይርከቡ።
ግን ምስ ተቃዋሚ ሓይልታት ጥቡቕ ዝምድና ከጥርዩ ከም ዓቢ ጸገም ገቢሮም ዝወሰድዎን፡ ገና ካብኡ ዘይተላቐቑን ዘይወጹን ኣለዉ።
ክቡር ሓው ማሕሙድ ዑስማን ኤሎስ
እዚ ዝሰራሕካዮን ዝመስከርካዮን ግን ካብ’ቲ ኣብ ደንበ ተቃውሞ ዝጸንሐ ሓደ ፍልይ ዝበለ ሰናይ ባህርይ ሒዙ ተቐልቒሉ ኣሎ። እዚ ሰናይ ባህርይን ኣገባብ ኣሰራርሓን ከኣ ኩሉ ክረብሓሉን ክጥቀመሉን ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ከምኡ ሞያ ዝዋስኡ ክስዕብዎ ተስፋይ ወሰን የብሉን።
ሎሚ ንስኻ ነቲ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዘርኣየቶ ግሉጽነት፡ ዕብየት ኣብ ቃልሲ ደምበ ተቃውምቲ ሓይልታት ክትገልጽ ብቕዓትን ክእለትን ብምርኣይካ፡ ከም ጋዜጠኛ’ውን ብቀዳምነት ዕብየት ኣብ ስራሓትካን፡ ኣብ’ቲ ምስፋሕ ዝምድናን ስራሓትካን’ውን እዩ፡ እዚ ስራሓት’ዚ ድማ ኣብ ኩሎም እቶም ነዚ ከም ናትካ ሞያ ሒዞም ዝቃለሱ ዘለዉ ደቂ ሃገር ኣብነት ክኸውን ተስፋ እገብር። ህዝቢ ድማ በቲ ናትና መልእክቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናትካ ምስክርነት ኣብ ሓደ ቅኑዕ ሚዛን ውድብና ከም ዘሰንዮን ከም ዝመርሖን እምነት ኣሎኒ።
ከም’ቲ ኣብ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝረኽብካዮ እምነት፡ ኣብ ካልኦት ተመሳሳሊ ጉዳይ እምነት ተዋሂብካ፡ በዚ መሰረት ስራሓትካ ክትፍጽምን፡ ነቲ ህዝብና ዝጽበዮ ተስፋታት ድማ ብሩህ ክትገብር ሓጋዚ ኮይኑ ረኺበዮ።
ኣነ ሎሚ ነቲ ብመትከላዊ እምነት ዝምባለይ ዝውክል’ለ ዝቃለሰሉ ዘለኹ ውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብዛዕብኡ ንስለ ዝጻሓፍካ ዘይኮነኩ፡
1. ነቲ ብህላውነታካ ዝተዓዘብካዮ ጉባኤ ንህዝቢ ኤርትራ ሓደ ነጻ ሚዛናዊ ዝዀነ መግለጺ ክትህብ ምኽኣልካ፡
2. ነቲ ብውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝተገበረልካ ዕድመ ነጢፍካን ነቒሕካን ኩሉ መዳያዊ ሸነኻት ከም ሰነድ ከተስፍር ምኽኣልካ፡
3. ንውድብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብግሉጽነትን ነጻ ጉባኤ ከም ዘካየደ ከም ምስክር ኮይንካ ክትቀርብ ብትብዓት ክትስጉም ምክኣልካ፡
4. ብዓይኒ ነቐፈታን ሕጽረታትን ዝረኣካዮ ከይተረፈ’ውን፡ ጉባኤ ብዘተን ብምርድዳእን ብኸመይ ከም ዝሰገሮ ክትሕብር ምኽኣልካ፡
ሓደ ሙሉእ ስእሊ ጉባኤ ከትቅርብን፡ ንህዝቢ ክትሕብርን ብሓቂ ሓደ ዓብይ ስእሊ ታሪኽ መበል 6 ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ቀሪጽካ ኣሎኻ።
ኣብ መወዳእታ ድማ በዚ መልእኽተይ ኣቢለ ንዝተሰማዓኒ ኵርዓትን ሓበንን እገልጸልካ ኣለኹ።
15 ነሓሰ 2006
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|