|
||
|
|
||
|
ቅልዕ መልእክቲ ንመንእሰያት ኤርትራ እዚ ኣብ’ዚ ታሕቲ ኣብ ስእሊ፡ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዘሎን፡ እቲ ኣብ ሕሱም ናብራ ስደት ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከብ መንእሰይ ገዝኡ ከይተመልሰ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ክረጋግጽ ከም ዘይክእል ብምፍላጥ፡ ኩሉ እቲ ኣኽእሎ ዓቕምን ዘለዎ ሃገራዊ መንእሰይ፡ ኣብ ድሕነት ሃገርን ህዝቡን ግደኡ ከብርክት ሎሚ ይጽዋዕ ኣሎ። እዞ ጸዋዒት ድማ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ካብኡ ዘይሓልፍ ጸዋዒት ብምዃኑ ብንቕሓትን ሃገራዊ ሓልዮትን ክርእዮን ክጥምቶን ይግባእ።
ስለምንታይ ግደ መንእሰያት ተደላይነት ክህልዎ ክኢሉ፡ ዝብል ኣብ’ቲ ካልኣይ ክፋል ክመሓላለፍ ምዃኑ እንዳገለጽኩ፡ ጠንቒታቱ ስዒቡ እንሆ። እዚ ጠንቒታት ከኣ ሳዕበናቱ ኣብ ህዝብን ሃገርን መጠን ንስለ ዘይብሉ ግድነት ሎሚ ክሓስበሉ ኣለዎ ዘይኰነስ፡ ግድነት ነዚ ሕቶ መልሲ ክርከብሉ ዘለዎ ስለ ዝዀነ፡ ቅሉዕ መልእክቲ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንመንእሰያት ክጽሕፍ ተገዲደ።
ቀዳማይ ክፋል
መንእሰያት ኤርትራ ንቤቶም ክምለሱ፡ መን ይደሊ፡ መን ከ ዘይደሊ ተባሂሉ ዝቀርብ ናይ ምርጫ ሕቶ ኣይኮነን። ጉዳይ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ቤቶም ናይ ምምላስ ተደላይነት ካብ ዝተፈላልየ መንጽር እንተ ደኣ ተራእዩ ካብ’ቲ ቀንዲ እምነ ኵርናዕ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ኤርትራ ወሳንነት ተራ ዘለዎ ከቢድ ሕቶ’ዩ።
ሓዳስ ኤርትራ 25 ሓምለ 2006 ሸዓቢት.ኮም 22 ሓምለ 2006
ስለምንታይ መንእሰያት ንገዝኦም ዝምለሱ ዝብል ሕቶ ክቀርብ ይኽእል’ዩ። ስለምንታይ ከ ኣብ ሳዋ ይነብሩ ዝብል ሕቶ ድማ እቲ ንቤቶም ንምምላስ ዝቃወምን፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት መንእሰይ ኤርትራ ዝድግፍ መልሲ ክቅርብ ይግብኦ።
1 ስለምንታይ ንቤቱ ክምለስ ዝብል ሕቶ፡ ብመጀመሪያ ግዳይ ግፍዕን ስቕያትን ዝዀኑ መንእሰያት ተሓቲቶም ዝምልስዎን ከም ኣካላቶም’ውን ንሕና ንጣበቐሉን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሕቶ ሂወቶም ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ምርጭኦም ፍሉጥ’ዩ። ብዓብዩን ኣውራን ከኣ ምስ መሰል ዝተተሓዘ ስለ ዝዀነ፡ እዞም ህዝቢ’ዚኦም ብዘይ ድሌቶም ብመንግስቲ ጅሆ ተታሒዞም ክነብሩ፡ ጸረ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ስለ ዝዀነ።
2 ኣብ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ስልጣነን ብልጽግናን ንትስፈዎ መጻኢ፡ ካብ ምዕሩይን፡ ፍትሓውን፡ ሰላምውን፡ ዲስፒሊናዊ ኣተሓሕዛ’ዚ እዚ መንእሰይ’ዚ ንስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግዜኦም ቦትኦም ተመሊሶም ናብርኦም ክመርሑ ሕጊ ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ክንተኽሎ ንደሊ ምሕደራ ጠለብ’ውን’ዩ።
3 እዞም ህዝቢ’ዚኦም ካብ ሕብረተ ሰቦም ወጺኦም፡ ካብ’ቲ መዓልታዊ ሂወት ህዝቦም ወጺኦም፡ ካብ ባህላዊ መስርሕ ተነጺሎም ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ዝምልመሉ፡ መተካእታ ናይ ኣየና ባህሊ ፍርያት ከም ዝዀኑ ስል ዝፍለጥ፡ ኣብ’ቲ ባህርያዊ ቦትኦምን፡ ኣብ ከባቢኦም ክምለሱ ንዝቀርብ ጠለብ ኣብ ውሁብ’ዩ።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ፡ መንእሰያት ብዘለዎም ሓይሊ፡ ፍልጠት፡ ቕልጣፈ ኣብ ብዙሕ መደያት ኣብ ሕብረተ ሰብኣዊ፡ ባህላዊ፡ ምጣነ ሃብታዊ ዝተለለየን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝተራእየ ተመክሮታት ኣኽእሎን ዓቕምን ናይ ለውጢ ምርግጋጽ ኣለዎም።
መንእሰያት ከም ተባራዒ ሓዊ ብጥንቃቐ ክትሓዙ ዘለዎም፡ ቀንዲ ኣፍረይቲ ኣካላት’ቲ ሕብረተ ሰብ’ዮም። መንእሰያት ክሕፈሩን ብጥንቃቐ ክትሓዙ ዘለዎም’ዮም። ክሕፈሩን ብጥንቃቐ ክትሓዙ ኣለዎም ክብል እንከለኹ፡ ክሳብ’ቲ ነፍሶም ክኢሎም ዝመሓደሩ እኹል መሰላት፡ ምንክብኻብ ብሓፈሽኡ ኩሉ ዝግበኦም ክንክን ናብራ ዕብየት ክግበረሎም ኣለዎ ንማለት’ዩ።
እዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ መንእሰያት፡ ካብ ዝተፈላልየ ክፋላት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብኣስገዳድ፡ ኣብ መዕሰከሪ ወታሃደራዊ ታዕሊ ንዘይተፈልጠ ግዜ ዝጸንሑ’ዮም። እዚ ዓይነት ኣገባብ ዕብየትን ራሕዋን ሰላም ከምጽእ ዝኽእል እዩ ዝብል እንተሃለወ፡ ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ ባህላውን፡ ምጣነ ሃብታውን፡ ደረጃ ዕብየትን ስልጣነን ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ተዘፊቑ ዘሎ ሽግራት ክርኢ ምስ ዝኽእል።
መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንዚ መንእሰይ ብምስምስ ዶባዊ ኵናት 12 ግንቦት 1998 ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ሒዝዎ ይርከብ። ይኹን’ምበር እዚ ጉዳይ ምስ’ቲ ዶባዊ ኵናት 1998 ጥራሕ ዝተተሓዘ ኣይኮነን።
ጅሆ መንእሰያት ኣብ ሳዋ ምስ ብሕታዊ ስልጣን ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ’ውን ዝተተሓዘ ንስለ ዝዀነ እዚ ስርዓት ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ መደብ ዕስክርና ብዝለዓለን በቲ ዝኸፍአ መልክዕ ኣተሓሕዛ ክቅጽል’ዩ።
ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኩሉ ነገር ምስ ስልጣኑ ብምንጽጻር ንስለ ዝርእዮ፡ ነቲ ስልጣኑ ዝህድድ፡ ወይ ኣብ’ቲ ስልጣን ሕቶ ንዘለዎ ኩሉ ቀዳማይ ጸላኢኡ ገቢሩ ንስለ ዝጥምቶ፡ ነቲ ዝመልኮን ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ብጽኑዕ ኣተሓሕዛ፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብምእሳርን ብምጭዋይን ፍርሕን ራዕድን ብምትእትታው ክገትኦ ይፍትን፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ከም’ዚ ሕጂ ኣብ ሳዋ ንመንእሰያት ካብ’ቲ ዝግበኦም ግዜ ብምሓዝ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽሩ ክእትዎ ይገብር።
ሕጂ እዚ ኣተሓሕዛ መንእሰያት ኣብ ወታሃደራዊ ታዕሊም ሓደ ካብ’ቲ ናይ ስልጣን ሕቶ ንስለ ዝዀነ በዚ ኣገባብ’ዩ ዝሕዞም።
ምኽንያት መትሓዚኡ ድማ፡ ቀዳማይ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ብምኽንያት ዶባዊ ኵናት ኽከውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ንልምዓትን ፡ ዳግመ ህንጻን ብዝብል’ዩ።
እቲ ዝገርም ሎሚ ስድራ ቤታት፡ ብግቦ ደቆም ትምህርቲ ከይሓልፉ’ሞ ኣብ’ታ ክፍሊ መታን ኽደግሙን ንሳዋ ንኸይከዱ ዝገብሩ ከም ዘለዉ ብወረ ይስማዕ ጀሚሩ።
በቲ ሓደ ሽነኽ ከኣ፡ ድሕሪ ምዱብ ንዝተዋህቦ ትምህርቲ ግዜ ኣእምሮኦም ከሲትሎም ወይ በቲ ናይ’ቲ ስርዓት መምዘኒ ትምህርቲ ዝሓለፉ፡ ንኣስመራ ተመሊሶም ትምህርቶም ክቅጽሉ እንከለዉ፡ እቶም መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኽቡ ድማ ኣብ ሳዋ ይቕጽሉ ወይ መቕጻዕቶም ይቕጽል።
ምእንቲ’ዚ እቲ መሰል ዝፍቀድ፡ ምስ’ቲ ብነጥቢ ጸብለል ዝበሉ ሕሩያት ተማሃሮ፡ ወይ’ውን ነቲ ስርዓት ዝድግፉ’ውን ክኸውን ዝኽእል ዝተተሓሓዘ’ዩ ክኸውን።
ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንመንእሰያት ኤርትራ፡ በቲ ሕዚዎ ዘሎ መስርመር ጭዋን ማእሰርቲ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ሳዋ ካብ መሰልጠኒ ወታሃደራት፡ ናብ ሓደ ናይ ገገለ መናፈሲ( ፓርክ) ወይ ከኣ ዑደት ተድላ ክትኸውን እንከላ፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ዙረት ንኤርትራ ክርእዩ ተባሂሎም ዝእከቡ መንእሰያትን ድማ ምስ ስድራ ቤቶም ከም ዝመጹ ብምግባር ሓደ ዓብይ ናይ ቁጠባዊ ምኝጪ ከም ዝኸውን ገቢሮም ኣለዉ።
ይቕጽል
21 ነሓሰ 2006 ኣንቶንዮ ተስፋይ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|