|
||
|
|
||
|
ሕጋዊ መስርሕ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ቀዳማይ ክፋል
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ 23 ክሳብ 27 ሓምለ ኣብ ዘቓንዖ 6ይ ጠቕላል ሃገራዊ ጉብኤ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ምስ’ቲ ኩሉ ከጋጥም ዝጸንሐ ሽግራት ጉባኤኛታት ንሕሉፍ ጉዕዞኦም መዚኖም፡ ኣብ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሲ ትልሚ መደብ ስርሓቶም ክንሕንጽጹ ኣኽኢልዎም።
ሓደ ውድብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ ናይ ዝሓለፈ ስራሓቱ ገምጊሙ’ዩ ናብ’ቲ ዝቅጽል ዝሓልፍ። ነዞም ገምጋም ዘቐምጠሎም ምዕራፋት ከኣ ኩሉ ግዜ በቲ መሰረት መቆሚኦም ከም ኣድላይነቱ የሕድሶም፡ የፍርሶምን፡ ይቕይሮምን፡ ወ.ዘ.ተ። ንኣብነት ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐን ዝቆመን፡ ብዘይካ ጉባኤ ዘፍርሶን ዝቕይሮን ከም ዘየልቦ መጠን ኣብ ጉባኤ ይረአ። እዚ ጉዳይ ድማ ኩሉ ዝፈልጦን ርዱእ ስለ ዝዀነ ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደልን።
ኣብ ብዙሕ ካልእ ገለጸታት ከይኣተኹ፡ እዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ፡ ንሰለተ ሰባት ብዛዕባ ደምዳሚ ኣዋጅ ተ.ሓ.ኤ. ሰውራዊ ባይቶ ዝሃብዎ ርእይቶ ክኸውን’ዩ። እቶም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተጎርባ.ኦርግ ርእይቶእም ዘስፈሩ፡
1. ዓብደላ ሓሰን ዓሊ ብ4 ነሓሰ 2006
2. ነሓሰ ገብረሂወት ብ 7 ነሓሰ 2006
3. ገብሩ ሓጎስ ብ7 ነሓሰ 2006
ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ዝተዛረብሉ ጉዳይ ከኣ፡ ሓንቲ ንጽል ካብ’ቲ ዝሰፈረ ሓድሽን ኣገዳስን ክፋላት’ዩ። ነዛ ትስዕብ ነበረ።
ቅድም ቀዳድም ቅርሕንትን ጽልእን ንጎኒ ገዲፍና፡ ኣብ’ቲ ክበሃል ዝግበኦን ወይ ተባሂሉ ተጻሒፉ ብማለት ዝዝረበሉ ጉዳይ ኣስሚርካ ብጥርኑፍ ሓሳብ ምቕራብ ከም ዘድልዮ እኣምን።
ሕጂ ዘረባ ወራዙት ምዝራብ ክንደይ ከየጽብቀልና፡ እንተዀነ ንድሕሪት መሊሱና ደኣ ኣይተበሊኑ’ምበር፡ ቅድሚ ቅሩብ ወይ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ቅድሚ እቲ ሕጂ ዘዛርብ ዘሎ ኣዋጅ 7 ሓምለ 2003፡ ዝተፈጸመ ተምሳሳሊ ተግባራት፡ እዞም ሰለተ ሰባት ነቐፈታ ኣስፊሮም ዘለዉ ኣብ ሓደ ውድብ ኣብ ዝነብርናሉ፡ እቲ እነቐምጦ ሚዛናት ምፍንጫል ካብ’ዚ ሕጂ ኣብ ሻድሻይ ጠቕላል ጉባኤ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ዝፍለ ኣይነበረን። ግን ሕጂ ?
ታሪኽ ከም ታሪኽ ኣብ ሕሉፍ ናይ ምፍንጫል ተርእዮታት፡ ሓደ ውድብ ንሓደ ውድብ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከስክም ጸኒሑ’ዩ። ተ.ሓ.ኤ ቀጺሉ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ንዝሓዞ መስምር ክቅጽሉ ዘይከኣሉ’ውን ብተመሳሳሊ እዚ ሚዛን ኣቐሚጡ። ከምኡው’ን እተን ካልኦት ውድባት ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ሚዛነን ኣቐሚጠን’የ። ሕጂ ግን ንሕና ኣብ ሕሉፍ ኮነ ኣብ መጻኢ ንዛረበሉ ዘሎና ኣብ ሓደ ንጹር ጉዳይ ዝተጠርነፈ ጉባኤ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ሚዛንን መሰረታትን ህዝብን ዝተነበረሉ’ዩ።
1970 ዑበላውያን 1970 ሰልፊ ነጻነት 1970 ህዝባዊ ሓይልታት 1976 ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ 1982 ተ.ሓ.ኤ 1983- 1984 ተ.ሓ.ኤ ማእከላይ መሪሕነት
መራሕቲ እዘን ከም ኣብነት ቀሪበን ዘለዋ ውድባት ሓሳቦም ክገልጹ የብሎምን፡ ዝተባህለሉ እዋን የልቦን፡ ብኣንጻሩ ሓሳቦም ስለ ዝገልጹን ኣብ ደረጃ መሪሕነት በጺሖም ከኣ ንዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ይኽበድ ይምረር ክሳብ ነቲ ሓላፍነት ዘሰከሞም ጉባኤ ዘይበጽሑን፡ ጸብጻቦም ዘይቕርቡን’ዩ እቲ ሕቶ።
እዞም ሰለስተ ኣካላት ርእይቶኦም ዘስፈሩን፡ ካልኦት፡ ነቲ ጉዳይ ብናታቶም ሚዛን ዝርእይዎን ዝርድእዎን፡ ኣብ ቦታ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ እንተዝነብሩ፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽን ፖለቲካዊ ጸብጻባት ኣብ መንጎ ክልተ ጉባኤ ፡ ብፍላይ ነዚ ተርክቦ 7 ሓምለ 2003 እንታይ ቢሎም ከስፍሩ ይኽእሉ፡ መተካእታ ከየቕረቡ፡ ስለምንታይ ከም’ዚ ተባሂልና ኢሎም ጥራሕ ክጽሕፉ ግቡእ ኣይመስለንን።
ጉባኤ ዝኣክል ተረኺቡ፡ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልተ ጉባኤ ንዝተረኽበ ጉዳያት ኣይዛረብ ድዩ ክበሃል? ከይኵርዩ’ሞ ደሓን እዛ ብሂል ትሕለፍ ድዩ ? ሓንቲ ንመተካእታ መልሲ ዘይቐርበሉ ኣብ ምንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ውድብ ብዘይ’ዚ ጸብጻብ ክሕለፍ ይኽእል መረዳእታ የብሉን። ግን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ካልኣይ ክፋል ከቅርብ’የ። ልክዕ እዩ፡ ኣብ ሓደ ውድብ ፍሉይ ኩነታት እንተተረኽብን፡ እንተኣጋጠምን ከኣ፡ ፍሉይን ህጹጽን ኣኼባታት ብምክያድ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ጻዕርታት ይካየድ። እንተገደደ ከኣ ብ2/3 ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጉባኤ ኣቐዲምካ ክግበርን ሽግር ክፍታሕ ይከኣል።
ኣብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ፡ ዝተረኽበ ዘይምርድዳእ፡ ጉባኤ ቅድሚ መዓልቱ ክግበር ዝብል ሓሳብ’ኳ ይቐርብ እንተነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ዘድሊ ምርድዳእ ተኻይዱን ተፈጺሙ፡ ክሳብ ዝኣክሎ ድማ ተዘሪብሉን ቀቀንዲ ሽግር ተፈቲሑን፡ ኩሉ ኣብ መመደቡ ተመሊሱ ቃልሱ ከሰላስል ኣብ ዝተባህለሉ፡ ከም ሓድሽ ሕቶታት ተላዒሎም። ነቲ ተተመሊሱ ዝለዓል ዝነብረ ሕቶታት ንምግላጽን ንመሰረታት ንምርኻብ ዝተላእኩ ኣባላት ገድላዊ ባይቶ ግደ ድኻም ኮይኖም ምስ ተረፉ፡ ኣብ ክንዲ ንዓኣቶም ምሕጋዝን፡ ነቲ ኣብ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምትግባር፡ ብክልተ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ወጸ።
እዚ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኩነታት፡ ብሓላፍነት ዝስከሙ ሓደ እቶም ዋናታት ኣዋጅን፡ እቶም ነቲ ኣዋጅ ዝደግፉን’ዮም። ሎሚ’ውን መሬትን ሰማይን እንተተላገበ ሓላፍንት ዝሰከሙ እቶም ብስሞም ኣዋጅ ዘውጽኡን ደገፍትን’ዮም። ካልእ ዘይጸሓፈን ዘይደገፈን ኣነ ሓልፍነት ክሰክም’የ ዝብል’ውን ዝርከብ ኣይመስለንን። ሰውራዊ ባይቶ’ውን ነዚ ሓላፍነት ኣመልኪቱ’ዩ ብደረጃ ጉባኤ ደምዳሚ ጸብጻባቱ ንህዝቢ ዘረከበ፡ እዚ ከኣ ሕጋዊ እዩ። እዚ መድረኽ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ሕጋዊ መደምደምታ ዝተገብረሉ ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ግን ነቲ ሕጋዊ መደምደምታ ክግበረሉ ምጽባይ እቲ ቅርሕንትን ጽልእ ኣሎ ማለት ኣየስምዕን፡ ከምኡ ዝብሉ እንተሃለዉ ብዛዕባ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ሓበሬታ ዝጎደሎም’ዮም ክበሃል ይከኣል።
ተ.ሓ.ኤ ሰውራዊ ባይቶ ካብ 5ይ ጉባኤ ክሳብ 6ይ ጉባኤ ንዝሰርሖም ዕማማት ውድባ ብመልክዕ ጸብጻብ ከቕርብን፡ እቲ ጸብጻብ ድማ ቅኑዕን ሓቕን ኮይኑ ተመርሚሩ፡ ክጸድቐሉ ዝኽእል ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክጥቀም መሰሉ እዩ። ነዚ መሰል ተጠቒሙ ግቡኡ ክንዲ ዝዀን ከኣ ነቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ ክጸድቐሉን ንባይቶ ድሕሪ ምውራድ ከም ሓደ ውሁብ ጉዳይ ተወሲዱ። ካብኡ ሓሊፉ ግን ምሳና ስለ ዘየለዉ ወይ ከኣ ዘየተደለየ ጽልኢ ንኽይፍጠር ተባሂሉ ኣብ ታሪኽ ሃጓፍ ንምግዳፍ ተ.ሓ.ኤር ሰውራዊ ባይቶ ዘይደለዮ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንህዝቢ ብግቡእ ከብርህን፡ ከም’ቲ ጉባኤኛ ከኣ ጸብጻቡ ብደረጃ ደምዳሚ ኣዋጃት ብግሉጽ ንህዝቢ ክሕብር ምግባሩ ጌጋ ክበሃል ኣይከኣልን።
ይቕጽል
10 ነሓሰ 2006 ኣንቶንዮ ተስፋይ
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|