|
||
|
|
||
|
ተሰነይ ካልኣይቲ ኤርትራዊት ደሴት ናኹራ
ከተማ ተሰነይ አብ ዞባ ጋሽ ባርካ አብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ትርከብ ከተማ እያ:: ተሰነይ አብ ዞባ ጋሽ ባርካ እታ ዝዓበይት ከተማ እያ:: አብ ተሰነይ ብጀካ ብሔረ ዓፋር ኩለን ብሔራት ኤርትራ ዝርከባላ ዓባይ ናይ ብሔራትና ናይ ምትሕቑቓፍን ናይ ብሓባር ናይ ምንባርን መርኣያ ምልክት ከተማና እያ::
መነባብሮ ህዝቢ ተሰነይ ከባቢኣን አብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝተሞርኮሰ እዩ:: ተሰነይ ውሑድ ክረምታዊ ዝናብ ዘለዎ ቦታ ሰለዝኸነ ድማ ብጀካ እቲ ብሩባ ጋሽ ዝለምዕ ሕርሻ ዓሊግድርን ንኣሽቱ ጀራዲን ብህዝቢ ተሰነይ ዝካየድ ናይ ማሕረስ ንጥፈት ውሑድ እዩ:: ናይ ተሰነይ ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ደቡባዊ ጋሽ ካብ ኢትዩጵያ ብመንገዲ ኦምሓጀር ዝመጹእ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ሱዳን ብታላታዓሸርን እግርማይካን ዝመጹእ ኮይኑ እቲ ሳልሳይ ድማ ካብ ከበሳታትን ዓንሰባን ባረካን ዝመጽእ ውሱን ሸቐጣ ሸቐጥ እዩ:: እቲ ቀንዲ ሸቐጥ መሸላ፤ ስምስም፤ ቡልቱግ፤ ጤለ በጊዕ፤ ከብቲ፤ ገመል፤ ኮይኑ ሸቐጣ ሸቐጥ ድማ ክዳውንቲ፤ጫማታት፤ ቅብኣትን ጨናን ዝአመሰሉ ካብ ሱዳን ዝመጹ ካብ ውሺጢ ኤርትራ ድማ ሃለኽቲ ነገራት ከም ሽኮርን ሳሙናን ዝኣመሰሉ ነገራት ድሻየጡላ ዓባይ ከተማ እያ::
አብ ዶባት ከባቢ ትረክብን አብ ማእከላይ ቦታ ድማ ሰለትርከብን ብዙሓት ሰባት ዝንቀሳቐሱላን ዝሻየጡላን ቦታ እያ::ተሰነይ እቲ ዝበዝሕ ምህርቲ ጋሽ ባርካ ንዕዳጋ ንከቐርብ ዘማእክል ቦታ እዩ:: ህዝቢ ተሰነይ ድማ ነዚ ገዚፍ ቁጠባዊ ንጥፈታት ሓጋዚ ዝኸነ አገልግሎት ይህብ እዚ ድማ ህዝቢ አብያተ መግቢ፤ ሆቴላት፤ ባራት፤ ቤት ሻሂ፤ ዶኻኹን ፤ ማዓደሊ ነዳዲ፤ ጋራጃት፤ መኻዚኖታት ዝአመሰሉ ነገራት ብምቕራብ ነቲ ንግዳዊ ህይወት ናይቲ ከባቢ ዝተማልኣ ይግብሮ:: በዚ ድማ ኩሉ ሰብ ዕለታዊ ናብሩኡ እናመርሓ ደቁ ይዕብን አብ ቁጠባ ሃገር ድማ ርኡይ ተራ ይጻወት::
ህዝቢ ተሰነይ ከም ጻዕርታቱን ባህጉን እዚ ቁጠባዊ ንጥፈታት ክምዕብልን ክሰፍሕን ከም ንቡር ክቕጹልን ከም ኩሉ ህዝቢ ድልየቱ እዩ:: እንተኾነ ግን ሰላምን ምርግጋእን ምዑሩይ ምሕደራ አብ ዘየብላ ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ህዝቢ ረብሓ አብ ዘየቐድም ምልካዊ ስርዓት አብ ዘለወሉ ዝኸነ ይኹን ሃገር ህዝቢ ብሰላም ሰሪሑ ከነብር ከምዘይክእልን እኳ ድኣ ዓደዳ ስቓይን ሰደትን ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ::
ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝካይዶ ናይ ዕንደራ ፖሊሲ ርክብ ምስ ሱዳን ብወግዒ አብ 1995 ተቓሪጹ፤ ምስ ኢትዮጱያ አብ 1998 ተቓሪጹ፤ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ናብ ተሰነይ ዝግዕዝ ዝነበረ ሸቐጥ እቲ ዓንዲ ሕቖ ዝኸነ አፍራይ ሓይሊ ዕድሚኡ ካብ 16-50 ዘሎ ሰባት አብ ፍርያት ዘየብሉ ወፍሪ ጊላነት ተታሒዙ፤ ስለዘሎ ህግደፍ ባዕሉ ብስግረ ዶብ ኮንትሮባንዳ ክሻየጥ ክንርእዮ ጸኒሕና:: ህዝቢ እምበር ዶ ተሰነይሲ ናይ ኤርትራ ከተማ እያ ኢሉ ንነብሱ ክሓትት ጀሚሩ ንአብነት ካብ ከበሳ ስጋብ ተሰነይ ዘሎ ብሎኮታት ንርኣይ ካብ አሰመራ ብሎኮ ዓዲ አቤይቶ፤ ብሎኮ ዓዲ ተከሌዛን፤ ብሎኮ ዒላበርዕድ፤ ብሎኮ ከረን /አብ መእተውን መውጹእን/፤ ብሎኮ ዓደርደ፤ ብሎኮ እንገርነ፤ ብሎኮ አቑርደት፤ ብሎኮ ሞጎሎ፤ ብሎኮ ባረንቱ / ክትኣትውን ክትወጹእን/፤ ብሎኮ ዓዲ ቐሺ፤ ብሎኮ ጎኘ፤ ብሎኮ ሃይኮታ፤ ብሎኮ ተሰነይ/ ክትአቶን ክትወጹእን አዝዩ ጹኑዕ ቦታ እዩ:: ተወሰኺቲ ብሎኮታት ከም አድላይነቱውን ይግበር እዩ:: ካብ ተሰነይ ሓሊፍካ ንዓሊ ግድርን ከምኡ ድማ ንጎልጁ ዝወስድ መንገዲ ዳርጋ ካብ ሰብ ዝተሓዝኣ እዩ ዝመስል:: አብዚ ከፋላት ሃገርና ክንቀሳቐስ ዝተረኸበ ሰብ ዳራጋ ካብ ሞት ዘይሓይሸ ማእሰርቲ ትሕቲ መሬት እዩ ዝጹበዮ::
እዚ ኩሉ ብሎኮታት ነቲ ምእነቲ ነጻነቱ ዝተቓለሰን ብጀግንነት ዝሓለፈን ህዝቢ ኤርትራ ብጁሆ ንምሓዝ ዘቖማ ብሎኮታት እየን፤ እሞ ህዝቢ ተሰነይ ድኣ በየን ዝመጾ ሸቐጥ እዩ ክሽቅጥን መነባብሩኡ ክገብርን ዝኽእል:: ህግደፍ ብዘይ ገለ ጸገም ዕዳጋታት ንበይኑ ወኒንዎ ዶላር ብኸመይ ከምዝረክብ ክሓልም ይውዕል አሎ::
ንተሰነይ ሓደ ሰብ አብ ዝነቀሳቐሰሉ ግዜ ዋላ ናይቲ ስርዓት ሕጋዊ ዝብሎ ወረቐቱ ሒዙ ዝጉዓዝ ሰብ ብሰላም ተሰነይ ምብጸሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሎኮታት እናቐጸረ ነዚኣስ ይሓልፋ ዶ ይኸውን እናበለ ንፈጣሪኡ እናለመነ ይኸይድ:: ሓንቲ አውቶቡስ ሰጋብ ትፈተሽ ሓደ ሰዓት ይወሰደላ እዚ ድማ እቶም እቲ ስርዓት ተዛሪብካ ክርድኡ ዘይክእሎ ሰባት ኮነ ኢሉ ሰለ ዘምጹኦም ንገለ ካብ ተጉዓዝቲ እዚ ወረቐትካ የጠራጥር እዩ ክነጻርዩ ኢና፤ ነተን አደ ቆልዑ ብዕድመ ንእስ ዝበላ እዚ ቆልዓ ናትኪ አይኮነን፤ ንዓበይቲ ታሴራ ናትካ አይኮነን፤ ናብ ቦትኡ ናብ ሰራዊት አሃዱኡ ድማ ዝምለስ ከምዚ ትበሃል አሃዱ በዚ የላን፤ ንትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ድማ ንሰኻ ቆልዓ አይኮንካን ታሴራ ከህልወካ ይግባእ ኒሩ ብዝብል ብዙሓት ሰባት ካብ አውቶቡሳት እናተወጠጡ ይወስድዎም:: ሓደ ሓደ ግዜ ንኣሸቱ አዋልድ ንበይነን የውርድወን ኮታስ ዘይተሰምዓ ጉድ የለን:: መወዳእታ ነቶም ሰባት ናበይ የብጸሕዎም ይኾኑ ፍሉጥ አይኮነን:: ተጉዓዛይ ብሙቐት ጋሸ ባርካን ናይ ማኪናን ረሰኒ ሃለዋቱ እናስኣነ ነቲ ስርዓት እናማረረ ገለውን ናይ ደርጊ ስርዓት ድኣ እንታይ ዶ ጊሩና እዩ: ብደቅና፤ ብሰብኡትና፤ ብንብረትና እንታይ እዩም ክንከውን ደልዩሞና እናበለ ድሕሪ እዘን ምሕላፍ እዘን 15 ብሎኮታት ጸሓይ ዓራርብ ተሰነይ ምስ በጹሐ ድማ፤ እቲ ዝኸፍኣ ብዙሕ ሕቶን ከልበትበትን አብ ብሎኮ ተሰነይ ምስ በጻሕካ እቲ ትኸዶ ቦታ አመዝጊብካ እቶም ሰባት ዋሕስ ኮይኖም ከምዝወስዱኻ ይገበር:: ሓደ ሓደ ግዜውን እቶም ሰባት ንኸወሓሱ ይፈርሑ እዮም::
እቲ ስርዓት አብ ሙሉእ ዞባ ጋሽ ባርካ አብ 2004 ፍሉይ ታሴራ ንህዝቢ ከምዝቕይር ጊሩ:: እዚ ነቲ መንእሰይ ኤርትራ እንተዳኸመኩ ኢሉ ዝፈጥሮ ታሴራታት ካብ ዋላ ሓደ ነገር አይከላኸልን እዩ:: ምምላስን ማእሰርትን የጋጥም።
ህዝቢ ተሰነይ ይነብዕ አሎ አብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ ተሰነይ ቤት መግቢ፤ ናሻሂ፤ ሆቴላትን ካልእ መን ክመጸን በየናይ ጡጡሕ ምንቅስቓስን መንገዲን:: አብ ነፍሰወከፍ ሰድሪ መንቀሳቐሲ ዝሓቱ አባላት ጸጥታ ተዘርጊሖሙላ ዘላ ከተማ እያ:: ተሰነይ ምስ ህዝባ ተኽርዲና ዘላ ኤርትራዊት ከተማ እያ::
ተሰነይ እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብስም ስግረ ዶብ እናተኸሰሱ ብዙሓት ሰባት ዝሳቐይላ ከተማ እያ እቲ ነዚ ግፍዒ ብቐረባ ዝፍጹሙ ናይቲ ስርዓት መራሒ ሬዲዩ ኦፕሪተር ዝነበረ ተኸለ ማንጁስ ዝበሃል እዩ:: ብርግጹ በዓል እዚኦም ተሰፋ ዝቖረጹ አብ ምዕሩይ ሕብረተሰብ ቦታ ክህልዎም ዘይክእሉ ሰባት እዮም:: እዚኦምን ተኸተልቶምን ብዙሕ ገንዘብን ንብረትን በዚ ምስ ምስ ዘኻዕብቱ ዘለው እዩም:: እተን ሰብኡተን አብ ሰራዊት ተታሒዞም ዝብላዕ ዝሳኣና ስደራ ቤታት ካብ ኢትዮጱያ ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ከም ነጸላ፤ ቡን፤ በርበረን፤ ጣፍን ዝአመሰለ ዓቕመን ብዝፈቐደ ካብ ተሰነይ እናገዝኣብ አስመራ ነቲ ብሕጹረት አሰቤዛ ድሳቐ ዘሎ ህዝቢ እናሸጣ ደቀን ክኣልያን ድራር ዕለተን ዘናድያ ዘለዋ ስድራ ብጹኑዕ ምቁጹጻር ተጊሩ ተኸልኪሉ አሎ:: ብአንጻሩ ህግደፍ ብኮንትሮባንዳ ጣፍ ብሸኽ ባዳ/ደንከልን/ ጋሽ ባርካን ባዕሉ እናምጹኣ አብ ከተማታት ዶኻኹን ከፊቱ ይሸይጥ አሎ:: ህግደፍ ካዝንኡ ክመልእ ዝኽእል ናይ ዋጋ ምንሃር ምስ ዝህሉ ጥራሕ ስለዝኸነ ናይ ዋጋ ምንሃር ንኽፍጠር ማሕንቖ ዝኾኑ ሕግታት መዓልታዊ እዩ ክጭጭሕ ዝውዕል::
ህዝቢ ተሰነይ ብጀካ እቲ ገጢምዎ ዘሎ ናይ ናብራ ጸገም ብሕጹረት ነዳዲ ቦጥ መኻይን ከምቲ ዝደለይ ሰለዘየለዋ ምስቲ ናይቲ ቦታ ሙቐት ብዙሕ ሃልኪ ናይ ማይ ሰለዘድልዮ ማይ አብ ገምገም ጋሽ ዝነብር ህዝቢ ብሕጹረት ማይ ይሳቐይ አሎ:: እዚ ህዝቢ አብ ሳልሳይ ወራር ንብረቱ ዝተራሰየን ብምፍንቓል ዓብይ ጸገም ገጢምዎ ዝኸነ ሓገዝ ዘይተገበረሉ ህዝቢ እዩ:: ተሰነይ አብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ዘርኣየቶ ምዕባለ አሎ ክብሃል ዝክኣል ነገር እንተሎ ብብዝሒ ኤርትራዉያን ዝደተኛታት ካብ ሱዳን ተመሊሶም ዝሰፈሩላን አብ ከባቢ ተሰነይ ናይ ሱዳን ተቓወምቲ መዓስከራትን አብ ከባቢ ተሰነይ ናይ ኢትዮጱያ ተቓወምቲ መዓስከራት አብ ፋንኮ ዝተብሃለ ቦታ ምዱካኑ እዩ:: ናይ ህግደፍ ፋብሪካታት ኩል ግዜ ወተሃደራዊ መዓሰከራት እየን:: ዕውደት ዲክታተርያዊ መራሒ አብዚ ዞባ ኩል ግዜ ነዘን መዓሰከራት ንምሕያልን ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ሰላመን ናይ ምዝራግ ዘተኮረ እዩ እምበር ከምቲ እተን ናይ ሓሶት ወረ ዝዝርጋ ብድምጺ ሓፋሽ አይኮነን:: ንአብነት ካብ ብዙሕ ግዜ ዕውደታት ጊሩለን ዝበሃላ ቦታታት ሓንቲ ሃይኮታ እያ ሃይኮታ እቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ተቓወምቲ መንግስቲ ሱዳን እያ አብዚ ቦታ ንዕውደት ዘይኮነ ዝኸይድ ንኻልእ ሕቡእ አጀንዳታት እዩ :: እንተኸነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ አብ ውሺጢ ኤርትራ ዝነብር ዝስወር ነገር የለን::
ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን እቶም ሕቶ መሰል ዝልዑሉ ሰባት አብ ናኹራ ይእሰሩ ኒሩም። ናኹራ አብ ደሴት ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ብማይ ዝተኸበ ቦታ እዩ። እዚ ድማ ምስ ካልእ ሰብ ከይራኸቡን ሃዲሞም ከይወጹን ዝዕላማ ኒርዋ። ሎሚውን አብ ናኹራ አሸሓት እሱራት ኤርተራውያን አለው። ተሰነይ ድማ ካልኣይቲ ናኹራ ኮይና ህዝቢ ተሰነይ ብብሎኮታትን ጸጥታ ህግደፈን ተኸቢቡ ካብ ካልዕ ዓለም ተነጺሉ አሎ።
አብዚ እዋን ግን ግዜ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ናብ ለውጢ ገጹ የምርሕ ሰለ ዘሎ ህዝቢ ተሰነይውን ምስ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ንቡር ኩነታት ዝመለሰሉ ግዜ ርሑቕ አይኮነን::
እዚ ዝተጠቐሰ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝነብሮ ዘሎ ህይወት ስለ ዝኸነ ይፈልጦ ሓቂ እዩ:: እንተኸነ ግን እቲ ግፍዒ ክጹሓፍን ክቃላሕን አብ ታሪኽ ክጸሓፍ ስለዘለዎን እቶም ካብ ሃገር ርሒቖም ዝነብሩ ወገናት ድማ እቲ አብ ዝባን ወገናቶም ዘሎ ሓቂ ከሰተውዕሉሉን አብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንኽቃወሙን እዩ::
ሰላምን መሰል ዜጋታት ዝኸበረላ ኤርትራ ንኤርትራውያን
ብ. ሓጎስ ዓባይ ብሪጣንያ |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|