Nharnet Articles/Opinions

     

   

ኮይንና ድዩ ኮይንና
ካን    ተፋላሊና
ሓደዝጛይላና
ንስዕስዕ በበይንና
ሓደ ዕላማና
ሓደ ዝወጽዓና
መን ፈላሊና
              ካን ካን እግርን ኮቦሮን ኼና ዘይሳነ
            ጻባሕ ከይከውን ጣዕሳ ወይኣነ ወይ ኣነ
            ሃገር ጸኒታ ህዝቢ ምስተሳእነ
ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ እዩ ሓይሊ
ሓይሊ ንምርካብ ሓድነት እደሊ
ሓድነት ንምርካብ ምጽውዋር የድሊ
ምጽውዋር ክርከብ ሕድገታት የድሊ
ንሓደ ዕላማ ተዓጢቅካ
ሓንቲ ከይ ጨበጥካ
ትፋካከር ኮምኢልካ
ቅልጽመይ ቅልጽምካ
ውድበይ ውድብካ
ፍልጠተይ ፍልጠትካ
ብኩሉ ኣነ እበልጸካ
ክትፋኻከር ዶ ጸሓይ ይዓርበካ
ኣብፈደረሺን ሰኣን ሓደምኻን
ኣብሜዳ ሰኣንሓደ ምኻን
ሕጂ ሰኣን ሓደምኻን
ህዝብና ኮይኑ ወላድ መካን
   
ልዕሊ ኩሉ ድልየት ህዝቢ ነቀድም
ስልጣን ህርፋን ታይጠቅም
ኣንነት ቅርሕንቲ ንግደፎ
ንኩሉ ስስዔ ብደዔ ንሕለፎ
ምእንቲ ሃገር ምእንቲ ህዝቢ
ሓድነት ንግበር ብደንቢ
 
እጽበየናሎ ንኡስ ምስዓቢ
ኼና ከይንተርፍ ናይ ኣህጉር መዛረቢ
ስምረት ስምረት
ብዘይ ቅድመኮኖት
ብዘይ ሓድነት የለን ዓወት
ንሓድነት  ንስኒት
 የለን ምክኒት
 
 
 
ፍትሕን ሕግን መሰልን ንህሉዋት
ክብርን ዝክርን ንስዉኣት
ውድቀት ንመለክትን ዓመጽትን ስሱዓት
 
ተ/ግ/ሺ

     


DISCLAIMER:  The author/s  contributed  for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents


 

Contact Us at:   webmaster@nharnet.com