|
||
|
|
||
|
ብመን ኢና ክርሁ ንጽበ ዘለና ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 12/08/06 ኖርወይ
እስከ ኣብ ዓዲ ዘለኹም ህዝብና ክሓተኩም ኣነ ትጽቢትና ቅሳነትን ሰላምን ራህዋን እንካብ ኮነ ኤሪትራዊ ዘጽልኦ ህግደፍ ንጥፍኣትና ካብ ሃቀነ ውርደት ጩኮናኹም ተረዲኡ መናሎ ዘይሓዘነ?
ነዊሕ ኮይኑ መንእሰያት ተሃዲኖም ካብ ዝበሃል ሕልሚ ተጸቢኻ ብቐሊሉ ክወግሕ ስለዘይካኣል ህግደፋዊ ግፍዒ ዝያዳ ኣብ ርእሰኹም ስለ ዝውዕል ኣይትቀየሙኒ ከንጥበልኩም ምርር ዝበለትን ቃል ንመን ትጽበዩ ካባኹም ሓሊፉስ መንዩ ክጋደል?
መዛሙር ፖለቲከኛታት ኣሚንኩም ኣይትድረፉ ካባና ክትጽበዩ ክትብሉ ሓዲግ መዲግ ከይትተርፉ ባዕላትኩም ተባራበሩ ከምቶም ጀጋኑና ዝሓለፉ ካልእ ምርጫ የለን ብድሆ በሉ ብእዋኑ ተቐላጠፉ
ተኾርሚኻ ሞት እንተሃደምካ ሞት ክልቲእን ሕደ ቁጽሪ ህዝብና መዓልታዊ ከም ዒላ ነጺፉ እናወሓደ ሽግረ መከራ መሪርዎ ኩሉ ዓዱ ሓዲጉ እናተሰደ ኣሰር ታሪኽ ጀጋኑና ዝኽተል ተሳኢኑ እንኮ ሓደ
ምክልኻል ሃገር ስምኩም ንመኒኹም ክትከላኸሉ ንህዝብኹም ዘይምሕላይኩም እንታይ ተመኽንዩሉ ኮብሊሉ ዘዕበየ ስድራ ተሓቢእካ ሓዘን ታይክዓብሰሉ ከይሞተ እንከሎ ክቐስን ጻሙኡ ክሪኢ ሕነ ፍደይሉ
መጻንሒ መንግስቲ ዝተባህለ ቆዋሚ ዲክታቶር ኮይኑ ዝብል ዘሎ ወይ ስረ ዕጠቑ ወይ ሱቊልኩም ተጨኮኑ ፈቲኹም ጸሊእኩም ስገዱለይ ከም ጣኦት ንዓይእመኑ ጀጋኑ ሰብ ቅያ የለዉን ዝሓልዩ ኣብ ጎነኹም ዝኾኑ ፈፈሽኳሉዩ ተሪፉ ዘሎ እግረይ ዝሓጽበለይ ደደኒኑ
ዓመታት ሓሉፉ ተኸርዲንኩም ብዘይ ፍርዲ ኣብ በረኻ ኤሪትራዊ ጎበዝ እንታዩ ጉድካ ፍርሒ ድዩ ወይስ ተሰሪኻ ኣብልዕሊ ወለድኻ ዝወርድ ዘሎ ስቓይ ኣይሰማዕካን ዲኻ ኣብ ፈቐዶ መንገዲ ኮይኖም ከም ዝለመኑ ምሰኣኑ ደሃይካ ካብ ምዉቕ ቤቶም ተሰጒጎም ክራይ ከቢሩዎም ብድሕረኻ ቀልጢፍ ርድኣዮም ንብዓቶም ክትሕስስ ተመለስ ገዛኻ
ዓመታት ተጻዊቱ ህግደፍ እናበለ ዶብና ከይተሓንጸጸ ምምላስኩም ስለ ዘስግኦም ጥራዩ ሓንጎሉ ስለ ዝተናወጸ ስልጣኑ ከይምንዛዕ ብኢደዋኒኑ ባዕሉ ስለ ዝተመርጸ ሕልሚዩ ዶብና ክሕንጸጸ ህግደፋዊ ስርዓት ከይተቓበጸ
ህግደፍ ንኸልግስ ኣብ ዓዲ ዘለኻ ተንስእ ተንቀሳቐስ ዝኽሪ ንሰማእታትና ኣሜን
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|