|
||
|
|
||
|
ዙራ ንሃገርካ መንእሰይ ከመይ ጸኒሓትካ ሃገር ከመይ
ኬድካዶ ንሳዋ ግለጸልና እስከ ናይ ዋርሳይ ጽዋ ተስፋ ደለዎ ክምለስ ንገዝኡ ሰሚዑዶ ማእሰርቲ ኣቡኡ ኣዲኡ ብዘይ ፍርሂዶ የዕሊልኩም ምስኡ ገሊጽልካዶ ናይ ውሺጥ ልቡ ቃንዝኡ ብዓይንካ ሪኢካዮ ናብራ ዋርሳይ ኡይ ኡይ ዘሕልፎ ዘሎ ስቃይ ከይማሃር ከይምዕብል ከይሰርሕ ጸገሙ ከየቃልል ኣይረከበን ዕድል ዘርካዮዶ ሞጎራይብ ፎርቶ ጀብሃ ዝነበረቶ መን እሞ ከዘንትወልካ ግን ክንደይ ከይትስሕቶ ነጊሮሙካዶ ሳዋ ጀብሃ ከምዝመስረተቶ በጺሕካዶ መቃብር ዓድኣቢቶ ዓቢ ጋህሲ ሬሳ ብዙሓት እተከቶ ሪኢካያዶ ዓባይ ኣስመራ ብስእነት ተሸጊራ ብማይ ብመብራህቲ ብባኒ ብሕብስቲ ሰብ ተሰሪዓ በብሓንቲ ዜርካዶ ንዓድቀይሕ ሰገነይቲ ደቀምሓረ ተዓዚብካዮዶ ህዝቢ ንስርዓት እናማረረ ህግደፍ ብጽልኣት ህዝቢ ኮሶ ኮይኑ ዕረ ዘርካዶ ዓድኻላ ዓድበጊዖ ብጭብጢ ኣጋጢሙካ ብመርትዖ ህግደፍ ንተማሃራይ ገፊፉ ንሳዋ ክጽውዖ ኬድካ ዶ ንዓሰም ገጽካ ንጢዖ ህዝቢ ከፊእዎ ሲኢኑ ዝበልዖ ሪኢካያዶ እታ ሃሩር ዊዓ መንእሰይ እቅዘፍ ኣብክንዲ መርዓ ዘርካዶ ንዳህላክ ንናኹራ ጸኒሓትካዶ ሃገር ኩላ ተኣሲራ እዛ ሕስምቲ ናኹራ ነቦታትና ኣሲራ ኣሸጊራ ናባና ውን ሰጊራ ፋሺሽቲ ጣልያን ዝጀመራ ኣቲካዶ ንባጽዕ ንሕንጥብሎ እቲ ዓቢ ሸጣን ኣብኡደሎ ዘርካዶ ነፋሲት ደንጎሎ እንታይ እውረሎ ዓላዶ ኬድካ ማይሓባር ተዓዚካዶ ናብራስንኩላን ሕማቅ ንባር የዕሊሎሙካዶ ኣብ ነፋሲት ዘጛነፎም ገለ ዳግማይ ሰንኪሎም ገለ ብሂወት ሃሊፎም ንዓራዒሮ ዶ ኬድካ እስከ በል ወረ ሃባ ታይሰማዕካ ገለ ወረ እሱራት ታየለካ ዘርካዶ ኣካዕበት ናቅፋ ድፋዕ ጀጋኑ ብዙሕ ሂወት ዝሓለፋ ጽንዓት ታሪክ እተጻሕፋ
ጎቦ ደይብካ ጎልጎል ምስወረድካ ሩባሩባ ነዊሕ ምስተጛዓዝካ ዓራግ ምስበጻሕካ ምዓስከር ኮማንዶ ጀብሃ ዝብልዶ ጽሑፍ እምኒ ኣጛኒፍካ በል ንሱ ታሪክ እዩ ኬይትርስዖ ንልቢ ክኮነካ እቶም ጛሶት ሰበግማል ሰብኣሓ የዕሊሎምካዶ ታሪክ ኣዶብሓ ዘርካዶ ነቅርደት ድፋዕ በረንቱ ረኪብካዶ ሺዳ ንተጋዳላይ ምልክቱ ኣብ ጎቦታት ዱታ ንእሽቶን ዓባይን ኣብ ጎላጉል በላቃት የማናይን ጸጋማይን ኣብ ጎቦ ኣልሻን ፍርቶን ላዕለዋይን ታሕነዋይን ታሪክ ጀብሃ ዝነግር ረኪብካዶ ምስክር ኬድካዶ ሃይኮታ ተሰነይ ዓልግድር ጸኒሕካዶ ታሪክና ዝሕብር ዘርካዶ ጎልጅ ገርገፍ እምንሃጀር ሰቲት ካብሱሩዶ ገሊጾምልካ ታሪክ ቃልስና ከይትህውትት ታሪክ ቅሰም ብጽሑፍ ብዕላል ኣልፋ በል ካብ ጎቦ ኣዳል በል ደሓን ቀኒ ኣብዚሔልካ ዘረባ ከይትርስዕ ግን ዓወት ተጎርባ
ንዓካ እየ መንእሰይ ሃገር ተዓዚብካ ዝመጻእካ ንካልእ ከይመስለካ እዚ ወደሓንካ ተ/ገ/ሺ |
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|