|
||
|
|
||
|
ንሰራዊትናስ ሶማል ተኻሪዮሞም ድዮም ዓዲጎሞም? ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ ኖርወይ 31/08/06
ኣዐርዩ በሪሁልና ንጥፍኣትና ከም ዝተዋፈሩ ይግፋዕ ይህደን ኣሎ ወድ ሰብ ከም ጨራሩ ጥይት ከይተርክቦ ገሊኡ ህልም ኢሉ ተሰዊሩ በብዝወፈሮ ስድራ ጠንጢኑ ከይሞት ተሸቚሪሩ
ህግደፋውያን ሕተትሎምባ ታይበደል ከምዝገበሩ ኣሕዋት ዘፍቅርዋ ሃገሮም ጠንጢኖማ እናተባረሩ ኣይትረስዑ ኣካልና ምኳኖም ካባና ከምተጠፈጥሩ ኣዕጽምቶም ከይረግመኩም ክትሳቐዩ ከይትነብሩ ሕልና ወለድኹም ውረሱ ንድሕነቶም ተማኸሩ
ካርታኦም ሒዞም እናተቛመሩ ጣላዕ ብህዝብና ከም ጠለበጊዕ ንሶማል እናተሸጡ ዕሸላት ደቅና ኣብ ዘዘለኻዮ እንተዘይ ተንቀሳቒስካ ብሕልና ደምና ሰ.ኣይጸግቡናንዮም ገና ካልእ ክንርኢና
ካብዚ ዝረአ ዘሎ መዘና ዘይብሉ መቕዘፍቲ ብሰላሕታ ዝጠፍኤ ይበዝሕ ተጨውዩ ብለይቲ ደም ዝቐለቦም ሰይጣን ዲግሪ ዝሃቦም ኣጋንንቲ ብጨካናት ህግደፍ ዕለቶም ዝወደቐ ሊቃውንቲ ኤሪትራዊ ተናዒቑ መላገጺ ኮይኑ መጻወቲ
እንታዩ ብልሓቱ ኣብዘይ ጉዳይካ ጥልቕ ውትፍ ነስላምካ ጮኲንካስ እንዳማትካ ኣስላም ምድጋፍ ትዝክሩዶ ጅሃድ ጅሃድ እናበለ ክጭድር ክልፍልፍ ሙዚቃ ኣምሓርኛ ኣይትስምዑ እናበለ ከዕዘፍዝፍ ስርሑ ናይ ቆላዑ ይሁድ ኣንበሳ ዘእምነገደ ህግደፍ ባዕሉ ክለሃየሉ እናሓደረስ ንኻልኦት ሕደግ ግደፍ
ቲቪ ኤረ ኣብ ክንዲ ብዓረብን ብትግርኛን ዝጅምሩ ናብ ጤናይስጥልኝ እንደምን ኣላቹ ዝብል ተቐይሩ ህዝብና ኣባሪሩ ቅንጅታውያን ከም ድላዮም ክዕንድሩ ሓቆምዮም.ባ ኣ.ኣበባ ዘለና ጥዒሙና ኢሎም ክጃሃሩ
ካልእ ከታኣታትዉ ዝደልዩ ባህልና ጨፍሊቖም በብቕሩብ ይቕላዕ ኣሎ ዝመጽሉ ታሪኽ መበቆሎም ዘንጊዕናምበር ዘርኢ ኣለዎም ምስ ኣምሓራ ጎጃም ደቂ ስግር መረብ ንኸጥፉኡና ድግድጊት ተዓጢቖም ኤርትራ ናይ ጠፋሻት መዲና ክገብርዋ ዕዳጋ ደም መኣከብ ዓለም ዝፈንፈነቶም ናይ ተሮሪስቲ ማዕከን
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ን ስውኣትና ኣሜን
|
||
|
DISCLAIMER: The author/s contributed for this article/opinion and is/are solely responsible for its contents
Contact Us at: webmaster@nharnet.com |
||
|
|